ድለ

እግዚአብሔር ንደቂሰባት ከምዘሎናዮ ምስ ኩሉ ድኻምነትናን ድሩትነትናን የፍቅረና! ር.ሊ.ጳ

ናይ 2021 ዓም ቀዳማይ ሰንበት ዕለት 3 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣብ ዘዕረጉሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እቲ ፍቅሪ ካብ ሰማየ ሰማያት ስሒቡ ከማና ሰብ ንክኸውን ሥጋ ዝለበሰ ኣምላኽና ምስ ዘመደ ኣዳም ከመይ ኢሉ ሓደ ኰይኑ ከምዝተዋሃሃደን ከምዘሎናዮ ምስ ኩሉ ድኻምነትና ከምዘፍቀረናን ሠናይ ንዘበለ ኩሉ ምሳኡ ክንሳተፍ ከምዝዕድመናን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለተ ቃለ ወንጌል ብመጀመርያ ቃል ነበረ ኢሉ ዝጅምር ቀዳማይ ምዕራፍ ወንጌለ ዮሓንስ ኰይኑ እዚ ቃል እዚ ቃለ እግዚአብሔር ኰይኑ ወልደ እግዚአብሔር ኩሉ ብኣኡ ዝተፈጥረ ንከድሕነና ብፍቃዱ ብርሃን ኰይኑ ናብ ዓለም ዝመጸ ናብቶም ናቱ ዝኾና ደቂሰባት ዝመጸ እንተኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ብምምራጽ እቶም ናቱ ከይተረፈ ከምዘይተቀበልዎ ነቶም ዝተቀበልዎ ከኣ መንፈስ ውልድነት ከምዓደሎም ዝገልጽ ነበረ። ቅዱስነቶም ነቲ ቀዳማይ ውህበት ዘይተቀበሉ ክንደይ ከምዝከሰሩ ብምግላጽ ንሕና ሎሚ ካብ ጌጋ ቀዳሞት ተማሂርና ነቲ ክረኽበና ዝመጸ መድሓኒ መርሓባ ኢልና ክንቅበሎ ኣብ ሕይወትናን ኣብ ስድራቤትናን ኣብ ገዛውትናን ክንዕድሞ እሞ ነቲ ዘጨንቀና ድኻምነትናን ፍርህናን ክነካፍሎ በዚ ኸኣ ሕይወትና ንክልውጥ ነፍቅደሉ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ናብቲ ቀንዲ ትርጉም ምሥጢረ ሥጋዌ ምልስ ይብሉ እሞ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓት ቅድሚ ሶሙን ዝተዘከረ በዓለ ልደትን ዝተገብረ ኣስተንትኖን ምናዳ እቲ ደጋጊሞም ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ሕጻን ኣብ መብልዕ ማል ምውላዱ ዘዘኻኽር ባዕቲ ልደት ይዝክሩ እሞ ሎሚ ኣብ ካልኣይ ሰንበት ድሕሪ በዓለ ልደት እዚ ሥጋ ለቢሱ ኣብ ማእከልና ክሓድር ዝመረጸ ቃለ እግዚአብሔር ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ኣበይ ነበረ ከመይ ነበረ እንክብል ቅድሚ ልደት ዝነበረ ግዜ ከምዝገልጽ ኣመልከቱ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ነዚ ንክገልጸልና ዝጥቀሞ ቃል ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ቀዳማይ መጽሓፍ ታርኽ ፍጥረ ኣብ ዘዘንትዎ ‘ብመጀመርያ እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ፈጠረ’ ኢሉ ዝጅምራ ቃል ብምጥቃም ‘ብመጀመርያ ቃል ነበረ’ ይብል። እዚ ብቀንዱ ዘመልክተልና እቲ ቅድሚ ሶሙን ልደቱ ከማና ሰብ ምዃኑ ትሕትናኡ ዘስተንተና ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ቅድሚ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ኣሎ ዝበሃል ፍጡር ከምዝንበረ፣ ቅድሚ ግዜን ቦታን ከምዝነበረ ብዝለዓለ ከአ ሕይወት ባዕሉ ኰይኑ ሕይወት ኣብኡ ከምዝኾነትን ቅድሚ ማንም ሕያው ምፍጣሩ ንሱ ከምዝነበረ ዮሓ 1.1-4 ይዝርዝረልና። በዚ ብፍጥረት ዝጀመረ ዝምድናን ዝሰዓበ ታሪኽን ከምዘሎ ኰይኑ እግዚአብሔር ምሳና ክዋሳእ ይምድብ መደብ ድሕነት ይሕንጽጽ ኢሎም።

እግዚአብሔር ምሳና ይዋሳእ!

