ድለ

2021.06.21  መቀበል ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ር.ሊ.ጳ ንጉጅለ እሱራት ተቀቢሎም እንከዘራርቡ 2021.06.21  መቀበል ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ር.ሊ.ጳ ንጉጅለ እሱራት ተቀቢሎም እንከዘራርቡ 

‘ስለ እቲ ወትሩ እትሁቡና ተስፋ እግዚአብሔር ይሃበልና!’ ጒጅለ እሱራት ንር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ቤትማእሰርቲ ረቢብያ ንምብጻሕ ቤተመዘክር ቫቲካን ዝተጓዕዙ ጒጅለ እሱራት ምስ ተሓጋገዝቶም ኣብ መቀበል ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ተቀቢሎም ከምዘዘራረቡን ከምዘተባብዑን እንክምልከት ናይቲ ቤትማእሰርቲ ኣባትነፍሲ ንቅዱስነቶም ስለቅርበቶምን ንክብርን መሰልን እሱራት ኣብ ምሕላው ንዝህብዎ ደገፍን ኣመስጊኖም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣነ መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ቤትማሰርትታት ንዝርከቡ ፍሉይ ቈላሕታ ከምዘለዎም በቲ ኣብ መጀመርያ ዓመት ሢመቶም ኣብ ዕለተ ጸሎተ ሓሙስ ሥርዓት ሕጽበተ እግር ኣብ ቤትማሰርቲ ኣእጋር እሱራት ብምሕጻብ ዝፈጸምዎ ንብዙሓት ዘደነቀ ኣእጋር ደቂተባትዕዮን ደቂኣንስትዮን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን እምነታትን ብምሕጻብን ንኩሉም እሱራት ናይታ ዕድለኛ ቤትማእሰርቲ ብምብጻሕን ከምዝጀምርዎ ዝዝከር እዩ። በብግዜኡ እውን ብሃንደበት ካብ ዝገብርዎ ምብጻሓት ቤትማእሰርታት ነበረ።

ዕለት 21 ሰነ 2021 ዓም ግን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ቤተመዘከር ቫቲካን ንክርእዩ ዝተሓርዩ እሱራት ምስ ሓለፍቶምን ሓለውቶምን ሰዓት 8.45 ኣብ ቫቲካን ኣብቲ ቅዱስነቶም ዝነብሩሉ መቀበል ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዓጒጎም ምርኣይ ንብዙሓት ዘደነቀ ነበረ። ከም ህያብ ከኣ ህብስቲ ዝመልኦ ሰኪዔት ሒዞም ነበሩ። እቶም እሱራት ኩሉ ኩሎም 12 እንክኾኑ ንቅዱስነቶም ፍሉይ ምስጋና ንምቅራብ ምስጋና ብምስጋናኡ ከኣ ‘ስለ እቲ ከይተሓለሉ ንእሱራት ዘስንቅዎ ተስፋ ፍሉይ ምስጋና ነቅርብ’ ዝብል ነበረ።

ዳርጋ ቤተሰባዊ ርክብ ክትብሎ ዘድፍር ዓይነት ርክብ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዞም ኣብ ተነጽሎ ኣብ ቤትማእሰርቲ ንዝነብሩ ሰባት ዝህብዎ ፍሉይ ቈላሕታ ዝገለጹሉ ምዃኑ ነዚ ከኣ ሎሚ ከይኮነ ቀደም ኣብ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት ቦነስ ኣየርስ እንከለው ጅሚሮም ምስ እሱራትን ቤተሰባቶምን ዝነበሮም ርክብ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ ዓዓሰርተ ሓሙሽተ መዓልቲ ስልኪ ብምድዋል ገና ይቅጽልዎ ከምዝለው ብምግላጽ እዮም ምስቶም እሱራት ናይ ልቦም ዘዕለሉ።

