ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዙሓት ብስእነት ስራሕን ኣብ ዘዋርድ ስራሕን፡ ብህጹጽ ቍጠባዊ ተሓድሶ የድሊ ር.ሊ.ጳ.፥ ብዙሓት ብስእነት ስራሕን ኣብ ዘዋርድ ስራሕን፡ ብህጹጽ ቍጠባዊ ተሓድሶ የድሊ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዙሓት ብስእነት ስራሕን ኣብ ዘዋርድ ስራሕን፡ ብህጹጽ ቍጠባዊ ተሓድሶ የድሊ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝፍጠር ዘሎ ምጒዳል ናይ ስራሕ ሰዓታት ዳርጋ ስራሕ ምስኣን እዩ፡ ሓያሎ ህዝባዊ ኣገሎታትን ሓያሎ ንግዳዊ ትካላትን ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም እዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ኪጠፍእ ወይ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ኪጠፍእ ይኽእል፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስእነት ስራሕ ተራእዩ እዩ

ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 17 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስራሕ ጉዳይ ዝከታተል ውድብ ጀነቭ ኣብ ዝጀመሮ መበል 109 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ናብ ድህረ ኮቪድ - 19 ኣብ እነብረሉ ዘሎና እዋን ዘይቅብል ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽን ዕዉር ኣህላኽነትን ክውገድን፡ ኪድምሰስ ዘለዎ ወይ ዚኽእል ህዝቢ የሎን፡ ሰራሕተይናታት ኣብ ማሕበራት ሸቃሎ ክሓብሩ መሰል ኣለዎም” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ማሕበር ሸቃሎ ምጥርናፍ መሰል እዩ” ናይ ብሕቲ ጥሪት እውን መሰል እዩ” እዚ ኸኣ ኣብቲ ኵላዊ መዓርፎ ጸጋታት ኣብ ዝብል ኣብቲ መሰረታዊ ቀዳማይ ሕጊ” እተመርኮሰ ምዃኑ ይገልጹ። ኣስዒቦም እዚ ሕጂ ንብዙሓት ዕለታዊ ሰራሕተይናታትን ንስደተይናትትን ኣብ ዘይርጉጽነት ንዝርከቡ ዜጋታትን ናይ ቤት ሰራሕተይናታትን ኣብ ጐደናታት ንዝንግዱን ልዕሊ ዅሉ ከኣ ንብዙሓት ደቀንስትዮን “ንሓደጋ ዘቃልዕን ረሳሕን ሕሱርን” ስራሕ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኣገዳስነት “ዓሚቝ ተሓድሶ ቝጠባን፡” ስራሕ “ብሓቅን ብመሰረቱን ሰብኣዊ ክኸውንን ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቶም ኣብ ሕድጋት ስራሕ ንዝርከቡ ምድጋፍ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንቤተ ክርስቲያንን ንመንግስታትን ኣብ ሕቶ የእትዉ፡ ነቶም “ኣብ ሕድጋት ናይ ስራሕ ዓለም” ዝርከቡን በቲ ኮቪድ ዘስዓቦ ዘደንጽው ሳዕቤናት ተዋሒጦም ዘለዉ ሰባት ዘለዓዕሎም ምላሽ ክህቡሎም፥

ብዙሓት ስደተይናታትን ተኣፋፍያን ሰራሕተይናታትን ምስ ስድራ ቤቶም ኰይኖም ካብ ብሔራዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ካብ መደብ ኣቐዲምካ ናይ ምክንኻን ኣገልግሎትን ካብ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ከምኡ እውን ካብ ገንዘባዊ ድጋፍን ካብ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ስነ ኣእምሮ መዳያትን ሎሚ እውን ተነጺሎም ኣለዉ፡

ብመሰረት ናይ ሮማ ኣቡን፥ እዚ “ሓደ ኻብቲ ሓያሎ ጒዳያት ኣብ ማሕበረሰብና በስገዳድ ዝተኣታተው ዝለመድናዮ ናይ ምጉሓፍ - ተጠቒምካ ምድርባይ ናይ ዝብል ፍልስፍና ሳዕቤን እዩ። እዚ ግብረ ምንጻል’ዚ ስደተይናታት ካብቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኮቩድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ከምቲ ኵሉ ዝረኽቦ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ጸረ ኾሮና ተህዋስ ዘይረኽቡ እያቶም።

