ድለ

ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ፥ ኣብነት ግደ ደቀ ንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን

ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ቅድሚ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ 1515 ዓ.ም. ዝተወልደትን ኣብ 1582 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልደት፥ “እቲ ተባዓት ፈላላይ መናድቕ ናይ ምእላይ ብቕዓት ናይ ዘለዎም ምስክርነት ኣዚዩ ኣብ ዘድልዮ ዓለም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስሜተ ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ተወላዲት ስፐይን ሎሚ እውን ነቶም ዝኾነ ይዅን ዓይነት ኣካላውን ህልውናውን ባህላውን ፈላላይ መናድቕ ንምእላይ ብቕዓት ንዘለዎን ኵሎም ኣብነት እያ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ናብ  ኣቪላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጊል ታማዮ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ቅድስቲ ተረዛ በዓልቲ ኣቪላ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ንፈለማ ግዜ ናይ ቤተ ክርስቲያብ ሊቅ ዝብል ስያመ ዝተወሃባ ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ መጸውዕ’ዚ ብቕዕቲ ዘበላ፥ ብድርሰታታን ምስክርነት ሕይወታን ኣቢላ እቲ እጹብ ዝኾነ ትምህርቲ እግዚኣብሔር ዘመሓላለፈት ዝብል መሰረተ ሓሳብ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ኣቪላ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡአ ጊል ታማዮ፥ ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቅ ዝብል ስሜት ብጳውሎስ ሻድሻይ ዕለት 27 መስከረም 1970 ዓ.ም. ዝተወሃበላ ዝኽሪ መበል 50 ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣቪላ ዝርከብ ካቶሊካዊ ዘኣቪላ መንበረ ጥበብ በዚ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ስያመ ሊቅ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ተረዛ ዘኣፊላ ምኽንያት ጳውሎስ ሻድሻይ ንቕድስቲ ተረዛ “ፍልይቲ ዝኾነት ጓለ ንስተይቲ” እንክብሉ ዝገለጹላ መጸውዕ ኣርእስቲ ዝገበረ ክሳብ ዕለት 15 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝጠለቦ ዕለት 13 ሚያዝያ ብዘበገሶ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣቢሉ ብፍልዩ የብዕሎ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተባዕ መስካሪት ፈላላይ መናድቕ ናይ ምእላይ ብቕዓት ዘለዋን

ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ቅድሚ ሓሙሽተ ክፍለ ዘመን ኣብ 1515 ዓ.ም. ዝተወልደትን ኣብ 1582 ዓ.ም. ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልደት፥ “እቲ ተባዓት ፈላላይ መናድቕ ናይ ምእላይ ብቕዓት ናይ ዘለዎም ምስክርነት ኣዚዩ ኣብ ዘድልዮ ዓለም፡ እቲ ኢየሱስ ኣብ ልባ ዝኾለዖ ጮራ ሎሚ እውን የንጸባርቕ ኣሎ” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ኣቪላ ጳጳስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመላኺቶም፥ ቅድስቲ ተረዛ ቀልባዊትን ተባዕን ቆራጽን ከምኡ እውን ንጽባቔን ነቶም ናብቲ እትዓዮ ዝነበረት ቀረባ ንዝኾኑን እትነብሮ ኣብ ዝነበረት እመ - ነፍሳውነትን ምስ ዝግለጽ ኣስተውዕሎ ዝተሓወሶን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ደቀ ኣንስትዮ ናይ ዝፈጸመኦ ዓቢይን ፍሉዩ ግደ ኣብነት ምዃና ከምዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ነቶም ምንጻሕ ንዝደልዩ ፍሉይ መልእኽቲ

ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪል ዘመሓላለፈቶ ድርሳናታን ኣብነታን ይመስገን ሎሚ እውን ንዅላትና ነቶም ንገዳማዊ ሕይወት ዝተጸዉን ከምኡ እውን ንዅሎም ነቶም ምስ እግዚኣብሔር ናብ ሓድነትን ናብቲ በሪኽ መንበሪ ዝኾነ ውሳጣውነትን ንኸብሉ ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ዕውለማውነት ናብ መገዲ ንጽሕና ንቕድሚ ክብሉ ንዝደልዩ ኣብነት ኣብ ምዃን ሕያው እያ” ከምዝበሉ ገሊጹ፥ ነዛ ቅድስትን ሊቅ ቤተ ክርስቲያንን ከም መሓዛን ዓርክን ክትህልወካ ምድላይ ኣብ ምድራዊ ሕይወት ንግደትና ድሕንነትን ርግኣትን እተጸግወና ኣሰነይንትን መርሕን ትኸውን፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ቅድስድቲ ተረዛ ዘኣቪላ ንቕዱስ ዮሴፍ ዝነበራ ኣኽብሮት ዘኪሮም ትምህርታን መልእኽታን ኣብ ምዕሟቕ ንቕድሚት ንበል እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

14 April 2021, 08:37