ድለ

ANDORRA-XXVII-IBEROAM-SUMMIT ANDORRA-XXVII-IBEROAM-SUMMIT 

አብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ቅድሚ መኽሰብ ቊጠባ ሓለዋ ሕይወት ይሠራዕ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝመጽእ ቅንያት ንዝካየድ መበል 27 ላዕለዋይ ጉባኤ ኢበሮ-ኣመሪካ ዝሳተፉ ተጋባእቲ መልእኽቲ ከምዝለኣኹን ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሰዓቡ ጸገማት ኣብ ግምት ከእትው ከምዝተማሕጸኑን ተመልኪቱ። ቅዱስነቶም ብቀንዱ እቲ ሕጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ዝተፈላለዩ ሳዕቤን ለበዳ ኮቪድ 19 ብምዝካር ብቀንዱ ነቶም ሕይወቶም ዝሰኣኑ ብምዝካር ነቶም ብሚልዮናት ዝቁጸሩ በዚ ታህዋስ እዚ ዝተለኽፉ እውን ዘኪሮም እንከብቅዑ ብቀንዱ እዚ ለበዳ እዚ ኣብ መንእሰያትና ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዝተሓሳሰቦም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኢበሮ-ኣመሪካ ብዝብል ስያሜ ዝፍለጥ ላዕለዋይ ጉባኤ ካብ ብራዚል ክሳብ ፖርቶ ሪኮ ዕስራን ክልተን ሃገራት ደቡብ አመሪካ ማለት መክሲኮ ኮሎምብያ ወዘተ ዝቆመ ኮይኑ ሎምዘመን ንመበል 27 ግዜኡ ይጋባእ ኣሎ። ኣብዚ ጉባኤ እዚ ኣብ ልዕሊ እተን ኣባላት ዝኾና 22 ሃገራት ደቡብ አመሪካ ካልኦት 9 ተዓዘብቲ ሃገራት እውን ከምዘለዋ ተመልኪቱ።

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ናብ ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ጉባኤ ኢበሮ-ኣመሪካ ዝኾና ወ/ሮ ረበካ ግርይንስፓን ማዩፊስ ዘቅነዔ ኮይኑ ብቀንዱ ብዛዕባ ዘሎናዮ እዋን ብሕልፊ ከኣ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዘኸትሎ ዘሎ ሕጹጽ ጉዳያት የመልክቱ። ብሰንኪ እዚ ለበዳ እዚ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እትኸፍሎ መስዋዕቲ ብሩህ ብምዃኑ ክንዲ ብተናጸል እንምልከቶ መላእ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክዕጠቀሉ ብሓድነት ብመንፈስ ሓላፍነትን ሕውነትን ነቲ ደሮ ዘጓንፈና ዘሎ ግድላትን ገና ከጓንፈና ንዘለዎም ግድላትን ጸገማትን ፍታህ ንምርካብ ኣበርክቶ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ግድን ከምዝኾነ ይገልጹ። ከመይ ይበሉ ቅዱስነቶ `ለበዳ ኮቪድ 19 ኣይፈላልን ንኩሉ ብማዕረ እዩ ዝድህኽ ዘሎ’ ኢሎም።

ለበዳ ኣይፈላልን እዩ!

