ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን ምስጢረ ንስሓን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን ምስጢረ ንስሓን 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮን ምስጢረ ንስሓን፥ ምሕረት እግዚኣብሔር ብሓጢኣት ንዝቖሰለ ልቢ

ናብኡ (ናብ ጐይታ) መላእ ሕይወትካ ሒዝካን ምስቲ ኵሉ ሓጢኣትካን ምስ እትኸይድ ንሱ በዓል ይገብር እምበር ኣይቁጥዕን፡ እዚ እዩ ኣቦና! ሎሚ እዚ እዩ ንሕዝቢ ክትብልዎ ዝግብኣኵም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሰባት ናብ ምስጢረ ዕርቂ ዝማርኹ ኣናዘዝቲ ካህናት ይዛረቡን፥ ቡቕባቔን ርህራሀን፥ ቅዱስነቶም ኣብዚ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾኦም ብዛዕባ ናይ እዋንና ኣናዘዝትን ኣበ ነፍስን ክዛረቡ እንከለዉ ዝጥቀሙለን ክልተ ቃላት፥ ጽን ምባልን (ምስማዕን) ምሕረትን ዝብላ እያተን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገለ ገለ ወስታ ዘናውጽ እውን ኣተመሰለ ሰናይ ዘመንጨው ኮይኑ በቲ ብዘይ ልሳን ዘጉልሖን ዝዛረቦን ዓቢይ መልእኽቲ ምኽንያት ኣብ ኣእምሮና ተሓቲሙ ይተረፍ፡ ዕለት 28 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምሕራዮም ሓደ ዓመትን ክልተ ሰሙንን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ “24 ሰዓት ምስ ጐይታ” ብዝብል መደብ መሰረት መሉእ መዓልቲ ንምስጢረ ዕርቂ ኣብ ዝተወከፈ መዓልቲ ንኸናዝዙ ናብ መናዘዚ ስፍራ ከምርሑ ኩሉ እናተጸበዮም ባዕሎም ናብ መናዘዚ ስፍራ ብምኻድ ኣብ ቅድሚ ሓደ ካህን ተምበርኪኾም ክናዘዙ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ር.ሊ.ጳ. ከም ሰብ ዝናዘዙ እውን እንተኾነ ኩሉ እናረኣዮም ክናዘዙ ምርኣይ ልሙድ ብዘይ ምንባሩ፥ ንብዙሓት ዘገረመ እውን እንተኾነ፥ ዝተማሕረ ልቢ ኣብ ቅድሚ መሓሪ እግዚኣብሔር ሓድሽ ከምዝኾነን ኵላትና ደለይቲ ምሕረት እግዚኣብሔር ምዃንና ይምስክሩ።

ቅዱስነቶም ዕለት 14 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ደኺምና ከይበሉ ኣብ መናዘዚ ስፍራ ዘገልግሉን ዕድመኦም ዘሕልፉን ካህናት ብፍሉይ ናይ “እግዚኣብሔር ናይ ርህራሀ ሶውራ” ኣብጻሕቲ እንክብሉ ይገልጽዎም።

ኣብዚ ሓደ ሓሳብ ናይ ብዙሓት ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዘናዝዙ ካህናት ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ። እዚኦም ካህናት እዚኦም ንብዙሓት ባዶነትን ባይታ ዝዘበጡ ኰይኑ ንስዝምዖም ሓጢኣተይናታት ብርህራሀን ለውሃትን ናብኦም ክቀርቡ የፍቅዱ። ከምዚ ዓይነት መናዘዝቲ ካህናት ብሓቂ ንፉዓት እያቶም። ከም ገሊኦም ኵርማጅ ኣብ ኢዶም ሒዞም ምፍርራህ ዘይኮነስ ተቀቢሎምን ጽን ቢሎምን ንክሰምዑ ኣብ መወዳእታ ከኣ እግዚአብሔር ሕያዋይ ከምዝኾነ ወትሩ ከምዝምሕርን ኣብ ምምሓርና ከምዘይደክምን ዝምስክሩ ንፉዓት ካህናት እያቶም። ነዞም ከምዚ ዝገብሩ ምሕረት ኣሰር ሕይወቶም ዝገበሩ ኣናዘዝቲ ካህናት ኩልና ኣብዚ ቅርዓት እንርከብ ብጣቅዒት ምሳጋናና ንግለጸሎም።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ምሕረት ፈጣርን ጥበበይናን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መጋቢት 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ኣናዘዝቲ ካህናት ክስዕብዎ ዝግብኦም መገዲ ይሕብሩን ምሕረት እግዚኣብሔር ዘስተማቕር ተተንኪፉን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ እንከብርሁ፥

