ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ድሕነት ብኢየሱስ ፍጻመ ዘይኮነ ምሉእ ድሕነት እዩ

ስለዚ ብጸሎትን ብሕይወትን ብትብዓትን ብተስፋን ጸሎት ኢየሱስ እናሰማዕናን ጽን እናበልናን ንቕድሚት ንስጒም፡ ኢየሱስ ምእንታይ ናብ ኣቦ ከምዝጽልይ ብምስትውዓል ብሕይወትና ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንኽውን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ወትሩ ረቡዕ ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሎሚ ዕለት 16 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣጸድ ቅዱስ ዳማዞ ኣብቲ ትምህርቲ ክርስቶስ ንዝሓበሩ፥ “ህላወ ክርስቶስ ንኽስምዓና ትብዓትን ተስፋን ክህልወና ተማሕጺኖም - ሕይወትና “ንኣምላክ ክብሪ ምሃብ” እያ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንጸልማት እትሰብር ኣብ ከናፍር ኢየሱስ ሕሹኽ እትብል ቃል ኣላ፥ እታ ቃል እቲኣ ድማ “ኣባ” እትብል ቃል እያ። እዛ ቃል ኣዚኣ ልማኖን ዘተን ሕድርን እያ እተሰምዕ፡” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣጸድ ቅዱስ ዳማዞ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ኢየሱስ ዘጋጠመ ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻመ ሕማማቱን ሞቱን ብምትንካፍ፡ ነቲ ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ዝጀመርዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ይዛዝሙ። እዚ ኸኣ ብኣልቦ - ቃላትን ብጽሞናን  ብተኣምኖ ውላድ ከምቲ ኣብ መወዳእታ ድራር ንእግዚኣብሔር እናጠመተ ዘቕረቦ ጸሎት ልመና፥ “ኣብቲ ኣዚዩ ኣብ ዘሳቕይ ስቓይ እውን እንሀልው፥ በይንኹም ኣይኮንኩምን በይንኻ ኣይኮንካን ኣይኮንክን” ዝብል እዩ፥

ናይ ኢየሱስ ጸሎት ጽዑቕ እዩ፡ ጸሎት ኢየሱስ ፍሉይ እዩ፡ ኣብነት ጸሎትና እውን ይኸውን። ኢየሱስ ምእንቲ ኵላትኵም ምእንታይ እውን ጸልዩ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና ‘ኢየሱስ ኣብ መስቀል ኰይኑ ምእንታይ ጸልዩ’ ኽንብል ንኽእል ኢና፡ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ‘ኣብ ናይ መወዳእታ ድራርን ኣብ ዕንጸጨይቲ መስቀል እውን ምእንታዅም ጸልየ እየ’ ኪብለና ይኽእል። ኣብቲ ኣዚዩ ዜሳቕየና እዋን እውን እንተኾነ በይንና ኣይንኸውንን ኢና፡

መሲሓዊ ድሕነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት ምስ ኣቦ ዝግበር ዝርርብ ምዃኑ የዘኻኽሩ፡ ስለዚ ከኣ እዩ “ጸሎት ናይ ኢየሱስ ናይ ህላወኡ ሕመርት” ዝኸውን፡ ኣስዒቦም እውን ኣብ ወንጌል እቲ ኣብ ህይወት ኢየሱስ ዘጋጠመ ሓያል ፍጻመታት ብዝርዝር እውን ከይተረፈ ስለ እተነግረ ንብምሉኡ ታሪኽ ሕይወት ሓድሽ መብርሂ ሂብዎ እዩ፥ እቲ ምስ ኣቦ ዝግበር ዘተ - ጸሎት፥

ኢየሱስ ንስቓይን ሕማምን ደቅሰብ ዝከናኸን ገባር ሰናይ ኣይነበረን የገዳስ ካብኡ ንላዕሊ እዩ ነይሩ፡ ኣብኡ ሰናይ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕነት እውን ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ካብ ሕማም ወይ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ዜድሕነኒ ድሕነት ዘይኰነስ ምሉእ ድሕነት - መሲሓዊ ድሕነት እዩ። ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ምሉእ ብምሉእ ከም እተዓወተ ተስፋ ዚህብ፡

ካብ ደልሃመት ናብ ናይ ኣቦ ብርሃን

ኢየሱስ ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ጌተ ሰማንየ “ብጓሂ” ዝተሸፍፈነ ጸሎት እዩ ዘቕርብ፥

