ድለ

“ንዓ ርኤ” (ዮሓ. 1, 46)፥ ንሰባት ኣብ ኣበይነቶምን ከመይነቶምን ምርኻብ! “ንዓ ርኤ” (ዮሓ. 1, 46)፥ ንሰባት ኣብ ኣበይነቶምን ከመይነቶምን ምርኻብ! 

“ንዓ ርኤ” (ዮሓ. 1, 46)፥ ንሰባት ኣብ ኣበይነቶምን ከመይነቶምን ምርኻብ!

እቲ “ንዓ ርኤ” ዝብል ጸዋዕታ ናይ እውነተይና ሰብኣዊ ርክብ ኣገባብ እዩ፡ እዚ ናይቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ሕመረት ክኸውን እንከሎ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕለት 24 ጥሪ ምስ መዓልቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ  ደ ሳለስ ሓላዊ መራኸቢ ብዙሓንን ሰብ ሙያ መራኸቢ ብዙሓንን ጋዜጠይናታት ተተሕሒዙ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን “ንዐ ርኤ” (ዮሓ. 1, 46) ኣርእስቲ ዘንበርሉ መበል 55 መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ፡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ መልእኽቶ፥ ንሰባት ኣብ ኣበይነቶምን ከመይነቶም ምርኻብ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ኣመላኺቶም፥ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሓደ’ኳ ክኸዶ ዘይደሊ ስፍራ ምርኻብ ከምዘድሊ ዘመላኽትን፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብመንጽር ሃብታ ዓለም ጥራሕ ክግለጽ ከምዘይብሉ የተሓሳስቡ፥ ካብ ኣበይነትን ከመይነትን ሰብ ዘድሊ ከምዝበሉ ዜና ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ “ንዓ ርኤ” ዝብል ጸዋዕታ ናይ እውነተይና ሰብኣዊ ርክብ ኣገባብ እዩ፡ እዚ ናይቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይቲ ዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ሕመረት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣበይነትን ከመይነትን ምርኻብ ዘተሓሳስብ እውን እዩ፡

“ንዓ ርኤ”፥ እምነት ክርስትና በዚ ኣገባብ እዚ እዩ ዝራኸብ/ዝመሓላለፍ

እቲ መልኽእቲ ቅዱስነቶም ፊሊጶስ ንናትናኤል - ንዓ ርኤ እንክብል ዘቕረብሉ ዕድመ ዘብርህ እዩ፡ እዚ ዕድመ እዚ ብርትዓዊ ኣገባብ ምግላጽ ሓሳብካ ምቕራብ ዘይኮነ ካብ ቀጥተይና ኣፍልጦን ተመክሮን ውዕሎት ክህልወካ ዝዕድም እዩ፡ በዚ መሰረት ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመት ናይቲ ናይ ሰንሰለታዊ ታሪኽ ብቐጻልነት ዝመሓላለፍን መልእኽቲ ክርስትና ኣብነት እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ምርኻብ  ቅንዕና የድሊ፡ ኵሉ ሓበሬታን መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ናይ ሕትመት ጋዜጣን እቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝቐርብ ስብከትን፥ ፖለቲካን ማሕበራውን ምርኻብ ካብቲ ንዓ ረኤ ዝብል ተመክሮ እዩ ክብገስ ዘለዎ፡ ነቲ ጭቡጥ ኵነት ዘንጸባርቕ ሓበሬታ የድሊ።

ካብቲ “ድሮ ፍሉጥ እዩ” ካብ ዝብል ትዕቢታዊ ርጉጽነት ወጻኢ ምዃን

ካብቲ ድሮ ፍሉጥ እዩ ካብ ዝብል ትዕቢታዊ  ርጉጽነት ወጻኢ ብምዃን ካብቲ ብርቱዕ ተምሳጥን ህንጡይነትን ምብጋስ ኣገዳሲ ምዃኑ  ይገልጹን ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መልእኽቶም ብሰፊሕ የብርሁ፥ ቅዳሕ ጋዜጠ ወይ ካብቲ ጥልቂ ምርምር ዝረሓቐ ንክውንነት ከምዝን ክምቲን ገርካ ኣምብቦን ኣመሓላልፎን ካብ ዝብል ካብ ሕንጻታት ዝቐርብ ዕሹግ ሓበሬታ ምጥንቃቕ ከምዘየድልን ክውንነት ዘቕርቦ ሓቂ ጽን ብምባል ነቲ ሓቂ ምቕራብ ኣብ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን መሰረት እዩ። ምስቲ ክውንነት ከይተራኸብካን ስንዳኤ ሓበሬታ ኣብ ፊት ክፒተርን ኴይናካ ሓበሬታ ምቕራብ ካብ ዝብል ብዙሕ እዋን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ካብ ዝርአይ ቅልውላው ምልቓቕ ከምዘድሊ የብርሁ።

