ድለ

ዘመናዊ ጊልያነት ቈልዑ፥ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ሓያል ምሕጽንታ ዘመናዊ ጊልያነት ቈልዑ፥ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ሓያል ምሕጽንታ 

ዘመናዊ ጊልያነት ቈልዑ፥ ር.ሊ.ጳ. ዘቕረብዎ ሓያል ምሕጽንታ

ሎሚ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ሕጻናት ቈልዑ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳጒይኖም ንሓደጋ ምዝመዛ ተቓሊዖም ይርከቡ፥ እዚ ድማ ዘሕዝን እዩ! እዞም 150 ሚሊዮን ኣብ ዓለም ዝምዝመዙ ሕጻናት ልክዕ ከምቶም ኣብ ስፐይንን ፈረንሳን ኢጣሊያን . . . ዘለዉ ቈልዑ ክነሶም መሰል ቁልዕነቶም ተሓሪምዎም ይርከቡ

ብዙሓት ቈልዑ ናይ ምጽዋትን ትምህርት ናይ ምርካብን ሕልምን መሰሎም ዝተሓረሞም፥ ኣብ ዓለም ኣስታት 150 ሚሊዮን ሕጻናት ከምዘለዉን፥ መጻኢ ብዝምንዝዕ ኵነት ተዋሒጦም ኣብ ዘሕዝን ፍጻመ ንዝርከቡ ቈልዑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሰነ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘኪሮም፥ ዕለት 12 ሰነ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ተዘኪሩ ከምዝወዓለ እውን ኣዘካኺሮም፥ ኣብ ልዕሊ ቈልዑ ዝፍጸም ናይ ጉልበት ምዝመዛን ገና ብዘይ ዕድመኦም ኣብ ስራሕ ዓለም ምዱጓን ከብቕዕ ብርቱዕ ምሕጽንታ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ምጽዋት ናይ ምጽናዕ ከምኡውን ናይ ምሕላም መሰሎም እተነፍጐም ቈልዑ ንምዝመዛ ዝተቓልዑ ኣናተሳቐዩ እናረኣና ከምዘይረኣና ኰይና ክንነብር ብፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን” ዝበሉ ቅዱስነቶም ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ስራሕ ዝግደስ ውድብ ዕለት 12 ሰነ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለም ሓቆፍ ጸረ ምዝመዛ ቈልዑ ምኽንያት ዘውጽኦ ጽብጻብ ዘኪሮም፥

ሎሚ ልዕሊ 150 ሚሊዮን ሕጻናት ቈልዑ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዳጒይኖም ንሓደጋ ምዝመዛ ተቓሊዖም ይርከቡ፥ እዚ ድማ ዘሕዝን እዩ! እዞም 150 ሚሊዮን ኣብ ዓለም ዝምዝመዙ ሕጻናት ልክዕ ከምቶም ኣብ ስፐይንን ፈረንሳን ኢጣሊያን ዘለዉ ቈልዑ ክነሶም መሰል ቁልዕነቶም ተሓሪምዎም ይርከቡ፡ ሎሚ እዚ እዩ ዝፍጸም ዘሎ! ኵላትና ነዚ ኣብ እዋንና ዝርአይ ዘሎ ጊልያነት ንምጥፋእ እነካይዶ ጻዕሪ ብሓባር ነሐድስ።

እንክብሉ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 12 ሰነ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ምዝመዛ ቈልዑ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ሕጻናት መጻኢ ሰብኣዊ ስድራ ቤት እያቶም፡ ክላትና ዕቤቶምን ጥዕናኦምን ህድኣቶምን ከነደንፍዕ ግዴታ ኣሎና”! ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነው የዘኻኽር።

15 June 2021, 23:37