ድለ

2020.06.11 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ገሊኦም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣፍሪቃ 2020.06.11 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ገሊኦም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣፍሪቃ 

ስምዒታት ጸቢብ ሃገራውነትን ውልቃውነትን ነቲ ብዙሕነትን ሃብትን ዝመልኦ ‘ንሕና’ የዕኑ! ር.ሊ.ጳ

መስከረም 26 2021 ዓም ንመበል 107 ግዜ ንዝዝከር ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታታን ሓተቲ ዑቊባን አመልኪቶም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘እዚ ዕለት እዚ ንቤተክርስትያን ሓድነት ኣብያተ ክርስትያንን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ንምድንፋዕ ፈርያም መሬት እዩ’ እንክብሉ መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘመና ዝረኤ ንዘሎ ክቱር ሃገራውነትን ውልቃውነትን ነቲ ‘ንሕና’ ብማለት ብሓድነትን ውህደትን ዝህነጽ ጽኑዕ ማሕበረሰብ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኖም ንምግላጽ ‘ዕጹውን ወራርን ሃገራዊ ስምዒታትን ኣኽራሪ ዓርሰ ርእስነት ዝዓብለሎ ውልቃውነትን ነቲ ‘ንሕና’ ዝብል ኣምር ወይ የዕንዎ ወይውን መቃቂሉ ይበታትኖ። ነዚ ከኣ ኣብ ዓለምስ ይኹን ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ከይተረፈ እዩ ዘስዕቦ’ ኢሎም። ኣብዚ ከምዚ ሁመት ቅዱሰንቶም ዘለዎም ሕልምን ሠናይ ምንዮትን ንምግላጽ እዛ ንዝመጽእ መስከረም 26 2021 ዓም ንመበል 107 ግዜኣ ክትዝከር ኩሎም ዝሸባሸቡላ ዘለው ዓለምለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ብቀለማት ብዙሕነት ዝወቀበ መጻኢ ንክትከውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ኣብዚ መጻኢ እዚ ቤተ ክርስትያን ወትሩ ከም እትገብሮ ንኩሉ ብምቅባል ነዞም ዝተፈላለየ ባህልታትን እምነታትን ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ሃንጐፋይ ኢላ ተቀቢላ በብእምነቶም ምስ ቤተክርስትያን ብሓድነት ኣብያተክርስትያንስ ይኹን ብውስጠ ሃማኖታዊ ዘተ ብምትሕብባር ዝበለጸ መጻኢ ንምህናጽ በዚ ከኣ ዓለምና ካብቲ ነዚኦም ብዙሕ ሃብትን ክብርታትን ዘለዎም ተቀቢላ ካብቲ ብዙሕነትን ርክባት ባህልታትን ክትህብትም እሞ እቲ ንምክልኻልን ምዕጻውን እትጥቀመሉ ዶባት ዝበለጸ ቦታታት ርክብ ንክልወጥ ዘለዎም ሃንቀውታን እምነትን ኣብሪሆም።

እዚ ጒዕዞ ምቅባልን ነንሕድሕድካ ምህብታምን እዚ ንኩሉ ኣድላይን መሠረታውን ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ኣባላት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንስ ይኹኑ ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኩሎም ጽቡቅ ድላይ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክኽተልዎ ሓደራ ኢሎም። ከምዚ ብምግባር ከኣ ነቲ ነቲ ድሮ ብሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ 19 ቈሲሉ ዘሎ ዘመደ ኣዳም ዳግም በዚ ባህላውን እምነታውን ጸቢብ ሃገራውነትን ዝመጽእ ዳግም ካብ ምቊሳል የድሕኖ። እዚ ማለት ከኣ ‘እዚ ዘሎናዮ ቅልውላው ጥዕና ምስ ሓለፈ እታ ዝዓበየት ፈተና እንደገና ናብቲ ዝነበረና ሕማማት ምድንፋዕ ሃልኪ ፍርያትን ሓደስቲ መናድቅ ምክልኻል ሃገራትን ውልቃዊ ረብሓን ዳግም ከይንወድቅ ሓደራ’ ኢሎም።

ብቅልውላው ተሸሚሙ ኣብ ዘሎ ዓለምና ብሓባር ምምራሽ ናይ ግዲ እዩ!

