ድለ

2021.02.17 መሥዋዕተ ቅዳሴ ምጅማር ጾም 2021.02.17 መሥዋዕተ ቅዳሴ ምጅማር ጾም 

ጾመ አርባዓ ናብ እግዚአብሔር ንምምላስ ዝግበር ጒዕዞ እምበር ቊርጺ ፍቃዳት እንእክበሉ ግዜ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 17 ለካቲት 2021 ዓም ንጾመ ነነዌ ብዘዘኻኽር ሮቡዕ ሓሙዂሽቲ ጾመ ኣርባዓ ንምጅማር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን 'መሬት ኢኻ ናብ መሬት እውን ክትምለስ ኢኻ! ተነሣሕ ብወንጌል ከኣ እመን' እንክብሉ ሓሙዂሽቲ ኣብ ርእሲ ብምንስናስ ፈጺሞም ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

ጒዕዞ ጾም ኣርባዓ ንጅምር ኣሎና። እዛ ጒዕዞ እዚኣ በተን ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ዝሕብራ ቃላት ኢዮኤል ነቢይ ትጅምር። ኣብ ትንቢት ኢዮኤል ነቢይ ካብ ልቢ እግዚአብሔር ዝውሕዛ ሃንጐፋይ ኢለን ንዝንሳሕ ክቅበላ ዝተዘርጋሓ ኣእዳውን ቈላሕታ ፍቅራዊ ትጽቢት ዝመልኤን ኣዕይንትን ‘ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመልሱ’ (ኢዮ 2,12) ዝብል ዕድመ የቅርብ። ናባይ ተመለሱ! ብርግጽ ጾመ ኣርባዓ ናብ እግዚአብሔር ንምምላስ ዝግበር ጒዕዞ እዩ። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ኣብ ካልእ ጉዳያት ተጸሚድና ወይውን ሸለልትነት ዓብሊሉና ‘ጐይታይ ደሓን ቀስ ኢለ ደሓር ክስዕበካ እየ! ሎሚ ኣይጥዕመንን እየ እንተ ጽባሕ ጸሎት ክጅምር እየ ንካልኦት እውን ገለ ነገር ክገብር እየ’ ዘይበልና። ከምዚ እናበልና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንጐዓዝ! እንተ ሎሚ እግዚአብሔር ሓያል ጻውዒት ናብ ልብና የቅርብ ኣሎ። ኣብ ሕይወትና ክንገብሮ እንሓስቦ ብዙሕ ነገራት ይህሉ እነቅርቦ ምኽንያታት እውን ኣዲኡ ትቊጸሮ! እንተኾነ ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ሎሚ ናብ እግዚአብሔር እንምለሰሉ ግዜ እዩ።

ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ይብል ኣሎ። ዘመነ ጾመ አርባዓ ንምሉእ ጒዕዞ ሕይወትና ዝምልከት ብምልኣት ክንስዕቦ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ንእንስዕቦም ጐዳናታ ፈቲሽና ናብ ጐይታ ናብ ቤትና እተብጽሓና እነረጋግጸሉ ነቲ ኩሉ ካብኡ ዝኾነ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና መሠረታዊ ምትእስሳር ዳግም እንረኽበሉ ምሩጽ እዋን እዩ። ዘመነ ጾመ ኣርባዓ ናኣሽቱ ቁርጺ ፍቃዳት እነዋህልለሉ ግዜ ዘይኮነስ ልብና ናበይ ገጹ የማዕዱ እነለልየሉ እዋን እዩ። ሕመረት ጾመ አርባዓኸስ እዚ እዩ! ልበይ ናበይ የማዕዱ ኣሎ!  ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና፣ ጒዕዞ ሕይወተይ ናበይ ገጹ ይወስደኒ ኣሎ! ናብ እግዚአብሔርዶ ወይስ ናብ ኣነነት! ንጐይታ ከሐጒስዶ እነብር ኣሎኹ ወይስ ኣነ ክፍለጥ ኣነ ክነኣድ! ንቀዳማይ ቦታ ኣነ ክምረጽ! ወዘተ። ዘይርጉእ ልቢዶ እውንን ማለት ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት እናበለ ሓንሳእ ንዓለም ሓንሳእ ከኣ ንጐታ እናፍቀረ ዝነብር ወይስ ቀጥ ኢሉ ንጐይታ ጥራይ ዘፍቅር ኣብ ጐይታ ዝረግኤ ልቢ እውንን! በተን ዘለዋና ግብዝ ሓሳባትዶ እሕጐስ ወይስ ንልበይ ኣንጭዋ ክልተ ዓንደል ካብ ምዃንን ዓፊኑ ሒዝዋ ዘሎ ክልተ ክልተ ዝጥምት ጒዳያት ሓራ ከውጽኣ እጋደል! ኢልና ነስተንትን።