ስእነት ስራሕን ምዝመዛ ቘልዕን ንግድ ደቂ ሰባትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበረ ግን ከኣ በቲ ለብዒ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሕጹጽ ኩነታት ስራሕ ብቐጥታ ኣናመላኸቱ “ኣብ ቅድሚ ሳዕቤን ኮቪድ - 19 ማሕበራዊ ዑቕባ ዘይምህላው” ዘምጽኦ መጉዳእቲ ዘርዚሮም፥ ኣናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ስእነት ስራሕን ዋሕዲ ስራሕን ምዝመዛ ሕጻናት ንግድ ሰባት ኣልቦ ውሕስነት መግብን ዝያዳ ንሕሙማንን ኣረጋውያንን ዘጥቕዕ ምዃኑ ገሊጾም፥

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ዝፍጠር ዘሎ ምጒዳል ናይ ስራሕ ሰዓታት ዳርጋ ስራሕ ምስኣን እዩ፡ ሓያሎ ህዝባዊ ኣገሎታትን ሓያሎ ንግዳዊ ትካላትን ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም እዩ፡ ገሊኡ ኸኣ ኪጠፍእ ወይ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ኪጠፍእ ይኽእል፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስእነት ስራሕ ተራእዩ እዩ።

እሙንን ክብረት ዘለዎ ስራሕን

ኣብ ምዝዛም ስግኣት ኮቪድ - 19 ተሃዊኽና “ኣብ ዝዓበየ ቝጠባዊ ንጥፍታት ንምምላስ ኣብ መኽሰብ፡ ዶባትና ኣብ ምዕጻው፡ ብሔርተይናነትን ዕዉር ኣህላኽነትን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ኣሓትናን ኣብ ሕብረተሰብና ክጠፍእ ዝኽእል ክነሱ ዘህልዎ ኣድልዎ ነወግድ፥

ኣብ ጽቡቕን ምዕሩግን ናይ ስራሕ ኵነታት ዝተመርኲሰ ሓድሽ ናይ ስራሕ መጻኢ ንኽንሃንጽ ዝሕግዘና ካብ ሓባራዊ ውዕላት ዝመጽእ ከምኡውን ሓባራዊ ረብሓ ዘደንፍዕ መፍትሒ ነናዲ

ኣብ መንጎ መንግስታትን ኣስራሕትን ሰራሕተይናታትን ብማዕረ ዚግበር ዘተ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቶም ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ማለት መንእሰያትን ስደተይናታትን ደቀባትን ድኻታትን እናሓሰቡ “መንግስታትን ነጋዶን ሰራሕተይናታትን ኣብ ዘጣምር ዘተ ዕሽሽ ክበሃሉ የብሎምን”። ሃይማኖታትን ናይ ሃይማኖት ማሕበረሰባትን እውን ብሓባር ክነጥፉ ኣለዎም፡ ከመይሲ ምስ ብዙሓት ሰባት ብምዝታይ ጥራሕ እዩ “መጻኢ ናይ ሓድነትን ቀጻልን ናይ ሓባር ቤትና” ክርከብ ዚከኣል። ይዅን እምበር ናይ ሓቂ ዘተ ዚቐውም “እቶም ተዛተይቲ ኣብ ሓደ ደረጃ መሰላትን ግዴታታትን ምስ ዚህልዉ” ጥራሕ እዩ።

ንፍሉይ ድሌት ደቀንስትዮ ምቕላብ

ብዛዕባ ማዕርነት መሰላት ክንዛረብ ብቐንዱ ብዛዕባ ደቀንስትዮ ኢና እንሓስብ፡ እዚ ኸኣ ካብቶም ብማሕታ ኾረና ተህዋስ እዚዮም ዝጽለዉን ንተነጽሎነትን ንኽቢድ ሓደጋ ጥዕና ዝቃልዑ ካብ ጐደናታት ነጋዶን ተሓባበርቲ ኣባይትን ብምብጋስ እዩ፥

ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ዝኽእል ቤት ትምህርቲ መናበዪ ዕሸላት ብዘይምህላዉ ደቂ እቶም ሰራሕተይናታት እዚኣቶም ጥዕናኦም ንሓደጋ ይቃላዕ ምኽንያቱ ኣዴታት ናብ ስራሕ ክወስደኦም ይግደዳ ወይ ኣብ ቤተን ከይተኸናኸና ንበይኖም ክገድፎኦም ይግደዳ፡

ስለዚህ ይብሉ፥ “ማሕበራዊ ደገፍ ኣብ ዘይወግዓዊ ቝጠባ ከም ዚበጽሕን ንድሌት ደቀንስትዮን እዋልድን ፍሉይ ቆላሕታ ምግባር ኣድላዪ እዩ።”

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም ዜሕፍር ዓመጽ

ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ እውን ነቲ ብግዜ ለብዒ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት እተፈጥረ ቀጽሪ ይኹንኑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዝገልጽዎ፥” ኣብ መንጎ ዅሎም ደቂ ሰብ ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ንምርካብ ሃረር ዚብሉ ብዙሓት ደቀንስትዮ ኣለዋ።” ልክዕ እዩ ‘ኣብ እፍልጦ መሰላት ደቀንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ዘለወን ተሳትፎን ዓቢይ ምምሕያሽ’ ተገይሩ እዩ እንተኾነ ግን ገና ብዙሕ ዝዕየ ነገራት ኣሎ ከመይሲ ‘ዘይቅቡል ልምድታት ክሳዕ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ኣይተወገደን።’ ቀዳማይ ኣብ ስድራ ቤት ግፍዒ ባርነት ወይ ከኣ “ኣብ ጽቡቕ ስራሕን ውሳኔ ኣብ ዝግበረሉ ቦታታትን ክዋሳእ ዕድል ዘይወሃበን ብጠቕላላ ንዘይማዕርነት ሓደጋ ክቃልዓን” ይረአይ እዚ “ዘሕፍር ዓመጻ” ዜስዕበለን ተግባር እዩ።

ማሕበራዊ ዕቝባ ምድጋፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብብርቱዕ ጻዕሪ ነቲ “እዚ እውን ብግዲኡ ኣገዳሲ ሓደጋታት ዘጓንፎ ዘሎ” ማሕበርዊ ዕቝባ ዝግበርሉ ኣገባብ ክድገፍን ናብ ኵሉ ክሰፍሕን ጻውዒት ኣቕሪቦም። እዚ ድማ ኣገልግሎት ጥዕናን መግብን መሰረታዊ ሰብኣዊ ድሌትን ንኽረክቡ የኽእል።

ኣብ ማሕበር ሰራሕተይናታት ናይ ምጥርናፍ መሰል

ብጀካዚ ር.ሊ.ጳ. ንመሰረታዊ መሰላት ሰራሕተይናታት እንኮላይ ብማሕበር ሰራሕተይናታት ናይ ምጥርናፍ መሰል ዘጠቓልል መሰረታዊ መሰላት ሰራሕተይናታት ውሑስ ክኸውን እንክሓቱ፥

“ኣብ ማሕበር ሰራሕተይናታት ሕብረት ምፍጣር፡ ኣብ ማሕበር ሰራሕተይናታት ምጥርናፍ መሰል እዩ፡ እቲ ኮቪድ - 19 ዝፈጠሮ ቅልውላው ድሮ ነቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ብብርቱዕ ጸልይዎም እዩ። ኣብ ቝጠባዊ መሐበሪታት ጥራይ ዘተኰረ ንምትዕርራይ ብዝግበር ዘሎ ስጒምትታት ከኣ ብኣሉታዊ መገዲ ክትንከፉ የብሎምን።”

ተህዋስ ናይ ዘይምግዳስ ኢጎነት

ንር.ሊ.ጳጳሳት “ማሕበርሰብ ብምጒሓፍ ምምሕያሽ ክግበር ስለ ዘይኽእል” ህጹጽን ኣድላዪን “ዓሚቝ ተሓድሶ ቝጠባ” ወሳኒ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ካብ ኮቪድ - 19 ብዝገደደ ናይ ዘይምግዳስ ኢጎነት ዘስግእ መጥቃዕቲ ኣሎ።”

