ድለ

ዝተቐትሉ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንስቲ ኣብ ኮንጐን ናይ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባልን ዓስከረን ሃገረ ኢጣሊያ ክኣትው ዝተቐትሉ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንስቲ ኣብ ኮንጐን ናይ ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣባልን ዓስከረን ሃገረ ኢጣሊያ ክኣትው 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ብምኽንያት ኣብ ኮንጐ ዝተቐትሉ

መልእኽቲ፥ “እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናሲዮን ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስቲ ሓለዋ ጸጥታ ኣባል ቪቶሪዮ ያኮቫቺን መራሒ መኪና ተወላዲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ሙስታፋ ሚላምቦን ብዕጡቓት ሓይሊ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዝፈጠረሎም መሪር ሓዘን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስትን ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጸጥታ ልኡካነ መንግስቲ ኢጣሊያን ኣባል ብዕጡቓት ሓይሊ ዝተፈጸመ መቕተልቲ  ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣመላኺቶም፡  ነቶም ዝተቐትሉ ኣገልገልቲ ሰላም እንክብሉ ገሊጾም፡ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት ካብ እግዚኣብሔር ምጽንናዕ ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማተረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥ “እቲ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ሉካ ኣታናሲዮን ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስቲ ሓለዋ ጸጥታ ኣባል ቪቶሪዮ ያኮቫቺን መራሒ መኪና ተወላዲ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ሙስታፋ ሚላምቦን ብዕጡቓት ሓይሊ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዝፈጠረሎም መሪር ሓዘን ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣገልገልቲ ሰላም

ነቶም ዝተቐትሉ ናይ ኢጣልያ ልኡከ መንግስትን ኣባል ሓይሊ ጸጥታን ተወላዲ ኮንጐ መራሒ ማኪናን ጠቒሶም፥ “ኣገልገልቲ ሰላምን ስርዓትን ሕግን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ናይቶም ዝተቐሉ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ “ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምርግጋእን ሰላማዊ ርክባትን ክረጋገጽ ልዑል ሰብኣውን ክርስቲያናዊ ጻዕሮምን ህልው እዩ -  ቢሎም - እቶም ምስኦም ዝተቐትሉ ናይ ኢጣሊያ ኣባል ወተሃደራዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ኣገልግሎቶም በዓል ዓቢይ ሞያን ለጋስን ኣብ ቀረባ እዋን ስድራ ቤት ንኽቑሙ መደብ ዝነበሮም” እንክብሉ ዘኪሮም፡ ንኣኣቶም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራኦም ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሔር ከምእተማሕጸኑ ኣፍሊጡ።

ጸሎት

ነቶም ዝተቐትሉ ደቂ ሃገረ ኢጣሊያ ጸሎት ምእንቲ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ኣዕሪጎምን እግዚኣብሔር ሓላይ ኣብ ኢድካ ሓደ’ኳ ዝጠፍእ ከምዘየሎን ብፍላይ ብዓቢይ ስቓይን መስዋዕትን ዘገልግሉ” ቢሎም “ንዓኹም ክቡር ርእሰ ብሔርን ነመሳርሕቲ እቶም ሕይወቶም ዝሰውኡን ነቶም ብዝወረደ መቕተልቲ ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ሓዋርያዊ ቡራኬ አቕርብ” እንክብሉ ዘመሓለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 February 2021, 22:52