ድለ

ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ምስ ደቂሰባት ንክራኸብ ዝተቋጸረሉ ቦታ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ብመገዶም ፍጹማት ዝዀኑ፣ ብሕጊ እግዚኣብሄር ዚመላለሱ ብጹኣን እዮም።. […] ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፣ ንመገድኻውን እቋመቶ ኣሎኹ።. […] ኣብ ሕግኻ ተኣምራት ክርእስ፣ ኣዒንተይ ክፈተለይ። […] ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ። […] ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ። […] ግልጸት ቃላትካ የብርህ፣ ንገርህታት ኣእምሮ ይህብ።’ (መዝ 119,1.15.18.48.105.130)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ ዝግበር ጸሎት ክንምልከት ኢና። ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ወረቃቅቲ ወይውን ብራና ተወሪቆም ኣብኡ ተሓቢሶም ክነብሩ ኣይኮነን ዝተጻሕፉ እንታይ ደኣ ብዝጽሊ ሰብ ንክስምዑ ኣብ ልቡ ከኣ ንክዕምብቡን ክፈርዩን እዮም ዝተጻሕፉ። ቃለ እግዚአብሔር ትኽ ኢሉ ኣብ ልቢ እዩ ዝሰፍር። ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ቊ. 2653 ‘ምንባብ ቅዱስ መጽሓፍ ብጸሎት ክስነ ኣለዎ በዚ ከኣ ናብ ዘተ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ይምዕብል’ እንክብል ይገልጽ። ቅዱስ መጽሓፍ ከም ማንም መጽሓፍ ልበ ወለድ ክንበብ የልብሉን ብጸሎት ክስነ ኣለዎ። በዚ ከምዚኸስ ቅዱስ መጽሓፍ ናብ ጸሎት የብጽሓካ ከመይ ጸሎት ምስ እግዚአብሔር ምዝታይ ስለዝኾነ። ዝኾነ ጥቅሲ ቅዱስ መጽሓፍ ቅድሚ ኣዝማን ሓንቲ ቃል ኣምላኽ ንከብጽሓለይ ንኣይ እውን ዝተጻሕፈ እዩ። ንነፍሲወከፍና እዩ ተጻሒፉ። እዚ ተመኲሮ እዚ ንኩሎም ኣመንቲ ዘጋጥም እዩ። ብዙሕ ግዜ ክንበብ ዝሰማዕክዎ ወይውን ባዕለይ ዘንበብክዎ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ብሃንደበት ሓደ መዓልቲ ኣብ ልበይ ይዛረብ ንዝነብሮ ኩነት ኣብታ ሁመት እቲኣ የብርሃለይ። እንተኾነ ኣነ ኣብቲ ሁመት እቲ ኣብቲ ዕለት እቲ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ቆጸራ ምስቲ ቃል ክራኸብ ኣሎኒ። ቃል ኣምላኽ እናሰማዕኩ ኣብቲ ቦታ ቆጸራ ክርስከብ ኣሎኒ።  ዕለት ዕለት እግዚአብሔር ብጥቃና ይሓልፍ ኣብ ግራት ሕይወትና ዘርኢ ቃል ኣምላኽ ይዘርእ። ሎሚ ከም ሎሚ ኣብ ሕይወትና እንታይ ዓይነት መሬት ከምዝረክብ ኣይንፈልጥን ደረቅ መሬትዶ ይረክብ ይኸውን ወይስ ፈርያም መሬት ረኺቡ ዘዕብን ዘፍርን (ማር 4.3)። እዚ ካባና እዩ ዝውሰን ምናዳ ካብ ጸሎትናን ናብ ቅዱስ መጽሓፍ እንቀርቦ ክፉት ልብን ይውሰን። በዚ መንገዲ እዚ እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ሕያው ቃል ኣምላኽ ዝኾነልና። እግዚአብሔር ብቃል ቅዱስ መጽሓፍ ገቢሩ ብቀጻሊ ብጥቃና ይሓልፍ። ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝጠቅስክዎ ቃል ቅዱስ ኣጎስጢኖስ እንደገና እደግሞ ‘ብጥቃይ ናይ ዝሓልፍ ጐይታ ፍርሂ ኣሎኒ ስለምንታይ እንተበልኩም ከይሰማዕክዎ ከይሓልፈኒ። ብጥቃይ ዚሓልፍ ዘሎ ጐይታ ምዃኑ ከየስተውዓልኩ ከይሓልፈኒ እፈርህ` ይብል ነበረ።

