ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ትግራይ - ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክረከቦ ይምሕጸኑ!

ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ስቓዮም ንምእላይ ዘገልግሉ ዘለዉ ምስጋናይ አቕርብ፡ መእንቲ እዚ ሓሳብ እዚ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጸልይ!

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ትግራይ ዘሎ ንሕልና ዚብድህ ዜሕዝን ሰብኣዊ ቅልውላው መፍትሒ ክረከቦ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም፥ ምእንቲ እቶም ብዓመጽ ዝተተንከፉ ተቐማጦ ዞባ ትግራይ ብሓባር ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያን ጸሎት ንድገም ቢሎም፡ ድሕሪ ዝዓረገ ጸሎት፥ ብስእነት መግቢ ህይወት ሰብ ክሓልፍ ሓደራ እንጻወሮን እንለማመዶን ኵነት ከይኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጢ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ንኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ግጭትን ጽንኩር ጥምየት ንዝርከቡን ዘለዎ ሕዝቢ ትግራይ እናሓሰቡ፥

ኣብ ኢትዮጵያን በቲ ብሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ንዞባ ሕዝቢ ትግራ ብፍላይ ነቶም ንዝኸፍኤ ሓደጋ ንዝተቓልዑ ናይቲ ዞባ ድኻታት ቅርበተይ አረጋግጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ጥምየትን ዓጸቦን ይረአይ ኣሎ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎትን ምሕጽንታን

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ዝርከቡ ተቐማጦ ዞባ ትግራይ ዘድሊ ሓገዝ ክቐርብ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምእንቲ እቲ ሕዝቢ ብሓባር ሰላም ለኪ ጸሎት ንድገም ቢሎም፥

ብሓባር እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብልን ንዅሉ ናይ ሰብኣውን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ውሑስ ክኸውንን ማሕበራዊ ስኒት ብሕጹጽ ናብ ንብሩ ክምለስን ንጸልይ! በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ነቶም ኣብ ጽንኵር ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ስቓዮም ንምእላይ ዘገልግሉ ዘለዉ ምስጋናይ አቕርብ፡ መእንቲ እዚ ሓሳብ እዚ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንጸልይ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ህልው ኵነታት

ካብ ዝሓለፈ ቀውዒ ኣትሒዙ ኣብ ዞባ ትግራይ ኣብ መንጐ ናይቲ ዞባ ነበር መርሕነት ኣካላትን ናይ ኢትዮጵያ ማእከላይ መንግስቲ ሓይሊ ምክልኻል ብዝተበገሰ ሕድሕዳዊ ውግእ ኣብቲ ከባቢ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንቕልውላው ከምዝዳረገን ኣባይቲ ሕክምናን ኣባይቲ ትምህርትን ከምዝዓነወን ብዝገደደ ተራ ህዝቢ፥ ኣረጋውያንን ሕጻናትን ንዝኸፍአ ስቓይ ዝተቓልዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከምዝኾኑን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕዝቢ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ኣበርቲዑ ይዓዪ ከምዘሎን ናይ ኢትዮጵያ ብጹዓን ጳጳሳት እውን እቲ ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦን ሕዝቢ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ክምለስ እውን ጻውዒት እቕሪቦም ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

13 June 2021, 15:53