እታ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መኽፈቲ ወንጌሉ ዝጥቀመላ መጸውዒት ቃል ትብል ኰይና እዚ ከኣ ብቋንቋ ግሪኽ ሎጎስ ዝብል ቃል እዩ። ኣብ ሕይወት ደቂሰባት ቃል ንክትዋሳእ እዩ ዘገልግል፣ በይኑ ዝዛረብ ስለዘየለ ከኣ ብቃል እንክትዋሳእ ምሳኡ ትዋስኦ የድሊ። ስለዚ ቅዱስ ዮሓንስ መንፈስ ቅዱስ ኣብሪህሉ ቃል ኢሉ ክደጋግም እንከሎ እሞ ኸኣ ባህርይ እዚ ቃልን ኩነታትን ብመጀመርያ ቅድሚ ኩሉ ህልው ዘለዓለማውን ኰይኑ ኩሉ ብኣኡ ከምዝተፈጥረ እንክገልጽ በዚ ቃል እዚ ገቢሩ እግዚአብሔር ምሳና ክዛረብ ክዋሳእ ከምዝደሊ ነዚ ከኣ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ከምዝኾነ የመልክት። ወልደ እግዚአብሔር ከስ ጣዕሚ ውሉድ እግዚአብሔር ንክነግረና ሥጋ ለቢሱ ከማና ይኸውን። ነቲ ንኩሉ ኣጸልሚቱ ሒዙና ዘሎ ድነ ጸልማት ክኣልየልና ይመጽእ። ነቲ ብውድቀት ዝረኽብናዮ ሞት ብሕይወት ንምሽናፍ ከመይ ንሱ ባዕሉ ሕይወት ብዓንዲ ርእሱ ስለዝኾነ ፍርህን ራዕድን ሞት ክቅንጥጠልና ይመጽእ። ሽሕ’ኳ ንሕና እንተዘይተቀብልናዮ እቲ ንኩሉ ኣጸልሚቱ ዓቢጡና ዘሎ ጸሎማትስ ይኹን እቲ ዘርዕደናን ዘፍርሃናን ሞት ግን ኣየሸነፎን። እኳ ደኣ ንክልቲኦም ሰዓሮም። ልዕሊ ኩሉ እግዚአብሔር ኣቦና ከምዝኾነን ወትሩ ከምዘፍቅረናን ንክገልጸልና መጸ። ዘለዓለማዊ ቃል እግዚአብሔር ዝኾነ ኢየሱስ ከስ ፍቅሪ ኣቦ ንክገልጸልና ስጋ ለበሰ ንዘለዓለም ኣብ መንጎና ክሓድር መጸ።

ንዘልዓለም ኣብ መንጎና ኪሓድር ቃል ሥጋ ኮነ!

ቅዱስነቶም ናብታ ቃል ትብል ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ዘለዋ ጽልዋን ሳዕቤናን ከከም ኩነቱ ብምግላጽ ምናዳ ኣብ ደቂሰባት ካብ ቃላት ናብ ተግባር ምስግጋር ክሳብ ክንደይ ከቢድ እዩ፣ እንተ እግዚአብሔር ግን ክንዮ ቃል ሰጊሩ ብተግባር ፍቅሩ ንክገልጸልና ‘ቃል ሥጋ ኾነ ኣብ መንጎና ከኣ ሓደረ’ ኢሎም። እዛ ሥጋ ትብል ቃል ስለምንታይ እዩ ቅዱስ ዮሓንስ ዝመረጻ እንተበልና ኩነታት ሰብኣውነት ብምልኣት እትገልጽ ማለት ምስ ኩሉ ድሩትነቱ ተኣፋፍነቱ ስለዝኾነት ጐይታ ንሰብኣውነትና ምሉእ ብምሉኡ ከምዝለበሶ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ንምግላጽ እዩ። እዚ ከኣ ምስ ኩሉ ድሩትናን ድኻምነትናን ተኣፋፍነትናን ከምዘፍቀረና እንትርፊ ሓጢኣት ብኩሉ ኩሉ ከማና ከምዝኾነ የብርሃልና።