ነቶም እሱራት ኣሰንዮም ዝመጹ ኣበነፍስ ቤትማእሰርቲ ረቢብያ ኣባ ሞረኖ ቨርሶላቶ ነቲ ፍጻሜ እንክገልጹ ‘ነፍስወከፍ ኣባል እቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ቅዱስነቶም ዘይርሳዕ ተመኲሮ ቀሲሞም’ እንክብሉ ገለጽዎ። እቶም እሱራት ጥራይ ዘይኮነ ነቶም እሱራት ኣሰንዮም ዝመጹ ሓላፊት ናይቲ እዞም እሱራት ዝርከቡሉ ክፍሊ ኣና ማርያ ትራፓሶ ሠለስተ ኣሰልጠንትን ሓለዋ ፖሊስ ናይቲ ቤትማእሰርትን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ደያኑ ነቱ ኩነታት ዝዕዘባን እውን ናይዚ ርክብ ተቋደስቲ ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።

ንኩነታት ናይቶም እሱራትን ፍጻሜ ናይቲ ርክብን ዝግምግማ ክልተ ደያኑ ኣና ቫሪን ፓውላ ካፐሊን ኣብቲ ርክብ ምጽንባረን እውን ፍሉይ ትርጉም ዝህብ ምዃኑ ዝገለጹ ኣባ ሞረኖ እዘን ዳያኑ እዚኤን ናይዞም 12 እሱራት ኩነታት መዚነን ኣብ ሕብረሰብ ዳግም ንክምለሱ ፍቃድ ዝኽትማ ኣብ ርእሲ ምዃነን ደያኑን እሱራትን ብሓባር ኣብ ሓደ መኣዲ ርክብ ቅዱስነቶም ምስታፍ ብሓቂ ሓደ ክፍሊ ትምህርቲ ሕይወት ንኩልና ዝኸውን እዩ ኢሎም።

ድሕሪ እዚ ርክብ እዚ ንምብጻሕ ቤተመዘከር ቫቲካን እንከቅንዑ ናይቲ ቤተመዘክር ሓላፊት ባርባራ ያታ እውን ነዞም ኣምባሳደራት ቤትማእሰርቲ ረቢብያ ዝበለቶም ጒጅለ እዚኦም እንቋዕ ደሓን መጽእኩም ክብላ ብፍሕሽው ገጽ ተቀበላኦም። ነዚ ፍጻሜ እዚ እውን ኣባ ሞረኖ ድሕሪ ነዊሕ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ 19 እዞም ኣብ ብርቱዕ ተነጽሎ ዝነብሩ ዝነበሩ እሱራት ከምዚ ዓይነት መስተርሆት ምርካቦም ዓቢ ዕድልን ጸጋን እዩ። ነቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ተሪፎም ዘለው ብጾቶም እውን ንሕይወቶም ብዕምቈት ዝትንክፍ ጽባቄ ከምዘንጸባርቁሎም ዝየከሓድ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ር.ሊ.ጳ ምስ እሱራት ዘለዎም ሓልዮት ክሳብ ክንደይ ንጹሕን ዓቢን ምዃኑ ክምስክሩ ይኽእሉ ኢሎም።

ኣብ ፍጻሜ እቲ ምብጻሕ ሓላፊት ቤተመዘክር ር.ሊ.ጳ ባርባራ ያታ እቲ እቶም እሱራት ዘበርከትዎ ህብስቲ ምስጋና ዓቢ ትርጉም ከምዘለዎን እቲ ኣብ ግዜ ውሸባ ለበዳ ኮቪድ ህብስቲ ናይ ምስራሕ ልምምድ ቤትማእሰርቲ ንብዙሓት ጥበብ ከምዝመሃረን ድሮ ካብቶም እሱራት ሸውዓተ ዝኾነ በዚ ሞያ ምስራሕ ህብስቲ ብሓደ ዕዮ ህብስቲ ሥራሕ ከዝተቈጽሩን ገሊጸን። ምስቲ ህብስቲ ብሞሳይክ ኣብ ሓቲ ሕጡብ ዝተወቀጠ መስቀል እውን ማንም ምልክት ዘይኮነ ምልክት እምነትን ተስፋን እዩ እንክብላ እቲ ንር.ሊ.ጳ ዝተወፈየ ህብስትን መስቀልን ክንዮ ልባዊ ምስጋና ዝሰግር ምዃኑ ገሊጸን።

22 June 2021, 11:48