ድለ

ብኣካል ከይቀረብካ ብማዕዶ ክርስትያን እየ እናበልካ ዝንበር ክርስትና የለን! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ‘ክርስትያን ምዃን ማለት ሓደ ትምህርቲ ወይውን ሞራላዊ ሥርዓት ምሕላው ዘይኮነ ምስ ክርስቶስን ምስ ኣሕዋትን ሓቀኛን ሕያውን ርክብ ምፍጣር እዩ’ እንክብሉ ወትሩ ከምገብርዎ ነቲ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብሰለስተ ቃላት ማለት ‘ርኢኻ ምኽኣል ምትንካፍ ምምጋብ’ ዝብላ ነቲ ኣብ ዘመንና ገኒኑ ዘሎ ምግላል ተነጽሎን ሕቈኻ ናይ ምሃብን ፈተናታት ንምሽናፍ ከምዝሕግዛ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅድሚ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ብዛዕባ እዚ ኣስተምህሮ እዚ እንክነዘንቱ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትብል ሓረግ እንትርፊ ብምኽንያት ሓዋርያዊ መገሻ ወትሩ ትጥቀስ ነራ። እንተኾነ ኣብዘን ክልተ ዓመታት ቀዳማይ ለበዳ ኮቪድ ካልኣይ ለበዳ ኮቪድ እናበልካ ዕጽው ክፍት ዝኾነ ውሸባ ብዘስዓቦ ዓሚ ንኣዋርሕ ተዓጽዩ ነሩስ ቁሩብ ደሓን ኮይኑ እዩ ርሕቀት ሓሊኻን ዘድሊ መካለኸሊ ገርካን ምምላስ ይከኣል ምስ ተባሕለ እቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ ዝነበረ ጉባኤ ኣሰተምህሮ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔርን ንግሥተ ሰማያትን ንቊርብ ግዜ ናብ ንቡር ክምለስ ጀሚሩ ነበረ። እንደገና ካልኣይ ግዜ ውሸባ ምስ ኮነ ከኣ ኣብ ዝቀደመ ኩነታት ተመልሰ። ትማሊ ከኣ ኩነታቱ ቁሩብ ደሓን ብምምሳሉን ክትባት ክትተኣታቶ ብምጅማሩን ነቲ ካብ መዝገበ መጻሕፍቲ ቫቲካን ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ከመሓላለፍዎ ዝወርሑ ኣብቂዑስ እንደገና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዳግም ተመሊሶም ኣስተንትኖ ከቅርቡን ብሓባር ምስ ምእመናኖም ክጽልዩን ምኽኣሎም ብሓቂ ደስ ከምዘበሎምን ነቲ ከም ጓሳ ኣብ ማእከል ሕዝቦም ምምልላሶምን ምሳኦም ሓቢርካ ምጽላይን ክሳብ ክንደየናይ ከምዝናፈቅዎ ገሊጾም።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 24 ዝተወስደ ኮይኑ ድሕሪ ስቅለትን ሞትን ኢየሱስ ኩሉ ፋሕ ፋሕ ዝበሎም ሓዋርያት ገሊኦም ብፍርሂ ኣብ ገዛ ተዓጽዮም ከምዚ ሕጂ ንሕና ተወሺብናዮ ዘሎና እንታይ ኮን ይስዕብ ይኸውን እናበሉ ክርዕዱ ከለው ክልተ ካብኦም ከኣ ኣሮማይ ኩሉ ፈሺሉ እዩ ነናብ ውራይናን ዓድናን ንኺድ ኢሎም ካብ ኢየሩሳሌም ሰሊኾም ንኤማኡስ ገጾም እንክጓዓዙ ኢየሱስ ከም ማንም ጋሻ ኣብ መንገዲ ሕውስ ኢልዎም ኩነታቶም ከምዛ ሓንቲ ዘይፈልጥ ሓቲቱ ንቅዱስ መጽሓፍ ገሊጹ ተዓወቱ ኢልዎም ምሳና ሕደር ኢሎም ዓዲሞሞስ ኣብ ምቊራስ እንጌራ ኣዕይንቶም ተኸፊተን ከምዘለለይዎን ካብኦም ከምዝተሰወረን ዝገልጽ እሞ እቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ ንድሕሪት ተመሊሶም ንሓዋርያት ከበሥሩ እቲኦም ተሪፎም ዝነበሩ ሓዋርያት እውን ብወገኖም ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን እናበሉ ብሓጐስ ከምዝተበሳሰሩ እዚ እንክኸውን ኢየሱስ ብሓዲስ መጺኡ ኣብ መንጎኦም ብምዃን ሰላም ንዓኹም ኢሉ ምሳኦም ከምዝበልዔ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ።