ብመንገዲ ጸሎት ቃል ኣምላኽ ሓዲስ ምሥጢረ ሥጋዌ ኣባና ይፍጸም። ንሕና ከኣ ቤተመቅደስ ኣምላኽ ኰና ቃል ኣምላኽ ኣባና ይሓድር ንዓለም ክበጽሕ ከኣ ኣባና ይነብር። በዚ ምኽንያት እዚኸስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘየሻሙ መንገድን መጋበሪ ከይገበርናን ወትሩ ክንምልከቶ ኣሎና። እምነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንሓሳብ ፍልስፍናኡ ወይ ሞራላዊ ኣቋሙ ዝድግፍ ጥቅሲ ኣይኮነን ሃሰስ ዝብል እንታይ ደኣ ምስ ጐይታ ንክራኸብ ተስፋ ብምግባር እቲ ቃል እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ከምዝተጻሕፈ ፈሊጡ በቲ መንፈስ እቲ ሰሚዑ ክቅበሎን ክርድኦን ከምዘለዎ ክስቈሮ ኣለዎ ከመይ እቲ ርክብ ምስ ኣምላኽ በዚ ከምዚ እዩ ክውን ዝኸውን።

ኣነ ብወገነ ገለ ክርስትያን ንጥቅስታት ቅዱስ መጽሓፍ ከም ሕንጻይ ክደጋግሙ እንክሰምዕ ባህ ኣይብለን። ከመይ ከምዚ ክብል እንከሎ ጐይታ ከምዚ ማለት እዩ ከምዚ እዩ ደልዩ እናበሉ ኣብ ዘየድሊ ሀለውለው ይኣትው። እንተኾነ ንስኻ በታ ጥቅሲእቲኣ ምስ ጐይታ ተራክኺብካዶ! ኢልካ እንክትሓቶም ጠጠው ይኸውን። ስለዚ እቲ ጸገም ጥቅሲ ምሽምዳድ ኣይኮነን ኣብ ልብኻ ምንባሩን ምዝካሩን እዩ ከመይ ምስ ጐይታ ርክብ ዝኸፍተልካ እዚ እዩ። እታ ቃል እቲኣ እታ ጥቅሲ እቲኣ ምስ ጐይታ ናብ ምርኻብ ተብጽሓካ።

ስለዚኸስ ንሕና ቅዱስ መጽሓፍ እነንብበሉ ቀንዲ ምኽንያት ቃላት ቅዱስ መጽሓፍ ንልብና ስለዘንብቡ እዮም። ምስቶም ኣብኡ ተጠቂሶም ዘለው ሰባት ወይውን ኩነታትን ፍጻሜታትን ንገዛእ ርእስኻ ኣተኣሳሲርካ ምኽኣልከስ ሓደ ጸጋ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ንማንም ሓላፍ መንገዲ ኣይኮነን ዝተጻሕፈ እንታይ ደኣ ንኣና ንኣይ ንኣኻ ንኩልና ዓጽመ ሥጋ ዝለበስና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እዩ ተጻሒፉ። እንተኾነ እዞም ሰባት እዚኦም ብአልማማ ደቂ ተባትዕዮን ደቂኣንስትዮን ኢልካ ዝሕለፉ ኣይኮኑን። ከማይን ከማኻን ሽምን ኣቦን ኣቦን ኣለዎም። እከለ ወዲ እከለ እከሊት ጓል እከል እትብሎም ፍሉጣት ሰባት እዮም። እታ ብመንፈስ ቅዱስ መሊኣ ዘላ ቃል ኣምላኽከስ ብክፉት ልቢ ምስ እትቅበላ ነቲ ነገራት ከም ቀደሙ ኣይትሓድጎን እያ። እዚ ፈጺምካ ዘይከውን እዩ። ገለስ ክልወጥ ኣለዎ። ጸጋን ሓይልን ቃል ኣምላኽከስ እዚ እዩ።

