ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ንድኻታት ምሃብ ማለት እዩ! ግላዊ ሃብቲ ዘይትንከፍ ኣይኮነን

ቅዱስነቶም፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ፥ “ግላዊ ጥሪት ናይ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ባህርያዊ ካልኢት መሰል ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብ፥ እዚ ኸኣ ካብቲ ኵላዊ ጸጋ ንኹልን ናይ ኵሉን ኣብ ዝብል መሰልን ክብረትን ዝጸንዔ ኣፍልጦ እዩ”፡ ስለዚህ “ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ሃብቲ ምዕቛር ኣብ ዝብል ኢማዕርነት ክቐውም ኣይኽእልን” ከምዝበሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ናብቲ ቀዳማይ ናይ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ናይ ሓባር ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ናይ ሓባር ሽማግለ ኣባላት ደያኑ ናብ ምሉእ ትግባሬ ናይ ሰብኣዊ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ኣብ ተኣፋፍነት ኵነት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቀዳማይ ዋዕላ፡ እቲ ሓደ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ እቲ ካልኣይ ከኣ ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘማእከለን ነቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ መደረ ዘቕረብሉ ክልተ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥ ቅዱስነቶም ነቶም ደያኑ ብእትመሕላልፍዎ ፍርዲ ኣቢልኵም ናይ ድኻታት ኣቑሳል ክፍወስን መሬት ክትወሃድን ንምክንኻንን ዘኽእል ጥበብ ክተቕርቡ እትኽእሉ ኢኻትኩም ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምሕናጽ ናይ ክርስትና ባህሊ ናይ ግሊ ጥሪት ፈጺሙ ዘይትንከፍን ዘይቕረብን ዝብል ኣፍልጦ ሂብሉ ኣይፈልጥን፡ ወትሩ ዘለዎ ማህበራዊ ዕማም እዩ ዘስምረሉ፡ ሕግን መሰልን ክብረትን ግብኡን ንድኻታት ዘድልዮም መሰረታዊ ንሕይወት ክንህቦም ግድን እዩ፡ ናትና ዘይኮነ ወይ ናይ ክልእ ዘይኮ ከም ሰብ ዝግብኦም ክንህቦም እዩ ዝግባእ፡ እቲ ናቶም ዝኾነ ኢና እንህቦም፡ እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ከምዘብርሁ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ናይ ግሊ ጥሪት ባህርያዊ ካልኢት መሰል እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ፐሩ ካብ ዕለት 30 ሕዳር ክሳብ ዕለት 1 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቀዳማይ ናይ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ናይ ሓባር ማሕበራዊ መሰልን ክብርን ናይ ሓባር ሽማግለ ኣባላት ደያኑ ናብ ምሉእ ትግባሬ ናይ ሰብኣዊ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ኣብ ተኣፋፍነት ኵነት ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ልኡካን ኣሳቲፉ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቶም ኣብዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ዝሳትፉ ኣብቲ ካብ ዕለት 3 ክሳብ 4 ሰነ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ፥ “ግላዊ ጥሪት ናይ ኩሉ ሰብኣዊ  ፍጥረት ባህርያዊ ካልኢት መሰል ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብ፥ እዚ ኸኣ ካብቲ ኵላዊ ጸጋ ንኹልን ናይ ኵሉን ኣብ ዝብል መሰልን ክብረትን ዝጸንዔ ኣፍልጦ እዩ”፡ ስለዚህ “ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ እቲ ሃብቲ ምዕቛር ኣብ ዝብል ኢማዕርነት ክቐውም ኣይኽእልን” ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ገሊጾም።

ዳይና ምዃን ተልእኾ እዩ፥ ማሕበራዊ ሓላፍነት እዩ

ቅዱስነቶም ናብቲ ጉባኤ ደያኑ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ደያኑ ማሕበራዊ መሰልን ክብረትን ፍራንቸስካዊ ጠመቓዊ ትምህርትን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ዓውደ መጽናዕቲ ብስፓኒሽ ቋንቋ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ዳይና ተልእኾን ማሕበራዊ ሓላፍነት እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ደያኑ ከም ስነ ጥበበይናታት ድኻታትን መሬትን ንምክንኻን

ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ፒዮስ ራብዓይ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተኻይዱ ኣብ ዝነበረ ነቶም ዛዕባ ማሕበራዊ መሰልን ክብርነት ናይ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ማዕርነትን መሰልን ክብርን ዝዓዩ ደያኑ ገጠምትን ማሕበራዊ ውሁድ ቅንይት ንኽህሉ ዝገብሩ ልክዕ ከም ገጣማይ ከስተንትንን ክሓስብን ክርድእን ኣብቲ ጭቡጥ ኩነት ዘሎ ናይ ቅንይት ውሁድ ሙዚቃ ኣስተውዒሉን ኣስተንቲኑን ሓሊኑን ብቓላት ዝገልጾን ልክዕ ከምኡ ኢኻትኩም እንክብሉ፥

