ድለ

ርሕሩሕን-በዓል-ብዙሕ-ምሕረትን-ዝኾነ-እግዚአብሔር-በደለይንታታ ክንስና ብምሕረቱ ይቅበለና! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 10 ጥሪ 2021 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋግሞ ነቲ ልሙድ ኣስተምህሮ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ‘ገጽታ እግዚአብሔር ምሕረት ምዃኑ ዘክሩ ኣብ ዝኾነ ናይ ምሕረት ኣገልግሎት ከኣ ንኣኡ ከምእንረክብ ኣይንዘንግዕ። ፍቅሪ ፍቅሪ እዩ ዝጽውዕ’ እንክብሉ ምሕረትን ርሕራሔን እግዚአብሔር ምስ ተዓደልና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ እንካፈሎ ምሕረት ከም እንቅበል ገሊጾም። ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቲ ብልማድ ኣብ በዓለ ጥምቀት ዝፍጽምዎ ዝነበረ ሥርዓተ ጥምቀት ሕጻናት ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ ክፍጽሙ ብዘይምኽኣሎም ሃሞምን ቀልቦምን ኣብቶም ነዛ ሁመት እዚኣ ዝጽበዩ ዝነበሩ ሕጻናት ምዃኑን ቡራኬኦምን ጸሎቶምን ከምዝልግሱሎም እውን ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ጥምቀት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ቡራኬ ማይ ርባ ዮርዳኖስ ኰይኑ ንማንም ማይ ናብ ማይጥምቀት ብምውላጥ ንዳግመ ልደትን ርደተ መንፈስ ቅዱስን ከም እንበቅዕ ስለዝገበረና ነፍሲወከፍና መንነትና እዚ ኮይኑ ከም ትርግታ ልቢ ብቀጻሊ ዝሃርም እዩ። እቲ ቀንዲ መለለዩኡ ከኣ እግዚአብሔር ኣቦ ብምሕረቱ ከምዝጽበየናን ኩነታትና ብዘየገድስ ሃንጐፋይ ኢሉ ከምዝቅበለና ርግጽነት ይህበና። ነዚ ኩነት እዚ ከኣ ኣብ ማይ ጥምቀት ከም እንረኽቦ ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዚ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ወሪዱ እንክጥመቅ ንኩሉ ሓጢኣትና ተሸኪሙ ለቢስዎ። በየናይ መንገዲ ክንጐዓዝ ከምዘሎና መንገዲ ሓቢሩ ንክንስዕቦ ሓደራ ገዲፉ ድሕነት ዓደለና’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም። ነዚ ከኣ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ነዚ ንምቅባልን ንምንባሩን ተኣምርን ክንዮ ነባሪ ሕይወትን ኣይኮነን ዘድሊ እንታይ ደአ ዕለት ዕለት ኣብ ዕለታዊ ናብራዊ ነዚ ዓቢ ምሥጢር ክንነብሮን ክነስተማቅሮን ክንምስክሮን ከም እንኽእል ኣብሪሆም።

ዕብየት ዕለታዊ መንባብሮ!

ቅዱስነቶም ናብ ዝርዝር ሕይወት ናይቲ ቀንዲ ኣብነትና ዝኾነ መድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምልስ ይብሉ! ወልደ እግዚአብሔር ኰይኑ መልእልተ ባህርያዊ ሓይሉ እኳ ከርኢ እንተኸኣለ ትሕትና ለቢሱ ከማና ፍጹም ሰብ ኰይኑ ከም ማንም ካባና ንሰላሳ ዓመት ሕቡእ መንባብሮ ድሕሪ ምሕላፉ ንክጥመቅ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ምውራዱ ነጢርካ ዝብጻሕ ዘይኮነ ኣብ ነባራዊ ሥድራቤት ዕለት ዕለት ከም ማንም ሰብ ይነብር ነበረ። ካብ ልደቱን ንግብጺ ስደቱን ጀሚርካ ናብ ናዝሬት ተመሊስካ ካብ ኣቦኡ ጽርበት እናተማህረን ንወለዱ እናተኣዘዘን ዓበየ። ከም ማንም ወዲሰብ ከኣ ንኩሉ እናኣጽነዔን እናሠርሔን ዓበየ።

