ድለ

እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጒዕዞ ሕይወትና ንንስሓ ይጽውዓና! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 24 ጥሪ 2021 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምምርሖም ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ወትሩ ንንስሓን ንለውጥን ተሰናድዩ ነፍስወከፍ ግዜ ልብና ናብ እግዚአብሔርን ናብ ብጾትናን ንክንከፍት ከምዝተጸዋዕና ፈሊጥና ዝኾነ ግዜ ምሩጽ ግዜ ምዃኑ ተዲእና ክንልወጥ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

መቀጸልታ ናይቲ ንግሆ ኣብ ሰንበት ቃለ እግዚአብሔር ዘቅረብዎ ስብከት ብዚመስል ነቲ ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ማር 1.14 መበገሲ ብምግባር ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከቱ እንክጅምር ‘ተነስሑ መንግሥቲ እግዚአብሔር ቀረባ እያ’  ዝብላ ቃላት ነቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረን ብዮሓንስ መጥምቅ ጸያሔ ፍኖት ዚኣክል ምስንዳእ ዝተገብረሉን ተልእኮ ኢየሱስ ድሮ ከምዝተጀመረ ዮሓንስ መጥምቅ ከኣ ተልእኮኡ ፈጺሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምእታው ብኣኡ ኣቢሉ እውን ብሰማዕትነት ከምዝምስክር ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌል ኣብርሆም።

ምጅማር ስብከት ኢየሱስከስ ይብሉ ቅዱስነቶም እቲ ግዜ ከምዝበጽሐን ድሮ መንግሥቲ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከል ደቂሰባት ኣብ ምድሪ ከምዝወረደት ኣባላታ ንምዃን ከኣ ንስሓ ብግዲ ከምዘድሊ ምሳኡ ብምትሕሓዝ ከኣ ብወንጌል ምእማን ግዲ ከምዝኾነ ሕጽር ብዝበላ ቃላት ምሉእ ተልእኮ ድሕነት ኢየሱስ ከምዝበጽሐ ገሊጾም። ኣብዘን ቃላት ኢየሱስ ምሉእ ተልእኮ ድሕነት ከምዘሎ እዚአን ከኣ ግዜ ድሕነት ድሮ ከምዝበጽሔ ምሳኡ ከኣ ንስሓን ለውጥን ከምዘድሊ የዘኻኽረና ኢሎም።

መዓልቲ ድሕነት በጺሐ!

ማርቆስ ወንጌላዊ ካብ ኩለን ወንጌላት ዝሓጸረ እኳ እንተኾነ ብጽፉፍ መንገዲ ዝገልጾ ግን እቲ ግዜ ከምዝበጽሐ እዩ። እዚ ግዜ እዚ ከኣ ብቋንቋ ደቂሰባት እቲ ጐይታ ካብ ውድቀት ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ ዝሓንጸጾ መደብ ድሕነት ብእግዚአብሔር ዝተመደበ ታሪኽ ድሕነት ደቂሰባት ከምዝተፈጸመ ዘመልክት እዩ። ዘለዓለማዊ መደብ ድሕነት ደቂሰባት ግዜኡ ከምዝበጽሐ እሞ ብወገን እግዚአብሔር ዘድሊ ኩሉ ከምዝተፈጸመ ካብ ወገን ደቂሰባት ዝድለ ኣመን ኢልካ ብምቅባል ንስሓን ለውጢ ልብን ብምግባር ተኻፈልቲ ድሕነት ምዃን እዩ። እዚ ታሪኻዊ ግዜ እዚ እግዚአብሔር ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኽ መንግሥቱ ኣብ መንጎና ከምዝሰፍን ብምግባር ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ እግዚአብሔር ንዘመደ ኣዳም ቀረባኡ ዝኾነሉ መዓልቲ ድሕነት ከምዝበጽሐት የበስር። ካብ ዘመደ ኣዳም እትድለ ነዚ ድሕነት ተቀቢልካ ንስሓን ለውጢ ልብን ምግባር እዩ።

ድሕነትን ንስሓን!

ጥልቀትን ዕብየትን ምሥጢረ ድሕነት ዓብይ እኳ እንተኾነ ተመራሚርና እውን ክንበጽሖ ከቢድ እንተኾነ ሓንቲ ብርግጽ እንፈልጣ ግን ‘እዚ ድሕነት እዚ ነጻ ህያብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ከምዝኾነ ነዚ ነጻ ህያብ እግዚአብሔር ከኣ ካብ ደቂ ሰባት ብምሉእ ነጻነት ዝወሃብ ናይ ምቅባል መልሲ ከምዘድሊ እዚ ከኣ ነቲ ንሱ ዘቅርቦ ጻውዒት ማለት ጻውዒት ንንስሓን ለውጥን ምቅባል እዩ። ብሓጺሩ ነቲ ድሕነት ኣሜን ኢልካ ምቅባልን ነቲ ንሱ ዘቅረቦ ጻውዒት ንስሓ ኣብ ግብሪ ምውዓልን የድሊ። እዚ ለውጢ ወይ ንስሓ ንብሎ ከኣ ኣተሓሳስባና ነቲ ዓለም ዘቅረብልና ኣተሓሳስባ ገዲፍና ናይ እግዚአብሔር ንክንስዕብ እዩ። ሓሳብ እግዚአብሔር ከኣ ሓሳብ ድሕነትን ሰላምን ንሠናይናን እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ናብ ኩነታት ኣፈጣጥራናን ሓጢኣትን ምልስ ይብሉ እሞ ‘ሓጢኣት ኣብ ዓለም ዘምጽኦ ጉዳይ እንተልዩ ተጻይ ገዛእ ርእስናን ተጻይ ብጾትናን ከም እንለዓል ብዓቢኡ ከኣ ተጻይ እግዚአብሔር ከም እንሽፍት እዩ። ነዚ ንምግባር ከኣ ዝኾነ ዓይነት ምጥፍፋእን ዓመጽን ንክጥቀም ድሕር ኣይበለን’። ጐይታ ካብዚ እዩ ኣላቂቁና ነዚ ውህበት እዚ ምቅባል ከኣ ወዓል ሕደር ዘይድልዮ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ።

