ድለ

2019.12.13 mani giunte, mani in preghiera 2019.12.13 mani giunte, mani in preghiera 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵሎም ሓደ መታን ክኾኑ ዝብል ናይ ኢየሱስ ድላይ ክፍጸም

ኣብዘን ማዕለታ እዚኣተን ልባዊ ስኒት ብዝተነብሮ እቲ ሓደ መታን ክኾኑ ዝብል ናይ ኢየሱስ ምዕዳን ንኽፍጸም መታን

ዕለት 17 ጥሪ ናይ ካቶሊካውያንን ኣይሁዳውያንን ናይ ሓባር መዓልቲ ዘተ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ እቲ ዕለት 25 ጥሪ ምስ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ተተሓሒዙ ዝዛዘም ምእንቲ ሓድነት ናይ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቅነ ጸሎት፡ ዕለት 18 ጥሪ ዝጅምረሉ ዕለት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ሰንበት ዕለት 17 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ነዘን ክልተ ዓበይቲ ኵነታት ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ . . . ብዙሕ ፍረ ድማ ከተፍርዩ ኢኻትኵም”፥ እዚ እቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ብርቱዕ ምዕዳን ናይቲ ናይ ለምዘበን ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ሓባር ናይ ጸሎት ቅነ መርሕ ቃል ምዃኑ ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ዘኪሮም፡ ዕለት 25 ጥሪ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ምስተን ኣብ ሮማ ምስ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ላዕለዎት መንፈሳዊ መራሕቲ ሓቢሮም ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ መሪሖም ክሳተፉን በዚ መደብ ጸሎት እዚ እቲ ናይ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ቅነ ዝዛዘም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብዘን ማዕለታ እዚኣተን ልባዊ ስኒት ብዝተነብሮ እቲ ሓደ መታን ክኾኑ ዝብል ናይ ኢየሱስ ምዕዳን ንኽፍጸም መታን እቲ ልዕሊ ምስሕሓብን ውጥረትን ዝኾነ ሓድነት ክረጋገጽ ክጽለይ እዩ፡

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ኣተሓሒዞም እውን ዝኽሪ መበል 32 ዓመት ስንዳወ ናይ ክርስቲያንን ኣይሁድን ናይ ሓባር ዘተ ዝዝከረሉ ዕለት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም “እቲ መበል 32 ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ናይ ክርስትያንን ኣይሁድን ናይ ሓባር ዘተ ናይ ሕውነትን ናይ ምትሕብባርን ፍድፋድ ፍረ ከዕስል እምነይ” ከምብዘሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 January 2021, 22:32