ጒዕዞ ጾመ ኣርባዓኸስ ጸአት እዩ! ካብ ባርነት ናብ ሓርነት እንወጸሉ እዩ። ነተን ሕዝበ እግዚአብሔር ናብ መበቆላዊ መሬቶም ንክምለሱ ኣብ ምድረበዳ ዝተጓዕዝወን አርባዓ ዓመታት ዘዘኻኽራ አርባዕ መዓልታት እየን። እንተኾነ ንግብጺ ሓዲግካ ምውጻእ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ነበረ! ካብ ልቢ ሕዝቢ እግዚአብሔር ናፍቆት ግብጺ ሓኺኽካ ምእላይ ከቢድ ነበረ! ካብዚ ንክተውጽኦ ብሕጹጽ ህደም ህደም ዚዓይነቱ ኣገባብ እንተዘይተጠቂምካ ነቲ ወትሩ ኣብ ውሽጡ ልቡ ሒዝዎ ካብ ዝንበረ ግብጺ ክተውጽኦ ቀሊል ኣይነበረን። ንግብጺ ጠንጢንካ ምውጻእ ብጣዕሚ ከቢድ ነበረ። ኣብ ግዜ ጒዕዞ ወትሩ ነተን ዝገደፍካየን ናይ ባርነት ሽጒርቲ ናይ ምንፋቅ ፈተና ኣሎ! ንድሕሪት ክትምለስ ናይ ምድላይ ፈተና! ምስ ሕሉፍ ታሪኽ ናይ ምትእስሳር ፈተና ምስ ገለ ጣዖት ናይ ምትእስሳር ፈተና ከይተረፈ ኣሎ። ንዓና እውን ከምኡ እዩ። ናብ እግዚአብሔር ንክትምለስ ዝግበር ጒዕዞ ብሕማቅ ልማድ ናይ ዝኣሰሩና ዕንቅፋት ብዘወናውን ወልፍታት ዚኣስሩ ገመዳት ግዝያዊ ውሕስነት ንዋይን ኣምሰሉነትን ዕሚም እንበልካ ብምንባር ዘልምስ ኩነትን ኣሎ። ትኽ ኢልካ ጒዕዞኻ ንምቅጻል ነዚ ናይ ሓሶት ምስልታት ምቅላዕ የድሊ።

እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ነዚ ንሕተት! ናብ እግዚአብሔር ገጽካ ንዝግበር ጒዕዞኸስ ከመይ ቢልና ንከታተተሎ! እንተበልና ቃለ እግዚአብሔር ዘዘንትወልና ናይ ምምላስ ጒዕዞታት ክሕግዙና ይኽእሉ።