እዛ ብሓባር ምምራሽ እትብል ምርጽቲ ቃል ቅዱስነቶም ኰይና ብሰፊሑ ኣብታ ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኣብ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም እኳ ገሊጾማ እንተኾነ ሻቅሎቶም ግን በይንኻ ምድሓን ዝብል ኣምር ገኒኑ ብምህላው እዚ ከኣ ንጥፍኣት እንተዘይኮይኑ በይንኻ ምድሓን ዝበሃል ከምዘየሎ ንከረድኡ ዘለዎም ሻቅሎት ንምግላጽ ‘ኣብ መወዳእታ እቲኦም እባ እዚኦም እባ እንብሎም ካልኦት ኣይኮነን ዝህሉ እንታይ ደኣ ሓደ ‘ንሕና’ ዝብል ማሕበረሰብ እዩ። እዚ ‘ንሕና’ ዝብል ኣምር እዚ ከኣ ናብቲ ዝዓበየ ‘ንሕና’ ዝብል ንጹር ሓባሪ ኣንፈት ኣብዚ ዓለም እዚ ክሳብ ዘሎና ንእንገብሮ ሓባራዊ ምረሻ ትርጉም ዝህብ’ ኢሎም ነሮም። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ‘ንሕና’ ዝብል እግዚአብሔር ዝመደበልና ሎሚ ከም ሎሚ ብግብርና ኣቊሲልናዮን ሕብሩ ደዊናዮን ንርከብ እንክብሉ እውን ዘለዎም ሻቅሎት ገሊጾም ነሮም።

እግዚአብሔር ዝሓንጸጸልና ‘ንሕና’ ሎሚ ቈጺሉን ተደዊኑን ኣሎ!

ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ከምዝበሃል ዘመደ ኣዳም ኣብዚ ዘሎና ግዜ እቲ ብኣልማማ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝተለብለቦ ከይኣክል ባዕሉ ከኣ ንገዛእ ርእሱን ንሓውን ብዝኾነን ዘይኮነን እናለብለበን እናኣቊሰለን ከምዝርከብ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እቲ እግዚአብሔር ዝመደበልና ‘ንሕና’ ዝብል ዓቢ ሕውነትን ምትሕልላይን ከርኢ ዝነበሮ ብግብርናን ኩነታትን ዝተሰባበረን ብትንትን ዝበለን ከምኡ እውን ዝቈሰለን ትርኢቱ ዝተደወነን ይመስል። ነዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተዓጽውን ወረርትን ጸበብቲ ሃገራውያን ስምዒታት ከምኡ እውን ኣብ ኣነነትን ግላዊ ጥቅሚ ዘተኰረ ውልቃውነትን እዮም። እዚ ከኣ ኣብ ደገ ኣብ ዓለማዊ ናብራን ሕይወትን ጥራይ ከይመስለና ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን እውን ከይተረፈ እንዕዘቦ ጉዳይ እዩ። ናይዚ ሳዕቤን ዝኾነ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ ከኣ እቶም ካልኦት ጓኖት እንብሎ ኣጋይሽ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣብ ሻውሎት መነባብሮ ተነጺሎምን ተጉስዮምን ዝነብሩ ክፍሊ ማሕበረሰብ ዓለምና እዮም’ ኢሎም።

ቅድሚ ዓመት ዓለም ብዓለማ ብለበዳ ኮቪድ 19 ጅሆ ተታሒዛትሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንበይኖም ጐይታ ነቲ መዓት ንከቊርረልና ለበዳ ኮቪድ 19 ይኣክል ክብለልና ጭውጭው ኣብ ዝብል ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስን ዝዳበነ ምድረሰማያን ጸሎት ኣብ ዘዕረገሉ preghiera per la fine della pandemia del 27 marzo 2020 ምናልባት በይንና እንድሕን ከይመስለና ንከዘኻኽሩ ዘንቀዱ እንክመስሉ ‘ኩልና ኣብ ሓንቲ ጃልባ ኢና ዘሎና ስለዚ ክንድሕን እንተኾና ፈቲና ጸሊእና ብሓባር አእጃምና ክነብርክት ንጽዋዕ ኣሎና። ስለዚ ዝፈላልዩና መናድቅ ኣይሃልው ንሕናን ንሶምን ወይውን ካልኦትን ዝብል ፍልልይ ኣይሃሉ እንታይ ደኣ ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ብምውካል ንሕና እትብል ጥራይ ትሃሉ’ ኢሎም ነሮም።

ቤተክርስትያን ወትሩ ንኩሉ ትቅበል!