እዚ ተህዋስ እዚ ንዓይ ዝሓሸ እንተ ዀይኑ ህይወት ዝሓሸ ትዀነኒ ንዓይ ጽቡቕ እንተ ኾይኑ ኸኣ ኵሉ ነገር ጽቡቕ እዩ ኢልካ ብምሕሳስ ይላባዕ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ካልእ ሓደ ሰብ ብምምራጽ ንድኻታት ብምጉሓፍ ነቶም ኣብ ‘መሰውዒ ምዕባለ’ ተባሂሉ ዝጽዋኦ ዝሓድጐም ብምስዋዕ ጀሚርካን ኣብ ምስዋዕ ዝዛዘም እዩ። እዚ ኸኣ ብዙሓት ሰባትን ሕዝብታትን ከም ዋጋ ኣኽፊልካ ሓደስቲ ብሉጻት ሰባት ምቛም ዝብል ኪደት እዩ።

ኣብ ክንዱኡስ እቲ ለብዒ “ኣብ መንጐ እቶም ዝሳቐዩ ፍልልይ ወይ ደረት የለን። ኵላትና ተነቀፍቲ ኢና እዚ ኸምዚ ኢሉ ከሎ ድማ ኵሉ ዓቢይ ዋጋ - ክብሪ ከምዘለዎ” እዩ ዘመላኸተና።

ፒዮስ መበል ዓሰርተው ሓደን ዓቢይ ጭንቀትን

ነቲ ናይ 1931 ዓ.ም. ኣብ ዎል ስትሪት ዘጋተጠመ ቅልውላውን ዓቢይ ጭንቀትን ከምኡ እውን ፒዮስ መበል 11 ኣብ መንጐ ሰራሕተይናታትን ወነንቲ ትካላትን ዘሎ ዘይምዕሩይነት ብምቅዋም ዘስምዕዎ ብርቱዕ ቃል ቅዱስነቶም ዘኪሮም፡ ነቶም ሰራሕተይናታት ብዘይሕጊ ከምዝደለኻዮ ንምምሕዳር ካብ ምድላይ ዑቕባ ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሕጋዊ ስርዓታት ከኣ “ናብ ዕቤት ስራሕ ናብ ጽቡቕ ስራሕ ከምኡውን ናብ መሰላትን ግዴታን ሰብ” ዘተኰረ ክኸውን ይላበዉ።

ዚከናኸን ስራሕ

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ማሕበራዊ ዕቝባ ዘይብሎም ብፍላይ ከኣ ተነቀፍቲ ዝዀኑ ካብ “ኵላዊ መስፈርቲ” ወጻኢ ዝኾነ ስራሕ ንኽሰርሑ ዝግደዱ ዘኪሮም፡ ከም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኣኣቶም እውን “ሓልዮት” ይግብኦም እዩ፥

ዘይከናኸን ንፍጥረት ዜብርስ ነቲ ዝመጽእ ወለዶታት ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ንዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ዘየኽብርን ንናይ ሰራሕተይናታት ክብረት ዘየኽብርን ስራሕ ንዝብል መጸውዕ ዘይበረኸ እውን እዩ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ እቲ ዚከናኸንን ምሉእ ሰብኣዊ ክብረት ናብ ዝነበሮ ንኺምለስ ኣበርክቶ ዚገብርን ስራሕ ንመጻኢ ወለዶታት ነባሪ መጻኢ ክህልዎ ዝገብር ስራሕ እዩ ክህልውን ክፍጠርን ዘለዎ።

ባህልን ያታን ኵሉ ክሕደስ ኣለዋ ካብ ዝብል ውርሻ ፍልጠት ሓራ ምውጻእ

ነፍሲ ወከፍ ትካል “ንሰራሕተይናታቱ ዝኪከናኸ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኮይኑ” መዓልታዊ ርእሰ መርመራ ክገብር ኣለዎ፡ ከምዚ ክብሉ እንከለዉ ቅዱስነቶ ብዛዕባ ባህሊ ወይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኻብ ደቀባት ወይ ህቡባት ባህልታት ዓለም እዮም ዝዛረቡ፡ እዚ ኸኣ ነዞም ባህልታት እዚኣቶም ግምት ምሃብ ዘሀብትም ስለ ዝኾነ እዩ።

