ድለ

ጓሶት ነፍሳት እምበር ዕሱባት ነጋዶ ኣይትኹኑ! ር.ሊ.ጳ ንሓደስቲ ካህናት

ኣብ ዝሓለፈ ዜና ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ራብዓይ ሰንበት ትንሣኤ ኣብ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ስለጸዋዕታ ዝጽልየላ ዕለት ኰይና ሎምዘመን ንመበል 58 ግዜኣ እንክትዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 25 ሚያዝያ 2021 ዓም ንትሽዓት ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ሂቦም። ክህነት ንኣገልግሎት እምበር ንህርፋን ሥልጣን ኣይኮነን! ከም ኣቦታት ቅርበትን ርሕራሔን ሓልዮትን ከዘውትሩ ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እዋኑ እዋን ለበዳ ኮቪድ 19ን ውሸባን ብምዃኑ ኣብ መንበረ ታቦት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ቅዱስነቶም ርሕቀቶም ዝሓለው ውሱናት ካርዲናላትን ኣቡናትን ኣሕሉቅ ሓደስቲ ዲያቆናትን ቆሞሳቶምን ከምኡ እውን ብወገን ምእመናን ርሕቀቶም ዝሓለው ቀረባ ቤተሰብ እቲ ሥርዓት ተፈጺሙ። ሓደስቲ ተሰየምትስ ይኹኑ ኩሎም ኣብኡ ዝተረኽቡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ወድዮም ነበሩ። ምስ ቅዱስነቶም ሓቢሮም ብቀረባ ዝቀደሱ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ዓቃቤ መንበሮም ኣብ ሰበኻ ሮማ ከምኡ ተራዳኢ ጳጳስ ሮማ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ጃንፕየሮ ፓምየሪ እንክኾኑ እቶም ካልኦት ካርዲናላትን ኣቡናትን ካህናትን ግን ርሕቅ ኢሎም ነበሩ።

ክህነት ኣገልግሎት እምበር ህርፋን ሥልጣን ኣይኮነን!

ቅዱስነቶም ነቲ ድሮ ኣሰናድዮሞ ዝነበሩ ብጽሑፍ ዝቀረብዎ ስብከት ገዲፎም ናይ ልቦም ክሰብኩ እታ ወትሩ ዝብልዋን ንሶም ባዕሎም ብሕይወቶም ዝገብርዎን ቀንዲ ውራይ ናይ ሓደ ካህን ጓሳ ምዃኑ ገሊጾም። ካባኹም እትድለ ዋላ ሓንቲ ነገር የላን እንትርፊ እታ መንገዲ ሕያዋይ ጓሳ። ጓሶት ኢኹም በቃ! ናይ መን ጓሶት እንተበልኩም ናይ ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝኾነ አማኒ ሕዝቢ። ጓሶት ኢኹም! ብኸመይ ምስ መጓሰኹም ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምጒዓዝ! እዚ ጒዕዞ እዚኸ ኣየናይ ኣገባብ ይኽተል! ሓንሳእ ቀቅድሚኦም ኰንካ ትመርሕ ሓንሳእ ሓንሳእ ኣብ ማእከሎም ኣብ መንጎኦም ኰንካ ምሳኦም ትጐዓዝ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ደድሕሪኦም እናሰዓብካ ትጓሲ! ውትሩ ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር እንክብሉ ደጋጊሞም ቀንዲ እጃም ስራሕ ካህነት ሕይል ብዝበለ ሓይለ ቃል ኣዘኻኺሮም።

ነዛ ኣገልግሎት እዚኣ ቀንዲ ዕንቅፋት እትኸውን ዓቢ ሕማም ውሉደ ክህነት ከኣ ከምቲ ናይ ሓዋርያት መን ይዓቢ ዚዓይነት ምናዳ ብህርፋን ሥልጣን ዓዊርካ ቀንዲ ጒዳይካ ረሲዕካ ኣይንርእስኻ ኣይንመጓሰኻ ዝገብር ሕማም ዝገደደ ከኣ ናብ ሥልጣን ብምምጥጣር ኣብ ሁከት ኣቲኻ ንካልኦት ሁከት ምፍጣር ብእዋኑ ከወግድዎ ‘ክህነት ንህርፋን ሥልጣን ኣይኮነን! እንታይ ደኣ ከምቲ እግዚአብሔር ምስ ሕዝቡ ዝገበሮ ንኣገልግሎት እዩ’ ኢሎም። ወትሩ ከምዝገብርዎ ከኣ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ብከመይ ንዝብል ሕቶ ዝምልሱ እንክመስሉ እቶም ሓደስቲ ካህናት ክዝክርወን ዘለወን ሰለስተ ቃላት ‘ቅርበት ርሕራሔ ሓልዮት ወይውን ኣላዪ ምዃን’ ኢሎም።

‘ቅርበት ርሕራሔ ሓልዮት ወይውን ኣላዪ ምዃን!

