ድለ

ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ኮቶ ክሆኣራይ፥ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ኮቶ ክሆኣራይ፥ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ 

ዜና ዕረፍት ብጹዕ ካርዲናል ኮቶ ክሆኣራይ፥ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ

ኣብ ሃገረ ሎሰቶ ዞባ ኮኣሊንግ ሰበኻ ለሪበ ዕለት 11 መስከረም 1929 ዓ.ም. ዝተወልዱን ምስጢረ ጥምቀት ንኽቕበሉ ካብ ዝውለዱ 11 ዓመት ዝተጸበዩን ዕለት 12 ታሕሳስ 1940 ዓ.ም. ኣብ ቡታ ቡተ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ምስጢረ ጥምቀት ተቐቢሎም

ኣብ 2016 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ካርዲናል ዝተሰምዩ ኣብ ሃገሮም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት መዳይ ቀዳመይትን ቀንደይናን ተዋሳእቲ ንኽትከውን ዘብቅዑ ናይ ሃገረ ለሶቶ ቀዳማይ ተወላዲ ካርዲናል ኮቶ ክሆኣራይ ኣብ መበል 91 ዓመተ ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብ2016 ዓ.ም. ካርዲናል ንኽኾኑ ካብ ዝሰመይዎም ሊቀ ጳጳሳት ሓደ ንኽኾኑ ተሓርዮም ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተፈጸመ ስነ ስርዓት ስሜተ ካርዲናል ኣብ ጸዋዕታኦም ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነ ኵነት ብዘጓነፎም ስንኩፍ ኵነታት ጥዕና ክርከቡ ዘይከኣሉ ተወላዲ ሎሴቶ ናይ ሃገሮም ቀዳማይ ካርዲናል ሰባስቲያን ኮቶ ክሆኣራይ ናይ ሞሃለስ ሆኤክ ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ መበል 91 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ ገና ወዲ ዕስራ ዓመት እንከለዉ ኣባል ብዝኾኑሉ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ውፉያነ ማርያም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣባላቱ ዝኣልየሉ ቤት ኣረጋውያን ዕለት 17 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ከምዝዓረፉ ናይ ማሰሩ ሰበኻ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ታላይ ለሮዞሊ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነፍሰ ሄር ብጽዕ ካርዲናልኮቶ ክሆኣራይ ኣብታ ኣብቲ እዋን ኣብ ባዕዳዊ ግዝኣት ብሪጣኒያ ኣብ ዝነበረት ሃገረ ሎሰቶ ዞባ ኮኣሊንግ ሰበኻ ለሪበ ዕለት 11 መስከረም 1929 ዓ.ም. ዝተወልዱን ምስጢረ ጥምቀት ንኽቕበሉ ካብ ዝውለዱ 11 ዓመት ዝተጸበዩን ዕለት 12 ታሕሳስ 1940 ዓ.ም. ኣብ ቡታ ቡተ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጳውሎስ ምስጢረ ጥምቀት ተቐቢሎም ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዞም ነቲ ኩሉ ክርስቲያን ብምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሎ ሓባራዊ ክህነት ብዕምቆት ንኽነብርዎ ጸዋዕታ ክህነት ኣብ ውሽጦም ዘርኢ ከምዝሓደገ እውን ናይ ሕይወቶም ናይ ታሪኽ ማህደር ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቀዳማይ ጳጳሳ ናይታ ሓዳስ ዝተወልደት ሰበኻ ሞሓለስ ሖኤክ

