ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢንዶነዢያ ደሴት ሱላወዚ ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ኣዳዳ ንዝኾኑ ይጽልዩ

ኣብታ ርእደ መሬት ዝተኸስተላ ደሴት ሱላወዚ ናይ ሓደጋ ምክልኻል ሓይሊ ኣባላት ነቶም ሃለዋቶም ገና ዘይተረኽቡ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም የገልግሉ ከምዘለዉን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ኢንዶኖዥያ ዘጋጠመ ርእደ መሬት እናሓሰቡ ምእንቲ እቶም ኣደዳ ዝኾኑን ዕለት 9 ጥሪ ብዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ከምዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።


ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢንዶነዥያን ደሴት ሱላወዚ ብዝተኸስተ ርእደ መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ እናሓሰቡ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 56 ዜጋታት እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቲ ክቕበሎም ጸሎቶም ከምዘዕረጉዕን ዕለት 15 ጥሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ እውን ክዝከር እንከሎ፥

ምእንቲ ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ቤትን ንብረትን ንዝሰኣኑን ንስእነት ስራሕ ዝተቓልዑን፡ ነቶም ዝተጐድኡን ኵሎም እግዚኣብሔር ከጸናንዖምን ኣብ ድጋፎም ንዝርከቡ ናይ ሕጹጽ ሓደጋ ኣገልግሎት ሰራሕተይናታት እግዚኣብሄር ሓይሉ ጽግዎም እጽልይ፡ ብሓባር ምእንቲ ኣሕዋትና ተቐማጦ ደሴት ሱላወዚ ንጸልይ፡ ምእንቲ እቶም ብዘጋጠመ ናይ ነፋሪት ሓደጋ እውን ሕይወቶም ንዝሰኣኑ ኵሎም ንጸልይ!

ከምዝበሉን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብታ ርእደ መሬት ዝተኸስተላ ደሴት ሱላወዚ ናይ ሓደጋ ምክልኻል ሓይሊ ኣባላት ነቶም ሃለዋቶም ገና ዘይተረኽቡ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም የገልግሉ ከምዘለዉን፥ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ 56 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞምን፡ ብጠቕላላ 820 ማይህሰይቲ ከምዘጋጠሞምን ካብኣቶም 200 ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶምን፡ 15 ሺሕ ዜጋትት ቤቶምን ንብረቶምን ጠንጢኖም ኣብቲ መንግስቲ ኣብ ዘቖሞ ግዚያዊ መእለዪ ማእከል ከምዝርከቡን ትካላትን ኣገልግሎት መውሃብን ኣባይቲ መሸጣን ከምእተዓጸዋን፡ ነቲ ብርእደ መሬተ ዘጋጠመ ሓደጋ እቲ ዘሎ ናይ ዝናም ወቕቲ ኣዚዩ የተሓላልኾ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን ካብ ኢንዶነዥያ ዝወጹ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

17 January 2021, 15:37