ባህሊ ክርስትያንከስ ብቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝግበር ተመኲሮን ኣስተንትኖን ሃብታም እዩ። ብፍላይ እቲ ለክስዮ ዲቪና ዝብል ኣገባብ ብቃል ኣምላኽ እትጽልየሉ መንገዲ መጀመርያ ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ዝተወልደ ሕጂ ግን ኣብ ኩሉ ናብራ ክርስትና ኣብ ቊምስናታት ከይተረፈ ዝዝውተር ኣገባብ ጸሎት ዓቢይ ኣብነት እዩ። ብከመይ ይግበር እንተበልካ መጀመርያ ብዓቢ ጥንቃቄን መንፈሳውነትን ሓደ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ይንበብ እቲ ብላቲን ለክስዮ ዲቪና ዝበሃል መለኮታዊ ንባብ እዚ እዩ። ነዚ ከኣ ክበዱን መልእኽቱን ንምርዳእ ብዓቢ ጥንቃቄ ተንበቦ ከም መወሰኽታ ከኣ ነቲ ቃሉ ንምእዛዝ መፈስ ትሕትናን ተኣዝዞን ምስ እትለብስ ትርጉም ናይቲ እተንብቦ ክትርዳእ ትኽእል። ድሕሪ ንባብ ምስቲ ዝሰማዕካዮ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘተ ትኣቱ እሞ ካብ ክንበብ ዝሰማዕካዮ ቃላት ልብኻ ተንኪፉ ምኽንያት ኣስተንትኖን ጸሎትን ትረክብ። እዚ ከኣ ወትሩ ነቲ ቃል ኣምላኽ ብምእዛዝ እዚ ቃል ኣምላኽ እዚ ንዓይ እንታይ ይብለኒ ኣሎ ካብ ዝብል ትብገስ። እዚ ብጣዕሚ ተኣፋፊ ጒዕዞ እዩ። ኣብዚ ግላዊ ትርጓሜ ኣብ ምሃብ ሸተት ክንብል የብልናን። ኣብቲ ሕያው ዝኾነ ወትሩ ወሓዚ ልማድ ትርጓሜ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ምስ ቃል ኣምላኽ ኣብ ዘተኣሳስረና ሕያው ትርጓሜ ክንኣቱ ኣሎና። ናይ መጨረሻ ስጉምቲ ለክስዮ ዲቪና ኣብ ዲቅ ዝበለ ኣስተንትኖ ምእታው እዩ። ኣብዚ እተን ቃላትን ተልዕሎን ተውርዶን ዝጸናሕካ ሓሳባትን ንፍቅሪ ቦታ ይሓድጋ እሞ ከም ክልተ ፍቁራት ምስ ጐይታ ብሱቁታ ትጠማመት ጽን ትብል። እቲ ቃል ኣምላኽ ወትሩ ኣብኡ ኣሎ ሥርሑ ከም መስተያት ወይውን ንኣኡ እናረኣኻ እተስተንትኖ ቅዱስ ስእሊ ይኸውን። በዚ ከምዚ ኸኣ ምስ ጐይታ ጉጅም ትብል ትዛተ።

ብጸሎት ኣቢሉኸስ ቃል እግዚአብሔር ኣባና ክነብር ይመጽእ ንሕና እውን ኣባኡ ንነብር። ቃለ እግዚአብሔር ሠናይ ሓሳባትን ሃረርታን ኣብ ልቢ ከምዝውለድ ገሩ ንተግባራትና ይድግፍ። ኣብ ጽንኩር ግዜ እውን እንተኾነ ሓይልን ቅሳነትን ሂቡ ኣብ ልብና ሰላም ከምዝነግስ ይገብር። ሓንሳእ ሓንሳእ ፋሕ ፋሕ ዝበለ መዓልቲ ሕንፍሽፍሽ እንከጋጥመና እውን ኣብ ልብና ናይ ምትእምማንን ፍቅርን ሓይሊ ኣንጊሱ ካብ ፍላጻታት ጸልኢ ይከላኸለልና።

በዚ ከምዚኸስ ቃል እግዚአብሔር ሥጋ ይለብስ ነታ ቃል ሥጋ ኮነ እትብል መግለጺት ክጥቀም እደፍር። እዚ ከኣ ኣብቶም ንቃል እግዚአብሔር ብጸሎት ዝቅበሉ እቲ ቃል ሥጋ ይለብስ ንማለት እዩ። ኣብ ሓደ ጥንታዊ ጽሑፍ ክርስትያን ዘቦኦም ኩሎም ምስ ቃል ኣምላኽ ሓደ ኰይኖም ማለት ሥጋ ዝለበሰ ቃል ኣምልኽ ገሮም ንርእሶም ይጥምቱ ስለዝነበሩ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እኳ እንተኣቃጸልዎ ኣብ ሕይወት እቶም ቅዱሳን ብዝተረፈ ማሕተም ክድሕኑ ከምዝኽእሉ ይገልጽ። እዚኣ ብሓቅ ደስ እትብል ጥቅሲ እያ ከመይ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉኡ ምሳኦም ተዋሃሂዱ ማለት እዩ።

ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ሕይወት ክርስትና ብተኣዝዞን ፈጠራን ዝቆመ ተግባር ጥበብ ይኸውን። ሓደ ንፉዕ ክርስትያን ተኣዛዚ ክኸውን ኣለዎ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ መሃዚ ክኸውን ኣለዎ። ተኣዛዚ ዝኾነሉ ቃል እግዚአብሔር ስለዝሰምዕ መሃዚ ዝኾነንሉ ከኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከመይ ገቢሩ ንቅድሚት ክጐዓዝ ከምዝለዎ ንኩሉ ብሓዲስ ፈጢሩ ከምዝምህዝ ይገብሮ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ማቴ 13,52 ኣብ ፍጻሜ ሓንቲ ምሳሌ ይገልጾ። ‘ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል` ይብል። እዚ መዝገብ ዝብሎ ዘሎ ልቢ እዩ። ቅዱሳት መጻሕፍትኸስ መወዳእታ ዘይብሉ ዘይነጽፍ መዝገብ እዮም። ጐይታ ከኣ ካብዚ መዝገብ እዚ ብጸሎት ገቢርና ወትሩ ክንቀጽሕ ንኩልና ፍቃዱ ይሃበና። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 January 2021, 12:19