እዚኤን ሠለስተ ቃላት እዚኤን ኣገባብ ጒስነት እግዚአብሔር ከምዝገልጻ ዘብርሁ ቅዱስነቶም ሓደስቲ ተሰየምቲ ካህናት ኣብ ልቦም ክሕዝወን ብዘን ቃላት እዚአን ጀሚሮም ከኣ ወትሩ ኣብነት ጒስነት እግዚአብሔር ክኽተሉ ሓደራ ኢሎም። ንሠለስቲኤን በብሓደ ብምዝርዛር ከኣ! ቅርበት እትብል ቃል ኣርባዕተ ንኡሳን ቃላት ትሕዝ! ምስ መን ቅርበት መጀመርያ ምስ እግዚአብሔር ነዚ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ብምዃን ብጸሎት ብቅዱሳት ምሥጢራት ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ዝኣገረ ምስ እግዚአብሔር ክወሃሃዱ ካብ እግዚአብሔር ከይርሕቁ ከመይ ብዘይካኡ ሓንቲ ክገብሩ ከምዘይክእሉ ገሊጾም። ድሕሪ እግዚአብሔር ሓደ ካህን ቅርበት ብካልኣይ ደረጃ ምስ ኣቡኑ ክኸውን ኣለዎ! ንኣቡኑ ከም ኣቦኡ ወይውን ዓቢ ሓው ብምምልካት ንዝኾነ ምሳኡ ብምስታፍን ብሓድነትን ክገብሮ ኣለዎ። ብሳልሳይ ደረጃ ምስቶም መሣርሕቱ ዝኾኑ ካህናት ኣሕዋቱ ዝበለጸ ቅርበት ክህልዎ ኣብ መወዳእታ ብራብዓይ ደረጃ ከኣ ቅርበት ምስ ሕዝበ እግዚአብሔር ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ እንተስ ብቅድሚኦም እንተስ ኣብ ማእከሎ እንተስ ብድሕሪኦም ወትሩ ምስ ምእመናኑ ክህሉ ከምዘለዎ ብሰፊሑ ገሊጾም።  

ናይዚ ኩሉ ቅርበታት ምንጪ ግን እታ ምስ እግዚአብሔር እትግበር ቅርበት ምዃኑ ዘሥመሩላ ቅዱስነቶም ‘ቅርበት ምስ እግዚአብሔር ማለት ምስ እግዚአብሔር ምውሳእ ምሳኡ ምዝታይ እዩ’ እዚኣ እንተጐዲላ ኩሉ ከንቱ እዩ። ነዚ ካብ ጐይታ ኢና እንመሃሮ። ጐይታ ሥጋ ብምልባስ ቀረባና ኰይኑ እዚ ቅርበት እዚ ግን እንክጥዕመካ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውድቀትን ጭንቀትን እንከሎኻ እውን እዩ። ነዚ ከኣ ኣብ ጒዕዞ ጸዋዕታኹም ኣብ ምልላይ ጸዋዕታኹም ርኢኽምዎ ኢኹም። ወትሩ ምሳኹም ነሩ። ስለዚ ከም ሰብ ዕዳ ነዛ ዝተቀበልኩምዋ ቅርበት ምስ መጓሰኹም ግበርዋ ከምቲ ጐይታ ቀረባኹም ኰይኑ ኣብ ሕሱምን ጥዑምን ዘሰነየኩም ንሕዝብኹም ኣሰንዩ ብቀንዱ ግን ምሳኡ ብጸሎት ተዛረቡ ቅረብዎ ቀረባኡ ኩኑ ብማለት ኣድላይነት ጸሎት ንሓደ ካህን ክሳብ ክንደይ ከምዚኾነ በዘን ዝስዕባ ዕጽቅ ዝበላ ቃላት ገሊጾም።  

“ዘይጽሊ ካህን ቀስ ብቀስ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሓዊ መንፈስ ቅዱስ የጥፍኦ ኢሎም።”

ምስ አቡንኩም ተሓባበሩ!

