ድለ

35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ 35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ 

35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝኾነ ይዅን ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዘውረዶ ጽልእን መስጐግጒትን ኵሉ መግለጺታት ጸረ ሴማዊነትን ትነጽግን ትፍንፍኖን ትቃዎሞን፥ ክንየው እዚ ሓሳብ እዚ ካልኣይ ቫቲካን እውን ናይ ዮሓንስ መበል 23 ባህላውን ሰብኣውን ውርሻ ቢልካ ክገልጽ ይከኣል

ኣብ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ሪካርዶ ዲ ሰኚ፥ 35 ዓመት ይገብር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ኣይሁድ ዕለት 13 ሚያዝያ 1986 ዓ.ም. ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ኣይሁድን ዝነበረ ርክብ ዝቕየረን ዓብይ “ትእምርታዊ ዋጋ” ዘለዎ ፍጻመ እዩ እንክብሉ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ኣብ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ኤሊዮ ቶኣፍ ዝተፈጸመ ምትሕቝቛፍ፡ ኣብ ልቢ ኩሉ ተሓቲሙ ዝተረፈ ዘይሃስስ ተዘክሮ ኮይኑ ከምዝተረፈን ኣብ 1986 ዓ.ም. ንመጀመሪያ ግዜ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብቲ ሮማ ናብ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ምብጻሕ ኣካይዶም ነቲ ናይቲ ምኵራብ ድርኩኺት ከምዝሰገሩን፡ በዚ ወስታ እዚ ኣቢሎም ዝፈጸምዎ ታሪኻዊ ርክብ ልሙድ ኮይኑ ብዅሎም ድሕሪኦም ዝመጹ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝፍጸም ሰናይ እናተወራረሰ ዝኸይን ባህላዊ ውርሻ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ይፍለጥ።

35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ
35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ

እዚ ርክብ እዚ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ንብዓት መንደቕ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ቅዱስ ስፍራ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምብጽሕ ብምክያድ ጸሎት ከቲሞም ኣብቲ መንደቕ ከምዝሰኽውዕዎን ኣብ ኣውሽዊዝ መዳጐን ሰፈር ንዝኽሪ ህልቂት ኣይሁድ ብዝፍጸም ምብጻሕን ዝግለጽን ብኻል ዓበይትን ኣገደስቲ ተግባራት እውን እቲ ርክብ ጥቡቕን ጥልቅን እናኾነ ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይዚ ፍጻሜታት እዚ ኣናስር እውን Nostra aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ። ኣብቲ ቅድሚ 35 ዓመት ዝተኻየደ ርክብ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ዓቢይ መምህር ቶኣፍን ኣብ ዘስምዕዎ መደረታትን ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔን ከምኡ እውን ተክለ ሰብነት ዮሓንስ መበል 23 ከምዝዳህሰሱ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

Nostra aetate - ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዮሓንስ መበል 23ን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ክርስትና ምስ ኣይሁድ እምነት ዘለዎ ጥልቂ ምትእስሳርን ነዚ ኸኣ “ርክብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ዘይ ክርስትያን ሃይማኖታት” ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ተወኪሶም፥ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝኾነ ይዅን ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዘውረዶ ጽልእን መስጐግጒትን ኵሉ መግለጺታት ጸረ ሴማዊነትን ትነጽግን ትፍንፍኖን ትቃዎሞን፥ ክንየው እዚ ሓሳብ እዚ ካልኣይ ቫቲካን እውን ናይ ዮሓንስ መበል 23 ባህላውን ሰብኣውን ውርሻ ቢልካ ክገልጽ ይከኣል እንክብሉ ከምዘመላኸቱን ኣስዒቦም ዮሓንስ መበል 23 ብጥቓ እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ክሓልፉ እንከለዉ ነታ ዝጓዕዙላ ዝነበረት ማኪና ደው ኣቢሎም ነቶም ካብቲ ሙክራብ ዝወጹ ዝነበሩ ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ከምዝባረዅ ኣዘኻኪሮም፡ በቲ ካብ ዮሓንስ መበል 23 ዝተመሓላለፈ ናይ ሰናይ ምቅርራብ ባህሊ “ሎሚ ስለ ለጋስ እንገዳዅም እነሆ ኣብ ውሽጢ ምኩራብ እርከብ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቶኣፍ፥ እቲ ዝተፈጸመ ምብጻሕ ኣብ ታሪኽ ዝተርፍን ዝቕጽልን ወስታ እዩ

ናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ቶኣፍ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ከምኡ እውን ዮሓንስ መበል 23 መዓልቲ ቀዳም ዝፈጸመዎ ብጥቓ ሙክራብ ኣይሁድ ሮማ እናሓለፉ እንከለዉ ደው ቢሎም ነቶም ካብታ ሙክራብ ዝወጹ ዝነበሩ ክባርኹን ነዚ ኽፍጽሙ ምርኣይ ንብዙሓት ከምዘሐጐሰን ኣተሓሒዞም እውን ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እናሓሰቡ እቲ ውሳኔ’ቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኣይሁድ ሃይማኖትን ኣይሁዳውያንን ዘለዋ ርክብ ሱር በተኽ ለውጢ ዘረጋገጸ እዩ፥ እዚ ኸኣ ነቲ “ናትኵም ኣብዚ ምብጻሕ ተኻኣሊ ገይርዎ ኣሎ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብቲ እዋን ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ጃኮሞ ሳባን እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ልክዕ ከም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ናይ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር ቶኣፍን፥ ዮሓንስ መበል 23ን ከምኡ እውን ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መንጐ እምነት እስራኤልን መላእ ዓለምን ዘሎ ርክብ ብሉጽ ክኸውንን ነቲ ንነዊሕ ዘመናት ተኸልኪሉና ዝነበረ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ወትሩ መሰልናን ክብርናን ዝነበረ እውን ዳግም ንኽምለሰልናን ዝገበረ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘመሩሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብዛዕባ እቲ ታሪኻዊ ምብጻሕ ኣማእኪሎም ኣብ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ሪካርዶ ዲ ሰኚ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ አምሕትት፥ እቲ ታሪኻው ምብጻሕ ብርግጽ ነቲ ኣብ መንጐ ክልተኣተን ዓለም ዝነበረ ርክብ ዝቐየረ ምሳልያዊ ፍጻሜ እዩ፥ እቲ ፋጽመ ነቲ ዝነበረ ስነ ሃይማኖታዊ ጸገማት እውን ዝሰገረን ብፍላይ ንኣይሁዳውያን ብዅሪ ኣሕዋትና እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ዘሐጉስ እውን እንተኾነ ብቲዮሎጊያዊ መንጽር ብዙሕ ዘወዓውዓና ኣይኮነን ምኽንያት ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ቦኽሪ ሓው እቲ ክፍኡን ተሰዓርን ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ እውን ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ከምዝበጽሑን . . . ቅድሚኦም እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ወርሒ ጥሪ 2010 ዓ.ም. . . . እቲ ካብ ርሑቕ ዓመታት ዝተበግሱ ርክባትን ነቲ ኣብ ምነጐ ኣይሁድን ካቶሊክን ሕውነትን ምሕዝነትን ከተርፍ ዘይብሉ ቀጻልነት ዘረጋገጽ እይ . . . እቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝፈጸመዎ ምብጻሕ ታሪኻዊ እውን እንተኾነ እቲ ኣብ መንጐ ኣይሁድን ካቶሊክን ዘሎ ርክብ ቀጻልነቱ ዘውሓሰ ጥራሕ ዘይኮነ ሰጓምን ኣብ ቀጻልነቱ ሕዳሴ እውን ዘለዎ እዩ . . . ኣብ ዝተፈላለዩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘካይድዎም ምብጻሕን ርክባትን  እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ርክብ እዩ እንክብሉ ፕሮፈሰር ዲ ሰኚ የብርሁ።

Photogallery

35 ዓመት ይገብር ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዘካየድዎ ምብጻሕ
15 April 2021, 15:08