ር.ሊ.ጳ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ኣዊጆም!
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣብዛ ብልቢ ኣቦ እትብል ብላቲን ፓትሪስ ኮርደ ዘርእስታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ንቅዱስ ዮሴፍ ከም ፍቁር ኣቦ ሕያዋይን ፈቃርን ኣቦ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ወትሩ ንኩሉ ዝቅበልን ተኣዛዝን ብናይ ፈጠራዊ ትብዓቱ ወትሩ ትጉህ ሠራሕተኛ ኰይኑ ደበንገረ ኣብ ዘጋጥመሉ እውን ብእምነት ዝጐዓዝ ምዃኑ ገሊጾም።
ቀንዲ መበገሲ ናይዛ መልእኽቲ እቲ ቅድሚ 150 ዓመት ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ 9ይ ንቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ኩላዊት ቤተክርስትያን ዝብል ኣዋጅ ንምዝካር እዩ። ነዚ ዝኽሪ እዚ ብዝዓበየ ንክንጥቀመሉ ኸኣ ፍሉይ ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ካብ በዓለ ፅንሰታ ለማርያም 2020 ጀሚሩ ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2021 ብበዓለ ፅንሰታ ለማርያም ክዛዘም ኣዊጆም።
ምሉእ ትሕዝቶ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምንባብ ብቋንቋ ጣልያን http://www.vatican.va/content/francesco/it/apost_letters/documents/papa-francesco-lettera-ap_20201208_patris-corde.html ፣ ብቋንቋ እንግሊዝ http://www.vatican.va/content/francesco/en/apost_letters/documents/papa-francesco-lettera-ap_20201208_patris-corde.html
ቅዱስነቶም ነዛ መልእኽቲ እዚኣ እንክጽሕፉ ዘሎናዮ ጸገም ለበዳ ኮቪድ 19 ብዘስዓቦ ሕማምን ማሕበራውን ቊጠባውን ቅልውላውን ንቅዱስ ዮሴፍ ዝመሳሰሉ ብዙሓት ብትዕግስቶምን ንካልኦት ንክሕግዙ ብዘርኣይዎ ተወፋይነቶምን ዝረኣናሉ ግዜ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም። እዚኦም ማንም ሰባት እዚኦም ከም ሰቦም እናንነበሩ ዓቢ ጅግንነት እንክፍጽሙ ረኣየኑ ረኣዩኒ ዘይብሉ ብሓቂ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ብሱቊታ ነቲ ጐይታ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍልጦ ብዚዓይነቱ ኩለንትናኦም ብሕቡእ ዘወፈዩ ነቲ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ታሪኽ ድሕነትና ብትሕትና ዘወፈዮ መዳርግቲ ኣልቦ ኣበርክቶ የዘኻኽሩና። ከመይ ቅዱስ ዮሴፍ ፈቃርን ሕያዋይን ኣቦ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ተኣዛዚ ኣቦ እውን ነሩ ኢሎም።
ፈቃርን ሕያዋይን ተኣዛዝን ኣቦ!
ሽሕ እኳ ቅዱስነቶም ፍሉይ ፍቅሪ ቅዱስ ዮሴፍ እንተለዎም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ስለዝጸሓፉ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ንዝበልዎ ይጠቅሱ። ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብዛዕባ ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ እንክጽሕፉ ‘ቅዱስ ዮሴፍ ብጭብጢ ዝግለጸሉ ኣቦነቱ ኰይኑ እዚ ከኣ ንገዛእ ርእሱ ብፍቅሪ ነዚ ኣቦነት እዚ ብምውፋዩ እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት እቲ ኣብ ገዛኡ ዚዓቢ ዝነበረ መሲሕ ኣውዓሎ’ ኢሎም ነበሩ።
ፍቃድ እግዚአብሔር ሃንጐፋይ ኢልካ ምቅባል!
ቅዱስ ዮሴፍ ማዕረ እቲ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ኣቦነት ኢየሱስ ምቅባሉ ነቲ ሎሚ እውን ኣገዳሲ ተግባር እምነት ዝኾነ ንእኖና ድንግል ማርያም ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ሕጽይቱ ክትከውን ተቀቢሉ። ቅዱስነቶም ነዙይ ምስ ዘሎናዮ ግዜ እንከወዳድሩ ‘ኣብዚ ዘመና ኣሽንኳይ ከም ቅዱስ ዮሴፍ ክትቅበለን ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ንደቂ ኣንስትዮ ሥነ ኣእምሮኣውን ናይ ቃልን ኣካላውን ዓመጽ ክፍጸም ዝረኣየሉ ዓለምን’ ይብሉ። እንተ ቅዱስ ዮሴፍ ንጐይታ ብምሉእ ልቡ ብምትእምማን ዋላ እኳ ነቲ ፍጻሜታት ክርድኦ እንተዘይከኣለ ሓሳባቱ ኣብ ጐድኒ ገዲፉ ንገዛእ ርእሱ ምስ ታሪኹ ብምምዕርራይን ብምዕራቅን ንፍቃድ እግዜአብሔር ተቀቢሉ ሕጽይቱ ክትከውን ይቅበላ።
ብልሃተኛ ተባዕ ኣቦ ምሳሌ ፍቅሪ!
