ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ይሕድሱ፥ ብዘይ መአረምታ ምሕረት የሎን ር.ሊ.ጳ. ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ይሕድሱ፥ ብዘይ መአረምታ ምሕረት የሎን 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ ይሕድሱ፥ ብዘይ መአረምታ ምሕረት የሎን

በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ኪደት ዕርያ’ዚ ኣብ 2007 ዓ.ም. ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኽኢላታት ሕገ ቀኖናን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ ናይ ገዳማትን መንፈሳውን ማሕበራት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበርን ምስ ኵርያ ሮማናን (ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምሕደራ) “ብጉባእያውነትን ብምትሕብባርን” መንፈስ ተለዓዒሎም ዘበገስዎ ክኸውን እንከሎ

ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብቲ Pascete Gregem Dei - ንመጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ (ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ናይ ሕገ ቀኖና ሻድሻይ መጽሓፍ ክዕረይ - ክሕደስ ከምዝገበሩን ቅድም ክብል እውን ነቲ ናይ ክለሳ ኪደት ዘበገሱ በነዲክቶስ መበል 16 ከምዝነበሩ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ ኣስዒቡ፥ ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ እምበኣር ሓደስቲ ገበናት ከምተመልከተን እቲ ሕዳሴ ብሓፈሻኡ ኣራምን “ካብ ዝኸፍኤ እከይ ንምርሓቕን ብሰንኪ ሰብኣዊ ድኽመት ንዝመጽእ ኣቝሳልን ንምሕዋይን” ዝጠቅም ቅልል ብዝበለ ኣገባብ እውን ንምእራሙ ዝብቅዕ መሳርሒ ምዃኑ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ እንተኾነ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ኣይኹን። ብጽቡቕ ድላይ እምበር ንኸንቱ ረብሓ ኣይኹን” (1ጴጥ. 5,2)። ብዝብላ ሓዋርያዊ ጴጥሮስ ብዝተዛረበን ቃላት ገይሮም፥ ነቲ Pascete Gregem Dei - ንመጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ (ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኩም መጓሰ ጓስይዎ  ኣብ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም ዘሎ ናይ ሕገ ቀኖና ሻድሻይ መጽሓፍ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ መቕጻዕቲ ገበናት ዝምልከት ንዝተኣታተውዎ ዕርያ የበግሱ። እዚ ሓድሽ ዓንቀጽ መቕጽዒ ገበን ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ መአረሚ ዓንቀጽ እውን “ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ንቤተ ክርስቲያን ዘድልያ ነገራት ብግቡእ ምላሽ ንምሃብ ነቲ ዕለት 25 ጥሪ 1983 ዓ.ም. ኣብ ሕገ ቀኖና ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እተኣወጀ ገበናዊ ተግሳጽ ክምርመር ከምዘለዎ ንጹር እዩ። ጓሶት ብቕልጡፍ ካብ ገበናት ንምቝጣብን ንምእራምን መሳርሒ ገይሮም ኽጥቀምሉ መታን ምትዕራይ ክግበሮ ኣገዳሲ እዩ። ካብ ከቢድ እከይ ንምርሓቕን ነቲ ብሰንኪ ድኽመት ደቅሰብ ዝወረደ በሰላ ንምፍዋስን ብቕልጡፍን ብጒስነት ግብረ ሰናይ ብዓንተዉ ኣብ ምክልኻል ዝድግፍ መጋበርያ እዩ።

በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ኪደት ዕርያ’ዚ ኣብ 2007 ዓ.ም. ምስቶም ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኽኢላታት ሕገ ቀኖናን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽርን ምስ ናይ ገዳማትን መንፈሳውን ማሕበራት ዓበይቲ ኣሕሉቕ ማሕበርን ምስ ኵርያ ሮማናን (ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምሕደራ) “ብጉባእያውነትን ብምትሕብባርን” መንፈስ ተለዓዒሎም ዘበገስዎ ክኸውን እንከሎ፡ ናይዚ ጽዑቕ ዕዮ ውጽኢት እውን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሓላሊፉን ቅዱስነቶም እውን በዚ መሰረት እቲ ዕርያ ኣብ ፍጻሜ ከምዘብጽሕዎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝገለጽዎ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት “ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ሓድነት ከም ዚህልዎ ዝገብር ንኣቡናት ከኣ ብሓላፍነት ከም ዝሐተቱ ዚገብሮም” ናይ ኣካይዳ መምርሒታት ሂባ እያ፡ ከምኡ እውን “ልግስን ምሕረትን ሓደ ኣቦ ጌጋ ዝኾኑ ነገራት ንምቕናዕ ክውስን ኣለዎ ዝብል ተግባር ዝጠልብ እዩ”።

እዚ ዕዮ`ዚ፥ “ንቤተ ክርስቲያን ንክርስትያን ማሕበርሰብ ከምኡ እውን ንዝዀነ ይኹን ግዳያት ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ምሕረትን መአረምታን ቤተ ክርስቲያን፡ ዘድልዮም ገበን ዝፈጸሙ እውን ከም ጭቡጥን ኣድላዪን ብግብረ ሰናይ ክፍጸም ኣለዎ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ  ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ግብረ ሰናይ (ሓልዮት) ምግባርን ፍትሕን ተግሳጽን ምሃብ ዘድልዮ ኣጠቓቕማ ዘሎ ውሳጣዊ ጥምረት ዘይምግንዛቡ ብዙሕ ጒድኣት ኣስዒቡ እዩ። “መአረምታ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ኣተሓስስባ፡ መብዛሕቲኡ እዋን ኣብ መንጐ ምእመናን ነውርን ምድንጋርን ምፍጣር እዩ”። ስለዚህ “ሓደ ጓሳ ናይ ገበን መቕጽዒ ስርዓት ዕሽሽ ዝብል እንተድኣ ኮይኑ ዕዮኡ ብግቡእን ብተኣማንነት ዘይፍጽም እዩ ዝኸውን”፡ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ “ግብረ ሰናይ ጓሶት ናብ ናይ ገበን መቅጽዒ ስርዓት ውኩስ ምግባር ኣብ ማሕበረሰብ ኤቅለሲያ ኣድላዪ ዝገብሮ ሰለስተ መባጽሔ ኣለዎ፥ እቲ ቐዳማይ ፍትሒ ናብ ዝነበሮ ምምላስን መእረምታ ገበንን ካሕሳ በደልን” ዝብል ምዃኑ ቅዱስነቶም ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣሊጡ።

“እቲ ሓድሽ ሰነድ -  ይብሉ ቅዱስነቶም - ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ መቕጽዒ ብዝተፈላለየ መዳይ ዝዕርይን ሓደስቲ ገበናት ንዝብሃሉ እውን ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዘመላኽት እዩ”። ብተወሳኺውን “ብግብርኣዊ ኣረኣእያ ብፍላይ ከኣ ናይ ገበን መቕጽዒ ሕጊ መርገጺ፥ ተኸሳሲ ናይ ምክልኻል መሰልን ግቡእ ፍርድን መቕጻዕቲ ብልክዕ ምቕራብን” ዝብል ርትዓዊ መለክዕታት” ኣብ ምሃብ ከምእተመሓየሸ እውን የብርሁ።”ብፍላይ እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ናዕብን ብልሽውናን ዜስዕቡ ገበናት” ብምእላይ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ከም ዚህሉ ንምግባር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ናይ ሕዳሴ ሰነድ ዕለት 23 ግንቦት 2021 ዓ.ም. በዓለ ጰራቅሊጦስ ክታሞት ከምዘንበርሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

03 June 2021, 00:10