ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ትርጉም ኣልባን ኣረመናውን ተግባር” እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ትርጉም ኣልባን ኣረመናውን ተግባር” እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ዒራቕ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ “ትርጉም ኣልባን ኣረመናውን ተግባር” እዩ

ኩሉ ብሕውነትን ምትሕብባርን ሰላምን ነቲ ዓመጽ ኣብ ምብዳህ ከምዝዓዩ ዘለዎም እምነት ይገልጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ዒራቕ ማእከል ርእሰ ከተማ ባቕዳድ ብለኪምካ ምጥፋእ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ንዘግጠሞምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ከምዝጸለዩን ዝተሰምዖም ሓዘን እውን ከምዝገለጹ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔር ባርሓም ሳሊሕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ 28 ሰባት ከምእተቐትሉ ካብ ዒራቕ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ክታሞም ዘንበሩሉ ብስም ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ ርእሰ ብሔር ሳሊሕ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ቅዱነቶም በቲ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ጣያርና ዝተፍጸመ ሽበራዊ  መጥቓዕቲ ብጥልቂ ሓዘን ይስምዖም“ በቲ ዘሰንብድ ጭካኔ ዝተመልኦ ትርጉም ኣልቦ መጥቓዕቲ ንዝተቐትሉን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ዝተሃሰዩን ነቶም ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ስፍራ ዘገልግሉ ንዘለዉ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ሓደጋ  ኣባላትን ነቶም ዝተጐድኡ ኣብ ምእላይ ንዝርከቡን ኵሎም ይጽልዩ” ቢሎም - ኩሉ ብሕውነትን ምትሕብባርን ሰላምን ነቲ ዓመጽ ኣብ ምብዳህ ከምዝዓዩ ዘለዎም እምነት ይገልጹ”’ ቅዱስነቶም ነቲ መልእኽቶም - ኣብ ልዕሊ ዒራቕን ህዝቢ ዒራቕን ካብ ከሃሌ ኵሉ እግዚኣብሔር ቡራኬ ይምሕጸኑ” ብዝብል ሓሳብ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ

እቲ ንጐሆ ዕለት 21 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ኣብ ባቕዳድ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 28 ዜጋታት ከመእተቐትሉን ልዕሊ ሰብዓ ዝግመቱ ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን ካብኣቶም ብዙሓት ብኸቢድ ዝተጐድኡ ምዃኖም ይንገር። እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ካብ ኣደባባይ ታሕሪር ቁርብ ርሕቅ ቢሉ ኣብ ዝርከብ ስፍራ ዝተፍፈጸመ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዒራቕ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ካብ ዘይርአይ ዓመትን ሽዱሽተ ውርሕን ከምዘቑጸረን በቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወረሒ ሰነ ዝተፈፈጸመ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት ክቕተሉ፡ ዕስራ ዝግመቱ ናይ ማህሰይቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ዘዘኻኽረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣሸባርነት

ናይቲ ዕለት 21 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተሓታቲ እየ ዝበለ ሓደ ኣካል ከምዘየሎን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣደባባይ ጣያራን ዝተፈጸመ ለኪምካ ብናይ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያ ሳላሳ ሰባት ከምዝሞቱን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ እውን ባቕዳድ ካብ ዝርከቡ ኣብ ሓደ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ኑቕጣ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ሰባት ከምእተቐትሉን ሳላሳ ዝግመቱ ከኣ ማሕሰይቲ ከምዝወረዶም የዘኻኽር።

21 January 2021, 17:42