ድለ

ገሊኡ ውጥረትን ግጭትን ሓሶትን ክዘርእ እንከሎ ብትዕግስትን ብቘራጽነትን ናይ ሰላም ባህሊ ንኽንሓጽ ዝተጸዋዕና ኢና ገሊኡ ውጥረትን ግጭትን ሓሶትን ክዘርእ እንከሎ ብትዕግስትን ብቘራጽነትን ናይ ሰላም ባህሊ ንኽንሓጽ ዝተጸዋዕና ኢና 

ፍራንቸስኮ፥ ነቶም ግዳያት ጥሜት ዝኾኑ ሰባት ዝሓልይን ጸገማቶም ዝጻወር ስርዓት መግቢ

ድሕሪ 2020 ዓ.ም. ድማ ናይቶም መግባዊ ውሕስነት ዘይብሎም ዜጋታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድን ክቱር ኩነታት ማሓድሮኣውን ቍጠባውን ቅልውላው ገሊኦም ኣገባባት ንምቕያር ኣጋጣሚ ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዕለት 14 ሰነ ክሳብ ዕለት 18 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ናብ ዘካይዶ መበል 42 መደብ ዓውደ ኣኼባ፥  ድሕሪ ለብዒ ዝግበር ዳግመ ሕንጻ ቑጠባ ኣንፈት ንምቕያርን ነቶም ተነቐፍቲ ንምሕጋዝን ኣጋጣሚ ዝኸፍት ክኸውን ሓደራ ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ነቲ ክሳዕ ዕለት 18 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብናይ ፖላንድ ናይ ከባቢ ኣየርን ማሓድሮን ጉዳይ ሚኒ. ሚካል ኩርትይካ ተመሪሑ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግብን ሕርሻን ውድብ መበል 42 መደበይና ዓውደ ጉባኤ፥

ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ብኹሉ ተበጻሒ ዝገብር ዕዋዲ ቍጠባ

ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ድሕረ ባይታ ዝገበረ ኮይኑ፥ እቲ ዘሕዝን - ይብሉ - ድሕሪ ዝተበጽሑ ምዕባሌታት ሎሚ እውን ብዙሓት ሰባት “ዘድልዮም መግቢ ኣብ ዘይምርካብ ኩነት ክርከቡ ምርኣይ እዩ”፡ ድሕሪ 2020 ዓ.ም. ድማ ናይቶም መግባዊ ውሕስነት ዘይብሎም ዜጋታት ብዝሒ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድን ክቱር ኩነታት ማሓድሮኣውን ቍጠባውን ቅልውላው ገሊኦም ኣገባባት ንምቕያር ኣጋጣሚ ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ፡ እንተዘይኮነ ነቲ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ንኸብል ዝድርኽ ይኸውን፡ “ንዅሉ ሰብ እንኰላይ ንዝመጽእ ወለዶታትን ውሕስነት ጸጋታት ዝህብ ንኣጠቓቕማ ናይ ሕዱስ ጸዓት ዘተባብዕን ክብ ዝበለ ቝጠባ ንምቛም ሓለፋ ዝብል ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ምስትውዓል የድሊ።”

እዋናዊ ኣንፈት ምቕያር

ር.ሊ.ጳ. “ንመኽሰብ ጥራሕ ግዙእ ዘይኰነ፡ ሚዛን ሰብ ዘለዎ ኤኮኖሚ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰርተ ዓርኪ ስነ ግምባርን ንማሓድሮ ኣኽብሮ ዘለዎ ሰብኣዊ ቝጠባ” ምሕንጻጽ የድሊ” ቢሎም፡ እዚ ኸኣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝምህረና “እዋናዊ ኣንፈት ንመጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ኪጻወር ብቝዕ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ስርዓት መግቢ ውሑስ ናብ ዝግበር መገዲ ምቕያር ዝብል እዩ፡” እዚ ኸኣ ብፍላይ ናይ ስድራ ቤት ሕርሻን ማሕበርሰብ ገጠራትን ጠቓሚ ግደ ኣብ ግምት ዘእቱ ቀጻልን ብዙሓ ኣገባብ ሕርሻን ዘኽብር ክኸውን ኣለዎ።” “እቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ እቶም ምሕርቲ ዘቕርቡ ሓረስቶት ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም፡ ሰለስተ ርብዒ ድኻታት ዓለም መነባሮኦም ኣብ ሕርሻ ዝምርኰስ እዩ፡ እንተዀነ ግን ካብ ዕዳጋን ዋንነት መሬትን ካብ ቍጠባዊ ሃብትን ካብ ትሕተ ቅርጽታትን ዕደ ጥበብን ዝተገሉ እያቶም።”

ንዋላ ሃደ ድሕሪት ዘይጥንጥን ጽባሕ

ንዓለም ሓቆፍ ናይ መግብን ሕርሻን ውድብ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ “ብሓደስቲ ኣገባባትን ስርዓትን ምዕባለ ድዩ ናይ ኣህላኽን ብናይ ከባቢ ስርዒት ማሓድሮን እተፈላለዩ ዓይነት እትክልትን ዚዕቅብ ርእሰ ውሕስነት መግቢ ናብ ዝብል ደረጃ ንምብጻሕ ዝድግፉ ጻዕርታት” ሓደራ እንክብሉ ተላብዮም፡ “ገሊኡ ውጥረትን ግጭትን ሓሶትን ክዘርእ እንከሎ ብትዕግስትን ብቘራጽነትን ናይ ሰላም ባህሊ ንኽንሓጽ ዝተጸዋዕና ኢና፥ እዚ ባህሊ እዚ ኸኣ ንዅሉ መዳያት ሕይወት ወድሰብ ዝሓቑፍ ንተህዋስ ዘይምግዳስ ንኸነወግድ” ዝሕግዘና እዩ። ኵሉ ውስታ ይብሉ ቅዱስነቶም “ብመስረት ናይ ውልቀ - ሰብን ሓባራዊ ሓላፍነታትን “ሕውነት” ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ። እምበር ከስ “እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፈተና ንዋላ ሓደ ዘይጉሕፍ ናይ ኩሉን ንዅሉ ዝሓቁፍ ጽባሕ ንምድላው ዘኽእል ኣጋጣሚ ጌርና ንጠቐመሉ” እንክብሉ መልእኽቶም ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

16 June 2021, 00:13