ቅዱስነቶም ኣብ መባእታን ቀዳማይን ክፋልን ናይታ መልእኽቶም ንመላእ ዘመደ ኣዳም ዝምልከት ሓፈሻዊ ሓሳብ ምስ ኣቅረቡ ናብቶም ንሶም ዝመርሕዎም ካቶሊካውያን ምልስ ይብሉ ናብ ደረጃ ጳጳስ ሰበኻ ሮማ ኣትሕት ኣቢሎም ‘ጳጳስ ሰበኻ ሮማ ንካቶሊካውያን ምእመናን ዘቅርቦ ምሕጽንታ እዚ እዩ! ካቶሊካውያን ምዃኖም ብተኣማንነትን ጽንዓትን ክቅጽሉ እሙናት ካቶሊካውያን ይኹኑ። ካቶሊካውነት ቤተክርስትያን ኩላውነት ቤተክርስትያን ብግብሪ ዝንበር ኣብ ዝኾነ ዘመን ሃንጐፋይ ኢልካ እትቅበሎን እትነብሮን ኩነት እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ድላይ ጐይታን ኣብ ጸጋኡን ተመርኲስካ ነቲ ንሱ ወትሩ ምሳና ከምዝኾነ ማለት ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ኣሎኹ ኢሉ ኣብ ዝሃበና ተስፋ ብምጽናዕ እዩ። እቲ ንሱ ዝሰደደልና መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነዚ ኩሉ ክንቅበልን ኣብ ብዙሕነት ሓድነት ክንፈጥር ኩሉ ሓደ ይኹን ዝብል ተጽዕኖ ከይገብረና ንፍልልያትና ክነወሃህድ እዩ። ምስ ካልኦት ኣጋይሽ ኣብ እንራኸበሉ እዞም ኣጋይሽ እዚኦም ጓኖት ወይውን ስደተኛታት ወይውን ሓተቲ ዑቊባ ክኾኑ ይኽእሉ። ምስ እዚኦም ኣብ እንራኸበሉ ውስጠ ባህላዊ ዘተ ብምክያድ ከም ቤተክርስትያን ንክንዓቢ ዓቢ ዕድል ከምኸፍተልና ምርዳእ የድሊ። ከም ሓቁ ከኣ ዝተጠምቀ ሰብ ኣብ ዝተረኽበ ይረኽብ ኣብቲ ዝተረኽበላ ቤተክርስትያን ምሉእ መሰል ኣባልነት ኣለዎ። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ኣባል ናይታ እንኮ ኩላዊት ቤተክርስትያን ብምዃና ሓንቲ ስድራቤት እያ እተቅውም’ ኢሎም። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ስለዚ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ብዘይ ምንም ፍርህን ንዝቈሰለ ዘበለ ዘንኑ’።

ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ብዘይ ምንም ፍርህን ንዝቈሰለ ዘበለ ዘንኑ!