ናብኡ (ናብ ጐይታ) መላእ ሕይወትካ ሒዝካን ምስቲ ኵሉ ሓጢኣትካን ምስ እትኸይድ ንሱ በዓል ይገብር እምበር ኣይቁጥዕን፡ እዚ እዩ ኣቦና! ሎሚ እዚ እዩ ንሕዝቢ ክትብልዎ ዝግብኣኵም፡ ነቲ ናይ ምሕረት ፈጣርን ጥበብን ዝኸውን ነቶም ዝተናዕቁን ድኻታትን መለኮታዊ ምሕረት ተመክሮ ክገብሩን መታን፡ ተቐቢልና ምሕረት ክንህብን ኢየሱስ ኣብቶም ንኡሳን ኣሕዋት ይጽበየና!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ክርስቶስ ልቢ

እቶም ለዋሃት ኣናዘዝቲ ኩርማጅ ዝሓዙ ዘይከነ - ዕለት 14 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓቢሮም - እዚ እውን ስምዒታውነት ማለት ዘይኮነ ውህበት ልቢ ኢየሱስ ዝለዎም ማለት ምዃኑ ኣብ 2014 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ቤት ኑዛዜ ኣብ ዘዳለዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝበልዎን -  ወይ ተመስጦ ጥራሕ ዘይኮነ ብናይ መሓሪ መዓንጣ ኣምላኾ ዝነቓቕሑ ምዃኖም እውን ንናይ ሮማ ሰበኻ ቆሞሳት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝበለዎ እዩ፥

ሓቀይና ምሕረት ናይ ሰባት ዘለዎ ጸገም ናቱ ዝገብር ኣትኵይሩ ጽን ዝብል ንዅነታቱ ብሓቅን ኣኽብሮትን ዝቐርብ ኣብ መገዲ ዕርቂ ዘሰንይ እዩ፡ እዚ ብሓቂ ኣድካሚ እዩ፡ ብሓቂ መሓሪ ካህን ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ እዩ ዝኸውን፡ ስለምንታይ ግን ከምኡ ዝገብር? ልቡ ርሕሩሕ ስለ ዝኾነ፥ ከም ናይ ክርስቶስ ልቢ!

ኣብ 2018 ዓ.ም. ነቶም ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሰምዩ እቲ ብቕድስቲ መንበር ጥራሕ ዝፍታሕ ሓጢኣት ንኽፈትሑ ሓዋርያዊ ሓላፍነት ንዝሃብዎም ልኡካነ ምሕረት ካህናት ተቐቢሎም፥ ቅድም ቀዳድም እቲ እግዚኣብሔር ንዓና ንኽራኸበና ዝመረጾ መገዲ ሕረዩ፡ ኣብዚ ጸዋዕታ እዚ ዕርቂ ስዅዕ እምበር ናይ ውልቅና ተበገሶን ወይ ከኣ መብጻዓ ኣይኮነ፥ እቲ ተበግሶ ናይ ጐይታ ምዃኑ እንከብርሁ፥

ሓደ ዝተጣዕሰ ናባና ክመጽእ እንከሎ፥ እዚ ኣብ ቅድመና ዘሎ ምስቲ ብጸጋኡ ልቡ ዝኸፈተሉን ንምልዋጥ ስንድው ምስ ዝገበሮ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ናይ ምርኻቡ ፍረ ምዃኑ ምፍላጡ ከገድሰናን ከጸናንዓናን ኣለዎ፡ ከም ካህናት ልብና እቲ ተኣምር ምስ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተረኻበ ሰብ ዘሎን ናይ ጸጋኡ ውጽኢት ምዃኑ ከስተውዕል ኣለዎ፡ እቲ ዝናዘዝ ነቲ ምሳና ቅድሚ ምርኻቡ ምስ እግዚኣብሔር ካብ ምርኻብ ጸጋ ዝነቅል እንተድኣ ዘይኮነ ናይ ሓቂ ዕርቂ ክህሉ ኣይክእልን፥