“እቲ ዘገርም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነውሐ ናብራ ሕይወቱ ኣብዚ ምድሪ እዚ ብከምዚ ዝበለ ማንም ሕይወት ከሕልፎ እንከሎ ኰይኑ፣ ነዚ ከኣ ብምሥጢር ምግባሩ እዩ። ናብቲ ወንጌላውያን ዘቅርቡልና ስብከተ ወንጌልን ተኣምራታትን ካልእ ነገራትን ምፍጻሙ ዝገልጻ ሰለስተ ዓመታት እሞ ንሕሰብ። ሰለስተ ዓመት ጥራይ! እቲ ዝተረፈኸ እንተበልና ብምሥጢር ማንም ከየስተውዓለሉ ኣብ ሥድራቤት ኣሕለፈን። እዚ ንዓና ዓቢ መልእኽቲ ኣለዎ። ነባሪ ዕለታዊ ጒዕዞ ሕይወት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑ ይገልጸልና። ኣብ ቅድሚ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ዝኾነት ተግባርና ነፍሲወከፍ ጉዕዞ ሕይወትና ዋላ እቲ ኣገዳስነት የብሉን እንብሎን ሕቡእን ምሥጢራውን እንብሎ ጉዳያት ከይተረፈ ኣድለይቲ እየን ስለዚ ንፍቅሪ እግዝአብሔር ምስ ካልኦት ክንካፈሎ የድሊ ኢሎም።”

ፍቅሪ እግዚአብሔር ምስ ካልኦት ምክፋል!

ቀንዲ መልእኽቲ ጥምቀት ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ‘ንክትልወጥ ምድላይካ ዘመልክት ኰይኑ እዚ ከኣ ንሓጢኣትካ ምሕረት ብምልማን ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ንሓጢኣትና ለቢሱ ስለሓጢኣትና ምሕረት ብምልማን ሓዋርያዊ ተልእኮኡ ጀመረ። ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ እቲ ንሰላሳ ዓመት ብምስጢርን ስውር ሕይወትን ዘሕለፎ መንባብሮ ንኩሉ ክገሃድ ጀመረ። ናብ ሕዝቢ ናብ ቃልዕ ወጺኡ ስብከቱ ጀመረ። ነዚ ሥርዓት እዚ ዝፍጽም ዝነበረ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ኣይከውንን እዩ እናበለ እኳ ክቃወም እንተፈተነ ጐይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ምስ ሓጢኣተኛታ ክውግን ምሳኦም ክኸውን ሓጢኣቶም ክለብሶ እሞ ምሕረት ከውህብ ከምኣቶም ኣብ መስርዕ ኣተወ። ንኩሉ ኣራጊፍካ ጥራሕ ነፍስኻን ጥራሕ እግርኻን ኰንካ ዝፍጸም ብምልኣት ኣብ ማይ ጠሊቅካ እትወጸሉ ምሥጢር እዩ’ እንክብሉ መልእኽቲ ጥምቀት ሩባ የርዳኖስ ገሊጾም።

“ጐይታና ኢየሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ እግሩ ኣብ ዘንበረሉ ቀዳማይ ዕለት ሀ ቢሉ ክግለጽን መደባቱ ከግህድን ይጅምር። በዚ ከኣ ድሕነት ብሓደ መልዕለተ ባህርያዊ ውሳኔ ወይውን ብመለኮታዊ ሓይሊ ካብ ላዕሊ ዘይኮነ ነቶም ግዳይ ሓጢኣት ዝኾነ ደቂሰባት ንምርካብ ኣብ ደረጃኦም ወሪድካ ሓጢኣቶም ተሸኪምካ እዩ ዝግበር። ንክፍኣት ዓለምናኸስ እግዚአብሔር በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዘሸንፎ። እዚ ከኣ ትሕት ኢሉ ንኩሉ ጾሩ ብምሽካም እዩ ዝገበሮ። ንሕና እውን ንካልኦት መስተርሆት ክነምጽኣሉ እንኽእል በዚ መንገዲ እዚ እዩ። እዚ ከኣ ከይፈረድካ እንታይ ኮን ከጓንፈኒ እዩ ኢልካ ከይፈራህካ ናብኦም ቀሪብካ ተኻፋሊ ጸገሞም ብምዃን ፍቅሪ እግዚአብሔር ምስ ኩሎም ምክፋል የድሊ ኢሎም።”

