ድለ

ኣቦን ኣደን ዝኾነ እግዚአብሔር ምስ ገበታ ሓጢኣትና ወትሩ ይባርኸና! ር.ሊ.ጳ

‘እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና።’ (ኤፈ 1.3-6)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ኣብ ሓደ ቀንዲ ክፋል ጸሎት ዝኾነ ክፍሊ ክነተኩር ኢና እዚ ከኣ ቡራኬ እዩ። ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርናዮ ኣስተንትኖ ክንቅጽል ኢና። ኣብ ታሪኽ ፍጥረት ምልስ እንተበልና እግዚአብሔር ብቀጻሊ ንፍጥረት ኩሉ ይባርኽ (ዘፍጥ 1-2)። ኣብ ዘፍጥ 1.22 ንእንስሳ ይባርኽ። ኣብ ዘፍጥ 1.28 ከኣ ንኣዳምን ሔዋንን ይባርኽ። ኣብ መወዳእታ ነታ ዕለተ ዕረፍትን ፍጻሜ ኩሉ ፍጥረትን ዝኾነት ዕለተ ሰንበት ይባርኽ (ዘፍጥ 2.3)። እግዚአብሔር ወትሩ ይባርኽ።  ኣብ ቀዳሞት ገጻት ቅዱስ መጽሓፍ እንረኽቦ ተደጋጋሚ ቡራኬ እዩ። እግዚአብሔር ይባርኻ ደቂሰባት እውን ከምኡ ይባርኹ በዚ ከኣ ቡራኬ ፍሉይ ሓይሊ ከምዘለዎን ንሕይወት ናይቲ ቡራኬ ዝቅበል ንምሉእ መዋእሉ ከምዘሰንዮን ንልቢ ደቂሰባት ብእግዚአብሔር ንክልወጥ ፍቃደኛ ከምዝኸውንን ይግሃድ (ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ጉባኤ 61)።

ኣብ ምጅማር ዓለም ኩሉ ጽቡቅ ነበረ ዝብል እግዚአብሔር ኣሎ። ንሱ ኩሉ ሥራሓት ኢዱ ሠናይን ጽቡቅን ምዃኑ ይገልጽ ኣብ ሰብ እንክበጽህ ከኣ ፍጥረት ኩሉ ይፍጸም እሞ ፍጥረት ሰብ ብጣዕሚ ጽቡቅ ከምዝኾነ ይገልጽ (ዘፍጥ 1,31)።  ካብዚ ካብ ጽባቄ እግዚአብሔር ቁሩብ ትሕት ዝብል ተግባር ፍጥረት ግን ምቅይያር ይረኤ። እቲ ተመንዩ ዝፈጠሮ ዘመደ ኣዳም ኣብ ዓለም ሕሰምን ሞትን ዘመንጩ ውርደተኛ ፍጥረት ይኸውን። እንትኾነ ነታ ናይ መጀመርታ ጽባቄ እግዚአብሔር ዝድምስስ ሓይሊ የለን። እዛ ሕያውነት ዝምልክታ ጽባቄ እግዚአብሔር ኣብ ኩሉ ዓለም ኣብ ባህርይ ደቂ ሰባት ኣባና ኣብ ኩልና ማለት እዩ ኣላ። ንሳ ኸኣ ንክትባርኽን ንክትባረኽን ዝወሃብ ክእለት እያ። እግዚአብሔር ኣብ ምፍጣር ኣይተጋገየን ኣብ ምፍጣር ኣዳም እውን ኣይተጋገየን። ከመይ ተስፋ ምሉእ ዓለም ኣብ ቡራኬ እግዚአብሔር ስለዝጽጋዕ ንሱ ኸኣ ወትሩ ስለዘፍቅረና  እዛ ፍቅሪ ከኣ ቀጻሊት ስለዝኾነት ከምቲ ገጣማይ ፐጊ ዝብሎ ንሱ ኣቀዲሙ ኣፍቂሩና እዩ እሞ ኣብ ጽቡቅ ነገርና ወትሩ ምስ ተተስፈወ እዩ።

እታ ዝዓበየት ቡራኬ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እዚ ከኣ ዓቢ ህያብ እግዚአብሔር ኰይኑ ወዱ እዩ። እዚ ህያብ እዚ ንምሉእ ዘመደ ኣዳም ቡራኬ ኰይኑ ንኩሎም ዘድሓነ እዩ። ንሱ ዘለዓለማዊ ቃል እግዚአብሔር ኰይኑ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ እግዚአብሔር ኣቦና ገና ሓጢኣተኛታት እንከሎና ብኣኡ ባረኸና (ሮሜ 5.8)። ሥጋ ዝለበሰ ቃለ አብ ምእንታና ኣብ ዕጸ መስቀል ተወፈየ።

