ድለ

2017.12.02 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2017 ዓም ኣብ ሆስፒታል ባንግላደሽ ሕሙም ክበጽሑ 2017.12.02 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብ2017 ዓም ኣብ ሆስፒታል ባንግላደሽ ሕሙም ክበጽሑ  

ምስ ሕሙማት ኣብ ዝግበር ርክብ ኣምሰሉነት ወጊድ ንበሎ! ቀዳምነት ንልባዊ ርክብ ንሃብ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ብዓለምለኸ ዕለት ካብ ዝዝከሩ ሓደ ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን እዩ። እዚ ምስ በዓለ ቅድስት ማርያም ዘሉርድን ምጅማር ጾመ ኣርባዓን ዝተሓሓዝ ኰይኑ ንዝኽሪ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ገለ ንምግባር ንምዝኽኻር እዩ። ሎምዘመን ንመበል 29 ግዜኡ ክዝከር ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ ከም ወትሩ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ነዚ ዕለት እዚ ዝምልከት መልእኽቲ ከምዝጸሓፉን ጉዳይ ጥዕና ሓባራዊ ሠናይ ነገር ስለዝኾነ ብሓባር ቀዳምነት ንኣኡ ክንህብ ኣዘኻኺሮም። ዓቢጡ ብምሓዝ ዓቅልና ኣጸቢቡልና ዘሎ ሎበዳ ኮቪድ 19 ዘግሃዶ ጉዳይ እንተልዩ ሓለዋ ጥዕና ብዙሕ ጐዲሉ ከምዘሎ ምናዳ ንሽማግለታትን ድኹማት ክፍሊ ሕብረተሰብናን እኹልን ምዕሩይን ሓለዋ ጥዕና ከምዘይካየድ ኣመልኪቶም።

ዜና ቫቲካን!

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉርድ ንዝመጽእ ዕለት 11 ለካቲት 2021 ዓም ምዃኑ ዝዝከር እዩ። ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም ምስዚ በዓል እዚ ንዝተሓሓዝ ዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን ዝኸውን መልእኽቲ ጽሒፎም። ቀንዲ ኣተኲሮ መልእኽቶም ሕማም ኩልና ዝኾነ ኣምሰሉነት ከምቲ ጐይታ ወይልኹም እናበለ ነቶም ዘረባ ጥራይ ኰይኑ ምንም ዘይገብሩ ዘጠንቅቆም ቅዱስነቶም እውን ‘ካብ ሓደጋ ኣምሰሉነት ተጠንቀቁ። አምሰሉታት ይዛረቡ እንተኾነ ምንም ኣይገብሩን። ምናዳ ኣብ ርክብ ሕሙማን ዝርኢ ብኣፍ ጥራይ ይዋእ ዝሓወይ ወይውን ዝሓውተይ እናበልካ ብኣፍ ጥራይ ካብ ምዝራብን ምንም ዘይምግባርን ርሒቅና ቅርበትና ልባዊ ኰይኑ ምናዳ ካብቲ ልዕሊ ዝኾነ ሕማም ንሕሙማት ዝኸብዶም ተነጽሎን ብሕታውነትን ጽምዋን ክነገላግሎም ሓደራ ኢሎም። ማሕበረሰብ ብዝበለጸ ሰብኣዊ እትኾነሉ ይብሉ ቅዱስነኦቶም፡ ንድኹማትን ተኣፈፍትን ዝኾኑ ሕሙማታ ብፍቅሪ ሕውነት ዝተዓለሰ ሓልዮትን ምክንኻንን እንክትገብር እዩ እዩ። ከም ኣርእስቲ ዝመርጽዋ ከኣ ካብ ማቴ 23.ይ ዝተወስደት ‘ጐይታኹም ሓደ ጥራሕ እዩ ንስኹም ኩሉኹም ኣሕዋት ኢኹም’ እትብል እያ። ኣብ ምክንኻን ሕሙማትከስ መሠረታዊ ዝኸውን ናይ ሕውነት ርክብ ማለት ናይ ምትእምማን ርክብ እዩ። ነዚ ከኣ ሎሚ ከም ሎሚ ዓለም ምሉእ ብለበዳ ኮቪድ 19 ትሕመሰሉ ኣብ ዘላ ሓሳቦምን ቀልቦምን ኣብ ግዳያት ናይዚ ሕማም ምዃኑ ምናዳ ኸኣ ንዝደኸዩ ክፍሊ ሕብረተሰብና ከምዝሓስቡ ገሊጾም።

ንክንክን ሕሙማት ቀዳምነት ሂብካ ወፍሪ ርእሰማልን ሰብን ምግባር!

ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዘስዓቦም ብዙሓት ኣሉታዊ ነገራት ንምጥቃስ ብቀንዱ እቲ ዘይእኹል ኣገልግሎት ጥዕና ምናዳ ምናዳ ንዝሓመሙ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ዝረኤ ጉድለት ብሓቂ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶ፡ ኩሉ ሕሙም እኳ ጽጉምን ረድኤት ዘድልዮን እንተኾነ እቲ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ዝኾነ ክፍሊ ሕብረሰብና ማለት ብዕድመ ዝሸምገሉ ካልእ ድኻሞት ዝነብሮም ብባህሪኦም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብና ኣብ ርእሲ እቲ ድኽነቶምን ጸገሞምን ሕማም ወሪድዎም ክሳቀዩ ከለው ዝኣክል ኣገልግሎት ሕክምና ዘይምርካቦም ዝገደደ ከኣ ምዕሩይ ዝኾነ ኣገልግሎት ናብ ዘይምብጽሑ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ። እዚ ጸገማት እዚ ብዓንዲ ርእሱ ካብ ማሕበረሰባት ዝገብርዎ ፖሎቲካዊ ምርጫታትን እቶም ብምረጹኒ ምረጹኒ ሓላፍነት ዝተቀበሉ መራሕቲ ሓላፍነቶም ብዝግባእ ከበርክቱ ዘይምኽኣሎምን ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ንክንክን ሕሙማት ቀዳምነት ምሃብን ወፍሪ ርእሰ ማልን ክኢላዊ ዓቅሚ ሰብን ምግባርን ወዓል ሕደር ዘየድልዮ ምስቲ ጥዕና ሓባራዊ ጉዳይ ኩሉ ሰብ እዩ ቀዳምነት ከኣ ይወሃቦ ዝብል መሰል ወይውን መሪሕ ጥዕና ከኣ ይተኣሳሰር። ርግጽ እዩ ነዚ ወፍሪ እዚ ዘካይዱ ሰብ መዚ እኳ እንተኾኑ ልግሲ ናይ ብዙሓት ሰባት እውን ከምዘድሊ እኳ ደኣ ኣብ ጽጉም ግዝያት እዞም ብሱቊታ ሠናይ ነገር ብሱቊታ ብወልታኦም ዘበርክቱ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባትዮን ከምዘለው ነዚኦም ከኣ ብሱቊታ ዘገልግሉ ሠራዊት ክንብሎም ንኽእል። እዚ ናይ ብስቊታ ዘገልግሉ ወለንተኛታት እዚኦም ንጐረባብቶም በቲ ናይ ሕውነትን ኩልና ኣባላት ሓንቲ ሥድራቤት ኢና ዝብል መሪሕነትን እዮም ዝምልከትዎም ኢሎም።

ኣብ መንጎ ሓኪምን ሕሙምን ዝግበር ልባዊ ርክብ ወሳኒ እዩ!

ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከምዝበሃል ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ጥዕናን ክንክን ሕሙምን ቀንዲ መዐወቲ ስልቲ ዝበህላ ኩነታት ርክብ ተሓካምን ሓካምን ኰይኑ እዚ ልባውን መንፈስ ሕውነትን ዕርክነትን ዝዓሰሎን ምስ ዝኸውን ነቲ ተሓካሚ ከማኻ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ገቢርካ ምስ እትከናኸኖ ንጉዕዞ ምሕዋዩ ዓቢ ጉዳይ ገርካ ዋጋ ከም ምሃብ ዝዓቢ ነገር የለን ይብሉ። ቅዱስነቶም ዝምነዮ ዓይነት ርክብ ተሓካምን ሓካምን እንክገልጹ ‘ኣብ መንጎ ሕክምና ዘድልዮምን ዝሕክምዎምን ዘሎ ርክብ ኣብ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ተመሥሪቱ ንክብሪ ሕሙም ዘማእከለ ንክኸውን ዓቅሚ ክኢላ ሓለውቲ ጥዕና ክብ ንምባል እናተቃለስካ ከምኡ እውን ምስ ስድራቤት ሕሙማት ጽቡቅ ርክብ ብምፍጣር ክሕገዝ ይከኣል’ ኢሎም።

