ድለ

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣተናጎራስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣተናጎራስ  

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጉዕዞ ንናይ ክርስቲያን ሓድነትን

ብርግጽ እቲ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለየ መገዲ እውን ይዅን ኩሉ ዝተፈላለየ ጸገም እውን ይሃልዎ፡ ናብ ሓድነት ዘብጽሕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም ክልተ መገድታት ንሓድሕዶም ኣብቲ ናይ ወንጌል ምንጪ ዝራኸቡ እያቶም፥

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 18 ጥሪ ዝጅምር ምእንቲ ንናይ ክርስቲያን ሓድነት፥ ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሳተፈ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ቅነ ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝዛዘም ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ከምዝካየድ ክፍለጥ እንከሎ፡ ንሓድነት ዝግበር ጉዕዞ ኣብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ ብኸመይ ይግለጽ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዘጋጠመ ዕንወትን ህልቀትን ስቓይን ንምልቓቕ ሰለይ ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ቡልጋሪያ ሓዋርያዊ በጻሒ ዝነበሩ ብጹዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ሮንካሊ ኣብታ ሃገር ምስ ዝነበረ ኦርቶዶክሳዊ ማሕበረሰብ ዝድነቕ ሕውነታውን ልባውን ምቅርራብ ከምዝነበሮም ይንገር። ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ - ዮሓንስ መበል 23 ኣጋጣሚ ኮይኑ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክካየድ ይደልዩን፡ ኣብ 1959 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ብወግዒ ንኽካየድ ይጽውዑን ልክዕ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣብ 1962 ዓ.ም. ወርሒ ታሕሳስ ብወግዒ እቲ ጉባኤ ተኸፍተ።

እቶም ዝሓለፉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤታት ብሓባር ክንዝክር በቲ ዓቢይን ሓድሽን ናይ 21 ክፍለ ዘመን ታሪኽ ዝኸውን ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ክካየድ ምዃኑ ዝተኣወጀ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክንሓስብ ትጽቢታትና ብዘሕድረልና ሃንቀውታ ህርመት ልባትና ክብ የብል !

ኣብ እዋን እቲ ጉባኤ፥ ኣብ እዋን ምግምማዕ ኣብ መንጐ ሮማን ቍስጥንጥንያን ተደንጊጉ ዝነበረ ሕድሕዳዊ ውግዘት ከምዝተሓከን ይዝከር፡ ሓደ እቲ ናይቲ ጉባኤ ዕዮ ዝደረሶ Unitatis Redintegratio- ናይ ሓባር ስምምዕ (ውሳኔ ዛዕባ ሕብረት ክርስቲያን) ናይ ዕለት 21 ሕዳር 1962 ዓ.ም. ውሳኔ ዛዕባ ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ሕብረት ዝምልከት ምዃኑ ይፍለጥ። በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ነቲ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣንከረድኡ፥

