ድለ

ካንታላመሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቀዳማይ ኣስስተንትኖ ካንታላመሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ቀዳማይ ኣስስተንትኖ 

ካንታላመሳ፥ ምልዋጥ ናብ ናይ ወንጌል ሕይወት

“ተለወጡን ኣብ ወንጌል እመኑን” እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ፥ ምልዋጥ ማለት ንድሕሪት ምምላስ ማለት ክኸውን ኣንከሎ፡ ኢየሱስ ዘቕርቦ ተለወጡ ዝብል ጻውዒት ምስቲ ናቱ ምምጻእ ዝተኣሳሰረን ካልእ ትርጉም ከምዝለበሰ የመላኽተና

ዕለት 26 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵርያ ሮማና - ላዕለዋይ ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምሕደራ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ሓለፍቲ ኣሳቲፉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ከምእተበገሰን ካንታላመሳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስስተንትኖ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 16 ፍቕዲ 15 ኢየሱሱ ንደቀ መዛሙርቲ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ” እንክብል ዘቕረበሎም ሕቶ ኣማእኪሎም፡ እውነተይና ምልዋጥ ካብቲ ብዝዕባ እግዚኣብሔር ዘሎና ሓታትን ዘፈራርሕን ግበር ኣይትግበር ዝብልን ኣዛዚ ዝኾነ ናብቲ ገዛእ ርእሱ ብምልኣት ክህበና ናብ ዝመጽእ እግዚኣብሔር ዝብል ሓሳብ ምስግጋር ማለት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌል እውን እመኑ፥ እንክብል ወንጌላዊ ማርቆስ ዘቕርቦ ቃል ኢየሱስ ኣብ ቀዳመይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ቤተ ክርስቲያ ንኸነስተንትኖ እተቕርበልና ቅዱስ ቃል ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ ናይ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ሕመረት ገይሮም፡ ኢየሱስ ኣገልግሎቱ ብወግዒ እንክጅምር ዘሎ ሃዋሁ ኣብ ሰለስተ ኣርካን ኣንቢሮም፥

ተለወጡ ማለት እመኑ ማለተ እዩ

“ተለወጡን ኣብ ወንጌል እመኑን” እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ዘልዓሉ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባል ማሕበር ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ብጹዕ ካርዲናል ራኒየሮ ካንታላመሳ፥ ምልዋጥ ማለት ንድሕሪት ምምላስ ማለት ክኸውን ኣንከሎ፡ ኢየሱስ ዘቕርቦ ተለወጡ ዝብል ጻውዒት ምስቲ ናቱ ምምጻእ ዝተኣሳሰረን ካልእ ትርጉም ከምዝለበሰ የመላኽተና፡ “እቲ ዘመን ተፈጺሙ እዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ መጺእዩ እዩ ስለዚህ ተልወጡ፥ ምስ ዝብል ኢየሱስ ዘቕርቦ ጻውዒት ኣተሓሒዞም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምባል ማለት ምዃኑ የስተምህረና፡ ስጉምትኻ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕናዕ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም። . . . ካብቲ ግበር ኣይትግበር ዝብል ኣዛዝን ዘፈራርሕን እግዚኣብሔር ዘሎና ኣመለኻኽታ ናብቲ ኩለንተናኡ ንኽህበና ናብ ዝመጽእ እግዚኣብሔር ዝብል ሓሳብ ምስግጋር ማለት እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ካብ ስርዓትን ሕግን ናብ ጸጋ ምልዋጥ ማለተ እዩ፥ ብሕጊ ዘይኮነ ብጸጋ!

ኣብ ገዛእ ርእስኻ ካብ ምቱኳር ናብ ክርስቶስ ምትኳር ምስግጋር

ካልኣይ ኣርካን፥ ካብቲ ገዛእ ርእስኻ ምምእካል ዝብል ሕይወት ናብቲ ክርስቶስ ምምእካል ዝብል ምንባር ምስግጋር፥ እዚ ኣብቲ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ መን እዩ እቲ ዓብይን ንኡስን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንዝብል ሕቶ እንከብርሃሎም ዘስመረሉ ሓሳብ እዩ፡ “ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኣትው ኣብ ወንጌል ዝኣመነ እዩ፡ ብዘይ ከምዚ ዓይነት ምልዋጥ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ዘይሕሰብ እዩ፡ ከም ሕጻናት ምዃን ማለት ናብታ ንፈለማ ግዜ ብኽርስቶስ ዝተጸዋዕካላን ኣብቲ እዋን ናብ ዝነበርካዮን ውዕዉዕ ስምዒትን መንፈስን ምምላስ ማለት እዩ፡ ናብቲ ምስ ኢየሱስ ዝተራኸብካሉ እዋንን ኩነትን ምምላስ፡ ናብቲ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበልናሉን ናይ ገዳማዊ ዓቢይ መብጽዓ ዝፈጸምናሉን ምስ ኢየሱስ ግላዊ ርክብ ዝነበርናሉን “እግዚኣብሔር ጥራሕ ይኣኽለኒ” ዝበልናሉን ዝኣመንናሉን ኵነት ምምላስ ማለት እዩ ከምዝበሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ካብ ዝሁምነት ናብ ውዕዉዕ ተገዳስነት