ማንም ሰብ ካብ መልከፍቲ ኣምሰሉነት ነጻ ኣይኮነን!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝዛረቡ ግን ምንም ዘይገብሩ ክገንሕ እንከሎ ዘቅረባ ቃል ወንጌል ምስትውዓላ ንዓለምለኸ ዕለተ ሕሙማን ጽቡቅ ሓገዝ ክተብርክት ከም እትኽእል ዝገለጹ ቅዱስነቶም፡ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ‘ምኽንያቱ ማንም ካባና ካብ ኣምሰሉነት ሓራ ኣይኮነን’ ይብሉ። እዚ ጸገምዚ ልዕሊ ኩሉ ከም ደቂ ሓደ ኣቦ ኰና ካብ ምስራሕ ዓዲ የውዕለና ክንዕንብብ ክንዓቢ ኣይንኽእልን! ነቲ ኩልና ኣሕዋት ኣብ እትብል ሓዋርያት መልእኽቲ ዝተገልጸ ሓባራዊ ሕውነትና ብግቡእ ንምንባር ይዕንቅጸና። ብቀንዱ ከኣ ነቲ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ ዝተባህለ ኣብ ግብሪ ብምዕዛብ መኻን ዝኾነ እምነት ሒዝና ብቃል ጥራይ ምስ እንነብር ኣምሰሉታት ንኸውን። በዚ ከኣ ንግድነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ርኢና ከምዘይራኣና ወይውን ብኣፍና ጥራይ ይዋእ እናበልና ብዘይምንም ተግባር ምስ እንነብር ኣብ መንጎ እቲ እንእመኖ ሃይማኖትን እንነብሮ ሕይወትን ምንም ርክብ ዘይብሉ ዳርጋ ተገራጫዊ ናብራ ንነብር ማለት እዩ ኢሎም።

ኢዮብ ጻድቅን ሕቶ ትርጉም ሕማም ዘስዕቦ ተጽዕኖን!

ኣብ መጽሓፈ ኢዮብ ተመልኪቱ ከምዘሎ ብሕማም ዝሳቀ ሰብ ቅድሚ ዝኣገረ ጽግዕተኛ ናይ ምዃን ስምዒት ከምዝወሮ እንክምልከት እዚ ኣብ እግዚአብሔር ብምትእምማንን ምጽጋዕን ክስገር ከምዝከኣል እኳ እንተተገልጸ ቅርበት ናይ ሰባት ብዝበለጸ ከምዘድልዮን እዚ ቅርበት እዚ ከኣ ዓቢ ምጽንናዕ ዝህብ ዳርጋ ብተስፋ ምቅባእ ይኸውን። ምኽንያቱ እቲ ሕሙም ባዕሉ ንባዕሉ ምንም ክገብር ከምዘይክእል ዓቅሙ ማህሚኑ ስንቂ ተስፋ ኣብ ዝደልየሉ ሁመት ስለዝርከብ እዩ። ካብዚ ሕልፍ ኢሎም ቅዱስነቶም ሕማም ካብ ዘስዕቦም ዓበይቲ ቅልውላዋት ትርጉም ናብራን ትርጉም ሕማምን ዝሕተተሉ ናይ ህላዌን ትርጉሙን ኣስተትኖ እውን ከምዝቅልቀል ገሊጾም። እዚ ሕቶ እዚ ኣብ እምነትና ብቀጥታ ናብ እግዚአብሔር ዝቀርብ እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ኢዮብ ጻድቅ እዩ። ኢዮብ ጻድቅ ብሕማም ማሲኑ ኩሎም ምስ ጠንጠንዎን በይኑ ምስ ተረፈን ዝገደደ ከኣ ክንዲ ዘጸናንዕዎ ክወቅስዎን ክኸስዎን እንከለው እቲ ዝነበረ ቅልውላው ናብ ዝገደደ ሃለፍታ ገጹ ከምዝደፍእ ይገብርዎ። እንተኾነ ኢዮብ ጻድቅ በዛ ተኣፋፊት ኩነት እዚኣ ገሩ እዩ ነቲ ዘየቋርጽ ገዓሩ ናብ እግዚአብሔር ብቀጻሊ ዘዕርግ እግዚአብሔር ከኣ ይሰምዖን ይምልሰሉን። እቲ ኩሉ ስቃዩ መቅጻዕቲ ከምዘይኮነ የረጋግጸሉ። ከምኡ እውን ርሕቀት እግዚአብሔር ዝገልጽ ከምዘይኮነ የብርሃሉ። በዚ ከኣ ኢዮብ ዓቢ ምጽንናዕ ተኣንጊቡ ‘ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ክዛረቡ ብምስማዕ ጥራሕ እየ ዝፈልጠካ ሕጂ ግን ኣዕይተይ ርኢየናኻ’ ዝብል ናይ ምጽንናዕን መስተርሆትን ቃላት የንጐድጒድ። እዚ ካብ ግለሰባት ዝሕተት ቅርበት ናብ ሕሙም ብደረጃ ማሕበረሰብ እውን ክኸውን ኣለዎ ማለት እታ ሕሙም ዝነብረላ ማሕበረሰብ ከም ኣካላ ክትቀርቦ ኣለዋ ኢሎም።

