ድለ

ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምያንማር፥ ፍትሕን ምርግጋእን ክነቓቓሕ

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ምያንማር ዘስምዕዎ ቃል ኣብታ ናይ ቢርማንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 7 ለካቲት ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ሃገሮም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣብ ዝጸውዕሉ ዕለት ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ንሕዝቢ ምያንማር እናሓሰቡ፥ እቶም ኣብታ ሃገር ሓላፍነት ዘለዎም ነታ ሃገርን ሕዝብን ኣብዚ  ሰሙን’ዚ በቲ ዝተፈጥረ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከላቕቑ ተላብዮም፡ ምእመናን ምእንቲ ሕዝቢ ምያንማር ኣብ ጸሎት ክሓብሩ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ምያንማር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ምኽንያት ተፈጢሩ ዘሎ ተነቃፊ ህሞትን ዕለት 1 ለካቲት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚትን መራሒትን ኣኡንግ ሳን ሱ ክዪ ከምእተኣሰራን ብሓፈሻዉ እቲ ኣብታ ኣብ 2017 ዓ.ም. ሓዋርያዊ መገሻ ዘካየዱላ ሃገር ዘሎ ህልው ኩነታት ከምዘተሓሳስቦም ገሊጾም፥

ኣብዚ ስንኩፍ ህሞት’ዚ ንህዝቢ ምያንማር መንፈሳዊ ቅርበተይን ጸሎትይን ድጋፈይን እገልጽ፡ እቶም ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ንስኑይ ደሞክራውሲያዊ ናይ ሓባር ናብራን ናይ ሓባር ረብሓ ብምግልጋል ንማሕበራዊ ፍትሕን ንሃገራዊ ምርግጋእን ብቕኑዕ ቅሩብነት ክዓዩ እጽልይ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰንበት መዓልቲ ጾምን ጸሎትን

እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ምያንማር ዘስምዕዎ ቃል ኣብታ ናይ ቢርማንያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 7 ለካቲት ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ሃገሮም መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣብ ዝጸውዕሉ ዕለት ዝቐረበ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 7 ለካቲት ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ዘተ ሓለፋ ብምባል ዓመጽ ክንጸገን ደሞክራሲ ዳግም ክረጋገጽን ዝብልን ስብከታትን መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ነዚ ዘማእከለ ከምዝነበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ናይ ምያንማር ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቻርለስ ቦ ዕለት 4 ለካቲት ሕዝብን መንግስትን ተቕዋማትን ኣብ ሕንጸት ሰላምን ዳግም ውሕስነት ስርዓት ደሞክራስን ማሕበራዊ ሰላምን ክተግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም ከምዝነበሩን ኣብዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምያንማር ናይ ጸሎት ሓሳብ ናይ እንግልጣርን ወይለንስ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ቪንሰት ኒኮልስ ከምዝሓበሩን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እንግልጣርን ውይለስን ኣብ ምያንማር ምእንቲ ዕርቅን ናጻ ምልቓቕ ናይ ፖለቲካ ኡሱራትን ናይ ምህለላ ጸሎት ከምዘዕረገት ኣፍሊጡ።

ሰላማዊ ሕዝባዊ ኣድማ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ዕለት 7 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ሕዝቢ ምያንማር ነቲ ዕልዋ መንግስትን ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተፈጸመ ማእሰርትን ብምቅዋም ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቀቑ ዝሓተተ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየደን፡ ናይ ምያንማር ብሔራው ሰልፊ ንደሞክራሲ ውድብ መራሒት ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚት ኣውንግ ሷን ሱ ክዪን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ኣማኻሪኤን ኣውስራሊያዊ ፕሮፈሰር ሲን ቱርነልን ካልኦት ናይ ፖለቲካ ኣካላት እውን ሃለዋቶም ገና ከምዘይተፈልጠ ይንገር።

ዓለም ሓቆፋዊ ጻውዒት ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምያንማር

ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 3 ለካቲት ውብድ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቻይናን ሩሲያን ብዘቕረበኦ ተቓውሞ ምኽንያት ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ምያንማር ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብዘይ ምኹናን ናይቲ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ዝቖመ መግንስቲ ሓላፍነት ዝተረከቡ ጀነራል ሚን ኣኡንግ ሃላይንግ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባር ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቐቑን ዓመጽ ብምውጋድ ኣብታ ሃገር ደሞክራሲ ዳግም ንምርግጋጽ ክዓዩ ጻውዒት ከምዘቕረበ ክንገር እንከሎ፡ ኢንዶነዢያን ማለዢያን ናይቲ ምያንማር ብኣባልነት እትርከበሉ ናይ ደብባዊ ምብራቕ ሃገራት እስያ ማሕበር ብዛዕባ ምያንማር ዝመክር ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ይንገር።

08 February 2021, 21:43