ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ከም ሳምራዊ ብናይ ካልኦት ስቓይ ንኽንትንከፍ ፍቓደይናታትን ንዅን

ኣብቲ ቅልውላው ነፍሲ ወከፍና ልቡን ጽንዓቱን ምሕረቱን ዕብየቱን ወይ ውን ጸቢብነቱን ትርጉም ኣልቦነቱን እዩ ዝስተርእይ፡ ስለዚ እቲ ቅልውላው ኣብ ቅድሚ እዞም ኣገደስቲ ምርጫታት ፊት እዩ ዘንብረና

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 65 ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ደጋጊሞም ዝጠቐሱሉን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተስኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሕውነት ዘጐልብት ምቅርራብን ክንክንን ምስናይን ተወፋይነትን ዝብሉ ክብርታት ንኽንነርብ ዝድርኽ ፍቕርን ሕውነትን ዘጐልብቱ ምርጫታት ንኽንነብር ዘብቅዕ ምልዋጥ ክህልወና ዝገብር እዩ ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ሰባትን ናይ ሰብኣዊ ታሪኽን ሰብኣዊ ማበረሰብን ታሪኽ ዝጸልው ዘሎ ለብዒ “ጽባሕ ንምሕናጽ” ዘኽእለና መታን ክኸውን ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣገባብ ሕይወት መሰረት ገርና ንምንባርን ምዕያይን የድሊ፡ እዚ ማለት ከኣ በቲ ኣብ ቅድመይ ዘጋጥመንን ዝርአዮን ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ ንኽንትከፍ ፍቓደይናታት ምዃን ማለት እዩ፡ “ናይ ካልእ ስቓይ ናተይ ህርኵት ጻዕሪ ይጠልብ” ዝብል ኣስተንትኖ ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ሎስ ኣንጀለስ ሰበኻ ናብ ዘካይዶ ዘሎ መበል 65 ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቕሪቦም፥

ምስቲ ጉብኤ ቅዱስ ቍርባን ተተሓሒዙ ዝበዓል መበል 50 ዓመት ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት

ከምቲ በቢ ዓመቱ ሰበኻ ሎስ ኣንጀለስ ምስ ዘካይዶ ሰበኻዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣተሓሒዙ ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ዘብዕል ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ምስቲ መበል 65 ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ተተሓሒዙ መበል 50 ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ይብዕል ከምዘሎን፡ ቅዱስነቶም ናብታ ካብ ሕዳር 2019 ዓ.ም. ብሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ሆራሲዮ ጎመዝ ሓዋርያውነት እትምራሕ ናብ ዘላ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ ብይብጻሕ ናብ ብጽዑነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣቐዲሞም እታ ሰበኻ ካብ ርሑቕ ኣብ ዘበገሰቶን እተሰጉሞ ዘላ መንፈሳዊ ጉዕዞ ብምድናቕ ለምዘበን እቲ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኮነ እቲ ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ናይቲ ጉባኤ መርሕ ቓል፥ ዝተኣተወልና ቃል ኪዳን ኣውጁ ዝብል ምዃኑን ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡ ናይዚ ብስራት’ዚ ልኡኽ እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ኣብ ነፍሲ ወከፍና ውሽጢ ዘሎ ቃል ኪዳን - ዝተኣተወልና ተስፋ

“ናይ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳንን ካብ እግዚኣብሔር ዝተኣተወልና ተስፋን እግዚኣብሔር ቃሉ ዘየዕብር ምዃኑ ተኣሚና ከነበስሮ የድልይ” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓውዲት መልእኽቶም ጠቒሶም፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ኣብ ውሽጡ ሓድሽ ናይ ምርኻብን ልቦናን ባህልን መንፈሳውን ጸዓት ዘበራብር ናይ ሓድሽ ቃል ኪዳን ትውክልቲ ዘለዎ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ናይ ካልእ ስቓይ ናተይ ህርኵት ጻዕሪ ይጠልብ

ድሕሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ጽባሕ ንምሕናጽ ክኡል ክኸውን መታን ናይ ኩሉ ህርክውት ጻዕርን ጸዓትን ተወፋይነትን የድሊ፥

“ስቓይ ዝልውጥ ምዃኑን ብናይ ካልእ ስቓይ ናብ ህርኵት ጻዕሪ ንኸብል ዝድረኽ ከምዝኾንኵ ብምስትውዓል ብናይ ሕይዋይ ሳምራዊ ሕይወት ኣገባባት ምዕያይን የድሊ”

ቀረባ ኣብ ምዃን ሕውነት ይጉልብት

ኣብዚ ስቓይ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን “ብምስክርነት ተወፋይን ለጋስን ፍቕሪ” ይብሉ ቅዱስነቶም “ኣብ ሕልንና ኣብ ማሕበራዊ ኣካሊት ዘይበርስ ኣሰር ሓዲጉ ዝሓልፍ ቅርበትን ክንክንን ምስናይን ሕውነትን ንምትብባዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘመላኽት ምስክርነት ኣብ ስቓይ” ኣስተውዒልና ኢና፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ብሉጻት ወይ ወን ሕማቓትን ክፉኣትን ኮይንካ እዩ ዝውጻእ እምበር ከምቲ ዝነበርካዮ ኴንካ ኣይውጻእን”፥

ኣብቲ ቅልውላው ነፍሲ ወከፍና ልቡን ጽንዓቱን ምሕረቱን ዕብየቱን ወይ ውን ጸቢብነቱን ትርጉም ኣልቦነቱን እዩ ዝስተርእይ፡ ስለዚ እቲ ቅልውላው ኣብ ቅድሚ እዞም ኣገደስቲ ምርጫታት ፊት እዩ ዘንብረና፡

ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ከም ኣሕዋት ብሓባር ናይ ምሕላም ኣገዳስነት

ናይ ሰብኣዊ ክብረት ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕውነት ናይ ኩሉን ንዅሉን ኣተንፍሶ ክንገብር ንኽእል (ኵላትና ኣሕዋት፥ ፍቕዲ 8 ረኣ)፡ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍን ብሓባር ንቕድሚት ዘማዕድው ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ፥ ብሓባር ምሕላም ክንደይ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ የመላኽቱ።

መንእሰያት፥ ናይ ሕውነት ጽባቔ ገጣምያን ኢኻትኵም

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ብፍሉይ ነቶም መበል 50 ሰበኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ንዘብዕሉ ዘለዉ መንእሰያት ዘኪሮም፥ ኣብታ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዓሚዩቕ ምዃናውነት ዘሎ ክውንነት ተስፋ ዝተሰርቱ ክኾኑ ተላብዮም ናይ ሕውነትን ምሕዝነትን ጽባቔ ገጣሚያን ኵኑ” እንክብሉ ክዕድሙ እንከለዉ፥

ሕልሚ ኣብ ሓባርዋነት እዩ ዝሕነጽ፡ ብሓደ ኣካለ ስጋ ከም ዝቖመ ሰብኣውነትን ከም ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ እተአንግደና መሬትን ነፍሲ ወከፍና ከከም እምነቱን እማኔኡን ድምጹን ተጓዓዚ ኣንኰ ኣካል፥ ብሓባር ከም ኣሕዋት ንሕለም!

ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

20 February 2021, 16:21