ምሳሌ ጥፉእ ወዲ እንተተመልከትና ንዓናውን ናብ ቤት ኣቦ ናይ ምምልስ ግዜ ከምዝኾነ ንርዳእ። ከምቲ ጥፉእ ወዲ ንሕና እውን ጣዕሚ ቤት ኣቦና ረሲዕና ንዝተመቀልናዮ ውርሻ ኣብ ዘይረብሕ ነገራት ኣጥፊእና ጥራሕ ኢድናን ሕዙን ልብን ሒዝና ተሪፍና ኣሎና። ውዱቃት ኢና! ወትሩ እናወደቁ ዝነብሩ ደቂ ኢና። ከምቶም ምኻድ ዝጅምሩ ናኣሽቱ ሕጻናት ኢና። ክስጉሙ ይጅምሩ እሞ ይወድቁ እንደገና ተንሲኦም ንክፍትኑ ከኣ ኣቦኦም ኢዱ ዘርጊሑ ከተንስኦም ከም ዝጽበዩ ሕጻናት ኢና። ነዚ ዝገብረልና ዳግም ደው ኢልና ክንስጉም ዘኽእለና ኸኣ ምሕረት ሰማያዊ ኣቦና እዩ። ጽጹይ ኑዛዜ ምግባርከስ ቀዳማይ ስጉምቲ ጒዕዞ ጾመ ኣርባዓና ይኸውን። ደጋጊመ ከምዝበልክዎ ኣብ መንበረ ኑዛዜ እትቅመጡ መናዘዝቲ ኣብ ግዜ ኑዛዜ ኣቦታት እምበር ኣብ ኢዱ ሻቦጥ ወይ ሓለንጊ ዝሓዘ ኣይትኹኑ።

ብድሕርዚ ከኣ ከምቲ ኢየሱስ ዘንጽሖ ለምጻም ካብ መንገዲ ናብ ኢየሱስ ዝተመልሰ ብንስሓ ምስ ነጻሕና ናብ ኢየሱስ ምምላስ ከድልየና እዩ። እቶም ዝነጽሑ ለምጻማት ዓሠርቲ ነበሩ እንተኾነ ንሱ ጥራይ ድሒኑ ክንብል ንኽእል ከመይ ተመሊሱ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸበ ንሱ ጥራይ ነበረ (ሉቃ 17.12-19)። ኲልና ብሕትና ባዕልና ክንፍውሶም ዘይንኽእል መንፈሳዊ ሕማማት ኣለውና ከምኡ እውን ባዕልና ምሒና ክንሰዶም ዘይንኽእል ሡር ዝሰደዱ ሕማቅ ልማዳት ኣለውና። ኩልና ባዕልና ክነሸንፎም ዘይንኽእል ዘደንዝዙና ፍርህታት ይወሩና እዮም። ስለዚ ነዚ ምስ ነጽሐ ናብ ኢየሱስ ተመሊሱ ኣብ እግሩ ዝወደቀ ለምጻም ክንመስሎ ኣሎና። ኢየሱስ ከሕውየና ብግዲ ፈውሱ የድልየና ስለዚ ንኩሉ ቊስልታትና ኣብ ቅድሚኡ ኣንቢርና ‘ኦ ኢየሱስ እነኹ ምስ ሓጢኣተይን ምስ ሕስረተይን መከራይን ኣብ ቅድመኻ እርከብ ኣሎኹ። ንስኻ ሓኪም ኢኻ። ክተንጽሓንንን ሓራ ክተውጸኣንን ትኽእል ንስኻ ኢኻ እሞ ንልበይ ፈውሰኒ ኣሕውየኒ ካብ ለምጸይ ኣንጽሓኒ’ ንበሎ።