ሓዋርያዊት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንትብዓት ቅዱስ ዮሴፍ እንክትገልጾ ብልሃተኛ ብማለት ወትሩ ዝሕደስ ዝኾነ ጸገም እንከጓንፍ ወትሩ መውጽኢ ዝረክብ ይብሎ። እዚ ብልሓተኛ ክእለት እዚ ከኣ ኣብቲ ጥበብን ብልሓትን ጽርበቱን ናይ ፈጠራ ክእለቱን ከምዝምርኰስ ይጠቅስ። ጸራቢ ናዝሬት ንዝኾነ ጸገም ብመልኮታዊ ሓልዮ ተኣማሚኑ ናብ ፍታሕ ክልውጦ ዝኽእል ነበረ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወቱ ምስ ክውን ናብራ ሥድራቤት ዝጭበጥ ጸገማት እዩ ዝጋጠም ዝነበረ እዚ ጸገማት እዚ ከኣ ሎሚ ንብዙሓት ዘጋጥም ዘሎ ናብራ ስደት ስድራ ሒዝካ ኣብ ዘይትፈልጦ ዓዲ እንክትስደድ ንዘጋጥም ጸገማት በቲ ተበላሓቲ ትብዓቱ ይምክቶ ነበረ።
ዋጋን ክብርን ሓጐስን ሥራሕ ዝምህር ኣቦ!
ቅዱስ ዮሴፍ ብቅንዕና ንስድራቤት መነባበሪ ዝኸውን ብጽርበት የእቱ ነበረ። ቅዱስ ዮሴፍ ዝምህረና ጉዳይ እንተልዩ ብጻዕሪ ሥራሕካ ዕለታዊ እንጌራኻ ምምጋብ ክንደይ ዝዓቢ ዋጋን ክብርን ሓጐስን ከምዘልዎ ይምህረና። ቅዱስነቶም በዚ ኣመላኽታ ቅዱስ ዮሴፍ ብዛዕባ ሥራሕን ኩሉ ሥራሕ ክህልዎ ዝብል ናይ ዘመንና ተኣፋፊ ማሕበራ ጸገም ኣብተን ብናብራ ደሓን ዝኾና ሃገራት እውን ከይተረፈ ዘሻቅል ስለዝኾነ ጻውዒት የቅርቡ። ሎሚ ከም ሎሚ ክብረት ዘለዎ ሥራሕ ከምዘድሊ ነዚ ከኣ ኣብነታዊ ጠበቃ ሠራሕተኛታት ዝኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ዓቢ መምህርና የዘኻኽረና ኢሎም።
ኣብ ማርያምን ኢየሱስን ዘተኰረ ሕቡእ ኣቦነት!
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ዘቅርብዎ ግደ ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ቅድስት ስድራ ኰይኑ ነዚ ንምግላጽ ከኣ ፖላንዳዊ ጸሓፊ ያን ዶብራዥንስኪ ‘ጽላሎት ኣቦ’ ክብል ንዝጸሓፎ ብምጥቃም ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍ ጽላል ናይቲ ሰማያዊ ኣቦነት ኢየሱስ እዩ ይብሉ።
‘ኣቦታት ኣይውለዱን እዮም እንታይ ደኣ ይፍጠሩ’ እንክብሉ ቦታ ኣቦ ልዑል ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ነዚ ንምብርራህ ‘ሓደ ሰብ ሓደ ሕጻን ኣብ ዓለም ብምውላድ ጥራይ ኣይኮነን ኣቦ ዝኸውን እንታይ ደኣ ነቲ ሕጻን ንምክንኻን ምሉእ ሓላፍነት ኣብ ምልባስ እዩ ቀንዲ ቁምነገሩ። ሕማቅ ዕድል ኰይኑ ሎሚ ከም ሎሚ ግን ኣብ ማሕበረሰብና ብዙሓት ሕጻናት ብስእነት ኣቦ ዘኽታማት ይኾኑ ኣለው። እዞም ናብዚ ዓለም እዚ ምስ ኣምጽእዎም ንውሉዶም ዝጠልሙ ኣቦታት ቀንዲ ኣብነት እዮም። ሕጻናት ኣቦታት ይደልዩ እዚ ኣቦ እዚ ግን ዝጭቁን ኣቦ ዘይኮነ ንሕይወት ብነጻነት ንከስተማቅሩን ሓደስቲ ተኽእሎታት ንክረኽቡ ዝሕግዝዎምን ንገዛእ ርእሶም ባዕሎም ክውስኑ ክሳብ ምኽኣል ከዕብይዎምን ክኲስኲስዎምን ውፉያት ኣቦታት ይደልዩ’ ኢሎም።