ቅዱስነቶም ነቲ ቅዱስ ያዕቆብ ሃይማኖት ዘእንበለ ግብር ምውቲ ይእቲ ዝብሎ ዳግም ብምግዋሕ ክርስትያን ምዃን ብዘረባን ብሓንሳብ ዘይኮነ ብግብሪ ክግለጽ ከምዘለዎ ንምብራህ ዚኣክል ‘ነፍሲወከፍ ክርስትያን ካብታ ዝነበረላ ማሕበረክርስትያን ጀሚሩ እጅገኡ ሰብሲቡ እታ ቤተክርስትያን ንነፍሲወከፍ ጽጉም ተቀቢላ ክትረድእ ክሳብ እትኽእል ግደኡ ከበርክት በዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሳክርስቲ ተዓጽያ ዘይኮነ ኣብ ሻውላትን ጽጉማት ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢታትን ብምውጻእ ንዝቈሰል ክዝንኑ ንዝጠፍኤ ክደልዩ ኣለዎም። ነዚ ከኣ ብዘይምንም ሌላን ጉሌላን ማለት ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ብዘይ ምንም ፍርህን ከምኡ ኣውን ናብ እምነትካ ክትሰድዕ ብዘይ ምፍታንን ኰይኑ ንድንኳና ኣስፊሓ ንኩሎም ንምቅባል ትሰናዶ። ኣብቶም ሻውላት ዝነብሩ ብዙሓት ስደተኛታት ክንረክብ ኢና። እዞም ስደተኛታት እዚኦም ኣብ ሕማቅ ኩነታት ተዳጒኖም ዝነብሩ ኣደራዕ ናይ ብዙሕ ዓመጽን ምዝመዛን ክንረክብ ኢና። እንተኾነ እዚኦም ሰባት እዚኦም ምሩጻት ናይ ጐይታ ኰይኖም ፍቅሩ ክረኽቡን ድሕነቱ ብተግባር ክስበኸሎምን ዘለዎም ምዃኖም ዘይምዝንጋዕ። ምስ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን እንገብሮ ርክብ ክንዮ እምነታቶምን ኣባልነቶምን ንኣና ከም ቤተክርስትያን መጠን ዘተ ክርስትያናዊ ሓድነት እንማዕብለሉ ከምኡ እውን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ምስቶም ክርስትያን ዘይኮኑ እንደንፋዕሉ ፈርያም መሬት እዩ’ ኢሎም። በዚ ከምዚ ከኣ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ገርሀይና ብዝኾነ መንገዲ እንተተጠቂምናሉ በቲ ዘጋጥመና ብዙሕነት ክንህምትም ስለዝኾና ብብዙሕነት ንክንህብትም ነፍቅድ ኢሎም።

ብብዙሕነት ንክንህብትም ነፍቅድ!

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ካቶሊካውያን ከም ካቶሊካውያን ምስቶም ኣጋይሽ ካቶሊካውያን ክግበርዎ ዘለዎም መሰል ኣባልነት ነፍሲወከፍ ዝተጠምቀ ኣብ ዝረኸባ ቊምስና ክህልዎ ዘለዎ ምስ ኣብርሁ ካብኡ ስግር ኢሎም ምስ ካልኦት ክርስትያንስ ይኹን ዘይክርስትያን እቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘተ ሓድነት ክርስትያን ውስጠ ሃማኖታዊ ዘተን ብማለት እተካይዶ ጒዕዞ ብምዝኽኻ ካብ መንፈስ ምጥርጣርን ፍርህን ሓሊፎም ካልኦት ክርስትያንን ሰብ ካልእ እምነት ዝኾኑ ኣጋይሽን ሒዞሞ ዝመጹ ብዙሕ እምነታውን ባህላውን ሃብቲ ስለዘሎ ነዞም ኣጋይሽ እዚኦም ጥቅሚ ካብቲ ተቀበልቲ ጥራይ ዝደልዩ ዘይኮነስ ንሶም እውን ብግዲኦም ከሀብትሙ ከምዝኽእሉ ብምዝኽኻር ነቲ ሃብቲ እዚ ክጥቅመሉ እንተዀይኖም በዚ ብዙሕነት እዚ ንክህብትሙ ፍቃደኛታት ክኾኑ ከምዘለዎም ኣዘኻኺሮም። በዚ ከኣ ‘ንኩሉ ናይ ምቅባል መንፈስ ክሕድሩ በዚ ከኣ ዓልምና ንዓባይ ስድራቤት ዳግም ንክሃንጽን ማንም ካብዛ ስድራቤት እዚኣ ከይግለልን በዚ ከኣ ፍትሕን ሰላምን ዝዓሰሎ መአጻኢና ክንሃንጽ’ እንክብሉ ጻውዒቶም ኣቅሪቦም። መጻኢ ማሕበረሰብ ዓለምና ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዘንጸባርቅ ቂሔ ጽልሚ ኰይኑ ነቲ ዘሎ ፍልልያትን ውስጠ ባህላዊ ርክባትን ከም ንፉዕ ዓለማይ ብሓንስብ ኣወሃሂድና ንኽኣል። እንተዘየሎ እዚ ሕልሚ ጥራይ ኰይኑ ክተርፍ እዩ። ከምኡ ንከይከውን ከኣ ሎሚ ብሓባር ምንባል ብውህደትን ሰላምን ምንባር ንመሃር። ነቲ ዝፈላልየና መናድቅ ምፍራሱ ክንመሃር ኣሎና ዘራኽበና ድልድላት ክንሃጽ ኣሎና በዚ ከኣ ነቲ ኣብ መዓሙቊ መንነትና ዘሎ ርክብ ክነበራብሮ ኢና። ነዚ ሃብቲ እዚ ንክንምዝምዝ እዚ መርገም ዝመስል ምርቃ ኰይኑ ቀሪቡና ዘሎ ናይ ዘመንና ስደት ዓቢ ዕድል ስለዝኸፈት ብዘይ ምንም ፍርሂ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከሀብትመና ነፍቅድ። ብሓጺሩ እንተደኣ ብሓቂ ንደልዮ ኰና ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ነዚ ከኣ ነቲ መፈላለዪ ኰይኑ ዘሎ ዶባትና ናብ ቦታ ርክብ እንተለዊጥናዮ እቲ ንኩልና ዝጠምር ንሕና ዝብል ኣምር ሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳም ዝዕምብበሉ ተኣምር ክንርኢ ኢና’ ኢሎም። ምስዚ ብዝተታሓሕዘ ከኣ ነቲ ነባርን ስደተኛን ኢሉ ዘይፈሊ ተፈጥሮ ሓልዮት ክነርኢ እንተዘየሎ ንኩልና ክለኻኽም እዩ።