ብደረጃ ማሕበረሰብ እውን ቅርበት ክግበር የድሊ!

ነዚ ቅርበት እዚ ኣብነት ዝኾነ ብምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝግለጸ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓንዲ ርእሱ ኰይኑ ንሱ ሕያዋይ ሳምራዊ ኰይኑ ብሓጢኣት ንዝቈሰለ ነፍሲወከፍ ሰብ ቀረባኡ እናኾነ ተከናኺኑ። እዚ ከምዚ ዓይነት ቅርበት ነቶም ብሕማም ዝሳቀዩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብደረጃ ማሕበር እውን ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ሕውነታዊ ፍቅሪ ክትሓዊ እትኽእል ማሕበር ስለዝወልድ ንማንም ዘይተጓኒ ማሕበረሰብ ብምዃን ምናዳ ነቶም ድኹማትን ተኣፈፍትን ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ትቅበሎም። ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ኩሉ ግዜ ንገጽታ ኢየሱስ ኣብቶም ሕሙማት ርእዩ ብምኽኣል ብኣካል ብኢዱ ነቲ ዝሳቀ ስጋ ብምትንካፍ ብተግባር እምበር ብዘረባ ወይውን ብሓሳብ ጥራይ ዝግለጽ ቅርበት ኣይኮነን። ከመይ እቲ ቊምነገር ብሓሳብን ዘረባን ዘይኮነ ብኣካል ቀሪብካ ምግልጋል እዩ። ነዚ ኣብነት ዝኾኑና ብዙሓት ንሕሙማት ብምግልጋል ዝተቀደሱ ዝሃብዎ ምስክርነት እዩ።

ንሕሙማት ብምግልጋል ዝተቀደሱ ምስክርነት!

ምስ ሕሙማት ዝግበር ርክብን ኣገልግሎትን በቲ ዘይነጽፍ ኣገልግሎት ግብረ ሠናይ ክርስቶስ ተመሥሪቱ ንብዙሓት ምኽንያት ቅድስና ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሺሕ ዓመታት ኣሠር ክርስቶስ ስዒቦም ንሕሙማት ብምግልጋል ናብ ደረጃ ቅድስና ዝበጽሑ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሕያው ምስክር’ እዮም ኢሎም። ካብ ምሥጢረ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፍልፍል ጸጋኸስ ነቲ ብሕማም ዝሳቀ ትርጉም ሕይወቱን ሕማሙን ንምሃብስ ይኹን ነቲ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ኩነታት ንዝርከብ ብምግልጋል ዝርከብ በረኸት ከምቲ ኣብ ወንጌል ተገሊጹ ዘሎ ኰይኑ ንረኽቦ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕሙማት ከሕውዮም ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ምትሓታዊ ናይ ጥንቆላ ሓይሊ ተጠቂሙ ዘይኮነስ እቲ ምሕዋይ ከይዲ ርክብ እቲ ሕሙምን እግዚአብሔርን ኰይኑ ብእምነት እቲ ዝቅበሎ ዝምዘንን ምስ እምነት ዝመዛዘንን ነበረ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም እታ እመ ምሕረት ኣደ ምሕረት ከምኡ እውን ኦ ፈዋሲተ ሕሙማን እንዳበልና እንልምና ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ካብቲ በዓላ እነኽብረሉ በዓቲ ሉርድ ከምኡ እውን ቈጺርካ ዘይውድኡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መካነ ንግደታታ ንእምነታ ትደግፍ ብሕውነታዊ ፍቅሪ ነንሕድሕድና ክንደጋገፍን ክንከናኸንን ትርድኣና እንክብሉ መልእኽቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

14 January 2021, 19:59