ኣቦነት ቅዱስ ዮሴፍከስ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝለበሰ ንጹሕ ናይ ንጹሓት ኣቦ ምዃን ነበረ። እዚ ኣቦነት እዚ ከኣ ካብቲ ንውሉድ ከም ንብረትካ ገርካ ክትውንኖ ንምድላይ ይጻረር። ቅዱስ ዮሴፍ ነዚ መሠረታዊ ነጻነት ውሉድ ብልዑል ወኒ ከምዘፍቀሮን ከምዝገበሮን ንምልከት። ኣብ ኲሰኰሳ ኢየሱስ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ማእከል ኣተኲሮ ከይገብሮ ብኩለንትናኡ ንኢየሱስ ብምሕጻብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ምንም ከይሓሰበን ከይተጨነቀን ኣብ ሕይወት ማርያምን ኢየሱስን ብምትኳር ሓላፍነት ኣቦነት ተቀቢሉ ኣገልግለሎም ኢሎም።
ምሉእ ሓጐስ ቅዱስ ዮሴፍከስ ኩለንትናኡ ነዚ ተልእኮ እዚ ምውፋይ ነበረ። እቲ ዘገርም ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወት ቅዱስ ዮሴፍ ምናዳ ኣብ ተልእኮ ሓለዋ ቅድስት ሥድራ ብምንም ተኣምር ተስፋ ቊርጸት ኣይርአን እኳ ደኣ ወትሩ ምሉእ ምትእምማን ኣብ እግዚአብሔር ገሩ ወትሩ በቲ ትዕግሥቲ ዝመልኦ ሱቊታኡ ንዘለዎ ምሉእ ምትእምማን ይገልጽ ነበረ። ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ቅዱስ ዮሴፍ ዝዓበየ ኣብነት እዩ። ዘመንና ኣቦታት እምበር ጨቈንቲ ኣየድልይዎን ማሕበረሰብና እውን ንዝኾነ ዕብለላን ውልቀምልክን ይነጽግ። ከምኡ እውን ጭቆና ዝዓብለሎ ኣገልግሎትን ንኣይ ጥራይ ስማዕ ዝብል ተጽዕኖ ዝረኣዮ መደረን ኣብ ጐይትነት ዝመርሕ ግብረሠናይን ዘዕኑ ሥልጣንን ይቃወም።
ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝቀርብ ዕለታዊ ጸሎትን!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ንእሽቶ ተመኲሮ ሕይወቶም የካፍሉ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ንግሆ ንግሆ ዳዊት ክደግሙ ኣብ ጸሎት ዘነግህ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ብፈረንሳውያን ማሕበር ደናግል ዘኢየሱስ ወማርያም ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝተደርሰት ጸሎት ከምዝደገሙ የመልክቱ እሞ፡ እዚ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ኣክብሮን ምትእምማን ዝገልጽ ጸሎት እዚ ኣብ ፍጻሜኡ ንቅዱስ ዮሴፍ ሃየስከ ዝዓይነቱ ተሪር ልመና የቅርብ ኢሎም። እቲ ጸሎት ከኣ ‘ኦ ፍቁር ኣቦይ ኩሉ ምትእምማነይ ኣባኻ እዩ። ንከንቱ ንኣኡ ተማሕጺኑ ከምዘይብሃል ግበር። ምስ ኢየሱስን ማርያምን ንኩሉ ክትገብር ስለ እትኽእል ከኣ ሕያውነት ብምሉእ ሓይልኻ ኣርኢ’ ዝብል ዳርጋ ብዕሎኻ ዝመስል ሓያል ጸሎት ከምዝኾነ ገሊጾም።
ነዚ ጸሎት እዚ ከኣ ኩልና ምእንቲ ክንደግሞ ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም ብምቅራብ ኩልና ክንጽልዮ የዘኻኽሩ።
[ ሰላም ንዓኻ ኦ ሓላዊ መድሓንን ሕጹይ ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ እግዚአብሔር እንኮ ወዱ ንዓኻ ሓደራ ሃበ ቅድስት ድንግል ማርያም እውን ኣባኻ ምሉእ ምትእምማን ኣሕደረት ምሳኻ ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣ ቅዱስ ዮሴፍ ንዓና እውን ኣቦ ኩነና ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ምርሓና። ዘድልየና ጸጋን ምሕረትን ትብዓትን ኣማልደልና ካብ ክፉእ ዘበለ ከኣ ተኸላኸለልና ኣሜን። ]