ብሳልሳይ ኣርካን፥ ምልዋጥ ምስቲ ኣብ ራዕይ ዮሓንስ ዝነግሮ ናብ ኣቢያተ ክርስቲያን ምስ ዝተላእኩ ሸውዓተ ሰታሪት ኣተሓሒዞም፥ ናብቶም ናይ መርሕነት ሓላፍነት ናብ ዝነበሮም ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ፥ ብፍላይ ናብ ሊዲቃውያን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣቶኵይሮም ብጹዕ ካርዲናል ካንታላመሳ፥ ግብርኻ ኵሉ እፈልጦ እየ ኣይዝሑል ኣይምዉቕ ኢኻ፡ ብኻ ዝሑል ወይ ምዉቕ ምኾንካ` ስለዚ ኣይምዉቕ ኣይዙሕል ልብጥ ዝበለ ስለ ዝኾንካ ካብ ኣፈይ ጡፍ ከብለካ እየ! (ራእይ 3, 15 s)፡ ኣብዚ ማዕቅፍ እዚ ምልዋጥ ማለት ካብ ሓዲግነትን ዝሁምነትን ናብ ውዕዉዕ ተገዳስነትን ምዉቕነትን መንፈስ ምልዋጥ ማለት ምዃኑ ነስተውዕል፡ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዘሂፖ፥ ምልዋጥ ካብ ሓጢኣተይናነት ናብ ጽግውነት ናይ ምልዋጥ ኣብነት የቕርበልና ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ካብ ናይ ዓለም ነገራት ምምራኽ ናብቲ ብእግዚኣብሔር ምምራኽ ዝብል ምልዋጥ ተመላኽተና፡ . . . ካብ ዘይዕግበትን ዘይምሕጓስን ብስጭውነትን ምልቓቕ ማለት ምዃኑ ተብርሃልና።

ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ወሳኒ እዩ

ምልዋጥ ብኸመይ እዩ ዝፍጸም? ቅድም ቀዳድም በይንኻ እትኽውኖ ኣይኮነን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ካንታላመሳ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንማሕበርሰብ ክርስቲያን ሮማ ከተባብዕ እንከሎ ካብ ዝሁምነት ናብ ውዕዉዕ ተገዳስነት ምልዋጥ ዝብሎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ውዕዉዕ ተገዳስነት ክብል እንከሎ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝዛረብ፥ እቲ ምልዋጥ ኣባና ዝኽውኖ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት፡ . . . እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን እዚ ዓይነት ለውጢ ኣብ ሓዋርያት ዘስርጽ እቲ ጴንጠቆስጣዊ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ ውዕዉዕን ምሱጥን መፍነሳውነት ተመክሮ ንኽንገብር ዝድርኽ ምዃኑ ብዕምቆት የብርሁ፣

ካብ መንፈስ ቅዱስ ምግላል

እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ውዕዉዕ ተመሳጥ ኣብዚ እዋናዊ ታሪኽን ኤቀልስያውን ብኸመይ ኢኻ ከተሰብኦ እትኽእል? ክመቲ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ዝብልዎ ብዘይ እደ ኣታውነት መንፈስ ቅዱስ ኵሉ ከምቲ ዝነበሮ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ . . . ወይንን ህብስትን እውን እንተኾነ! ውዕዉዕ ተምስጦ ብመንፈስ ቅዱስ ተመክሮ ምግባር ንሓዋርያት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ጥምቀት ብመንፈስ ቅዱስ ምቕባልን. . . ትሕትናን ምጥዓስን ከም ሕጻን ንምዃን ስድውነት ማለት ምዃኑ ካንታላመሳ ኣመላኺቶም፥

ንመንፈስ ቅዱስ ምጽላይን ንኽዓዪ ምፍቃድን

መንፈስ ቅዱስ ብሰናይን ብዝተገብኤን ንስሓን ኣብ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮታትን በቲ ሕያው ዝኾነ መራኸብታቱ ኣቢሉ ናብቲ ቀንዲ ሓቅታት ናይ እምነት ንኸተብል ይመርሓካ፡ ብሓሴት ንሓቂ ንኽትንክፍ የብቅዓካ . . . እቲ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዘገድስ፡  ውልቃዊ ርክብ ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ህያው ዝኾነ ኢየሱስ ምግባር እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ናይ መንፈስ ቅዱስ ህላዌ ኣብ ሕይወትካ ብርቱዕ ተመክሮ እተገብረሉ እንኰ መገዲ ግና ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ብምሉእ ልብኻን ብዓቢይ ድላይን ‘ንዓ መንፈ ስቅዱስ’ ምባል ወሳኒ እዩ፡ ኢየሱስ ድማ ነቶም ንኣቦ ዝልምንዎ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦም ተመባጺዑ እዩ፡ ነዚ ዝገብር ክርስቲያን ካብ ዝሁምነት ናብ ውዕዉዕ ተገዳስነት ይሰጋገር ማለት እዩ፡ ንናይ ምስጋና ጸሎትን ንሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ኣብ ዝካየዱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መደባትን ንጡፋት ንምዃን ንቑሓት ይኾኑ፡ ኣንሕና እውን ከምኡ ንግበር! እንክብሉ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ዛዚሞም።

27 February 2021, 20:12