እዚ ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ ንኩሉ ብማዕረ ዝድህኽ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ስቃይ ብዙሕ እኳ እንተኾነ ቅዱስነቶም ብቀዳምነት ዝዝክርዎም እቶም ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ግዳይ ኮይኖም ሕይወቶም ዝሰኣኑን ገና በዚ ሕማም እዚ ዝሳቀዩን እዮም። ኣብዚ ኩሎም ክግንዘብዎ ዘለዎም ሽሕ’ኳ ዓለምና ብዝተፈላለየ ባህልን እምነትን ካልእ ነገራትን ዝተፈላለየት እንተኾነት እዚ ሕማም እዚ ምንም መረጻ ከምዘይብሉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ለበዳ ኮቪድ 19 ምንም ዓይነት ፍልልይ ኣይገብረን። ንመላእ ዘመደ ኣዳም ናይ ዝኾነ ባህሊ እምነት ማሕበራውን ቁጠባውን ናብራ ኣጥቂዑ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ነቶም ዝሓመሙ ጥራይ ዘይኮነ ንቤተሰባቶም እውን ጾር ኮይኑ እዩ። ኩልና ብምኽንያት ኮራና ቫይረስ ኣባል ቤተሰብና ከምዝሰኣና ንፈልጥ ከምኡ እውን በዚ ቫይረስ እዚ ዝተለኽፉን ሳዕቤኑ ዝረኣዩን ኣለው። እዚ ጸገም እዚ ንስድራቤት ክሳብ ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ንፈልጥ። ንኣባል ስድራቤትስ ይኹን ንዓርኪ መሓዛ በዚ ሕማም እዚ ንዝተለኽፈ ቅርበትካ ክትገጽ ክተጸናዕ ክትሕግስ ምናዳ ንሕጻናትን መንእሰያትን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ግሁድ እዩ። እንተኾነ እቲ ክበድ ኣብ መጻኢና ዝኾነ መንእሰያት ሕይል ይብል ከመይ ንሶም መጻኢና ሰለዝኾኑ መጻኢኦም በዚ ለበዳ እዚ ሻቅሎትን ዘይርግጽነትን እንተብሒትዎ መጻኢ ኩልና ስለዝኾነ ንሓግዞም ኢሎም።”

ምስጋና ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና!

ቅዱስነቶም ኣብ ከምዚ ዝበለ ፈታኒ እዋን ሃሞምን ቀልቦምን ኣብቶም ቅድመ ግንባር ኰይኖም ሕይወቶም ከይበቀቁ ብምውፋይ ዘገልግሉ ዘለው ሓኻይም ኣለይቲ ሕሙማት ሠራህተኛታት ሓለዋ ጥዕና ኣበነፍስታትን ወለተኛታትን ከምዝኾነ ብምግላጽ ብምግባር ክንዮ እቲ ንሕሙማት ዝህብዎ ኣገልግሎት ሕይወቶም እውን ንሓደጋ ከምዘጋልጹ ገሊጾም። እዞም ሰባት እዚኦም ነቶም ካብ ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ተነጺሎም ኣብ ጻዕሪ ሞት ዝርከቡ ንዝነበሩ ቤተሰብን ዓርክን ብምዃን ከምዘሰናበቱ ነቶም ዝሓወዩ ከኣ ዘይሃስስ ዝኽሪ ከምዝገድፉ ዘኪሮም። ኣብ ርእሲ እዚ ነዚ ኣዕናዊ ዝኾነ ምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝኸውን ክትባት ንምርካብ ለይትን መዓልትን ሃሰስ ዝብሉን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝረኸቡን ብምምስጋን ናይ መላእ ዘመደ ኣዳም ክታባት ሓባራዊ ሠናይ ነገር ናይ ኩልና ክኸውን ኣዘኻኺሮም።

ቅድስንቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ክታበት ንኩሉ ብማዕረ ክባጻሕ ከምኡ እውን ነቲ ኣሉታዊ ጐድኒ እዚ ለበዳ እዚ ጥራይ ካብ ምጥማት ዝሓሸና ሰባት ንክንከውን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ብምግንዛብ ንዝበለጸ መጻኢ ክንሰርሕ ብምዝኽኻር እታ ወትሩ ዝደጋግምዋ ናይ ድኻታት ሃገራት ዕዳ ምስራዝ ወይውን ምፍዃስ ምናዳ ኣብዚ ብለበዳ ኮቪድ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበረ ድኽነት ካልእ ድኽነት ዝሸመታ ድኻታት ሃገራት ክሕገዛ በዚ ከኣ ንቤተሰብ መላእ ዘመደ ኣዳም ክርዳእ ከምዝከኣል ብምግላጽ መልእክቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

22 April 2021, 13:23