ድለ

ፍራንቸስኮ፥ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፈጥሮ ዘሎ ጽሞና ናይ ሓድሽ ሕውነት ቃና ይኹን

ሙዚቃ ከም ቋንቋ ኣብ መላእ ዓለም ኵላዊ ሕውነት ዝፈጥርን ዝድግፍን ክኸውን ይኽእል! እዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ “ቤተ ክርስቲያንን ሙዚቃን፥ ትሕዝቶን ድሕረ ባይታ ትሕዝቶን” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 4 – 5 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብመረባዊ ውሕዘት ናብ ዘካይዶ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ናይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ሕመረት ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብኾሮና ተህዋስ ዝተጠቕዔ ዓለም ዘጓንፎ ዘሎ ቅልውላው ስቕታን ጽሞናን፥ ባዶነት ወይ ውን ናይ ምስማዕን ጽን ናይ ምባልን ባይታ ክኸውን ይኽእል፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ጳጳሳዊ ናይ መንፈሳዊ ስነ ማህሌትን መዝሙርን መንበረ ጥበብን ምስ ጳጳሳዊ ቅዱስ ኣንሰልሞ ናይ ሊጡርጊያ መንበረ ጥበብን ብምትሕብባር “ቤተ ክርስቲያንን ሙዚቃን፥ ትሕዝቶን ድሕረ ባይታ ትሕዝቶን” ብዝብል ኣርእስቲ ናብ ዘዳለዎ ራብዓይ ስንዳአ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ዕለት 4 ለካቲት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ ፡ ሓይሊ ሙዚቃ ንቓል ኣምላኽ ከለዓዕልን ኣብ ኵሉ ስፍራ ናይ ምሕዝነት መንፈስ ከሕድርን ዝኽእል እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ትሕዝቶን ድሕረ ባይታ ትሕዝቶን ንኤቅለሳውያን ማሕበረሰብን ሊጡርጊያን ኣስፍሆተ ወንጌልን ከሀብትም ይኽእል ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ህብረ ውርሻ ስነ ሙዚቃ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምጥቓም

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቢይ ኢሳያስ ኣብ ምዕ. 42, 10 “ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ” እንክብል ዘቕረቦ ምዕዳን ጠቒሶም “ቅዱስ መጽሓፍ ንተዘፈላለዩ ሙዚቃዊ መርኣያን ድርሰታትን ኣስተንፍሶ ከምዝኾነ ኣብ ናይ ሙዚቃ ድርሰታትን ትሕዝቶን ታሪኽ ዝግለጽ ሓቂ እዩ”፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለምን ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና እዋን እውን፥

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሓት ኤቅለሳውያን ማሕበረሰብ ነቲ ዝነበረን ሓድሽ ኣገባብ ስነ ሙዚቃን ብምጥቓም ነቲ ጥንታዊ ናይ ስነ ሙዚቃ ውርሻ ዝግብኦ ክብሪ ይህብ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ሙዚቃ ውርሻ ብርግጽ ዝተፈላለየን ብዙሕ እውን እዩ፡ ክንየው ሊጡርጊያ ኣብ ሙዚቃዊ ምርኢትን ኣብ ኣባይቲ ትምህርትን ወይ ውን ኣብ ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ትያትራዊ ምርኢትን ክድግፍ ዝኽእል እዩ!

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሙዚቀይናታት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መልእኽቶም ህልው ኩነታት ዓለም እናሓሰቡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቭድ-19 ንዅሎም ነቶም ብሞያኦም ንዝመሓደሩ ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም ጠቒሶም ቅርበቶምን ድጋፎምን እንክገልጹ፥

በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ዝተወሰነ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ፡ ንብዙሓት ሕይወቶምን ሙያኦምን ከምዝተንከፎን ነቶም ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዑን ማሕበራዊ ርክባቶምን ዝሰኣኑን ኣብ ትምህርትን ማሕበረሰብኣዊ ሕይወትን ዘስዓቦ ጸገም፡

ከቢድ ምዃኑ ዘኪሮም ዋላ’ኳ እዚ ኹሉ ጸገም ይሃሉ ነቶም ክንየው እዚ ጸገም ብዝተፈላለየ ብቕዓታዎ ምህዞ ብሞያኦም ዘገልግሉ ንዘለዉ ከምዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዳግም ናብ ምሙዛቕን ምዝማርን ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ

ሙዚቃ ኣብ ዘለሉ ክፉእ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ነታ ዶ ኪሾት ዘርእስታ መጽሓፍ ጠቒሶም ኣብታ መጽሓፍ ዝጥቀስ ሚጕኤል ሰርካንተስ፥ ብሓይሊ ሙዚቃ ኣቢሉ ንዅሉ ሰብ የነቓቕሕ፡ እዚ ናይ ማህበራዊ ሕይወት መዳይ’ዚ ዳግም ክምለስ ምንዮቶም እንክገልጹ፥

ናይ ሙዚቃ ትሕዝቶን ናይ ሙዚቃ ድርሰትን ሓይሊ ሙዚቃን ናይ ውልቂ ሕልና የነቓቓሕን ኵለንተናዊ ሕውነት እውን ይፈጥር . . .

ቢሎም ኣተሓሒዞም፥

እቲ ናይ ሓባር ብድሆ ንሓድሕድ ጽን ምብህሃል እዩ

ነቢይ ኢሳያስ ጠቒሶም ጽሞናን ሱቕታ ዘለዎ ክብሪ እንከብርሁ፥ ጽሞናን ኣልቦ ድምጺ ኩነት ኣብ ሙዚቃ ልዑል ክብሪ ከምዘለዎ ጠቒሶም፡ ጽን ምባልን ምስማዕን ኣልቦ ድምጽን ናይ ዘተ መሰረታዊ ዓቐን እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ዝተፈተኹም ሙዚቀይናታት እቲ ዓቢይ ማሕበራዊ ብድሆ ሕድሕዳዊ ጽን ምብህሃል እዩ፡ ኣብ ሊጡርጊያ ቃል ኣምላኽ ጽን ንኽንብል ንዕደም፡ እዚ ቃል’ዚ ትሕዝቶ እዩ፡ ማሕበረሰብ ከኣ ድሕረ ባይታ ናይቲ ትሕዝቶ እዩ፡ እቲ ቃል ናይ ትርጉም ምንጪ እዩ፡ እዚ ቃል’ዚ ንማሕበረሰብ ዝኹልዕን ጉዕዞታቱ ዝመርሕን እዩ፡

ምስ በሉ. . . ፥ እቲ ብሓድሽ መልክዕ ተዳልዩ ዘሎ ትሕዝቶን ድሕረ ባይታ ትሕዝቶን ብሓባር ንኽንጓዓዝ ንኸነቓቕሓና እጽልይ ቢሎም፡ “ነቲ ናይ ድምጺ ውህደት ኣዚዩ ጥልቂ ዝገብሮ ናይ ልቢ  ውህደት እዩ” ምስ በሉ፡ ድምጽን ቃናን ናይ ሙዝቃ መሳርሕን እቲ ኵነታት ዝገልጽ እዩ፥ እቲ ጥዑም ውህደት ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ድምጺ እዩ፡ እቲ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ከኣ ኵለንተናዊ ሕውነት ምዃኑ ኣብሪሆም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽእቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 February 2021, 17:33