ስለምንታይ ዝብል ሕቶ እውን ክስዕብ ስለዝኽእል ከኣ ከማና ድኹም ድሩት ተኣፋፊ ሰብ ክኸውን ዝመረጸሉ ከኣ ነቲ ድኻምነትናን ድሩትነትናን ብቀረባ ንክትንክፎ ንክነበሮ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ በዚ ዝለበሶ ሥጋ ንኩሉ ኣብ መስቀል ሰቂሉ ቊስሊ ንቊስሊ ኰይኑ ነዚ ሥጋ እዚ ምስ ቅንዋቱ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ሒዝዎ ብምኻድ ከኣ ኣብ የማን ኣቦኡ ተቀሚጡ ነቦኡ ነቲ ቊስልታትን ቅንዋትን እናኣርኣየ ኣቦየ እዚ እየ ከፊለ ራሕርሓሎም መሓሮም እናበለ ስለና የማልድ እንክብሉ ጥልቂ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምብራህ ነቲ ብሕጻንነትና ከመይ ገቢሩ ኣድሓነና ንዝብል ሕቶ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ መይቱ ኣድሓነና ዝብል ትምህርተ ክርስቶስ ንሓንቲ ግዜ ጥራይ ዝተፈጸመ ዘይኮነ በዚ ካባና ዝለሰበሶ ሥጋ ንኩሉ ቊስልታትና ሒዙ ናብ ኣቦኡ ብምቅራብ ምእንታና ወትሩ ከምዘማልድ ኣዝኻኺሮም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ካብ ዝለበሰላ ሁመት ጀሚሩ ካብ ኩነታት ሕይወትና ዝተረፎ የብሉን ዝኾነ ኩነታትና ንኣኡ ጋሻኡ ኣይኮነን። ዝፍንፍኖ ምንም ዓይነት ኩነት የለን። ዝኾነ ጉዳይ ምሳኡ ክንሳተፎ ክንዋሳኣሉ ንኽእል። ዝኸበርካ ሓወይ ዝኸበርኪ ሓውተይ እግዚአብሔር ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅረና ንምግላጽ። ኣብ ድኻምነትናን ድሩትነትናን ኣብቲ ብሕፍረት ኣብ ጽፍርና ክንኣቱ እንደልየሉን ግዝያት ከይተረፈ ከምዘፍቅረና ንምርግጋጽ እዩ። ብኩሉ ከማና ኰይኑ ንሥጋና ለቢስዎ ነቲ ንሕና እንሳቀዮ ተሳቅዩ ሓሚሙ ጸሚኡ ደኺሙ ንኩሉ ተመኲሩሉ እምበር ንማለቱ ኣይኮነን ከምዚ ብላዕሊ እትለብሶ ክዳን ኣይኮነን ብላዕሊ ላዕሊ ጥራሕ ንሥጋና ዝለበሶ። እዚ ጥራይ ከይከውን ከኣ ንዘለዓለም ለቢስዎ ኣኽቢርዎ ካብኡ ፈጺሙ ኣይክፍለን እዩ። እቲ ቃለ ወንጌል ኣብ መጎና ሓደረ ዝብሎ ምሳና ክነብር ምሳና ክሓድር እምበር ብጽሕ ኢሉና ክምለስ ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና ነዚ ፈሊጥና በይንና ከምዘይኮና ተረዲእና ንቀበሎ። ልብና ንጐይታ ንኽፈት።

ልብኻትኩም ንጐይታ ክፈቱ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምፍጻም ኣስተምህሮኦም እዚ ኩሉ ዝገበረ መድሓኒ ካብና እንታይ ኮን ይጽበ! ኢሎም ይሓቱ እሞ! እንትርፎ ቅርበት ዋላ ሓንቲ። ንሱ ንኩለንትናና ንሓጐስናስ ይኹን ንስቃይና ክሳተፍ መጺኡ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ነፍሲወከፍና ሃረርታን ፍርህን ተስፋን ሻቅሎትን ጓህን ከምኡ እውን ንሰባት ኣብ ምርካቦምን ኩነታቶም ኣብ ምስታሮን ምሳና ክሳተፍ መጺኡ ኣሎ። በዚ ከምዚኸስ ንጐይታ ንቅረቦ! ምሳና ኣሎ! ልብና ከፊትና ኣብ ልብና ንዘሎ ኩሉ ነካፍሎ! ንንገሮ ነዕልሎ ኢሎም።

እስኪ ኣብዚ ቅንያት እዚ ሃንሳእ ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት መድሓኒና ደው ንበል እሞ ቀረባና ክኸውን ርሕራሔኡ ንዘርኣየና ሥጋና ንዘለበሰ ኣምላኽ ነስተንትን። ምንም ከይፈራህና ከኣ ኣብ መንጎና ንክሓድር ኣብ ገዛውትና ኣብ ሥድራቤታትና ኣብ ድኻምነትና ንዓድሞ። ብርግጽ ክመጽእ እዩ ንሕይወትና ከኣ ክልውጦ እዩ።

ፍሉይ ሰላምታ ር.ሊ.ጳ ንሓዲስ ዓመት!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገልጽናዮ ቅዱስነቶም ቁሩብ ናይ ቊርጥማት ጸገም ስለዝነበሮም ነቲ ኣብ ድሮ ሓዲስ ዓመት ከምርሕዎ ዝነበሮም ጸሎት ምስጋናን ንጽባሒቱ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ርእሰ ዓመት ጎርጎሮሳውያን ክቅድስዎን ክሰብክዎን ንዝነበረ መደባት ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም ዘይገለጽዎ ሠናይ ምንዮት ሓዲስ ዓመት ንምግላጽ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ዳግም ብምግላጽ ኩሉ ብጐይታ ክልወጥ ከምዝኽእል ኣብሪሆም። ንሕና ክርስትያን ብረድኤት እግዚአብሔር ኩሉ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና። ኩልና ንሓባራዊ ሠናይ ነገር እንተደኣ ብሓባር ሠሪሕና ንዝደኸሙን ጽጉማትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ቅድምያ እንተሂብናን ክንዕወት ኢና። ሓዲስ ዓመት 2021 እንታይ ሒዙልና ከምዘመጽእ ኣይንፈልጥን። ሓንቲ ክንገብራ ዘሎና ነፍሲ ወከፍና ስለሓድሕድ ክንግደስ ንሕድሕድናን ንተፈጥሮን ክንሓሊ ነዛ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ዓለምና ከኣ ክንከናኸና የድሊ እንክብሉ ተስፋኦም ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

03 January 2021, 11:34