ኣብ ሎሴቶ ሮማ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ከተማ (ሞኽሲ ርእሰ ከተማ ኢጣሊያ) ኣብ ሰበኻ ማሰሩ፡ ኮቶ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዓቢይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ናይ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ትምህርቶም ጀሚሮም ኣብ ውፉያን ንጽሕቲ ድንግል ማርያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኣትዮም ዕለት 5 ጥሪ 1950 ዓ.ም. ተመካርን ዕለት 6 ጥሪ 1951 ዓ.ም. ቀዳማይ መብጽዓ ፈጺሞምን ዕለት 21 ታሕሳስ 1956 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብታ ዕለት እቲኣ እውን ንወላዲኦም ምስጢረ ጥምቀት ከምዝሰርዑ ናይ ታሪኽ ማህደሮም ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ሃገሮም ኣብ ጐደና ናጽነት ኣብ እተብለሉ ዝነበረ ኣብ 1975 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከም ቆሞስን ደሓር እውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣገልግሎቶም ኣብ ሎሴቶ ቀዳማይ ናይ ጳጳሳዊ ግብረ ተልእኮ ወንጌል ኣመሓዳሪ ኮይኖም ተሰምዮምን ዕለት 10 ሕዳር 1977 ዓ.ም. ናይታ ኣብ ሎሴቶ ዝተወልደት ሓዳስ ሰበኻ ሞሓለስ ሖኤክ ጳጳስ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ከምእተሰምዩ የዘኻኽር።

ካብኦም ኣብ ሎሴቶ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ድራኸ

ኣብቲ እዋን በቲ ንሶም ዘካይድዎ ዝነበረ ውዕዉዕን ትሑትን ጽኑዕን ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዙሓት ናብ ቤተ ክርስቲያን ከምዝማረኹን ኣብ እዋኖም ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሉ ብ 20 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለን ጸዋዕታ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን ኣዚዩ ክብ እናበለ ከምዝኸደን ጸዋዕታ ዝስምዖም ንዝነበሩ ኵሎም ክሳብ ምእንጋድ ዝሰኣኖም እውን ብዙሓት መንእሰያት ነገልግሎት ወንጌል ክለዓዓሉ ኣብነት ከምዝኾኑን ካብ 1982 ክሳብ 1987 ዓ.ም. ናይ ሎሰቶ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ኣቦ መንበርን ብጻዕሮምን ብጻዕሪ ተሓባበርቶምን ኵሎም ኣብ ሃገረ ሎሴቶ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸት ቀዳመይትን ቀንደይናን ተዋሳኢት ንኽትከውን ከምዝበቐዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 2006 ዓ.ም. ድሕሪ 36 ዓመት ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ብሕገ ቀኖና መሰረት ናብ ልሒቕነት ክሰጋገሩ ሕቶ እውን እተቕረቡ ኣብ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክሳብ ዕለት 11 ለካቲት 2014 ዓ.ም. ከምዝጸንሑን ኣብቲ እዋን እውን ንዘኽታማትን ንግዱዓትን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መእለዪ ብምቛም ድኻታት ሕጻናት ኵለ መደያዊ ኣገልግሉት ኣብ ምቕራብ ዝተጸምዱን ኣብ መላእ ሃገሮም ፍቱውን ዳርጋ ብመላእ ሕዝቢ ሃገሮም እውን ጻዕራም ናይ ኣግዚኣብሔር ሰብ ዝብል ስያሜ ዝተወሃቦም ከምዝነበሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማዕርገ ካርዲናልነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዝፈጸምዎ ስሜት ሓደስቲ ካርዲናላት ሸውዓት ብዕድመ ገደብ መሰረት ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎምን ኣርባዕተ ልዕሊ 80 ዓመት ዕድመ ንዝኾኖም ማዕርገ ካርዲናልነት ካብ ዝሃብዎም ሓደ ንኽኾኑ ከምዝሓረይዎምን ብምኽንያት ጉድለት ጥዕና  እውን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ስሜተ ካርዲናል ክርከቡ እውን እንተዘይከኣሉ ነቲ ስነ ስርዓት ስሜት ካርዲናል ብመረብታዊ ውሕዘት ተሳቲፎም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ናይ ዱርባን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ብርያን ወልስ ኣብ ሎሴቶ ናይ ቅድስቲ መንበ ርሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት መለለዪ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ቆብዕን ቀለበትን ካርዲናል ዝብል ስያሜ ክመእተቐበሉን የዘኻኽር።

ድሕሪ ዕረፍቲ ብጹዕ ካርዲናል ኮቶ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 224 ከምዝወረደን ካብዚኣቶም እውን እቶም 126 ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ክኾኑ እንከለወኡ እቶም 98 ልዕሊ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት እውን ብሕገ ቀኖና መሰረት ር.ሊ.ጳ. ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 April 2021, 14:32