ድለ

ፍራንቸስኮ፥ እቲ ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ዘሎ ውጥረት ደው ይበል!

ኣብቲ ከባቢ ዝሰፍሕን ዝርአይን ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የሻቕለኒ፡ በጃኹም እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረት ደው ከተብልዎን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ካብ ሓዋርያዊ መንበሮም መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሩሲያን ኡክራይን ናይ ውጥረትን ምስሕሓባትን ዓውዲ ኮይኑ ኣብ ዘሎ ዞባ ምብራቕ ኡክራይን ምትእምማንን ዕርቅን ናይ ምንቕቓሕ ብቕዓት ዘለዎ ወስታ ሓላፋ ክበሃል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ሩሲያን ኡክራይንን ዘዳብዎ ከባቢ ጸሊም ባሕሪ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ውግእ መራኽብ ዘካይድኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ዘርእይ ምስሊ ክምሓላለፍ ክትርእይ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዓመታት ኣትሒዙ ዝካየድ ዘሎን መዕለቢ ዘርይረኸበ ዝረአይ ዘሎ ምስሕባባት እናበኣሰን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከባ ሃገራት ናይ ምስፋሕ ተኽእሎ ዘለዎ ከምዝኾነን ቅዱስነቶም ነዚ እናሓሰቡ ሎሚ እውን ካብ ሮማ እቲ ውጥረት ዝግ ክብል ኣብዚ እዋን’ዚ መጠነይናን ትሑትን ይኹን ደኣ እምበር ናብ ውግእን ዝመርሕ ሓድሽ ኩነት ይረአይ ኣሎ ዝብል ናይ ባልካን ሃገራት ሊቃውንቲ ዝህብዎ ዘለዉ ርእይቶ ከምዘሰክፎምን ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኡክራይን ዘሎ ህልው ኩነታት ነቲ ተበጽሑ ዝነበረ ቶክሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝግህስ ተግባራት ከምእተራእየን፥

ኣብቲ ከባቢ ዝሰፍሕን ዝርአይን ዘሎ ወተሃደራዊ ንጥፈታት የሻቕለኒ፡ በጃኹም እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውጥረት ደው ከተብልዎን ኣክንዲ ነቲ ውጥረት ዘብእስ ተግባር ብዙሕ ኣገዳሶ ዝኾነ ሓባራዊ ምትእምማን ዘደንፍዕን ብዙሕ ሃረር ዝበሃሎ ዕርቅን ሰላምን  ከተነቓቕውሑ እላበው!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ከም ወትሩ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒት ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቅምን ዘይብሎም ብፖለቲካዊ ወተሃደራዊ ሜላ ስርሒት ንዝኸፍኤ ሓደጋ ንዝቃልዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ እናሓሰቡ፥

ነቶም ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ንዝርከቡ ኵሎም ቅርበተይ እናረጋገጽኩ ነቲ ዝርከብሉ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነት ከነቃለበሉን ክትጽልዩን እዕድመም!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ድሕሪ ነዊሕ እዋን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ምእመናን ሓቢሮም ጸሎት ከዕርጉ ዝፈጠረሎም ሓገስ ኣብ ገጾም ዝረአይ ዝነበረ ፍሽኽታ ዝምስክሮ ክኸውን እንከሎ፡ ብሰላም ንዓኺ ማርያማዊ  ጸሎት እቲ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዝዛሞም፡ ዕለት 17 ሚያዝያ ኣብ ገዳመ ሲታውያን እቶም ኣብ 1799 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ወተሃደራት ካብ ናፖሊ እናወጹ እንከለዉ ብዝፍጽምዎ ግብረ ዕንወትን ቅትለትን ቅዱስ ቁርባን ከየርክሱ ንቕዱስ ቁርባን ኣብ ምክልኻል ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ብጽዕና ዝተኣወጀሎም ሲመኦነ ካርዶነን ሓሙሽተ ገዳማውያን ብጽቱን ዘኪሮም፥

ኣብነቶም ነቲ ንሕብረተሰ ኪቕይሮን ዝያዳ ቅኑዕን ሕውነታውን ክኸውን ንዝገብር ኣምላኽ ዝያዳ ተኣማንነት ንክህልወና ይድርኽና፡

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 April 2021, 19:49