ንስኻትኵም ኣብ እተመሓላልፍዎ ነፍሲ ወከፍ ውሳኔ፡ . . . ልክዕ ከም ግጥሚ፡ ናይ ድኻታት ቁስሊ ዝፍውስን ዓለምናን ኣዴና መሬትን ኵሉ ትውልዳ ዘዋህድን ዝከናኸንን! ንስኻትኩም ልክዕ ከምኡ ኢኻትኵም፡ ግጥሚ ዝዕርይን ዝሕርርን ዝዕንግልን እዩ!

ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ የመላኽቱ።

ቅኑዕ ፍትሒ ሓገራት ፍሱሃን ይገብር

ስለዚህ ቅዱስነቶም ነቶም ደያኑ፥ ብቁርጽን ብትብዓትን እቲ ዅሉ ብንጽሕናን ብቕንዕናን እተሳልጥዎ ዕማምኵም ኵሉ ኣድላዪ እዩ፡ ምኽንያቱ ሓደ ፍትሒ ቅኑዕ ምስ ዝኸውን ሃገራት ፍሱሃን ይገብር ዜጋታትን የኽብር፡ ቢሎም እቲ ቀዳማይ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ሓደ ፍርዲ ቅኑዕ እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ሕጊ ዘይማዕርነት ዝፈጥር እንተድኣ ኮይኑ ሕጋዊ ኣይኮነን፥ መሰልን ክብርን ይጠፍእ፥ ዘይልውጥ ግጥሚ ናይ ዝሞቱ ቃላት እኽብካብ ከይኑ ይተርፍ ብዝብል ሓሳብ ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ሓሙሽተ ዓምዲ ንሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ

ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝዓዩ፥ ሓድሽ ማሕበራዊ  ፍትሒ ምሕናጽ ክሓስቡ እዩ ዘለዎም፡ እንክብሉ ኣብቲ ካልኣይ ብምስማዐ ርእየት ነቲ ጉባኤ ንኸበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፡ ሓሙሽተ ዓምዲ ንሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ብሰፊሕ ከምዘብርሁን ሓሳብኩም ክውንነት ከይስሕት ሓደራ ከምዝበሉን፥

ውሑድ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀጥዒ ብዝየብሉ ሃብቲ እቲ ዝበዝሓ ክፍሊ ሕብረተሰብ ከኣ ዘይፍሉጥ ኮይኑን ኣብ ሓሳርን መሰሉን ክብሩን ተሓሪምንዎን ክነብር ምርኣይ ብሓቂ ዘጉሂ እዩ፡ ካብ ክውንነት ተባቲኽና እንሓስብ ኣይንዅን!

ናይ ካልኦት ስቓይ ናዩ ዝገብር ናይ ሓባር ወፍሪ

ንቕዱስነቶም እቲ ካልኣይ ንማሕበራዊ ፍትሒ መሰረት፥ ማሕበራዊ ፍትሒ ናይ ሓባር ወፍሪ ምዃኑ ምስትውዓል ዝብል ኮይኑ፥ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ዘጋጥም ፈተና ኢውድንነት፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሰናይ ሓሳብ ገይሩ ኡጦቢያ ንምብዳህ ሰናይን ፍቕርን ከምኡ እውን ፍትሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለታዊ ሕይወት ብናይ ሓባር ወፍሪ ዝብጻሕ ምዃኑ ብዕምቆት ምስትውዓል ዝብል እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡ ነዚ ስዒቡ እቲ ሳልሳይ መሰረት ናይቲ “ሕያዋይ ሳምራዊ” ኣብነት ብምስዓብ ነቲ ዕለት ብዕለት ዘጋጥም ኣብ ሓሳርን መከራን ዝርከቡ ዕሽሽ ናይ ምባል ዘይተገዳስነት ፈተና ምስናፍ ዝብል ምዃኑ እንክመላኽቱ፥

ብዙሕ እዋን በቐጥታ ምስ ሕይወትና ዘይተኣሳሰረ ክሳብ ዘይኮነ ጐኒኻ ምሕላፍን ዕሽሽ ምባል ዕለታዊ ተመክሮ እዩ፡ እቲ ጻዕርና ክኸውን ዘለዎ ናይ ካልእ ስቓይ ናትና ብምግባርን ኣብቲ ዘይተገዳስነት ባህሊ ከይንወድቕ ምጥንቃቕ!