ቃለ እግዚአብሔር ሕጂ እውን እንደገና ናብ እግዚአብሔር ኣቦ ክንምለስ ናብ ኢየሱስ ክንምለስ እንደገና ከኣ ናብ መንፈስ ቅዱስ ክንምለስ ንጽዋዕ ከምዘሎና ይሕብረና። እቲ ኣብ ርእስና እነቀምጦ ሓመዂሽቲ ሓመድ ምዃና መሬት ምዃና ናብ መሬት ከኣ ክንምለስ ከምዝኾና የዘኻኽረና። እንተኾነ ኣብዛ ሓመድ እዚኣ እዩ እግዚአብሔር መንፈስ ሕይወት ኡፍ ኢሉ ዘስተንፈሰልና። ስለዚ ንመሬት እናሰዓብና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ደድሕሪ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ ግን ዝበንን ነገራት እናተጓዕዝና ብሕይወት ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ናብቲ ሕይወት ዝህብ ናብ መንፈስ ቅዱስ ተመሊስና ነቲ ናይ ምስግናን ኣምልኾን ሓዊ ዳግም ንርከቦ ነቲ ፍቅሪ ዝምህር ሓዊ ንርከቦ እሞ ንሓመድ ምጒርምራምን ተስፋ ቊርጸትን ከቃጽሎ ነፍቅደሉ በዚ ከኣ ዝተፈቅረ ሓሙዂሽቲ ክንከውን ኢና።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! እዚ ናብ እግዚአብሔር ክንምለስ እንገብሮ መገሻና ይከኣል እዩ ከመይ ንሱ ኣቀዲሙ ናባና ገጹ በጺሕካ ናይ ምምላስ መንገዲ ተጓዒዙ ነታ መንገዲ ከፊቱልና እዩ። ንሱ ካብ በጽሓና ምምላስ ከኣ ናትና ግደ እዩ። እንተዘየሎ ፈጺሙ እምበይምተኻእለን ነይሩ። ንሕና ቅድሚ ናብኡ ምኻድና ንሱ ናባና መጺኡ እዩ። ቀዲሙናስ መጺኡ ረኺቡና። ንዓና ክብል ክንግምቶ ካብ እንኽእል ትሕትና ንላዕሊ ወሪዱ ስለና ሓጢኣት ኰይኑ ስለና ሞት ኰይኑ። ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቅዱስ ጳውሎስ ‘እቲ ሓጢኣት ዘይፈልጥ እግዚአብሔር ስለና ሓጢኣት ከምዝኸውን ገበሮ’ (2ቆሮ 5,21) እንክብል የዘኻኽረና። በይንና ንከይንኸውን ኣብ ጒዕዞ ንከሰንየና ኣብ ሓጢኣትናን ሞትናን ወረደ። ንሓጢኣትና ተንከፎ ንሞትና ጠዓሞ።  ጒዕዞናኸስ ኢድካ ዘርጊሕካ ነቲ ከሰንየካን ክመርሓካን ዝመጸ መድሓኒ ንምሃብ ፍቃደኛ ምዃን እዩ። እግዚአብሔር ኣቦ ናብቲ ንክደልየና ካብ ገዛኡ መንበሩ ግርማኡ ዝወጸ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ዝፍውስ ጐይታ ኣብታ ሓሙዂሽቲ ዝዀነት ሕይወትና ብሓይልን ጣዕምን ብምስትንፋስ ሕውየትና ዝልውጥ መንፈስ ክንምለስ ይዕድመና ኣሎ።

እነሆ እምበኣርከስ እቲ ሓዋርያ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና’ (ኁ.20) ዝምሕጸነና ነዚ እዩ። ክትዕረቅ ፍቃደኛ ምዃን: እቲ ጒዕዞ ኣብ ሓይልና ከይመስለና።ማንም ካባና ብክእለቱ ምስ እግዚአብሔር ክዕረቅ ኣይክእልን! እዚ ፈጺምካ ኣይከኣልን። ለውጢ ልቢ በቲ ዝገልጾ ኣገባብን ተግባራትን ተሰንዩ ንሥራሕ እግዚአብሔር ቅድምያ እንተሃበ ጥራይ እዩ ዝከኣል። ናብኡ ከምእንምለስ ዝገበርና ሓይልናን ጻዕርናን ዘይኮነ ክንቅበሎ ዘሎና ንሱ ዝዕድለና ጸጋ እዩ። ጸጋ እዩ ዘድሕነና። ድሕነት ጽሩይ ጸጋ እዩ ብነጻ ዝተዓደለና ህያብ እዩ። ነዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ኣነጺሩ ነጊሩና እዩ። ዘጽድቀና ጉዳይ ኣብ ቅድሚ ሰባት እንፍጽሞ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ዘይኮነ  ምስቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦ ዘሎና ንጹሕ ርክብ እዩ። ናብ እግዚአብሔር ንምምላስከስ ቀዳማይ ስጉምቲ ንሱ ከምዘድልየና ምሕረቱ ከምዘድልየና ጸጋኡ ከምዘድልየና ምፍላጥ እዩ። እዚ እታ ቅንዕቲ መንገዲ መገዲ ትሕትና እያ። ዘድልየኒ ኣሎዶ ወይስ በቂዔ እብል ኢልና ነስተንትን።