ኣብቲ ከቢድን ጽንኵርን ግዜ ኢየሱስ ንኣምላኽ “ኣባ” እንክብል እዩ ዝጸወዖ፡ ኣባ እትብል ናይ ኢየሱስ ቃል ጥቡቕን ውሱጥን ኣመኔታ ዘሎዎን ርክብ እያ እተስምዕ፡ እቲ ጸልማት ኣብ ዙርያኡ እናጸዓቐ ይመጽእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነዚ ኵነት እዚ በታ ‘ኣባ’ እትብል ቃል እዩ ዝሓልፎ።

ሃይብ ኣቦ ንምፍጻም ኣብ መስቀል

እታ ‘ኣባ’ እትብል ቃል ኣብ መስቀል ኣንከሎ እውን ዝደገማ እያ፡ ትብዓት ዚመልኦ ጸሎት እያ እተስምዕ፡ ከመይሲ ኣብ መስቀል ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ - ኢየሱስ እቲ ፍጹም ማልዶት እዩ፡ ምእንቲ ኻልኦት ምእንቲ ዅሎም እንኰላይ ምእንቲ እቶም ዝዅንንዎን ብጀካ ሓደ ድኻ ገባር ክፋ ጥራሕ ኣብ ጐድኑ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን - ምእንቲ ዅሉ ይጽሊ። ጸሎት ብዛዕባ እቶም ‘ድኻታት ዓለም’ ማለት ብዛዕባ እቶም ‘ብዅሉ እተረስዑ’ ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መንፈስ ኣብ ዘድሓነሉ እዋን እውን ከይተረፈ ‘ውሉድነት’ መግለጺ እዩ።

ኣብ መስቀል ውህበት እቲ ፍቕሪ ኣቦ ይፍጸም፡ እዚ ኸኣ ድሕነትና እዩ፡ ድሕነትና እዩ ዝፍጸም፡ ብጀካዚ ሓንሳእ እውን ‘ኣምላኸይ’ እንክብል ጸዊዕዎ እዩ፡ ኣቦይ ኣብ ኢድካ መንፈሰይ አንብራ ኣሎዅ ይብል፡ ማለት ኵሉ ነገር እቲ ሰለስተ ሰዓት ኣብ መስቀል ጸሎት እዩ ዝነበረ።

ጸሎት ዘርክቦ ጸጋ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ካብ ርሑቕ ዘበገስዎ እስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ  ባህ ዜብል ነገር ብምቕራብ ይዛዝሙ፥

እቲ እንጽልዮ ጸጋ ጥራይ ዘይኮነስ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘ጸሊና’ ኺበሃል እንከሎ፡ ነቲ ኢየሱስ ምስ ኣቦ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ማለት ምስ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ሓንጐፋይ ተባሂልና ዝተኣንገድናን ኣቀባብላ ዝተገበረልናን ኢና፡ ኢየሱስ ምእንታይ እዩ ዚጽሊ፥ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ኣብ ልብና ነወስጦ ሓደራ - ከይትርስዕዎ። ኣብ ዝኸፍኣ ጽንኩር እዋን እውን ከይተረፈ። ኣብቲ ኢየሱስ ኣብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሱታፌ ምስ ኣቦ ዝገበሮ ዝርርብ ድሮ እንጉዳት ኢና፥ ሓጉፋይ ዝብል እንገዳ ዝተገበርሎም ኢና።

ሕይወት ‘ንኣምላኽ ክብሪ” እዩ

ፍራንቸስኮ ተባዓትን ትስፍዋትን ንኽንከውን ዓዲሞም፥  ነቲ ኣብ ጸሎት ጸማእኪሎም ዘበገስዎ መበል 38 ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

ስለዚ ብጸሎትን ብሕይወትን ብትብዓትን ብተስፋን ጸሎት ኢየሱስ እናሰማዕናን ጽን እናበልናን ንቕድሚት ንስጒም፡ ኢየሱስ ምእንታይ ናብ ኣቦ ከምዝጽልይ ብምስትውዓል ብሕይወትና ንእግዚኣብሔር ክብሪ ንኽውን፡ ኢየሱስ ምእንታይ ይጽሊ፡ ክብረት ይሃበለይ!

ቢሎም ዛዚሞም ሓዋይውዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 June 2021, 20:50
ንኩሉ ኣንብብ >