ነዚ ቅርበት እዚ እንክገልጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ቅርበት እዚ እቲ እግዚአብሔር ንዓና ዘራዮ ቅርበት ኰይኑ ከምቲ ንሙሴ ዝበሎ እዩ። ማለት እስኪ ሕሰቡ ኣየናይ ኣምላኽ እዩ ንሕዝቡ ከምዚ ናተይ ክሳብ ክንድዚ ቀረባ ዝኾነ ዝበሎ እዩ። ቀረባ ምዃንከስ እቲ እግዚአብሔር ምሳና ዘርእዮ ኣገባብ እዩ’ ኢሎም። ብካልእ ኣዘራርባ ፍቅሪ ፍቅሪ ስለዝጽውዕ ከምቲ ዘፍቀረና ነፍቅር።

ፍቅሪ ፍቅሪ ይጽውዕ!

ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተራእየ ትሕትና ኢየሱስከስ ሰማያት ከምዝኽፈት ቅድስት ሥላሴ ከም እትግለጽ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢት (ማር 1.10) እግዚአብሔር ኣቦ ከኣ ‘ንስኻ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ ኢኻ’ እንክብል ብቃሉ ይወርድ። ገጽታ ኢየሱስከስ ገጽታ ምሕረት እዩ።

“ፍቅሪ ፍቅሪ ይጽውዕ። እዚ ንኣና እውን እዩ። ኣብ እንፍጽሞ ነፍሲወከፍ ኣገልግሎት ኣብ እንገብሮ ነፍሲወከፍ ናይ ምሕረት ሥራሕ እግዚአብሔር እዩ ዝግለጽ። በዚ ተግባርና ከኣ እግዚአብሔር ቆላሕታኡ ናብ ዓለምና ይሰድድ። ኢየሱስ ካባና ዝጽበያ እንኮ ጉዳይከስ ልብና ንክንከፍተሉ እዩ።”

ኢየሱስ ልብና ክንከፍተሉ ይጽበየና!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ናብ ጥምቀት ነፍስወከፍና ምልስ ኢሎም ‘ሕይወትና በታ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝተቀበልና ምሕረት ዝተመልከተት እያ’ ኢሎም።

“ድሒና ኢና እንተኾነ እዚ ድሕነት እዚ ብነጻ እዩ ተዓዲሉና። ድሕነት ጸጋ እዩ ብነጻ እዩ ተዋሂቡና። እዚ ከኣ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ኩነትና ዘርኣዮ እዩ። ብምሥጢረ ድሕነት እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ይፍጸም። እንተኽዕነ እቶም ዘይተጠምቁ እውን ነዚ ምሕረት ኣምላኽ ይቅበሉ እዮም ከመይ እግዚአብሔር ብምሕረቱ ወትሩ ኣብኡ ኰይኑ እዩ ዝጸበዮም። ልቦም ክሳብ ዝኽፈቱ ብምሕረት ይጽበዮም። ወትሩ ቀረባኦም ኰይኑ ብምሕረቱ ክጒልብቦም ስንድው ምዃኑ ይገልጸሎም።”

ነዚ መንነት እዚ ዝተመሓርካ ናይ ምዃን መንነት ኣብ መሠረት እምነትና ሕይወትናን ዝኾነ መንነትና ንክንዕቅብ እኖና ድንግል ማርያም ትደግፈና ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም።  

ብድምጺ ንምክትታል!

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]  

11 January 2021, 12:15