ሰላሕታን ዕድልን መረብት

ማሕበራዊ መረብትን መርበብ ሓበሬታ ብቕዓቱ ክብ ብምባል ሓበሬታን ዜናታትን ብቕልጡፍ ክሰፍሕ ይገብር ኣሎ፡ ነዚ ርኢኻ ዘለዎ ልዑል ጥቕሚ ንጹር እዩ፡ ኣሉታዊ ጥራሕ ዘይኮነ እወታዊ ኵነታት እውን ዘቕርብ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳሰቡ ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ከይመረመርካን ከየጻረኻን ዜናን ሓበሬታን ናይ ምቕራብ ስግኣት ከምዘሎ ኣመላኺቶም፡ ካብዚ ተበጊስካ ነቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መርበብ ሓበሬታን ማሕብራዊ መረብትን ምኹናን ጌጋ እዩ፡ ስለዚህ ንዝኾነ ዝፍነው ሓበሬታን ዜናን ብሓላፍነት ክኸውን ሓላፍነት ክስምዓካን ኣብ ልልያ ዝቖመን ክኸውን ከምዘለዎ የብርሁ።

ለብዕን ድርብ ረኽስን

ኣብ መባእታ 2020 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ዝተኣታተወ ለብዒ ንናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ዓቢይ ጽልዋ ከምዝኾኖ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብመንጽር ሃብታምን ምዕቡልን ከባቢ ዓለም መሰረት ምትንታኑን ምግላጹን ስግኣት ከምዘሎ እንርእዮ ሓቂ እዩ፡ እዚ ለብዒ`ዚ ድርብ ረኽሲ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል፡ ማለት ነቲ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ክትባት መድሃኒት ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይበጽሖም እንተድኣ ኮይኑ ድርብ ረኽሲ እዩ ዝኸውን፡ ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ንእስያን ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሕዝብታት ብዛዕባ ተስፋ ከመይ ገርካ ኢኻ ክትዛረብ ትኽእል? ኣብ ሃብታማት ሃገራት እውን ዝተነጸሉን ወሰናስን ህልውና ኮይኖም ዝርከቡን ንተመሳሳሊ ሓደጋ ዝተቓልዑ እያቶም፡ ስለዚህ እቲ ናይ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ምብጻሕ ኣብ ኤኮኖሚ ዝተጸግዔ እንተድኣ ኮይኑ ድኻታት ሃገራትን ሕዝብታትን ኣብ መወዳእታ ዝስርዑ ማለት እዩ፥ እዚ ኸኣ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ናይ ኩሉ መሰልን ክብርን እዩ ዝብል ሰብኣዊ ክብሪ ምግሃስ ይኸውን፡ እዚ ክብሪ እዚ ዘለዎ ክቡሩ ዋጋ ዘህስስ ይኸውን።

ነቶም ዝተረስዑ ውግኣትን ዘዘንትዉ ጋዜጠናታት ነመስግን

ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቶም ዝተፈላለዩ ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሙያን ትብዓቶምን ተወፋይነቶምን እናሓሰቡ፥ ብፍላይ ነቲ ብዙሕ ዘይንገረሉን ዝተረስዑ ግና ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣትን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብቲ ውግእ ዝካየድሉ ከባቢ ዓለም ዝፍጸም ዝተፈላለየ ዓመጽን፥ ማሕበራዊ ዓመጽን ኢፍትሓውነትን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፍጸም ዓመጽን ብቐረባ እናተኸታተሉ ዘዘንትዉን ጠቒሶም ምስጋና ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፥ ጐይታ ናብቲ ማንም ክኸዶ ናብ ዘይደልይ ስፍራ ምኻድ ምሃረና፡ ሓቅን ደጋዊ ትርኢትን ንምፍላይ መታን ክንክእል` ኣብ ዓለም መንበሪኻ ከነለልይን ዝራእናዮ ብቕንዕና ከንዘንትውን ጸጋኻ ሃበና ብዝብል ጸሎት መልእኽቶም ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሮማ፥ ቅዱስ ዮሓንስ ዘተላተራኖ ዕለት 23 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዋዜማ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ሳለስ ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ!

24 January 2021, 15:21