ድለ

ስደተይናታት፡ ሆለሪኽ፥ ኣብ ኣፈት ኤውሮጳ ዝሳቐይ ሕዝቢ ምርኣይ ዘሕምም እዩ!

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣበ መናብርትን ምኽትላት ኣበ መናብርትን ዕለት 11 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተራኸቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ስደተይናታት ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ኣብ በልጅም ናይ ሉሰምበር ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ድሕሪ እቲ ርክብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ስደተይናታት ኣብ ዝተኣንገዱለን ሃገራት ተወሃሂዶም ንኽንበሩ ዝከኣል እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እንገዳ ዝብልዎ “ቤተ ክርስቲያን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ክትጥንጥኖም ኣይትኽእልን” ከምዝበሉን ኣብቲ ዝተኻየደ ቃለ መሕትት እውን ብዛዕባ ኪደት ሲኖዶሳውነትን ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን እትስዕቦ ዘላ መገድን ኣማእኪሎም እውን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብ ጀርመን ናይ ኤሰን ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኦቨርባኽ መግለጺ ከምዝሓቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን ዝርአይ ዘሎ ጸኣት ስደተይናታትን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፈጥሮም ዘሎ ሓደስቲ ጸገማትን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣብቲ ዕለት 11 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበር ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ናይ መርሕነት ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተገበረሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መርሕነት ኣካል ካብ ዕለት 9 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ሮማ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘካየዶ ርክብ፥ ህልው ኩነታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ኣማእኪሉ ተመያይጡን ካብ ቅዱስነቶም መርሕ ቃል ከምእተለገሰሉ እውን ኣፍሊጡ።

ሆለሪኽ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርኪ ኤውሮጳ እዮም

እቶም ናይ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ላዕለዎት ኣካላት ብጀካ እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየድዎ ርክብ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ካልኦት ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት - ኵርያ ሮማና ላዕለዎት ኣካላት እውን ከምእተራኸቡን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዛን ክሎድ ሆለሪኽ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ህንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፥ “እቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ዝተኽያየደ ርክብ ንዓና ባህ ዜብል እዩ ነይሩ . . . ቅዱስ ኣቦና ንኤውሮጳ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዋ ዓርኪ ኤውሮጳን ንናይ ኤውሮጳ ፖለቲካ ናብቲ ቀንዲ ትርጒሚ ከብል ዝምዕዱን ዓቢይ እወታዊ ጽልዋ እዮም፡ ኣብ ብራሰልስ ብዅሉ ዓቢይ ግምት ዝወሃቦምን ነተን ይሴባን፡ ኵላትና ኣሕዋትን ዘርእስተን ዓዋዲያን መልእኽትትቶም ዳርጋ ኵሉ እዩ ዝዘራረበለን” ኢሎም።

ተወሃሂድካ ናይ ምንባር ሓድነት ተኻኣሊ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ናይ ስደተይናታት ጸገም ንናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ሕብረት ንጹር ሓበሬታ እዮም ዝህቡ፡ . . . ጸኣት ስደተይናታት - ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ኤውሮጳ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ብሓቒ ዘሳቕይ እዩ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝምልከት መምርሒ ሕብረት ኤውሮጳ ብሓቂ ንቕድሚት ዝብል ዘሎ ኣይመስልን . . . ኢጣሊያን ስፐይንን ማልታን ግሪኽን ጥራሕ ዝምልከተን ጌርካ ምሕዳጉ ዓቢይ ጌጋ እዩ፡ መብዛሕቲኦም ስደተይናታት በዘን ናይዘን ሃገራት ናይ ባሕሪ በራት ኣቢሎም እዮም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ግና እቲ ጸገም ንኣኣተን ምሕዳግ ዘይኮነ ኤውሮጳውን ካብ ኤውሮጳ ሓሊፉ እውን ዓለም ለኻዊ መልሲ ዘድልዮ ማሕበራውን ሰብኣውን ክስተት እዩ” ኢሎም።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንደቅሰብ እትሒትካ ከይንርእይ ይምዕደና

“ተወሃሂድካ ምንባር ዝከኣል እዩ፥ ዝበሉ ብጹዕነቶም - “እቶም ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዙ ስደተይናታት ኣሸበርትን ኣኽረርትን ኣይኮኑን፡ ኣብ መንጐኦም ክህልዉ ዝከኣል እዩ ይኹን ደኣ እምበር ንዅሉ ከም ሰብ እምበር ትሕቲ ሰብ ገርካ ምርኣይ ክወገድ ኣለዎ፡ ካብቶም ዝኣተዉ ስደተይናታት ደሓር ኣኽረርቲ ወይ ውን ኣሸበርቲ ኮይኖም ዝተረኽቡ የለዉን፡ ክፉት ልቢ እዩ ክህልወና ዘለዎ፡ እቲ ለብዒ ብዘይ ማሕበራዊ ርክባትና ሰብኣውነትና ከምዝንክይ እዩ ዘተሓሳስበና ዘሎ፡ እቶም ኣብ ኣፍ ደገ ኤውሮጳ ዘለዉ ካባና ተፈልዮም ኣብ ስቓዮም ምሕዳግ ዓቢይ ስቓይ እዩ ዝፈጥረልና፡ ንኣኣቶም ዘድሊ ኵሉ ኣብ ምቕራብ ምትጋህ የድሊ” ይብሉ።

ብጹዕ ኣቡነ ኦቨርበኽ፥ መዲትራንያን መቓብር ኮይኑ ኣሎ!