ኣበው ጉባኤ ጽን ብምብህሃልን ብምዝታይን - ጽን ምብህሃልን ዘተን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንዝግበር ጉዕዞ ስጒማ ዝድግፍ ገይሮም ጥራሕ ዘይኮነ ዘቕረብዎ፡ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት መመላእታ ኣንፍታት እውን እያቶም ዘቕርቡ፡ እቲ ስጓመ ኣብ ነንሓድሕካ ምፍልላጥ ዝጸንዕ እዩ  . . . Unitatis Redentegratio - ውሳኔ ዛዕባ ሕብረት ክርስቲያን, 9  ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቓዊ ትምህርቲ ብግልጺ ምቕራብ ግድን ይኸውን፡ እዚ ኸኣ ንዘተን ኣብ መንጐ ዝተፈላያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ፍልልያት ምእንቲ ክስገር እዩ፡ ‘ናይ ዝተፈላለዩ ኣሕዋት ስምዒት ምፍላጥ የድሊ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ሓቅን ኣብ ቅኑዕን መንፈስን ዝተርመኰሰ መጽናዕቲ ምግባር ኣድላዪ እዩ። ካቶሊካውያን ብጽቡቕ ተሰናድዮም ናይ ዝተፈላለዩ ኣሕዋትና ትምህርቲ ሃይማኖትን ታሪኽን መፍነሳዊ ሕይወትን ስርዓት ሊጡርጊያን እምነትን ስለ ልቦናን ሕንጸት ኣእምሮን ብምጽናዕ ዝበለጸ ፍልጠት ክህልዎም ኣድላዪ እዩ’፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ኣገባብን ሜላን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያ ኣብ ምብሳር እምነት ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ምስ ኣሕዋት ንዝግብር ዘተ መሰናኽል ክኸውን የብሉን፡ ብምሉእ እቲ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ብብሩህ መገዲ ከምዝግለጽ ምግባር ብዘይመጠን ኣድላዪ ኢዩ። ካብቲ ንንጽሕና ካቶሊካዊ ትምህርቲ ዝጐድእን ንሓቀይናን ርጉጽን ትርጒሙ ዘህስስን ናይ ሓሶት ዕርቂ ዝኸፍእ ጸረ ምንቅስቓስ ሓድነት የልቦን (11 ረአ)፡ ብግልጽን ብትኽክልን ምዝራብ (arthos)ን ኣስተውዓሊ ብዝኾነ ኣገባብ ምቕራብ የድሊ። እቲ ሕድሕዳዊ ዘተ፡ ቅኑዕ ናይ እምነት ተመክሮ ምክፋልን ንነፈሲ ወከፍ መንፈሳዊ ዘጸገውን ኣብ ሕውነት ዝጸንዔ ወንጌላዊ ምትእርራም ይሓትት፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋን ካብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ብርሃንን ብዘይ ምፍታሕ፡ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ክርስቲያን ኣብታ ዝተፈልየት ሰሙን (ምእንቲ ሓድነት ናይ ጸሎት ቅነ) ወይ ንበዓለ ጰራቅሊጦስ ናይ ታስዕቲ ጸሎት ዝገብሩን ከምኡ እውን ኣብ ምቹእ እዋን ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ሓደ መታን ክኾኑን ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ጽን ብምባል ኣብ እዋንና ንፍጥረት ሰብ ስኑይን ውሁድን ምስክርነት መታን ከቕርቡ ክጽልዩ እዮም።

እቲ Unitatis redintegratio-ሕብረት ክርስቲያን ዝብል ውሳኔ ኣብ 1964 ዓ.ም. ክጸድቕ እንከሎ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1964 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መሬት ምብጻሕ ኣካይዶምን ሰውራዊ ተግባር ይፍጽሙ፥ ምስ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣተናጎራስ ብትኽክል ዕለት 5 ጥሪ ተራኺቦም ይተሓቛቖፉ፥ ኣብቲ ርክብ፥

ብርግጽ እቲ ጉዕዞ ኣብ ዝተፈላለየ መገዲ እውን ይዅን ኩሉ ዝተፈላለየ ጸገም እውን ይሃልዎ፡ ናብ ሓድነት ዘብጽሕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቶም ክልተ መገድታት ንሓድሕዶም ኣብቲ ናይ ወንጌል ምንጪ ዝራኸቡ እያቶም፥ ስለዚ እቲ ናይ ሎሚ ርክብ ክርስቶስ ብደሙ ቤተ ክርስቲያን ኣብታ ዝመስረተላ መሬት ክፍጸም ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ሰናይ ለበዋ ክህሉ ቢልና ንሓስብ? ዝኾነ ኮይኑ እዚ ርክብ ኣብ ቅድስቲ መሬት ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይዅኖ ወትሩ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ክርስቲያን ዝብል መጸውዕ ብቑዕ ክኸውን ናይ ዝገብር ጥልቂ ድላይ ኣስተርእዮ እዩ፡ እቲ ምግምማዕ ንምስጋርን ፈላላይ መናድቕ ንምእላይን ብሓባር ምዕያይ ኣብቲ ኣብ ናይ ዕርቂ ጉዕዝ ንምስጓም ዝመርሕ ድላይ እዩ፡ እቲ ኣብ ጉዳይ ጠመቓዊ ትምህርቲ ድዩ ኣብ ሊጡርጊያን ስርዓትን ንሓቂ እሙን ምዃንን ኣብ ፍቕሪ ምርድዳእን ዝብል ኣስተንፍሶ ብዝገበረ ኣገባብ ኣብ ግዜን ቦታን ዝርአይ ይኸውን

ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ዘስመሩሉ መደረ ከምዘስምዑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1965 ዓ.ም. የዛዝሙ እምበር እቲ ሓድነት ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ክርስቲያን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብኡ ዝጠቓለል ዘይኮነ ወትሩ ኣብ ልቦም ህያው ኮይኑ እዩ ዝቕጽል። ሰንበት ዕለት 24 ጥሪ 1971 ዓ.ም. ኣብ እዋን ማእከል ዝሑል ውግእ ዓለም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ብዛዕባ እትሳደድን ከተጽቅጥን ኣፋ ክትዓብስን ዝወረዳ ጸቕጥን ኣብ ውሽጣ ብዝተፈጥረ ምግምማዕን ምኽንያት ከይተረፈ ብዙሕ እትሳቐይ ቤተ ክርስቲያንን ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጐ እቶም ዝተፈላለዩ ኣሕዋት ዝጐደለ ስንይት ንቕኑዕን ግልጽን ዘተ መቕድም ምዃኑ እንከተሕሳስቡ፥

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም ብሓባር ጸሊናን፥ እቲ ጸገም ወትሩ ርህውን ዓቢይ ቃንዛን እዩ፡ ኣብቲ ናይ ሓንትን እንኮን ቤተ ክርስቲያን መስራቲ ክርስቶስ ድላይ ጸኒዕና እውን ምእንቲ ሓድነት እተን ዝተገማምዓ ኣቢያተ ክርስቲያን ጸሎትና ኣቕሪብና ኢና፡ ጸሎትና እውን ቀጻሊ እዩ፡ እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ’ዚ ኣብ ቅድሚ ፍቕርኹም ነቕርቦ፡ ምእንቲ እታ እትሳቐይ ዘላን እቲ ናይ ጽሞና ቤተ ክርስቲያን ማለት እታ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም እትርከብን ሕጋዊ ናይ ሕይወት ናጽነትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ክብሪ ዘጠቓልል ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘይኽበረሉን ( . . . ) ኣብ ስቓይን ኣብ ፍሉይ ኩነትን እትርከብ ቤተ ክርስቲያን።  ገሊኣተን ኣብታ ፍቕርቲ ዝኾነት ‘ሓዳስ መሬት ክርስቶስ’ ኣፍሪቃን . . . ቤተ ክርስቲያን ኣበይ እዩ ኣብ ስቓይ ዘይትርከበሉ!  . . . ዘይእሙናትን ጠላማትን ብዝተፈላለዩ ዓይነት ተቓውሞን ድላያትን ደቓ እውን ከይተረፈ እትሳቐይ፡ እታ ፍሱህ ስኒት እምነትን ፍቕርን ዝንበረላ ስፍራ ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣበይ ኣላ?

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብትኽክል ድሕሪ 15 ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናብ ወጻኢ ከተብልን ናብተን ዝተፈለያ ቤተ ክርስቲያን ዝርከባሉ ስፍራ እውን ከተቕንዕን ዝብል ናይ ሰላም ድላይ ብምስዓብ ኣብ ኣሲዚ ኣብ ትሕቲ ሓልዮ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ናይ ሓባር መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ክካየድ ዓዲሞምን እዚ ሶውራዊ ተግባር ተባሂሉ ዝግለጽ መደብ ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ምእንቲ ሓድነት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን፥

ናብቲ ሳልሳይ ሺሓዊ ዘመን ክርስትና ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎናሉ  እዋን ንሕና ከም ሕዝበ ክርስቲያን ኣብዚ መንፈስ ቅዱስ ንኽንማህለል፥ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ሓቢርና ንርከብ፡ ንዓለምና ብፍቕሩን ሰላሙን መታን ከቕንዖ። እምነትና ከምዘስተምህረና ሰላም ኣብ ኢየሱስ ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ብጸሎት ክግለጽን ነቲ ናይ ዓለም ፍጻሜ ኣብ ኣእዳዉ ንዝሓዘ ንኣኡ ብጸሎት ንኽንሓትቶ ይምህረና፡ እዚ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ናይ ዝግበር ጻዕሪ ኣገዳሲ ክፍሊ እዩ፡ ኩሉ ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ማሕበረ ኤቅለስያውያንን ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት እናዓበየን እናሰፈሐን ዝኸይድ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ይምስክሮ። እቲ ናይ ሓባር ጸሎትና ኣብ ልባትና ዝነግስ ኢየሱስ ከም ሰዓብቱ ምዃንና ንመላእ ዓለም ንኸነበስርን ሰላም ንኸነብጽሕን ልኡኻቱ ኣብ ምዃንና ‘ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ” (2ቆሮ። 5, 18)። ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኺዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሐዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ፥ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ሰላሙ ኣብ ምብጻሕ ንክንዓዪ ፍሉይ ሓላፍነትን ግዴታን ኣሎና”።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

27 January 2021, 15:37