ነቲ ባህሊ ዝብል ቃል ምስ ሓደ ዓይነት ኣምሮኣዊ ኣሰራርሓን ማሕበራዊ ንብረትን ዝተትሓሓዘ ወርሻ ፍልጠት ኣብ መወዳእታ ዝወግደሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ ካብ ዝኣምን መዳይ ፍልጠት ሓራ ምውጻእ የድሊ። ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ባህሊ ስለ ዘለዎ ከም ቀደሙ ኽንቅበሎ እዩ ዘሎና፡

ስለዚ ካብዚ ነቒሎም ከኣ ቅዱስነቶም “ነቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ገንዘብ ኣዕናዊ ሳዕቤናት ክንገጥሞ” ይዕድሙ።

ንናይ ፖለቲካን ማሕበር ሰራሕተይናታትን ሰብ ትካላትን ኣካላት ዘቕረብዎ ጻውዒት

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ እቲ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንነፍሲ ወከፍ ነቶም ነቲ ድሮ ዝግበር ዘሎ ለውጥታት ክድግፉ ዝኽእሉ “ሕገ መንግስታዊ ተዋሳእቲ ናይ ስራሕ ዓለም” – “ሓላፍነትኩም ዓቢይ እዩ እቲ ክትረኽብዎ ኣትኽእሉ ሰናይ ኣዚዩ ዝዓበየ እዩ።” ድሕሪዚ ንናይ ፖለቲካ ኣካላትን ኣመሓደርትን በቲ “ፖለቲካዊ ግብረ ሰናይ ዝኾነ ዓይነት ፍቕሪ” ክድረኹ ብምሕታት፡ ነቶም ብዛዕባ ስራሕን ስራሕተይናትትን ዝግደሱ ኣካላት ማሕበር ሰራሕተይናትትን ነቶም ብዛዕባ ብልሽውና ዘጠንቅቑን “ሓይሊ ኣብ ምጥቓም ዝብል መጻወድያ ከይወደቑ የግዳስ “ኣብቲ ዝዓዩሉ ከባብን ማሕበርሰብን ጭቡጥ ኵነታት ከተኩሩ” ተማሕጺኖም። “ንሰብ ጡረተይናታት ጥራሕ ዝሕለቑ እንተድኣ ኮይኖም ኣብ ማሕበራዊ ሓድሽ ምህዞ ግደ ኣይክህልዎምን እዩ” ምስ በሉ፥ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዕድላት ንምፍጣር ንረብሓ ኩሉ ሃብቲ ዘምጽኡ ሰብ ትካላት፥ ዝተፈላለየ ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥሩ ሓደራ ምስ በሉ፥

ናይ ብሕቲ ንብረት ምውናን ካልኣይ መሰል እዩ

ኣብቱ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም - “ቅድሚ መሰል ናይ ብሕቲ ንብረት ንሓባራዊ ብሕቲ ንብረት ዘማዕድው ናይ መሬት ጸጋታት ንዅሉን ናይ ኵሉን ዝብል ኣቐዲሙ ዝነበረ መሰል ኣሎ። ስለዚ ድማ ኵሉ ናይዛ መሬት ሃብቲ ናይ ምጥቓም መሰል ኣለዎ” ዝበልዎ ሓሳብ ኣዘኻኺሮም፡ “ናይ ብሕቲ ንብርት ኣብቲ “ቀዳማይ ሕጊ ማለት ኵላዊ መዓርፉ ሃብቲ’ዛ መሬት” ኣብ ዝብል እተመርኮዘ “ካልኣይ መሰል እዩ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዙሓት ብስእነት ስራሕን ኣብ ዘዋርድ ስራሕን፡ ብህጹጽ ቍጠባዊ ተሓድሶ የድሊ
18 June 2021, 23:34