ቅዱስነቶም ናብታ ካልአይቲ ቅርበት ዝበልዋ ይሰግሩ እሞ ምስ ኣቡኑ ዘይተሓባበር ካህን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ይፍልጥ ብዘስምዕ ቃና ‘ምስ ኣቡንኩም ምስ እትኾኑ ሓድነት ክትረኽቡ ኢኹም እታ ምስ ኣቡን ጽኑዕ ርክብ ይሓሉ እትብል መሠረታዊት ምኽንያት ከኣ እዚኣ እዩ። ንስኹም ተሓባበርቲ ኣቡን ኢኹም’ ምስ በሉ ሓደ ግዜ ዘጋጠመ ታሪኽ ይነግሩ። ቀደም ዝኾነ ክዝክረልኩም ሓደ ካህን ኣብ ዓቢ ጸገም ይወርድ። ቀዳመይቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዝመጸቶ ንኣቡኑ ስልኪ ምድዋል ነበረ። ንኣኹም እውን ዝብለኩም ኣብ ሕማቅ ግዜ እውን እንተኾነ ኣብ ጥቃኹም ምሳኹም ቀረባኹም ንክኸውን ንኣቡንኩም ጸውዑ። ንሓደ ካህን ከም ወዱ ዘይከናኸን ኣጸጋሚ ስለዝኾነ ኣቡን መንፈሳዊ ኣቦ ኰይኑ ከገልግሎ ካህን ከኣ ተኣማሚኑ ብትሕትና ክቀርቦ ይግባእ ኢሎም።ዘይግምስ ኣቡኑ ፋሕ ይብሎ።

ኣብ መፈንጠራ ቤላበለውን ሕሜታን ኣይትውደቁ!

ካህነት ምስ ኣሕዋቶም ካህነት ክህልዎም ንዘለዎም ቅርበት ከም ሳልሳይ ቅርበት ዝገልጹ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት ኣብዛ ዕለት ክህነቶም ሓንቲ ቁርጺ ፍቃድ ክገብሩ ንሳ ከኣ ንሓውኻ ካህን ፈጺምካ ዘይምሕማይ ብዛዕባኡ ክፉእ ዘይምዝራብ እትብል ቊርጺ ፍቃድ ነበረት። ምስ ሓውኻ ካህን ጸገም ዶ ኣሎካ ሃየ ሰብኡት ኩኑ ገጽ ንገጽ ግጠሞ። ዳርጋ ንህር ኢሎም ከኣ ስረ ኣሎኩምዶ ኣብ ገጹ ንገርዎ እንክብሉ ካብ ሕሜታን ጸለመን ክርሕቁ ምስ ኣጠንቀቁ። ብዛዕባ ሓውኹም ካህን ሕማቅ ኣይትዛረቡ! ሃለውለው ኣይተብዝሑ! ዕላሉ ኣይትኹኑ! ኣብ ቤላበለው ኣይትውደቁ። እዚ ኩሉ ንሓድነት የዕኑ። ኣብ ጳጳሳዊ ቤትምኽርታትስ ይኹን ኮሚሽናት ኣብ ኩሉ ሥራሕኩም ሓድነት ኣደልድሉ ኢሎም።

ካህናት ሕዝበ እግዚአብሔር እምበር አመሓደርቲ መንግሥቲ ኣይኮንኩምን!

ኣብታ ሕመረት ተልእኮ ክህነት ዝኾነት ራብዐይቲ ቅርበት ዝበልዋ ጒስነት ሕዝበ እግዚአብሔር ቅድሚ ምስጋሮም ቅዱስነቶም ንመዓርገ ክህነት ብመንፈዓቶም ወይውን ብመጽናዕቶም ከምዘይበጽሕዎ ንምዝኽኻር ‘ካባኹም ካህን ክኸውን ዝጸዓረን ዘጽንዐን ማንም የለን። ኣጽኒዕና እንተኢልኩም ጽሑፋት ቤተክርስትያን ኣጽንዕኩም ትኾኑ። እንተንክህነት ግን ካብ ሕዝበ እግዚአብሔር መሪጹ ዘውጸኣኩም ዝጸወዓኩም ባዕሉ ጐይታ እዩ። ከምቲ ጐይታ ንዳዊት ነቢይ ‘ንስኻ ያኢ ቤተመቅደስ ክትሰርሓለይ ካብ ጒስነት ኣባጊዕ ታትየ ዝሓረኹኻ እኳ ኣነ እየ’ እንክብል ሕርየቱ ዝገለጸሉ እዩ። ስለዚ ድሕረ ባይታኹም ካበይ ከምዝመጻእኩ ኣይትረስዑ። ካብ ሥድራቤት ካብ ሕዝብኹም ኢኹም መጺእኩም። ጨና ሕዝበ እግዚአብሔር ኣይተጥፍኡ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንጢመተዎስ ኣዲኡን ኣደ ዓባዩን ንኩሎም ነቶም ኣብቲ ዘለዎ ደረጃ ዘብጽሕዎን ክዝክር ሓደራ ዝብሎ እዩ። መልእኽቲ ዕብራውያን ከኣ ልዕል ብዝበለ ‘ነቶም እምነት ዘውረሱኹም ዘክርዎም’ ይብል። ስለዚኸስ ካህናት ሕዝበ እግዚአብሔር እምበር አመሓደርቲ መንግሥቲ ኣይትኹኑ። ንጨና ሕዝብኹም ኣይተጥፍኡ።