ሎሚ ሓሙዂሽቲ ኣብ ርእስና ንክንስነስ ርእስና ነድንን ኣሎና። ኣብ ፍጻሜ ጾመ ኣርብዓ ከኣ ኣእጋር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንሓጽብ ብዝበለጸ ክንደንን ኢና። ጾመ አርባዓከስ ናብ ውሽጢ ገዛእ ርእስናን ናብ ካልኦትን ንምብጻሕ ዝውረድ ቊልቊለት ትሕትና እዩ። ድሕነት ናብ ክብሪ ዘደየብ መደያይቦ ዘይኮነስ ስለፍቅሪ ዝግበር ትሕትና ምዃኑ ምርዳእ እዩ።  ከም ሕጻናት ትሕት ምባል እዩ። ናኣሽቱ ምዃን እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሸተት ከይንብል ነታ ብሱቊታ ብዛዕባ እግዚአብሔር እትምህር ዓባይ ቤትትምህርቲ መስቀል ክርስቶስ ኣብ ቅድመና ንግበር። ዕለት ዕለት ናብ ቅንዋቱ ንጠምት። እዚ ቅንዋት እዚ ንሰማይ ሒዝዎ ዝደየበን ነቦኡ ዕለት ዕለት ስለና ኣብ ዘማልደሉ ግዜ ዘርእየን ቅንዋት እየን። ዕለት ዕለት ንጠምተን እሞ ኣብተን ቅንዋት እቲአን ባዶነትና ንርኤ ጒድለታትና ንመልከት ቊስልታት ሓጢኣትና ንዘክር ዘሕመሙና ጽፍዒታት ንዘክር። ወይውን ነቲ ኢዱ ብምውጥዋጥ ዘይኮነ ሃንጐፋይ ኢሉ ንክቅበለና ተዘርጊሐን ዘለዋ ኣእዳው እግዚአብሔር ንጠምት። ቅንዋት ኢየሱስ ንዓና ክብላ እየን ተሸንኪረን በተን ቅንዋት እቲኤን ከኣ ኩልና ድሒና (1 ጴጥ 2,25. ኢሳ 53,5)። ብዓቢ መንፈሳውነት እሞ ንስዓመን ሽዑ ኣብ ከምዚአን ዝበላ ስቃይ ዝመልአን ቅንዋታትና እግዚአብሔር መወዳእታ ብዘይብሉ ምሕረቱ ከምዝጽበየና ክንርዳእ ኢና። ምኽንያቱ ከኣ ኣብቲ ተኣፈፍቲ ዝኾናሉ ሁመት ዓቢ ሕፍረት ኣብ ዝስመዓና እዋን ንሱ ንክረኸብና መጺኡ። ሕጂ እውን እቲ ክረኽበና ኣቀዲሙ ዝመጸ ነቲ ዝተፈቀርካ ናይ ምዃን ዘስዕቦ ታሕጓስ ዳግም ንክንቅበል ናብኡ ክንምለስ ይዕድመና ኣሎ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 February 2021, 11:59