ሓልዮት ተፈጥሮ! ነባርን ስደተኛን ዘይፈላሊ እጃም!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም ነታ ሓባራዊት ቤትና ዝበልዋ ተፈጥሮ ምክንኻን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ምዃኑ እንተዘየሎ ንኩልና ብኣልማማ ዳግም ክንመልሶ ዘይንኽእል ጸገም ክተስዕብ ምዃና ኣዘኻኺሮም። ንኩሎም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ዘቅነዔ ጻውዒት ከኣ ‘ነዚ ብፈጣሪ ዝተዓደለና ፍጥረት እዚ ከኣ ንክንጥቀመሉን ንክንከናኾኖን ስለዝኾነ ነፍሲወከፍ ንክንክን ተፈጥሮ እጃሙ ከበርክት ከምቲ ንሱ ክፈጥሮ እንከሎ ኩሉ ጽቡቅ ከምዝኾነ ረኣዮ ዝበሎ ገና ጽቡቅ ስለዘሎ ብጽቡቁ ንዓቅቦ። ነቲ ኣብ መጻኢ ክንሃንጾ ዝበልናዮ ንሕና ዝበልና ዓቢ ማሕበረሰብ ዓለምና ነዞም ዘሎና ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ ወለዶ እውን እዚ ፍጥረት ከምዝግብኦ ፈሊጥና ብግልናስ ይኹን ብሓባር ሓላፍነትና ንክንዋጻእ ናይቶም ገና ዝሳቀዩ ዘለው ኣሕዋትን ኣሓትን ሓላፍነት ተሰኪምና ጥዑይን ሚዛናውን ንኩሉ ዘጠቃልልን ምዕብልና ንምድንፋዕ ንጋደል። እዛ እንርእያ ተፈጥሮ ሌላ ጐሌላ የብላን ነባርን ጋሻን ወዲዓድን ጓናን ኣይትብልን እያ ንኩልና ብሓባር እያ እትብጸሓና። ናይ ሓባር መዝገብ ወይውን ህባቲ እያ ኣብ ሓልዮታስ ይኹን ጥቅማ ካብ ምቊሳይ ማንም ክግለል የብሉን’ እንክብሉ መልእኽቶም ‘ኦ ጐይታ ንዝኾነት ተግባር ምቅባል ጋሻን ሓገዝን ባርኽ’ ብእትብል ሓጻር ጸሎት ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 May 2021, 13:47