ድለ

 ​ ​ Close ​ ​ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናጃፍ፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ.ን ዓቢይ ኣያቶላሕ ኣል ሲስታኒን ​ ​ Close ​ ​ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ናጃፍ፥ ርክብ ር.ሊ.ጳ.ን ዓቢይ ኣያቶላሕ ኣል ሲስታኒን  

ሰላም ኣብ ዒራቕን ማእከላይ ምብራቕን ዘማዕደወ ርክብ ፍራንቸስኮን ኣል-ሲስታኒን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ንናይ ዒራቕን ናይቲ ዞባን መላእ ዘርኢ ሰብን ድማዕ ኣገዳስነት ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብን ከምኡ እውን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ዘተን ምምዕባል መሰረታዊ እዩ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ዒራቕ ዘካይድዎ ዘለዉ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ መሰረት ሎሚ ዕለት 6 መጋቢት ካልኣይ ውዕሎ ናይ ሓዋርያዊ መገሻኦም፡ ኣብ ናጃፍ ምስ ናይ ሺዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዒራቕ መንፈሳዊ መራሒ ከምእተራኸቡን ኣብዚ ርክብ’ዚ እውን ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ማሕበረሰብ ምትሕብባርን ሓባራውነትን-ምሕዝነትን ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ከምእተሰመረሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ኣሕዋት ንሓደ ሰማይ እናጠመትና እንጓዓዝ እንተድኣ ኮይንና መጻኢ ሰላም እዩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንናይ ዒራቕን ናይቲ ዞባን መላእ ዘርኢ ሰብን ድማዕ ኣገዳስነት ምትሕብባርን ምሕዝነትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታውያን ማሕበረሰብን ከምኡ እውን ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ዘተን ምምዕባል መሰረታዊ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናጃፍ ምስ ናይ ዒራቕ ሽዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ኣያቶላሕ ሳዪድ ዓሊ ኣል-ሁሳይኒ ኣል-ሲስታኒ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ከምዘስመሩሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ራቪያርት ኣፍሊጦም።

ጸሎት ንፈጣሬ ኵሉ እግዚኣብሔር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮ እውን፥ ኣብቲ ንኣስታት ኣርብዓ ደቓይቕ ዝወሰደ ክሌኣዊ ርክብ፥ ቅዱስነቶም፥ “ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተራእየ ዓቢይ ጸገም ዘስዓቦ ቅልውላው ንድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎምን ንዝሳደዱን ኵሎም ድምጺ ብምዃን ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ቅዱስ ክብሩ ክኽበርን ክዕቀብን ኣገዳስነት ሓድነት ሕዝቢ ዒራቕን” ጠበቓ ብምዃን ኣል ሲስታኒ ንዘካይድዎ ጻዕሪ ከምዘመስገንዎም ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ካብ ዓቢይ ኣያቶላሕ እንክሰናበቱ፥ “ኣብ መጻኢ ኣብታ ፍቕርቲ መሬት ዒራቕን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ሰላምን ሕውነትን ውሑስ ክኸውን ንፈጣሬ ኵሉ እግዚኣብሔር ጸሎተይ አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናጃፍ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናጃፍ ምስ ኣተዉ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብቲ ንዒማም ዓሊ ናብ ዝተወከፈ ንሺዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ቅዱስ ስፍራ ናብ ዝኾነ ናይ ዒራቓውን ሺዓውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዓቢይ ኣያቶላሕ መንበር ናብ ዝርከበሉ ቅዱስ ቤተ ምስልምና ኣብ ዝወስድ መገዲ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ዒራቕን ሰንደቕ ዕላማ ዝሓዙ ሕጻናት ሰላምታኦም ከምዘቕረቡን ኣብቲ ስፍራ እውን ናይ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ዓቢይ ኣያቶላሕ ስእሊ ዝተነብሮ “ንስኹም ኣካልና ኢኹም ንሕና እውን ኣካልኩም ኢና” ዝብል ናይ ኣል ሲስታኒ ቃል ዝተነብሮ ስእላዊ መግለጺ ተሰቒሉ ከምዝነበረ ኣፍሊጡ።

06 March 2021, 10:43