ድለ

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ብዘሳቕይ ሕማምን ንዝተጠቕዑ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ብዘሳቕይ ሕማምን ንዝተጠቕዑ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ብዘሳቕይ ሕማምን ንዝተጠቕዑ

ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ማሕበረሰብ ዓለም ብቑዕ ሓበሬታ ክርከብን ስነ ሕክምናዊ ምርምር ነዚ ሕማም እዚ ንምፍዋስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ስነ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ዝበጽሓሉ ደረጃ

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 12 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ብዘሳቕይ ሕማም ዝተጠቕዑ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 9 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ዘኪሮም ነቶም በዚ ሕማም ንዝተጠቕዑ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ እቲ ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ዘሳቕይ ሕማም ብዙሕ ዘይፍለጥን ዘይንገረሉን እውን እንተኾነ፡ በዚ ሕማም እዚ ብዙሓት ዜጋታት ከምዝሳቐዩን ኣዘኻኺሮም ነዞም ህሙምንን ኣለይቶም ሓኻይምን እዚ ሕማም እዚ ፈውሲ ንኽርከቦ ንዝዓዩ ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርቲ ቅርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 12 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ህሙማን ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ብዘሳቕይ ህማም ዝተጠቕዑ ዝዝከርሉ ዕለት ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ እዚ ሕማም እዚ ማሕበረሰብ ዓለም ብቑዕ ሓበሬታ ክርከብን ስነ ሕክምናዊ ምርምር ነዚ ሕማም እዚ ንምፍዋስ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ስነ ሕክምናዊ መጽናዕቲ ዝበጽሓሉ ደረጃ ዝሕብሩ ዝተፈላለዩ መደባት ከምዝካየድ እውን የዘኻኽር።

ብዙሕ ዘይንገረሉ ስቓይ

ኣብ ሰበኻ ሮማ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንህሙማን፥ በዚ ሕማም እዚ ንዝተጠቕዑ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣማኻሪት ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን በዚ ሕማም እዚ ዝተጠቕዓ ኤዲት ኣልዳማ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝተጠቕዑ ዘለዋ ቅርበት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ከምእትገልጾን ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኵሉ ሕቑፍ እዩ ቢለን፡ እቲ ጭዋዳታትን መራኽቦ ጅማውትን ዘሳቕይ ሕማም ዘስዕቦ ቃንዛ ለይትን መዓልትን ዘሰንይን ሕዱር ድኻምን ዘስዕብ ክሳብ ክትሰርሕን ዕለታዊ መነባብሮኻ ንኸይትመርሕ ዝገብርን እውን ምዃኑ ሓቢረን፡ ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ነዚ ሕማም እዚ ዝፍውስ ሕክምና ከምዘየለን መበገሲኡ ዘይፍለጥ ከምዝኾነን ፈውሲ ቃንዛን ከምኡ እውን እቲ ሕማም ከስዕበልካ ዝኽእል ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምፍዋስ ናይ ጸረ ስነ ኣእምሮኣዊ ጽቐጢ መድሃኒትን ሓይሊ ዝህብ ኣፋውስን ከምዝወሃብን ካብዚ ሓሊፉ ከወግዶ ዝኽእል ብትኽክል ነዚ ሕማም እዚ ፈልዩ ዝፍውስ ኣገባብ ሕክምናን ኣፋውስን ገና ኣይተረኽበን እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

11 May 2021, 14:55