ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንማእከላይ ኣመሪካ፥ ክብረት ሰብ ናይ ፖሊቲካ ማእከል ይዅን ር.ሊ.ጳ. ንማእከላይ ኣመሪካ፥ ክብረት ሰብ ናይ ፖሊቲካ ማእከል ይዅን 

ር.ሊ.ጳ. ንማእከላይ ኣመሪካ፥ ክብረት ሰብ ናይ ፖሊቲካ ማእከል ይዅን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ናይ ሓባር ቤትናን መሬትን ማይን ምብራስ ኣግራብን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ምብሓትን ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ዝፈጥርዎ ሓደጋ እንነብረላ ናይ ሓባር ቤት ንምዕቃብ፥ ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቁፍ መደብ ምዕባለ ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ፍጥረት ግምት ዝህብ

ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ናይ ምትሕብባር ሜላ ቅዋሜ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ኣብቲ ከባቢ ዝተነቓቕሔ ምትሕብባር ኣማእኪሉ ናብ ዝተሰናደው ዓውደ ኣኼባ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ህዝብታት ማእከላይ ኣመሪካ ትጓዓዝ” ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዒት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፣

“ቅድስቲ መንበር ናይ ህዝብታት ናይ ዶባቶም ናይ ምምሕዳር ምሉእ መሰል ምርግጋጽ ነቲ ሰብን ክብረቱን ኣብ ማእከል ነፍሲ ወከፍ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምግባር ዝዓለመ ሓባራዊ ድልዱል ከምኡውን እተወሃሃደ ዞባዊ ቃል ኪዳን ውሑስ ይዅን” ዝብል መርገጺ ቅዱስነቶም ኣብቲ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብ 1993 ዓ.ም. እተበገሰ ካብ 2012 ዓ.ም. ኣትሒዙ ቅድስቲ መንበር ግዳማዊት ተዓዛቢት ሃገር ብዝብል መሰል ኣብ እትሳተፈሉ ሰላምን ፖለቲካዊ ናጽነትን ደሞክራስን ኤኮኖሚያዊ ምዕባለን ሸቶ ኣብ ዝገበረ ናብ ንማሕበር “ስርዓት ምትሕብባር ማእከላይ ኣመሪካ” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቃሊሖም፥

ቅኑዕ ስርዓት ኤኮኖሚ

እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ጥዕናን ቝጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው “ንዅሉ ዓቢይ ፈተና፡ ኵሉ ፍጥረት ኣዳም ሓመድ” ምዃኑ ለቡ ዝብል ከምዝኾነ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ድማ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት “ሓባራዊ ኣቃልቦኦም ናብ ኵሉ ኽገብሩ ጻውዒት ዘቕርብ” እዩ፡ ቢሎም ነቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ምኽንያት ማሕበራውን ሰብኣውን ስቓይ ኮይኑ ዘሎ ብፍልዩ ዘኪሮም፡ እቲ ዘይቅኑዕ ናይ ቝጠባ ፖለቲካን ቅልውላው ማሓድሮን ንናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ንስቓይን ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርግ ጸገም ኵሉ ጠቒሶም፥

ስደትን ንግድ ሰብን

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብብርቱዕ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ንስቓይ ከምዝዳረገን እዞም ሰባት ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ንስደተይናታት ዝወሃብ ዑቕባ ዘይረኽቡ ነቶም ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዘንቀስቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ንግድ ሰብ ንዝፍጽሙ ናይ ገበን ጉጅለታት ሓደጋ ክቃልዑ ዝገብር ከምዝኾነን . . . ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝመዛበሉ ዜተኣማምን ዑቕባ ክረኽቡ መታን ሰብ ዘመእከለ ፖለቲካ ወሳኒ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ እግዚኣብሔር ምርካስ ማለት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መልእኽቶም ናይ ሓባር ቤትናን መሬትን ማይን ምብራስ ኣግራብን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ምብሓትን ምዝመዛን ዝኣመሰሉ ሰባት ካብ ዝፈጥርዎ ሓደጋ እንነብረላ ናይ ሓባር ቤት ንምዕቃብ፥ ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቁፍ መደብ ምዕባለ ኣገዳሲ እዩ፡ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ፍጥረት ግምት ዝህብ። ንዅሉ መንበሪ ቤትን መሬትን ስራሕን ውሑስ ክሳብ ዘይኸውን ሰላም ወትሩ ኣብ ሓደጋ እያ ቢሎም፥ ንግድ ሰብ ከብቅዕን ንቈልዑን ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር ፖለቲካን ደቀንስትዮ ክኽበራን ካብ ዝኾነ ይኹን ዓመጽ ናጻ ክኾና ቅዱስነቶም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ስም እግዚኣብሔር ምርካስ ማለት እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ትምህርቲ

እቲ ብሰንኪ ለብዒ እተፈጥረ “ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅልውላው ትምህርቲ” ምስ ቀይድታትን በስገዳድ ዝፍጠር ርእሰ ምግላልን ተደሚሩ “ነቲ ዘሎ ዘይማዕርነት ኣጒሊሕዎን ኣብ ሃገራዊ ዶባት ኰነ ወጻኢ፡ እቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ መጻወድያ ናይ ገበን ጉጅለታት ናይ ምውዳቕ ኣጋጣሚ ክብ ኣቢልዎ እዩ” እዞም ብድሆታት እዚኣቶም በቲ ነቶም ግዳያት ዜዕቝቡን ገበነይናታት ንፍርዲ ዘቕርባን ብሔራውን ዓለም ለኻውን ናይ ምትሕብባር ማሕበራት መሰረት ኪፍታሕ ኣለዎ”. . . ናይ ግብረ ሰናይ ድጋፍ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ግዳያት ናብ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ዘሰንይ ድጋፍ ምቕራብ ወሳኒ እዩ፥ ስለዚህ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ነተን ኣብ ዞባታት ሰብኣውን መፍነሳውን ድጋፍ ዘቕርባ ኣቢያተ ክርስቲያን ዕሽሽ ምባል ዘይኮነ ክዋስኣ ምድጋፍ ይግባእ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ህዝብታት ማእከላይ ኣመሪካ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ዞባዊ ሕዳሴ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ሓባራዊ ጥቕሚ ንምድንፋዕ ከምኡውን ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንኽግዕዙን ክስደዱን ዝድርኽ መሰረታዊ ምኽንያት ግምት ብምሃብ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጸገማት መሰረታዊ መልሲ ኣብ ምቕራብ መዳይ ብምትሕብባር ምዕያይ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣዘኻኺሮም፡ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ እቶም ቅልውላው ብትብዓት ንኽብድህ  ምስ ዝዓዪ መላእ ሕዝቢ ማእከላይ ኣመሪካ ሓቢራ ትጓዓዝ፡ እዚ ጉዕዞ እዚ እውን ምስ ሓባራዊ ምትእምማንን ትብዓትን ብዝመልኦ ተስፋ ክቕጽል” ተማሕጺኖም ከምዘጠቓልሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 June 2021, 23:16