ታሪኽ ኣብቲ ንኵለንተናዊ ሰብኣውነት ሕይወት ኣብ ዝሃበ ክስረት ምግባር

እቲ ራብዓይ መሰረት ከኣ፥ እቲ ንእነነብረሉ ክብረት ኣብ ዝጸመኦ ዓለም ሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ምኽዋን ዝብል ድላይ ንታሪኽ ዝመርሕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስን ጐንጽን ዓወታትን ስዕረትን ኣሎ፥ ብዙሓት ንሓደ ክለንተናዊ ሰብኣውነት ዝተሰውኡ ከምዘለዉ ነስተውዕል፡ እዚ ምስትውዓል’ዚ ማሐብራዊ ፍትሒ ኣብ ሎማዊ ዓለም ንምኽዋን ንእንገብሮ ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣናስር እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ የመላኽቱ።

ምስ ሕዝቢ ዝኾነ ሕዝቢ እምበር ብእግዚኣብሔር ዝተሓርዩ ራእሲ ኣይኮናን

እቲ ሓምሻይ መሰረት ከኣ፥ ሕዝቢ ምስ ሕዝቢ እምበር ዝተሓርዩ ፍሉያትን ራእስን ኣይኮንናን፥ ነቲ ዝወደቐ ሓፍ ዘብልን ዘዋህድን ሓቛፊ ባህሊ ንኽረጋገጽ ዝዓዩ ኢና፡ እቶም ገዛእ ርእሶም ብሉጻት ሕሩያን እግዚኣብሔር ገይሮም ዝሓስቡ ክህነታውነት ምስ ሕዝቢ ሓቢሮም ዘይዓዩ ናይ ህዝቢ ህርመት ጽን ዘይብሉን ዘይሰምዑን ናብ ምዃን እዮም ዝወድቁ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ተሓባባሪያ፥ ነቲ ካልእ ከም መጋበርያ ምጥቓም ዝብል ባህሊ ምውጋእ

እቶም ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሓስቡ ገዛእ ርእሶም ተሓባበርትን ቅኑዓትን ኮይኖም ክርከቡ ወሳኒ እዩ፡ ድኽነት ዘስፍሕን ዝፈጥርን ቅርጺ ኢማዕርነትን ስእነት ስራሕ፥ ቤትን መሬትን ስራሕን ንዅሉ ውሑስ ዝገብሩ ክኾኑ ከምዘለዎም፥

ማሕበራውን ስራሕ ናይ ምርካብ መሰልን ክብረትን ዝግህስ ተግባር ምቅላስን ብሓፈሻኡ ካልኦት ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ጊሊዎት ዝገብር መሰልን ክብረትን ዘዋርድን ዝሓክኽን ባህሊ ምውጋእ የድሊ፡

እንክብሉ ከምዘብርሁ ኣፍሊጦም።

ቅኑዓት፥ ንድኻታት ግብኦም ንኽውሃቡ ዝዓዩ

ንድኻታት እቲ ዝግብኦም እምበር እቲ ዘሎና ኣይኮነን ክንህቦም ዝግብኣና፥ ክህልዎም ግቡኦምን ክብሮምን እዩ፥ ዝምጽወቱ ኣይኮኑን፥ እቲ ዝተመንዝዖም ግብኦም ክንህቦም ይግባእ፥

ሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ምሕናጽ፥ ናይ ክርስትና ባህሊ ፈጺሙ መሰል ግላዊ ጥሪት ካብ ጥንቲ ጀምሪ ዝኽሕዶ ጉዳይ ኣይኮነን ይኹን ደኣ እምበር ግላዊ ጥሪት ዘለዎ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የመላኽት፡ ግላዊ ጥሪ ባህርያዊ ካልኣዊ መሰረታዊ መሰል እዩ፡ ካብቲ ኵሉ ክህልዎ ይግባእ ካብ ዝብል መሰረታዊ መሰልን ክብርን ዝምንጨው እዩ፡ ኩላዊ ሃብቲ ንዅሉ ካብ ዝብል መትከል ዝነቕል እዩ፡

ህልዮ ዘይኮነ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝኽእል ሓድሽ ናይ ሕጊ ስርዓት

ኣብ ኢማዕርነትን ዝቐውም ማሕበራዊ ፍትሒ የልቦም፥ ሃብቲ ብውሑዳት ክዕብለል ኣብ ዝብል መሰረት ኢማዕርነት ዘቑሞ ማሕበራዊ ፍትሒ ፈጺሙ ክህልው ኣይኽእልን፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም እቶም ደያኑ ንሓድሽ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝድርኽ ማሕበራዊ ፍትሒ ከም ተራ ህልዮ ገይሩ ዘየቕርብ ክትግበር ዝኽእል ሕብረተሰብ ዘዋህድን ናብ ሰላም ዘሰንይ ፍርዲ ኣሰራርሓ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

01 December 2020, 17:00