ድለ

ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢፋድ ርክብ ምስ ልኡካን ደቀባት ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢፋድ ርክብ ምስ ልኡካን ደቀባት 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኢፋድ፥ ስእነት መግቢ ዝብዳህ መሬት ብምክንኻን እዩ

እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ደቀባት ህዝብታት ልኡካን ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ መዋሊ ሓልዮ ማሕበር ዘለዎ ርክብን ውጽኢታቱን ክብ ንምባል ዘለዎም ሻቕሎትን ሕቶን ሓሳቦምን ንምትሕልላፍ ዝኽእልሉ ትርጉም ዘለዎ ናይ ሓባር ዘተ ሓለፋ ዝብል መድርኽ ክኸውን

ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ዓለም ሓቆፍ ንናይ ሕርሻ ምዕባለ መዋሊ ማሕበር በቢ ክልተ ዓመት ዘዳልዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ደቀባት ዓውደ ጉባኤ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት እቲ ናይ ለምዘበ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ብምናባዊ ኣገባብ፥ “ናይ ደቀባት ናይ መግባውነት ሜላ ክብሪ፥ ኣብ እዋን ለብዒ ኮቪድ-19 ብቕዓት ተጻዋርነት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብዚ ምናባዊ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናብቲ ካብ ዕለት 2 ክሳብ ዕለት 4 ለካቲትን ስዒቡ እውን ዕለት 15 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኢፋድ - ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ ልምዓት መዋሊ ማሕበር ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ምትሕብባርን ብዙሕነትን ምስ ዝህልውን ዝኽበርን ኣብ መንጐ ኣህዛብ ሱታፌ ይዕምብብ ከምዝበሉብ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ናይ ደቀባት ህዝብታት ልኡካን ምስቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻ መዋሊ ሓልዮ ማሕበር ዘለዎ ርክብን ውጽኢታቱን ክብ ንምባል ዘለዎም ሻቕሎትን ሕቶን ሓሳቦምን ንምትሕልላፍ ዝኽእልሉ ትርጉም ዘለዎ ናይ ሓባር ዘተ ሓለፋ ዝብል መድርኽ ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉን ብተወሳኺ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም “ዓውሎማነት ብዝሓነት ዕሽሽ ዝብል ሓደ ዓይነታውነት ሓድሽ ዓይነት ባዕዳዊ ወረራ ኣብ ልዕሊ ሃገራትን ህዝብታትን ብጸቕጢ ዘቕርብ ክኸውን የብሉን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምትሕብባርን ብዙሕነትን

ቅዱስነቶም ኣብ “ምትሕብባር ዝጸንዔ ሓደ’ኳ ዝተጎስየን ዝተጠንጠነን ኮይኑ ክስምዖ ዘይገብር ኣማራጺ ምፍጣር የድሊ፡ . . . . ብዙሕነት ብኑጽር ክግለጽን ሕድ ሕዳዊ ምምዕባለን ምምሕያሽን ምስ ዝህሉ ኣብ መንጐ ህዝብታት ሱታፌ ይዕምብብ ይህይውትን . . . ምዕባለ ኣህላኽነት ከም መጋብርያን ፍጻሜን ብዘይምልከት ኣገባብ ክተባባዕን ክነቓቓሕን ከባቢ ዝከናኸንን ጽን ዝብልን ዘኽብርን ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ

ማሕበራዊ ፍትሒ ምስ ምክንኻን ከባቢ የሕብረትና እዚ እዩ ኵለንተናዊ ምሉእ ማሓድሮ ማለት . . . በዚ ትሑትነት መንፈስ ጥሞየት ንምስዓር ኣብ ጽኑዕ ክቡራት ዋጋታት ዝቖመን፥ ክቡራት ዋጋታት ኣብቲ ሓላፋይን ከፊላውን ኣብ ዝብል ዘይኮነ ኣብ ፍትሕን ሓልዮትን ልግስን ምጽናዕ የድሊ።

ልግስትነትን ሓልዮትን ንመጻኢ ወለዶ

እቲ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ዕዮ ውጽኢታዊ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ንመጻኢ ወለዶ ክቡር ሃብቲ ዝኾነ ዓለም ንምትሕልላፍ ንዅሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ዘርብሕ ጉዳይ ከነተኵር ሓደራ፥ ምኽንያቱ ንናይ ኵሉ ረብሓ ምትኳር ንሱ እዩ ናይ ልግስን ሓልዮትን ዓለም ሓዲግና ንኽንሓልፍ ዘብቅዓና እንብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 February 2021, 21:17