ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ለቪትስን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ለቪትስን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ለቪትስን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ልባዊ ምንባሩን ኣብቲ ርክብ ዛዕባ እቲ መበል 100 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ለቶኒያንን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ምይይጥ

ዕለት 10 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ለቶኒያን ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ለቪትስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ሕውነት ኣብ መንጐ ሕዝብታትን ሕውነታዊ ርክብ ሕዝብታትን ሓለዋን ክንክንን ንኣባይቲ ስድራን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ኤጊልስ ለቪትስ ዕለት 10 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ፡ ልባዊ ምንባሩን ኣብቲ ርክብ ዛዕባ እቲ መበል 100 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ለቶኒያንን መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ኣብቲ ዝተኻየደ ምይይጥ ለቶኒያ ንክርስትና እምነት መሰረታዊ ኣበርክቶኣን እቲ ንመንፍሳውን ንምኽባር ናይ ሰብኣውን ስድራ ቤትን መሰልን ክብርን ደረት ትርኢት ክፉት ዝኾነ እውነተይና ሰብኣውነት ኣብ ምንቕቓሕ ግደ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብኣጽንዖት ዘቃልሔ ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝምልከትን ኣብ ዓለምን ዞባውን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ሰላምን ሓድነትን ዘስፍሕ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕን ንምቕቓሕን ኣብ መንጐ ሃገረ ቫቲካንን ለቶኒያን ዘሎ ምትሕብባርን ሓሳብ ዘማእከለ ምይይጥ እውን ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ናይ ለቶኒያ ርእሰ ብሔር ኤጊልስ ለቪትስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ፓውል ርቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ኣፍሊጡ።

11 May 2021, 15:22