ኣብ ካልእ ክፍልታት ወንጌላውን ተገሊጹ ከምዘሎ ኣብ ርክብ እዚ እውን ሓዋርያት ገና ነቲ እናተመላልሰ ኣብ መንጎኦም ብምቋም ‘ሰላም ንዓኻትኩም’ ዝብሎም ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምሉእ ብምሉእ ክኣምኑ ብዘይምኽኣሎም ሕጂ እውን ምትሓት ዝረኣዩ መሲልዎም ብፍርሂ ከምዝተዋሕጡን ኢየሱስ ከኣ ኣነ እየ ኣይትፍርሑ ምትሓት ከምዚ ናተይ ሰውነት የብሉን ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረኣዩ እዚ እዩ ቅንዋተይ ተንክፉኒ ይብሎም። ኣጸቢቁ ከእምኖም እውን መግቢ ይሓቶም እሞ ይበልዕ። እዚ ኰይኑ እንከብቅዕ ግን ብኡ ንብኡ እቲ ኩነታት ይቅየር እቲኦም ሓዋርያት ብሓጐስ ዳርጋ ይሰኽሩ። እዚ ዘመልክተልና ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ወትሩ ከምዘደንቅን ብሓጐስ ከምዝመልእን ፍጹም ዝተፈልየ ተመኲሮ ከምዝህብን እዚ ከኣ ብኣካል ባዕልኻ እተዘይተመኲርካዮ ብካልእ ክግልጽ ዘይከኣል ዘደንቅ ተመኩሮ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነቲ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ሕጊ ፍቅሪ ንምድልዳል ነተን ምርኣይ ምትንካፍ ምብላዕ ዝብላ ሰለስተ ዓናቅጽ በብሓደ ይዝርዝሩ።

ንብጻይካ ርኢኻ ምኽኣል! ቀዳማይ ስጒምቲ ተጻይ ሸለልትነት!

ቅዱስነቶም ኣብተን ጐይታና ኢየሱስ ነቶም ብፍርህን ምጥርጣርን ተዋሒጦም እናረኣዩ ከስተውዕሉን ኪኣምኑን ዘይከኣ ሓዋርያት ኣነ እዩ ድሕሪ ቢሉ ‘ረኣዩ ተንክፉ ዝብላዕዶ ኣሎኩም ኢሉ በልዔ’ ዝብላ ሰለስተ ኣናቅጽ ዝገልጻኦ ተግባር እቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እንክትራኸብ ዝግበራን ዓቢ ሓጐስ ዝህባን ምዃነን ገሊጾም ዓናቅጽ ፍቅሪ እየን በሉ። ንሕና እውን ካብቶም ዝሳቀዩን ብተነጽሎ ዝልለውን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይንርሕቅ እኳ ደኣ ነቲ እንታይ ገደሰኒ ጉዳየይ እዩ ዝዓጠኒ ብማለት ሕቈኻ ናይ ምሃብ ሸለልትነት ፈተና ንክነሸንፍ ዝሕግዛ ዓናቅጽ ፍቅሪ እዚኤን ምዃነን ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ርኢኻ ምኽኣል ጠመተ ጥራይ ወይውን ቈላሕታ ጥራይ ኣይኮነን! ክንዮኡ እዩ! ሃምኻን ቀልብኻን ፍቃድካ ኣብቲ እትርእዮ ምንባር ይሓትት። ስለዚ ሓደ ካብ ዓናቅጽ ፍቅሪ እዩ። ኣደን ኣቦን ንደቆም ይርእዩ! ፍቊራት ነንሕድሕዶም ይርእዩ! ንፉዕ ሓኪም ንሕሙም ይርኢ! ርኢኻ ምኽኣልከስ ተጻይ ፈተና ሸለልትነት ማለት ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ንምዃን ዝግበር ንጸገምን ስቃይን ካልኦት ሕቈኻ ምሃብ እዩ። ፍቅሪኸስ ቅርበት ይሓትት ኢሎም።”

ፍቅሪ ቅርበት ይሓትት!

ቅዱስነቶም ናብታ ካልአይቲ ዓንቀጽ ፍቅሪ ዝበልዋ ምትንካፍ እትብል ቃል ይሰግሩ እሞ! ክንበብ ኣብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ምትሓት ከምዘይኮነ! ንሱ ባዕሉ ብኣካሉ ምዃኑ ንከረጋግጹ ክትንክፍዎ ይዕድሞም። ብዚ ከምዚኸስ ምሳኡስ ይኹን ምስቶም ከም ነፍስና ክነፍቅሮም ዝእዝዘና ብጾትና ብማዕዶ ማዕዶ ዘይኮነ ቀሪብካ ብምትንካፍ ሓቀኛ ርክብ ንምግባር የስተምህር።

