ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ዎርታም ዕለት 28 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ዎርታም ዕለት 28 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. 

ዓውደ ጉባኤ ዓመጽ ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል፥ ቃል ምስክርነት ጀኒፈር ዎርታም

ዕለት 10 ሚያዝያ ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምእተበገሰ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ “እምነትን ዕብየትን፥ ኣብ ልዕሊ ቖልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ማህሰይንት ንምክልኻልን ንምሕዋይን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኮይኑ

ዓለም ሓቆፍ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዝከርሉ ዕለት ክውሰን ዝሓትት ዓለም ሓቆፍ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣቐዲምካ ምክልኻል ኣብ ዝብል ሓሳብ ዝመክር ዓውደ ጉባኤ፥ ቅዱስ ኣቦና ሰላምታኦም ከምዘመሓላለፉ ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፋ ፕሮፈሰር ዎርታም እቲ ኣብ ሕይወተን ዘጋጠመን መዓትን ስዒቡ እውን ካብ ቤተ ክርስቲያን ምርሓቐንን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘካየደኦ ርክብን ናብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዳግም ምምላሰንን ኣማኣኪለን ምስ ዜና ቫቲካን ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከምዘካየዳ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጳጳሳዊ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይን ንሕጻናት ዝኸላከልን ሽማግለ ምስ ሃርቫርድ መልኮታዊ ተቕዋምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ምስ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናትን ዓለም ሓቆፍ ውድብ ክንክን ጥዕናን ሓዊስካ ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን ማህበራት ብምትሕብባር ዘሰናደዎ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብመረባዊ ውሕዘት ዝካየድ ዕለት 10 ሚያዝያ ዝዛዘም ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 8 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምእተበገሰ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ “እምነትን ዕብየትን፥ ኣብ ልዕሊ ቖልዑ ዝፍጸም ጾታዊ ማህሰይንት ንምክልኻልን ንምሕዋይን”  ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ኮይኑ፥ ልክዕ ከምታ ሓንቲ ዑፍ እተዕርፈሉ ውሑስ ስፈር ዘለዋ፡ ኵሎም ቆልዑ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕብየት ንኸሰጉሙ ሰላማዊ ሃዋሁ እዩ ዝግብኦም ዝብል ብርቱዕ መልእኽቲ ዘመሓላልፍን እዚ ተራን ኣገዳስን ሸቶ’ዚ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ሕጻናትን ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቃል ሰላምታ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎን መልእኽቲ ብሓደ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ሚካኤል ሆፍማን ከምእተነበን ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ነዚ ዓይነት ኣብ ትሓቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም እከይ ተግባር ንምጥፋእ ኣብ ኵሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብ ንዝያዳ ውጺኢት ምትሕብባር ክህሉን ንኽብደትን ዝርጋሔን ጾታዊ ማህሰይቲ ዝያዳ ኣፍልጦ ክህሉ ዝገብር ክኸውን ተስፋ ከምዘለዎን ገሊጾም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ንዅሉ ውሉደ እግዚኣብሔር ሰናይነትን ነቶም ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንዝኾኑ ተስፋን ክብርን ዳግም ንኽምለሰሎም ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኵሉ ጠቒሶም ምስጋናኦም እውን ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ኦ’መለይ፥ ገና ብዙሕ ስራሕ እዩ ዝጽበየና

ነቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብዘስምዕዎ መደረ ዘበገሱ ናይቲ ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ተኸላኻሊ ሽማግለ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሲን ኦ’ምለይ፥ ነቶም ናይ ጾታዊ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ብሕይወት ዘለዉ ታሪኾም ንኸካፍሉ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ምርኻቦም ኣመስጊኖም፥ “ነቶም ዑቕባ ቖልዑን መንእሰያትን በጹሓትን ተኣፋፍያን ዝዓዩን ንምእላዮም ናይ ድጋፍ መርሓ ግብሪ ንዘሳልጡን ኵሎም ስለ ትብዓቶም ኣመስጊኖም፡ ኣብዚ ኣብ ምክልኻልን ሓገዝ ኣብ ምቕራብን ኪደት እቶም ኣደዳ ዝኾኑ ናይ ሕይወትና ቀንዲ ኣካላት እያቶም፡ እዚ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ከምዘመላኽቶ እውን ኣብ ምእላዮምን ምድጋፎምን ገና ብዙሕ ዕዮ ይጽበየና ከምዘሎን የመላኽተና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ደኒስ ሙትወጀ ዘዘንተወኦ ዘሕዝን ታሪኽ

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዓ ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ከም ናይ ስነ ሕክምና ሊቅን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናይ ስነ ሕርሲ ሓኪም ደኒስ ሙትወጀ፥ ኣብቲ ዝዓያሉ ቤት ሕክምና ብዙሓት ኣብ እዋን ወግእ ሓደ ናይቲ ውግእ መጋበርያ ኮይኑ ብዘሎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾናን ሕጻናትን መናእሰይን ብዕድመ ዝደፍኣ ደቀ ንስትዮን ከምዘጋጥመንን ንኣኣተን ክሕክማን ዘጓነፈን ስቓይ ዝሰምዓ ኣለይቲ ህሙማን ኣበርቲዔን ንኽዓያን ስሌአን ንኽጣበቓን ከምዘተባበዔን እውን ገሊጸን፥ ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ውሽጢ ክንየው እቲ ዝቐርብ ሙያዊ ኣገልግሎት ናይ እምነት መንፈሳውነትን ተስፋን መጋበርያ ኮይነን ምርኻብ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጸን፡ ኣካላዊ ክንክን ጥዕና ንበይኑ እዅል ከምዘይኮነ ኣስተውዒልና ኢና። ስለዚህ እቲ ፈውሲ ኣካላውን መንፈሳውን ጉዳይ ዝምልከት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ናይ ፈውሲ ኣገልግሎት’ዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ክዋስኡ ዓዲመንን እዚ ኸኣ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከም መጋበርያ ውግእ ምጥቓም ከብቕዕን ኣብዚ መዳይ ሕብረተሰብ ኣብ ምሕናጽ ይሓብሩ እውን ከምዘለዉ ጠቒሰን፡ እተን /  እቶም ብሕይወት ዝተረፋን ዝተረፉን በቲ ዘጓነፎም ዓመጽ ክንጸሉ ዘይኮነ ድጋፍ ክረኽቡን ክብሪ እውን ከምዘለዎን ከስተውዕሉ ምድጋፍ ወሳኒ እዩ፡ ሓይሊ ዘይብሎም ኮይኑ ኣክንዲ ዝስምዖም ነገራት ናይ ምቕያር ሓይሊ ከምዘለዎ ክስምዖም ምግባር የድሊ፥ ኣክንዲ ዘስቕጡ ንምዝራብን ሓሳቦን ንኽገልጹን ኣጋጣሚ ክኽፈተሎም ይግባእ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቃል ምስክርነት ፕሮፈሰር ዎርታም

ሓንቲ ኻብቶም ኣዳለውቲ እቲ ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብ መንበረ ጥበብ ሃርቫርድ መምህር ኣብ ስድራ ቤተን ብኣባል ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ፕሮፈሰር ጀኒፈር ዎርታም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዝወረደ ጾታዊ ዓመጽ ብብርቱዕ እምነት ነቲ ስቓይ ብዓሚዩቕ ናይ ምሕዋይ መገዲ ኣቢለን ዝነበረኦ ኩነት እንክሕብራ፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ጥራሕ ዘይኮነ ብሓፈሻኡ ጾታዊ ዓማጽ ኣብ ሕብረተሰብ ዘጓንፍ እውን ብምዃኑ ብጥልቂ ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ድዩ ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ማሕበራትን ስለዚህ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣበይ ጥራሕ ዘኮይነ ነቲ ጾታዊ ዓመጽ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ዝምልክትን ንኸይህሉ እውን ዝድግፍ መገዲ ዘመላኽት ምዃኑ ገሊጸን፡

