ድለ

ዒራቕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተአንግድ ትቀራረብ ዒራቕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተአንግድ ትቀራረብ 

ዋርዳ፥ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ናብ ዒራቕ ንህላዌ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ኣገዳስነቱ

“ህዝቢ ዒራቕ ንዒራቓዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘለዎ ኣኽብሮት ክዕብይ ዝገብርን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዒራቕ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዙሕ ዝፍለጥ ስለ ዘይኮነ፡ ዝተኣንገደ መጻእተይና ዘይኮነ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ነበርቲ እታ ሃገር ምዃኑ ክፈልጥ ዝድግፎ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰበኻ ዔርቢል ሊቀ ጳጳሳት ምስ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ በዓል መዚ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕን በቲ ዘለዎም መርሓ ግብሪ መሰረት ዘካይድው ርክባትን ዘስምዕዎ መደረታትን ኣብ ዒራቕ ንናይ ማሕበረ ክርስቲያን ግደን ህላወን ዘደልድል እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ናይ ር.ሊ.ጳ. ምብጻሕ ኣብ ዒራቕ ንህላወ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ርእይቶ ዘስተዋህስ ክኸውን ተስፋ እግበር” ነዚ ዝበሉ ዛዕባ ካብ ዕለት 5 መጋቢት ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም.  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ዒራቕ ኣማእኪሎም ምስ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ሰበኻ ዔርቢል ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ባሻር ዋርዳ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምኾነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ካምፒዚ ኣስዒበን፥

ዒራቓዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ክፍለጥ

“ህዝቢ ዒራቕ ንዒራቓዊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዘለዎ ኣኽብሮት ክዕብይ ዝገብርን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዒራቕ ብዛዕባ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ብዙሕ ዝፍለጥ ስለ ዘይኮነ፡ ዝተኣንገደ መጻእተይና ዘይኮነ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ነበርቲ እታ ሃገር ምዃኑ ክፈልጥ ዝድግፎ ከምዝኸውን ተስፋ እገብር - ዝበሉ ብጹዕ ኣቡነ ዋርዳ ኣስዒቦም - ቅዱስነቶም ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዕለት 6 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ምስ ናይ ሺዓውያን ዓቢይ ኣያቶላሕ ዓሊ ኣል ሲስታኒ ከካይድዎ ዝኾነ ርክብ እዚዩ ኣገዳሲ እዩ፡ ኣል ሲስታኒ ኣብ ዒራቕ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምግባረ ብልሽውና ዘውግዙ ናይ ሰላም ሰብ እዮም፡ ስለዚህ እቲ ርክብ ሺዓውያን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንዘለዎም ኣመለኻኽታ እወታዊ ጽልዋ ዘሕድር ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን” ከምዝበሉ ገሊጸን፥ ኣብ ዒራቕ ኣኽረርቲ ሃይማኖተይናታት ብማሕበራዊ መረብት ነቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ምብጻሕ ዝጻባእ መልእኽክታት ይነዝሑ ኣለዉ፥ ዝኾነ ይኹን ካብ ምዕራብ ዓለም ናብ ዒራቕ ንምብጻሕ ዝመጽእ ኣካል ናይ መስቀል ወግእ ብዝብል ሓሳብ እያቶም ዝገልጽዎ” ስለዚህ ብዙሕ ጸገም ከምዘሎ ከይሓበኡ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም፥ “ነዞም ዓይነት ሰባት እዚኣቶም ር.ሊ.ጳ. ናይ መስቀላውያን ንጉስ ሃይማኖት ንኸስድዑ ዝመጹ” ብዝብል ኣመለኻኽታ እዮም ዝገልጽዎም ዘለዉ። ዒራቓውን መንእሰያት ግና ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈልየ ርእይቶ እዩ ዘለዎም፡ ቡቕባቐን ሓላዮትን ብዘይ ምቁራጽ ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ምርግጋእን ሰላምን ክረጋገጽ ከይተሓለሉ ጻውዒት ከምዘቕርቡ እዩ ምዃኖም” ከምዝበሉ ገሊጸን።

ጸጥታን ደሕንነትን ብምኽንያት ለብዒ ዝተኣታተወ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን

ኣብ ዒርቕ ድሕሪ ስዕረት እቲ ገዛእ ራሱ  ዳዒሽ - እስላማዊ ግዝኣት እንክብል ዝሰመየ ጉጅለ ኣሸበርቲ እቶም ካብ 2014 ዓ.ም. ካብ ዒራቕ ተሰዲዶም ዝነበሩ ማሕበረ ክርስትያን ካልኦት ስደተንታት ዒራቓውያን ቀስ ብቐስ ንዝሳቐያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ብዘቕርቦ ድጋፍ መሰረት ይመልስ ኣሎ፡ እቲ ማሕበር ግብረ ሰናይ ንዒራቓዊ ማሕበረሰብ ክርስቲስያንን ኣብ ስደትን ደሓር እውን ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላስ ሓገዙ ኣየቋረጸን፡ ዝዓነው ናይ ሕዝቢ ኣባይቲ ብልዕሊ 48 ሚሊዮን ዝግመት ሓገዝ ዳግም ክህነጽ ከምዝገበረን ንማሕበረ ሰብ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነ ንሕዝቢ ዒራቕ ዝተፈላለየ ሓገዝ ዘቕርብ እውን ምዃኑ ዘዘኻኸራ ካምፒዚ ኣስዒበን፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባ ዒራቕ ክበጽሑ ዝደልይ እውን እንተኾነ፡ ዘሎ ናይ ጸጥታን ድሕንነትን ኵነትን ከምኡ እውን በቲ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ዘሎ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ባቕዳድን ዔርቢሊን ብኾሮና ተህዋስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ቁጽሪ እውን ክብ ይብል ስለ  ዘሎ በቶም ገዛእ ርእሶም ሃገረ እስላም ቢሎም ብዝሰመዩ ኣሸበርቲ መጥቓዕቲ ዝወረዳ ናይ ቅድስቲ ማርያም ዘካረምለሽ ቅዱስ ሓወልቲ ኣብ ዝተነብረሉ ዔርቢል ኣብ ዝርከብ ናይ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ናይ ስፖርት ሜዳ ሳላሻ ሺሕ ሕዝቢ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ 10 ሺሕ ሕዝቢ ጥራሕ ክሳተፍ ተወሲኑ እዩ፡ ቅዱስነቶም ኣብቲ ርእሰ ምምሕዳር ኩርዳዊ ዞባ ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ኣሎ፥ ምእንቲ እዚ ናይቲ ከባቢ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ድሕንነት ኣበርቲዑ ይዓይ ከምዘሎን ኣብዚ መደብ እዚ  እውን ልዕሊ 10 ሺሕ ኣባላት ሓላዋ ጸጥታ ከዋስኡ ምዃኖም ብጹዕ ኣቡነ ዋርዳ ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ቅድስነቶም ሓዋርዊ ምብጻሕ ኣብ ዒራቕ ብመራኸቢ ብዙሓን ዝመሓላለፍ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

27 February 2021, 19:54