ልባትኩም ንጸገማት ሕዝቢ ኣይትዕጸው!

ምስዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስነቶም ካህናት ከምቲ ብእግዚአብሔር ዝግበሮሎም ሓልዮትን ቅርበትን ንሶም እውን ብግዲኦም ንሕዝበ እግዚአብሔር ጽን ኢሎም ንክሰምዑን ንከጸናንዑ ሓደራ ኢሎም። ቀዳምነት ጽን ኢልካ ንምስማዕን ንምጽንናዕን ሕዝበ እግዚአብሔር ግዜ ሃቡ። ነቲ ንስኹም እውን ዝተቀበልክምዎ ምሕረት ናይ ካብ ምምሓር ዘይሕለል ኣምላኽ ዓደልቲ ኩኑ። ሓልዮት ዝመልኦ ርሕራሔ ይሃሉኹም ነዚ ከኣ ከም ሓደ ሥድራ ከም ኣቦ እንክተገልግሉ ኩሎም ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣቦ ከምዘለው ክርድኦም እዩ። ኣብዚ ዕንቅፋት ዝኸውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ህርፋን ሥልጣን እዩ እሞ ናብ ሥልጣን ክድይቡ ሒዂ ካብ ምባል ተዓቀቡ። ምሳኡ ተታሒዛ እትኸይድ እውን ኣላ። ጉዳይ ገንዘብ ሱር ኩሉ ክፍኣት ስለዝኾነ ከም ኣውፈርቲ ርእሰ ማል ደድሕሪ ገንዝብ ካብ ምጉያይ እውን ህደሙ። ከም መደብን ጥበብን እግዚአብሔር እንተተመላሊስኩም ኣገባብ እግዚአብሔር እንተስዒብኩም ኩሉ ሠናይ ክኸውን እዩ ኢሎም።

ንሥልጣን ካብ ምምጥጣር ደሓኑ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛብ ስብከቶም ንሓደስቲ ካህናት ሓደራ ዝበልዋ ‘በጃኻትኩም ካብ ከንቱነትን ህርፋን ገንዘብን ህደሙ። ዲያብሎስ ብጁባኻ ገሩ እዩ ኣብ ውሽጥኻ ዚኣቱ ዝበሃል ብሂል ኣሎ። ካልእ ንሥራሕ ክትብሉ ቤትጽሕፈታት ክትብሉ ንሰብ ክትገብርዎ ዘሎኩም ኣገልግሎት ኣይትዘንግዑ። ሓደ ግዜ ሓደ ሽማግለ ንሓደ ኣብ ቤትጽሕፈት ዝሰርሕ ዝነበረ ካህን ምስ ሓተቶ ተቈጢዑ ኣባረሮ። ወዮ መሽኪን ብስምባደ ብዝኣተዎ ሕማም ዓረፈ። እዚ ብሓቂ ዘይሕከኽ በሰላ እዩ እሞ በጃኹም ከም ኣገልገልቲ ካህናት እምበር ኣመሓደርቲ ቤትጽሕፈት ወይ ምምሕዳር መንግሥቲ ኣይኮንኩምን። ነታ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ትሕቲ መንገዲ ድኽነት ምረጹ። ወትሩ ናብ ኢየሱስን ኣደ ካህናት ዝኾነት ኣዲኡን ተማሕጸኑ። ኣብኦም ምጽንናዕ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈተና መስቀል እንተኣጋጠመኩም እውን ፍጹም ምጽንናዕ ስለዘሎ ብዘይምንም ፍርሃት ኩሉ ንሠናይ እዩ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 April 2021, 16:30