እቲ ኣብ ስድራ ቤተን ዘጋጠመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፈጠሮ ማህሰይቲ

ክልተ ኣሕዋተን ብቆሞሶም ዝወረዶም ጾታዊ ዓመጽ፥ እቶም ቆሞስ ንስድራ ቤተን ቀረባ ከምዝነበሩን እቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ምስ ተነግረን ኣብ ስድራ ቤተን ዝፈጠሮ ማህሰይቲ ከቢድ ምንባሩን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኣካላት ምስ ሓበርና ይብላ ዝተወሃበ መልሲ ብሓቂ ዘቖጥዕ ከምዝነበረን፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ኣድኤንን ኵሎም ኣባላት እታ ስድራ ቤት እውን ካብ ቤተ ክርስቲያንን እምነትን ብምርሓቕ ፈውሲ ኣብ ካልእ ቦታ ኣብ ምንዳይ ከምዘዘምበሉንን ንሰን እውን ንኽልተ ዓመተ ኣብ ሓደ ናይ ቡድሃ እምነት ሰዓብት ገዳም ከምዘሕለፋ ይዝክራ።

ምምላስን፥ ምሕረትን ሰላምን

ኣብ 2015 ዓ.ም. ሓድሽ ለውጢ፥ ነተን ዝዓረፋ ዓባየን ቀረባ ንክኾና ናብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ይኣትዋ እሞ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን እንከለዋ፥ ንዝበደሉኻ ይቕረ ምባልን ኩሉ ንድሕሪት ሓዲግካ እቲ ኹሉ ማህሰይቲ እውን በቃ ቢልካ ንቕድሚት ምባል የድሊ ዝብል መንፈስ ጽን ከምዝበላን፡ ድሕሪ እዚ ተመክሮ እዚ ኣብ ውሽጠን ህድኣትን ሰላምን ከምዝረኸባን እቲ ስቓይ ነገልግሎትን ኣብ ኣገልግሎትን ንኽቕይርኦ ከምዝደረኸን ይሕብራ።

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ተመልሳ ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ . . . ናብ ር.ሊ.ጳ. መልእኽቲ ንኽልእኻ ብርቱዕ ድላይ ይሓድረን እሞ መልእኽቲ ድማ ይሰዳ፡ ድሕሪ 36 ሰዓት መልሲ ካብ ቅዱስነቶም ይበጽሐን ክራኸብወን ድማ ድላይ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ዕለት 28 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ዝልግስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ተሳቲፈን . . . ምስ ተራኸባኦም ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም ጓህን ናይ ወሲብ ዓመጽ ንምእላይ ዘለዎም ብርቱዕ ድላይ ከምዘስተውዓላ ሓቢረን።

ድሕሪ እቲ ርክብ ምስቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑን ምስ ኣባይቲ ስድራኦምን ክራኸባ ድላይ ይሓድረን ቤተ ክርስቲያን ነዚ ከቢድ ገበን እዚ ንምእላይ እተካይዶ ብርቱዕ ጻዕርን ድላይን ምስ ኣስተውዓላ ምስ ብጹዕ ካርዲናል ኦመለይ እውን ይራኸባን፡ ዓለምሓቆፍ መዓልቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዝከረሉን እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር’ዚ ንምውጋድን ናይ ፈውስን ፍትሕን መገዲ ንምብጋስ ዘለወን ድላይ ይገልጻሎም፡ ምስ ናይ ሓወን መዓልቲ ልደት ኣተሓሒዘን እውን ዕለት 8 ሚያዝያ ዝኽሪ ኣደዳ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክኸውን ሓሳብ ከምዘቕረባ ገሊጸን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

09 April 2021, 22:33