እነሆ መዓልቲ ድሕነት ሕጂ እያ!

እግዚአብሔር ንድሕነትን ንለውጥን ክዕድም እንከሎ ባዕልና እንገብሮ ወይ እንክእሎ ኰይኑ ኣይኮነን። ኢየሱስ መልእኽቱ ንጹር እዩ። ካባና ሠናይ ድላይን ምሉእ ቊርጺ ፍቃድ ዘለዎ ውሳኔን ጥራይ እዩ ዝደሊ እቲ ዝተረፈ ባዕሉ ከምዝገብሮ ነዚ ንክገብር ግን ካባና ዘድሊ ኣብ እግዚአብሔር ኣብ ጸጋኡን ምሉእ ብምሉእ ጽግዕተኛታት ምዃና ክስቊረና እዩ እቲ ጻውዒት ንስሓ። ናይ ዓለም ጉዳያትን ንብረትን ሃምናን ቀልብና ብምሉኡ ክቈጻጸር የብሉን ዝተመዛዘነ ኣመላኽታ ሃልዩና ንካልኦት ኣብ ምግልጋል ሃንጐፋይ ቢልካ ናይ ምቅባልን ኣብቲ ርክባትና ፍጽምና ንክህልወና ሓቀይና ለውጢ ከምዘድሊ ክንዝንግዕ የብልናን። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ኩሉ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብእንነብሮ እዩ ዝውሰን። ሕይወትና ሓጺር እዩ። ስለዚ ድሕነትና ኣብዚ ምድሪ እዚ እሞ ሓጺር ዕምሪ ሕይወትና ዝውሰን ካብ ኮነ ንስራሕ። ርግጽ እዩ ኩሉ ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኢና እንቅበሎ እንተኾነ ንኣኡ ዘሎና ፍቅሪ እንገልጸሉ በዛ ሓጻር ዕምሪ ሕይወትና እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሁመት ነፍሲወከፍ ኩነት ናብራና ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ንኣኡን ንብጾትናን ንክነፍቅር ወሰንቲ እየን። በዛ ፍቅሪ እዚኣ ከኣ ኢና ዘለዓለማዊ ሕይወት እንወርስ ኢሎም።

ግዜን ዘመን ሕይወትናን!

ቅዱስነቶም ኣብ ኩነታት ሕይወትናን ናብራናን ግዜን ዘመን ሕይወትናን ምልስ ኢሎም ሕይወትና ክልተ ህርመት ግዜ ከምዝኽተል እዚአን ከኣ እታ ሓንቲ ክንዕቅና እንኽእል ብደቃይቅን ሰዓታትን ዕለታትን ኣዋርሕን ዓመታትን ክንቆጽሮ እንኽእል እቲ ሓደ ከኣ ብዘመናት ምዕብልናና ማለት ልደት ሕጻንነት ጒብዝና ብስለት ሽምግልና ሞት እናበልና ንዛረበሉ እዩ ኢሎም። ኣብዚ ክድግፈና ዝኽእል እምነት ኰይኑ ናይ ሕይወትና ነፍሲ ወከፍ ግዜን ዘመንን መንፈሳዊ ትርጉሙ ንክንረክብ ይድግፈና። እንተደኣ ነስተውዕል ኰና ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ነፍሲወከፍ ደረጃ መንባብሮ ፍሉይ ጸዋዕታ የቅርበልና ብነጻነት እሺ ወይውን ኣይፋል ክንብሎ ከኣ ይጽብየና። ስለዚ ሓደራ ዝብለኩም ነፍሲወከፍና ኢየሱስ እናጸውዔ ብጥቃና ኪሓልፍ እንከሎ ከየስተውዓልናሉ ከይሓልፍ እዩ ኢሎም። ከመይ ጻዒት እግዚአብሔር ቀጻሊ እዩ።

እግዚአብሔር ወትሩ ምስ ጸውዔ እዩ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም ነታ ብጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ክምሕጸንዋ ዝቀራረቡ እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምዝካርን ኣብነታ ንክንክተል እሞ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ሕይወትና ከም ናታ ንድምጺ እግዚአብሔር ሰሚዕና ክንክእልን ንጸዋዕታኡ ኣለሊና ክንምልሽን ክትድግፈና ልዕሊ ኩሉ ከኣ ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ናብ ኣተሓሳስባ ፍቅርን ኣገልግሎትን ንክንልወጥ ትርድኣና እንክብሉ ምስ ተማህለሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም። 

ብድምጺ ንምክትታል!
25 January 2021, 12:11