ድለ

ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2021 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ፍጻሜታት ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2021 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ፍጻሜታት 

ኣብ ወርሒ ጥርን ለካቲትን 2021 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ፍጻሜታት

ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝዛዘም ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን መዕጸዊ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ፍጻሜታት ብወግዒ ከምእተሓበረን፡ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ቅዱስ ጴጥሮስ ክልተ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ዕለት 25 ጥሪ  ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን መዕጸዊ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰክር ክመርሑ ምዃኖም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊጡርጊያዊ ብዕሎት የኔታ ብጹዕ ኣቡነ ጉይዶ ማሪኒ ኣብ ዝሃብዎ መግልጺ ከምዝሕበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጳጳሳዊ ናይ ሊጡርጊያዊ ብዕሎት የኔታ ማሪኒ ካብ ዕለት 24 ጥሪ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓ.ም. ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሊጡርጊያ መርሓ ፍጻሜታት እንክሕብሩ፥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 መስከረም 2019 ዓ.ም. “Aperuit illis - ንኣኣቶም ተኸፍተሎም (ተጋህደሎም) ብዝብል ኣርእስቲ ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ስልጣን መሰረት፡ ብላቲን ግጻዌ ኣብ ናይ ተራ ግዜ መርሓ ሊጡርጊያ ሳልሳይ ሰንበት በዓልን ኣስተንትኖን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ ንዝብል ሓሳብ ክወክፍ ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ፡ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ንጉሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት 10.00 መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ንጽብሒቱ ዕለት 25 ጥሪ ዓመታዊ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ዝዛዘም ምእንቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ናይ ጸሎት ሰሙን መዕጸዊ ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ፎሪ ለ ሙራ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ካልኣይ ጸሎተ ዘሰርክ ክመርሑ ከምዝኾኑ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሲ የመላኽት።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 2 ዓመታዊ በዓል ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ምኽንያት ተተሓሒዙ ዝበዓለ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ውፉያን - መናኒ ሕይወት ምኽንያት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጽጽራ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን ኣባላት ውፉያን ሕይወት መናንንያንን ልኡካነ ወንጌል ገዳማውያንን ገዳምያውያትን ዝሳትፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ምዃኖም ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

13 January 2021, 22:45