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣናዛዚ ቅድም ቀዳድም ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ 2017 ዓ.ም. እንክምዕዱ፥ “ኣናዛዚ ናይ ካልኦት ቁስሊ ከስተውዕልን ብናይ ምሕረት ቅብኣተ ዘይት ክፍውሶን መታን ናይ ዝቖሰለ ልቢ ጸጋ ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ” እንክብሉ ንኸይደናገርን ንኸስተውዕል መታን ናይ ትሕትናን ናይ ልልያን ጸጋ እውን ዝተዓደለ ክኸውን ኣለዎ፡ ልልያ ጠመተን ልብን ይሓንጽን ወትሩ እቲ መንበረ ታቦት ዝኾነ ሕልና ብርሃንን ሰላምን ምሕረትን ክቕበል ዘኽእሎ ርቀት ኣቕዋም ክህልዎ ይገብር፡ ር.ሊ.ጳ. ካብቲ ብዙሕ እዋን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብ ዝልግስዎ ስብከት ኣብ ሓደ እዋን፥ “ኣብቲ ናይ መናዘዚ ስፍራ ምፍርራሕ ዘይኮነ ምሕረት እዩ ዘሎ” ከምዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ፍቕርን ሰላምን

ኣናዛዚ ካህን ናይ ምሕረት መጋበርያ እዩ፡ ንሓውን ንመንፈስ ቅዱስ ዝሰምዕ ፈራዲ ዘይኮነ ኮታስ ንምእመናን እቲ እግዚኣብሔር ጥራሕ ክህቦ ንዝኽእል ሓድሽን ዓቢይን ደረት ትርኢት ዘርህው ምእንቲ ንናይ ኣሕዋት ሓጢኣት ሓቢሩ - ዝጠዓስ እዩ፡ ኣብቲ ካብ ዕለት 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተኣወጀ ናይ ምሕረት ዓመት ካብ ዝተኻየዱ መደባት ሓደ ኣብ 2016 ዓ.ም.  ብምኽንያት መርሓ ግብሪ ናይ መንእሰያት ኢዮቤል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ መዓልቲ ምስጢረ ንስሓ ክበዓል ገይሮምን ብዙሓት ካህናት ንኽናዘዙ ንዝመጹ መንእሰያት ምስጢረ ንስሓ ምስ ዝሰርዑ ዝነበሩ ካህነት ኮይኖም ንዕስራ መንእሰያት ከምዘናዘዙ ኣዘኻኺሩ፡ ዕለት 24 ሚያዝያ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መርታ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ከመይ ጌርና ኢና ኣብ ፍቕሪ ኽንዓቢ እንኽእል? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥

እቲ ምስጢር ሕጂ እውን እግዚኣብሔር እዩ፥ ኢየሱስ ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ገዛእ ርእሱ ይህበና፥ ብንስሓ ኣቢሉ ምሕረትን ሰላምን ሕድገት ሓጢኣትን ይህበና፡ ካብኡ ፍቕሩ ንኽንቅበልን ናትና ጌርና ኣብ ዓለም ንኸነስፍሖ ንመሃር፡ ምፍቃርን ጌጋ ኣይፋል ምባል ከቢድ ኮይኑ ክስምዓና እንከሎ ናይ ኢየሱስ መስቀል ንጠምት፡ ነታ ዓስቢ ክትርከብ እትገብረካን ምስ ወደቕኻ እተተንስኣካ ኢዱ ኣይትሕደጋ፡ ኣብ ሕይወትና ኵላ ሳዕ ምውዳቕ ኣሎ፡ ይዅን ደኣ እምበር እታ እተተንስኣናን እተልዕለናን ናይ ኢየሱስ ኢድ ወትሩ ኣላ፡ ኢየሱስ ደው ክንብል እዩ ዝደልየና።

ከምዝበሉ የመላኽት።

ብዙሕ እዋን ቅዱስ ኣቦና ዝጠቕስዎም ኣናዛዚ ኣባል ማሕበር ቅዱሳተ ምስጢር ኣብ 94 ዓመት ዕድመኦም ዝዓረፉ ኣባ ኣሪስቲ፥ ኣታ ሎሚ ምስኦም ዘላ መስቀል ካብ ኣባ ኣሪስቲ ዝተቐበልዋን ብኣኦም ኣቢሎም መሓሪ ንኽኾኑ ከምዝሓትቱ ባዕሎም ር.ሊ.ጳ. የዘትንዉ፡ ከምኡ እውን ኣባ ልዊስ ድሪ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘፖፐይ ቆሞስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሃው ካፑቺን ንበርጐሊዮ ምሕረት ኣብ ምዕዳል ኣዚኹም ለጋስ ዲኹም እንክብሉ ከምዝሓተትዎምን ናብ መንበረ ታቦት ፊት ቀሪብኩም ተንበርኪኽኵም ኦ ጐይታይ ብዙሕ ስለ ዝመሓርኵ ይቕረ በለኒ፥ እቲ ብዙሕ ምምሓር ከኣ ካባኻ እየ ዝተመሃርክዎ” ቢልካ ጸልይ ኣንክብሉ ከምዝመዓድዎም ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

16 February 2021, 20:07