ድለ

ኣብ መንጐ ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ቅዱስ ዮሴፍን ዘሎ ፍሉይ ጥምረት ኣብ መንጐ ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ቅዱስ ዮሴፍን ዘሎ ፍሉይ ጥምረት 

ኣብ መንጐ ናይ ፍቕሪ ሓሴትን ቅዱስ ዮሴፍን ዘሎ ፍሉይ ጥምረት

ኣብ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረግሉ ዕለተ ሰንበት፡ ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍን፥ ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዓመት ስድራ ቤት ከምዝኸውን ኣበሲሮም

ለምዘበን ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ኵላዊት ቤት ክርስቲያን ዓመት ስድራ ቤት ብወግዕዒ ዝጅመረሉን ከምኡ እውን ዛዕባ ስድራ ቤት ድሕሪ ዝመኸረ ሲኖዶስ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ብምዃኑ፡ እዚ ዅሉ ዕለት 19 መጋቢት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘብዓለቶ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ፍልይ ዝበለ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዓመት ስድራ ቤት

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ቅዱስ ዮሴፍን ስድራ ቤትን ዘሎ ርክብ ባህርያውን ናይ ሓልዮትን መግለጺ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ቅኑዕን በዓል ጥበብን እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 17 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝገለጽዎን፡ ፍቑርን ኣአንጋድን ብጽሞናን ኣብ ደበንገረን ብልሃተይናን ተባዕን ኣቦ ኣብነት ፍቕሪ እንክብሉ እውን ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ እንክእውጁ ልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ የመላኽቱ፡ እቲ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ምስቲ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ዝኽፈት ዓመት ስድራ ቤትን ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተጣምረ ምዃኑ እውን ብዝያዳ ፍሉይ ይገብሮ።

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 19 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ዓመት ምሕረት ኣብ እትነብረሉ ዝነበረ እዋን ብሓልዮት ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዝለገሱን እቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ዮሴፍ ንቤተ ክርስቲያንን ንደቂ ቤተ ክስቲያን ዘለዎ ፍቕሪ ብዘብርህ ሓሳብ እዮም ዝዛዝምዎ።

ዓመት ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት

ኣብ በዓል ቅድስቲ ስድራ ቤት ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕረግሉ ዕለተ ሰንበት፡ ካብ ዕለት 19 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለትን ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍን፥ ክሳብ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ዓመት ስድራ ቤት ከምዝኸውን ኣበሲሮም፡ ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. እውን ኣብ ሮማ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ዝካየደሉ እውን ብምዃኑ እዚ ኩነት እዚ ቤተ ክርስቲያን ስድራ ቤት ዘማእከለ ዓመት ብፍልዩ ከምእተንብሮ ገሊጾም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ እቲ ዓመት ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ብጥልቂ ዝጽንዓሉን ዝጽለየሉን ዝስትተነሉ ከምዝኾነን፡ እዚ እውን ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤት ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተፈላለየ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መንፈሳውን ባህላውን መደባት ብምቕራብ በወሃሃድነትት ዝመርሖ ከምዝኾነን ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ እውን ብሓሙሽተ ቋንቋ ኣብቲ www.amorislaetitia.va ኣብ ዝብል መረብታዊ ኣድራሽ ብዝርዝር ከምዘቕርብን ዝተፈላለዩ ነዚ ዓመት ስድራ ቤት ዝምልከቱ ሰነዳትን ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት ንምዕሟቕ ዝካየዱ መደባት ዓውደ ጉባኤታትን ዓውደ መጽናዕትታትን ብዝርዝር ሓበሬታ ከምዘቕርብ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡ ቅዱስ ኣቦን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምቲ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ ፍቕዲ ሓሙሽተ፥

እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብዚ ፍሉይ ዓመት ምሕረት’ዚ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ፡ ብቐዳምነት ክርስቲያ ስድራ ቤት ናይ ምስጢረ ተኽሊል ውህበት ብኣኽብሮት ክርእዮ ዝድርኾን ብርቱዕን ልግስን ህርኵት ጻዕርን ተኣማንነትን ትዕግስትን ዝብሉ ምሉኣን ክብርታት ንኸኽብር ዘተባብዖ እዩ፡ ብኻልኣይ ደረጃ እውን ህይወት ስድራ ቤት ኣብቲ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይተፈጸመሉ ወይ ብሰላምን ብሓጐስን ኣብ ዘይንበረሉ ናይ ምሕረት ምልክት ኮይኑ ክርከብ ዘተባብዕ እዩ

እንክብሉ ከምዝገልጽዎ የዘኻኽር።

ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ዮሴፍ ኣቦ ስድራ ብዝብል መጸውዕ ኣብቲ ልቢ ኣቦ ዘርእቱ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ነዚ ቅዱስ እዚ፥ ኣብ ፍርሕናን ድኻምነትናን ኣቢሉ ክዓዩ ኣብ ዝኽእል እግዚኣብሔር እምነት ክንገብር መሃረና፡ ሕጻን ኢየሱስን ኣዲኡ ማርያምን ካብ ሓደጋ ከድሕኖም ዝፈጸሞ ዓቢይ ተኣምር ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ መሃዛዊ ትብዓቱ ብእግዚኣብሔር ተኣማሚኑ እዩ፡ ነዚ ምእመናን ዘኽብርዎ መበል 150 ዓመት ፒዮስ ታሽዓይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔን ኣብ ዝዝከረሉ እዋን፡ ቅዱስ ኣቦና ክሳብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣበጊሶምን ንነብሮ እውን ኣሎና፡ ኣብዛ ዓመት እዚ እውን በማላድነት ቅዱስ ዮሴፍ ዝጽልን ምስጢረ ንስሓ ዝቕበልን ኣብ ቅዱሱ ቁርባን ዝሳተፈን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ዝጽልን ፍልዩ ስርየተ ሓጢኣት ክምዝጽገው ቤተ ክርስቲያን ተዘኻኽረና።

20 March 2021, 21:59