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ኣብ ጀርመን ናይ ኤሰን ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፍራንዝ ሶፈፍ ኦቨርባኽ እውን ምወገኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ጸኣት ስደተይናታት ከይህሉ ንድኽታት ሃገራት ድጋፍ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣብ ሃገሮምን ኣባይትኦምን መታን ክነብሩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም ካብ ማልን ወይ ካብ ሊቢያን ዝመጹ ዘለዎ ስደተይናታት እንታይ ክንገብር እዩ ዝግብኣና? ከም ቤተ ክርስቲያን መጠን? ጸኣት ስደተይናታትን ሕቶ ስደተይናታትን ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ጥራሕ ዝረኣይ ኮይኑ ዝተርፍ ኣይኮነ ክሳብ ኣማኢት ዓመታት ዘሰንይነና ሕቶ ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ዓለም ይቀርያየር እዩ ዘሎ፡ ብድሆታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ እዩ፥ ቢሎም ብዛዕባ ጀርመን ዝምልከት ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎምሕቶ እውን እንክምሉስ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ተከያዶ ዘላ ሲኖዶሳውነትን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምውጋድን ንኸይሁሉን ኣብ ምግባር እውን እትስዕቦ ዘላ መገድን . . . ዝምልከቱ ጉዳያት እውን ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብዛዕባ እንገዳ ር.ሊ.ጳ. ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ

ብጹዕ ኣቡነ ኦቨርበኽ ከም ጀርመናዊ መጠን ናብ ታሪኽ ምልስ ቢሎም እቲ ብናዚ ስሮዓት ኣብ ልዕሊ ብሚሊዮናት ዝቑጸር ኣይሁድን ካልኦት ዝወረደ ዘስካሕክሕ ህልቂትን ብዙሓት ንስደት ከምዝዳረገን እውን ዘኪሮም . . . ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እንገዳ ዝህብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዓቢይ መፍትሒ እዩ፡ ኣብ ምእንጋድን ምቅብባልን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ምሕናጽ፡ . . . ከም ክርስቲያን ንኻልኦት ከነፍቅር ዝተጸዋዕና ኢና” ኢሎም።

ድጋፍ ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንዘላ ቤተ ክርስቲያን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ነታ ኣብ ቅልውላው ኣብ ዝርከባ ሃገራት ንዘላ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኣብነት ኣብታ ኣብ ጽንኩር ፖለቲካውን ማሕበራውን ቝጠባውን ጸገም ንእትርከብ ቨነዝወላ ምስ ናይ ጀርመን መንግስቲ ብምትሕብባር ንኽንክን ጥዓን ዘገልግል ሓገዝ ከምእተላእከን እውን የዘኻኽሩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን

ኣብ ጀርመን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንጐ ሲኖዶሳዊ ኪደትን ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘተኣታትዎ ዘሎ ቅልውላውን ትርከብ . . . ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ህያው እያ፡ ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገም ግቡእ መልሲ ንምሃብ እውን ድሕር ኣይትብል እያ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዕሽሽ እትብሎ ጒዳይ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጽኑዕ ኣቋን ፍሉጥ እዩ፡ እቲ ተበጊሱ ዘሎ ሲኖዶሳዊ ኪደት ነቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣታትውዎ ዘለዎ ኪደት ቀዲሙ ዝኣመተ ምዃኑ እውን ሓቢሮም ኣተሓሒዞም ኣብዚ እዋን ዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ይብሉ ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመት ይብሉ ኣብ ሰበካይ ሰለስተ ማዕርገ ክህነት ከምዝሰርዑ ዘኪሮም ኣብዘን ዝሓለፋ 12 ዓመታት ከኣ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝግመቱ ካህናት ብዕድመን ብሕማምን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዮም፡ ስለዚህ ዋሕዲ ጸዋዕታ ከምዘሎ ንጹር እዩ . . . ነዚ መልሲ ንምሃብ እውን እዋኑ ዝሓቶ ለውጢ ብዙሕ እዩ . . ብዛዕባ ንጽሕናን ክህነት ንደቀንስትዮን ዝብል ሕቶታት ኣለዉ፡ ንጽሕና ዝምልከት ሕቶ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮ እዩ፡ ምኽንያቱ ነቲ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ዓቢይ ግምት ምሃብ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጀርመን ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ እዩ፡ እግዚኣብሔር ኣብ እዋንናን ንእዋንና ዝዛረቦ ጽን ምባል የድሊ፡ እንታይ ይብል ከምዘሎ ዝሰምዕ ልቢ ክህልወና ይግባእ . . . ኢሎም።

ሳልሳይ ጉባኤ ቫቲካን? እዋኑ ኣይኮነን

እቶም ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምኽትል ኣቦ መንበር ኣስዒቦም፥ ሳልሳይ ጉባኤ ቫቲካን ኣድላዪ ድዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ ብዙሕ መልሲ ክወሃቦም ዝግባእ ሕቶታት ኣለዉ፡ እዚ ግና ሳልሳይ ጉባኤ ቫቲካን ዘጸውዕ ኣይመስለንን፥ . . . ምናልባት እቲ ዘለናሉ እዋን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝበጻሕናሉ እዋን እዩ ዝመስለኒ፡ እዚ ዅሉ ዝርአይ ዘሎ እውን ኣብ ናይ መወዳእታ ትግባረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በጺሕና ክብል እኽእል፡ ሳልሳይ ጉባኤ ቫቲካን ንምክያድ ግና ግዚኡ ኣይኮነን እንክብሉ ይምልሱ።

12 June 2021, 18:00