“ብማዕዶ ማዕዶ ዝንበር ክርስትና የለን! ፍቅሪ ቅርበትን ምትንካፍን ሕይወትካ ምስ ካልኦት ምስታፍን ይሓትት። እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ነቲ ከተርቲ ዝወቅዕዎ ኣብ መንገዲ ዝረኸቦ ርእዩ ጥራይ ደው ኣይበለን! ደኒኑ ይትንክፎ! ኣቊሳሉ ይሕክሞ! ኣብ ፈረሱ ጽዒኑ ናብ መሕደር ኣጋይሽ የብጽሖ። ኢየሱስ ምሳና ከምኡ እዩ ዝገብር። ምፍቃር ማለትከስ ምሳኡ ሕብረት ሕይወት ምህላው ማለት እዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት ዓንቀጻት እምነት ምድርዳር ኣይኮነን ኢሎም።”

ክርስትያን ምዃን ዓናቅጽ እምነት ምድርዳር ኣይኮነን!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብታ ምብላዕ እትብል ሳለሰይቲ ዓንቀጽ ፍቅሪ ይሰግሩ። መሠረታዊ ትርጉም ምብላዕ ኣብ ናብራ ደቂሰባት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ዝብላዕ ምቅራብን ኣብ ስድራቤትስ ይኹን ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ ሓቢርካ ምብላዕን ምልክት ፍቅሪ እዩ። ኢየሱስ ከኣ ዝብላዕ ክሓቶምን ምስ ሓዋርያቱ ክበልዕን እንከሎ ብቀንዱ ነቲ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ዝሰርዖ ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቊርባን እንከምልክት ከም ማሕበረ ክርስትያን ሓቢርካ እንጌራ ምቊራስን ቅዱስ ቊርባን ምሥራዕን ካብ ሓደ መኣዲ ምብላዕን ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሪ ምዃኑ ይምህር። እዚ መኣዲ እዚ ነቶም ዝምገብዎ ቀለብ ነፍስን ሥጋን ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብዓቢኡ እቶም ዝምገብዎ ብፍቅሪ ክርስቶስ ተለዊጦም ብግዲኦም ንኣሕዋቶምን ኣሓቶም ርእዮም ክኽእሉ ከትንክፍዎም ክቅልብዎም ከምዝወፍሩ ይገበር።

“ኣሕዋትን ኣሓትን! እዘን ቃላት ወንጌል ሎሚ ንዓናውን! ኢየሱስ ምትሓት ኣይኮነ! ሕያው ኣካል እዩ። ክርስትያን ምዃን ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ ምድርዳር ዓንቀጸ እምነት ወይውን ሞላራዊ ሥነ ሓሳብ ምኽታል ኣይኮነን! እንታይ ከኣ ሕያው ርክብ ምስቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ጐይታ ክህልወካ እሞ ርኢኻ ክትክእል ተንኪፍካ ክትክእል ብኣኡ ከኣ ተቀልቢካ ክትክእል በቲ ፍቅሪ ተለዊጥካ ከኣ ንካልኦት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ርኢኻዮም ክትክእል ክትንክፎም ክትቅልቦም እንከሎኻ እዩ ኢሎም።”

ናፍቆት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ!

ቅዱስነቶም ትምህርቶም ዛዚሞም ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ኣዕረጉ ኣብ ቅርዓት ንዝነበሩ ምእመናን ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ እንደገና ዳግም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ምርካቦም ዓቢ ምስጋና ዘድልዮ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እግዚአብሔር ይመስገን! ዳግም ንቈጸራታት ሰናብትን በዓላትን ኣብዚ ቅርዓት እዚ ክንራኸብ ክኢልና። ሓንቲ ዝብለኩም ጉዳይ ኣላትኒ! ኣብ መዝገበ መጻሕፍቲ ተዓጽየ ንጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ብመራኸቢ ብዙሓን እንከመሓላልፍ ኣብዚ ቅርዓት ዘይምዃኑ ብሓቂ ይሰመዓኒ ነሩ። እግዚአብሔር ይመስገን ሎሚ ብጣዕሚ ተሓጒሰ። ንዓኹም ኣብዚ ብምምጻእኩም አመስግነኩም።”

ድሕሪ ቢሎም ንኩሎም ኣብቲ ቅርዓት ዝተረኽቡን ዝተፈላለየ ባደራታት ዘርእዩ ዝነበሩ ከምኡ ዝተፈላለየ ኣስማት ከም መንእሰያት ንጽሕት ድንግል ማርያምን ዝብል ጽሑፋት ዝሓዙ መንእሰያትን ካልኦትን ምስ ኣመስገኑ ብሩኽ ሰንበት ተመንዮም ወትሩ ከምዝብልዎ ምእንታኦም ክጽልዩ ብምምሕጻን ተሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

19 April 2021, 21:22

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >