ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ፊዮሪቶ መጽሓፍ ምስ መንፈስ ቅዱስ ገዛእ ርእስና ንኸነቓንይ ዝመርሕ እዩ

ነቲ ቅድም እትነብሮ ዝነበርካ ህይወት በቲ እትቕበሎ ሓድሽ ህይወት ኣቢልካ ብምንባብ መለኮታዊ ፍቓድ ምድላይን ምርካብን ነዚ ኣለሊኻ ኣብ ምንባርካ እትገልጾ ህይወት

“ፍቓድ ኣምላኽ ምድላይን ምርካብን”፥ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅዱስ እግናጽዮስ መንፈሳዊ-ስሕበት ሊቅ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሚገል ኣንገል ፊዮሪቶ ናይ ዝደረስዋ መጽሓፍ መቕድም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተደርሰ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝደረስዎ መቕድም፥ ነታ መጽሓፍ ነቶም መንፈሳዊ ሱባኤ ዝመርሑን ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤ ንዝሳተፉን እትሕግዝን ገዛእ ርእስና ምስ መንፈስ ቅዱስ ንኸነቃንይ እትመርሕ እያ እንክብሉ ከምዝገለጽዋ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ሚገል ኣንገል ፊዮሪቶ ነታ ፍቓድ ኣምላኽ ምድላይን ምርካብን ናይ ዘርእስታ መጽሓፎም መፍትሓዊት ቃል፥ “ምሕጋዝ” እትብል ቃል እያ፡ እቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መምህር ቢሎም ዝጽውዕዎ ጐይታ፥ ዘቕርበሎም ዝነበረ ሓገዝ ንዅሉ ምዃኑ እተመላኽትን ኣብዚ ሓገዝ እዚ ኣሳታፊት መጽሓፍ እያ፡ . . . እቲ ቅዱስ ኢግናጺዮ መንፈሳዊ ሱባኤ እንክብል ንዝገልጾ መፍነሳዊ ትምህርቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እውን እትሕግዝ እያ . . . ኣብ መንጐ እቶም መንፈሳዊ ሱባኤ ዝገብሩን ሱባኤ ዝመርሑን - ሓሳብ ዘቕርቡን ዘሎ ርክብ ዓቢይ ዋጋ ከምዘለዎን እዞም ክልተ ኣካላት እዚኣቶም ንሓድ ሕዶም ከምዝድጋገፉን . . . መንፈሳዊ ሱባኤ ፍኖት ልልያ ምዃኑ ኣባ ፊዮሪቶ ኣብታ መጽሓፍ ከምዘብርሁ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደረስውዎ መቕድም የመላኽቱ።

. . . ክትሕገዝ ናይ ምድላይ “ናጽነት” እዩ፡ ቅዱስ ኢግናጺዮ ነቶም መንፍሳዊ ሱባኤ ንኽገብሩ ሓሳብ ዘቕርቡ ሰባት ዝገበረሎም ናይ መጀመርታ ምስትውዓል ኣብ መንጐ ክልተ ዓይነት በዓል ቤታውያን ዘሎ ፍልልይ ከምዘሎ እዩ፡  እቲ ቀዳማይ ክሕገዝ ዝደልይ . . . መንፈሱ ከዕግብ ዝደልይ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ብዝተኻእለ መጠነ ብዙሕ ፍረ ከፍርይ ዝድልን ምዃኑ ቅዱስነቶም ይሕብሩ።

ኣባ ፊዮሪቶ ዝደረስዋ መጽሓፍ ነቶም ኣብ መፍነሳዊ ሱባኤ ሓገዝ ከቕርቡ ንዝደልዩ እትሕግዝ እያ፡ መንፈሳዊ ድጋፍ ንናጽነት ዓቢይ ሓገዝ እዩ፡ . . . ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞ ብትብዓት ንቕድሚ ክበሃል መታን፡ ንምሕጋዝ ክትኽእል ሓገዝ ክትረብ ከምዘሎካ እተነጽርን . . . እቲ ካብ እግዚኣብሔር እትቕበሎ ሓገዝ ካብቲ ንስኻ ንኻልኦት እተቕርቦ ሓገዝ ዝተነጸለ ኣይኮነን፥ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮ ዝብሎ እግዚኣብሔር ኣብ ተግባር ምስትንታን፡ እቲ ተግባር . . . እግዚኣብሔር ብዝህበካ ሓገዝ ኣቢልካ ንኻልእቶ ክትሕግዝ መታን ዝድርኽ እዩ፡ ንኻልኦት ክትሕግዝ ዝሕግዝ ኣምላኽ።

ንምሕዳስን ንምሕጋዝን፥ መፍነሳዊ ስምዒት ንኽስምዓካ ኣብ ሕይወት ተሓድሶ ብምግባር ፍቓድ ኣምላኽ ብጭቡጥ መገዲ ንኽትደልይን ንኽትነብርን መታን፥ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብታ መጽሓፍ ኣባ ፊዮሪቶ ብሰፊሕ ከምዘብርህዎ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ኣመላኺቶም፡ እቲ ብዛዕባ ተሓድሶ ዝገልጽ ሓሳብ የስፍሕዎን የዕምቑዎን እውን፡ መንፈሳዊ ሱባኤ ዝእርምን እቲ ኣብ ሕይወትካ እትእርሞ ነገር እውን ምስቲ ህልውን ሓድሽን ነገር ዝሰማማዕ ክኸውን ለቡ ዝብል እዩ፡ . . . ሓድሽ ሕይወት ክህልወካን ምስቲ ሓድሽ ሕይወት ተሰማሚዕካ ምንባርን፡ ጐይታ ናይ ምርጫታትካ መለክዒ ወይ ሚዛን ምግባር ማለት ምዃኑ ቅዱስነቶም ይሕብሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዝደረስዎ መቕድም ተክለ ሰብነት ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ኣብነት ጠቒሶም፥ ጴጥሮስ ወትሩ ሓጢኣተይና ምዃኑ ክናዘዝ እንከሎ ጐይታ ወትሩ ክስዕቦ ይጽውዖ፡ . . . ነዚ ምስዓብ ንጐይታ ገዛእ ርእሱ ብምልዋጥ - ክልወጥ ብምፍቃድ ዝንበር፡ ካብ ናይ ነገር ገፋፍ፥ ገፋፍ ሰብ ንኺኸውንን ኣባጊዑ ንኺምግብን፥ ምስዓብን ምልዋጥን ኣብዚ ይንበብ፡ ነዚ ምንባር ከኣ ፍጹም ይገብረካ ፍጹም ግና ሰብ ከምዃንካ እዩ።

እግዚኣብሔር ንጴጥሮስ መላእ ሕይወቱ እቲ ናይ ዝሓለፈ ሕይወቱ ዅሉ ካብ ምልዋጥ ዘይኮነ እንታይ ደእ ሕይወቱ ኣብቲ ገፋፍ ሰብ ኣብ ምዃኑ ዘሎ ጉዕዞኡ - ኣብ ዝቕበሎ ተልእኾ ተለዊጡ ዝነብሮ ሕይወት ኣገልግሎት እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ቅድም እትነብሮ ዝነበርካ ህይወት በቲ እትቕበሎ ሓድሽ ህይወት ኣቢልካ ብምንባብ መለኮታዊ ፍቓድ ምድላይን ምርካብን ነዚ ኣለሊኻ ኣብ ምንባርካ እትገልጾ ህይወት እዩ።

ብመሰረት ኣገባብ ወንጌል፥ ከምቲ ፊዮሪቶ ዝብልዎ፥ ናይ መንፈሳዊ ሱባኤ ሕመረትን ውሳጣዊ ቅርጽን ኣብ መለኰታዊ ፍቓድን ኣብቲ ምስኡ ዝተሓሕዝ ፍረ ነገር እዩ፡ መንፈሳዊ ሕይወትና ብምምስራቕ ብምፍላጥ ዝግበር ውሽጣዊ ተግባር ዘጠቓልል እዩ፡ . . . ናይቶም ኵሎም መንፈሳዊ ሱባኤ ክግበሩ ዝደልዩ ሕይወት ኣብ ምሕዳስ እትሕግዝ መጽሓፍ እያ . . . እንክብሉ ቅዱስነቶ ዝደረስዎ መቕድም የጠቓልሉ።

11 May 2021, 15:16