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ፍቅሪ ዝመልኦ መደብ ድሕነት እግዚአብሔር እንክዛረብ ብዓሚቚ ስምዒት ‘እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና’ (ኤፈ 1.3-6) ይብል። ስለዚኸስ ኣብ ነፍሲወከፍና ዘሎ ምስሊ ክርስቶስ ካባና ክድምስስ ዝኽእል ሓጢኣት የልቦን። ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ኣምሳልን ኣርኣያን እዚ ኸኣ ምስሊ ክርስቶስ ክድምስስ ዝኽእል ሓጢኣት ፈጺሙ የልቦን። ክዘርጎ ይኽእል ይኸውን እንተኾነ ካብ ምሕረት እግዚአብሔር ፈጺሙ ከውጽኣ ኣይክእልን። ሓደ ሓጢኣተኛ ኣብ ጌጋታቱ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጽበ ይኽእል እዚኣ ከኣ እቲ ሓጢኣተኛ ናብ ልቡ ተመሊሱ ክጠሓስ ክንሳሕ ተስፋ ብምግባር እግዚአብሔር ክሳብ መወዳእታ ከምዝዕገሶ እዩ። እግዚአብሔር ከም ሕያዋይ ኣቦን ሕያወይቲ ኣደን እዩ። ሕያዋይ ኣቦ ጥራይ ከይመስለኩም ሕያወይቲ ኣደ እውን እዩ። ከምቲ ሕያዎት ወለዲ ደቆም ወላውን እንተተጋገዩ ካብ ምፍቃሮም ዘየቋርጹ ወትሩ ካብ ምፍቃርና ኣየቋርጽን። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንከስተንትን ቅጅል ዝብለኒ ሓደ ጉዳይ ኣሎ ንሱ ከኣ ኣብ ከባቢ ቤትማእሰርቲ እንክምልከት ብዙሓት ኣደታት ኣብ ኣፋፈት ቤትማእሰርቲ መስርዕ ሒዘን ተኣሲሮም ንዘለው ደቀን ክበጽሓ ጸደፍደፍ ክብላ ምርኣየይ እዩ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ደቀን ካብ ምፍቃር ኣየቋርጻን። በቲ መንገዲ ዝሓልፉ ‘ኣየኸ እዚኣ ኣደ ሓደ እሱር እያ’ ከምዝብሉ ይፈልጣ እየን። በዚ ፈጺሙ ሕፍረት ኣይስመዔንን። ርግጽ እዩ የሕፍር እዩ እንተኾነ ንሰን ይግስግሳ ደኣ! ካብቲ ሕፍረት ወደን ኣጸቢቁ ከምዝበልጽ ይፈልጣ እየን። ንእግዚአብሔር ልክዕ በዚ መልክዕ እዚ ክንዮ ኩሉ ክንፍጽሞ እንኽእል ሓጢኣት ዝበለጽና ኢና። ምኽንያቱ ንሱ ኣቦና ኣደና ጽሩይ ፍቅሩ ስለዝኾነ ንዘለዓለም ባሪኹና እዩ። ቡራኬኡ ካብ ምዕዳል ኣይከቋርጽን እዩ።

ዝበለጸት ተመኩሮ ነዘን ቡራኬ እግዚአብሔር ዝገልጻ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወይውን ኣብ ሓደ ናይ ዳግም ህንጸት ማሕበር ምንባበን እዩ። ክንዮ እቲ ዓበይቲ ገበናቶም እዞም ሰባት እዚኦም ብሰማያዊ ኣቦኦም ዝተፈቅሩ ምዃኖም ወትሩ ከምዝባርኾምን ከምዝፍቅሮምን ኣብ መወዳእታ ናብ ሠናይ ነገር ክምለሱ ብተስፋ ከምዝጽበዮምን ክተስምዖም ክንደይ ጥዑም እዩ። ኣብ ገገሊኡ እቶም ኣይሓድግዎምን ዝበልናዮም ወለዶም እውን ዓቃባውያን ብምዃን እንክጥንጥንዎም ማለት ከምቶም ኣብ ቤትማእሰርቲ ደቀን ክርእያ ብዘይምንም ሕፍረት መስርዕ ዝገበራ ኣደታት ዘይኮኑ ደቅና ኣይምልሱን እዮም ኣሮማይ ዝበሉ እኳ እንተለው ንእግዚአብሔር ግን ወትሩ ፍቁራት ደቂ እዮም። እግዚአብሔር ነቲ ኣባና ዝሰኣሎ ምስሊ ወዱ ክድምስሶ ኣይክእልን። ነፍሲ ወከፍና ውሉዱ ኢና። ሓንሳእ ሓንሳእ ተኣምር ክፍጸም ይረኤ እዚኦምሲ ጨሪሽካ ዝምለሱ ኣይኮኑን ተባሂሎም ኩሉ ተስፋ ዝቈረጸሎም ሰባት ዳግም ክውለዱን ክሕደሱን ይረኤ። እዚ ከኣ ከም ደቂ እግዚአብሔር ብሓባር ኰይኖም እንክጽልዩ ቡራኬ ጐይታ ስለ እትትንክፎም እዩ። ጸጋ እግዚአብሔር ሕይወት ትልውጥ ከምቲ ዝነበርናዮ ክንቅጽል ኣይትሓድገን እያ።

ንኣብነት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዘኬዎስ ዝገበሮ እሞ ንሕሰብ (ሉቃ 19,1-10)። ኩሎም ኣብ ዘኬዎስ ሕማቅ ነገር ጥራይ ይርእዩ ነሮም እንተ ኢየሱስ ሠናይ ነገር ኣብኡ ተሓቢኡ ከምዘሎ ይዕዘብ። ካብኡ በቲ ኣብ ዘኬዎስ ዝነበረ ንኢየሱስ ናይ ምርኣይ ውጥምና እታ እተድሕን ምሕረት እግዚአብሔር ከም እትትንክፎ ይኸውን። በዚ ከምዚኸስ ሕይወት ዘኬዎስ ካብቲ ዝነበሮ መጀመርያ ልቡ ደሓር ናብራኡ ይቅየር። ኣብቶም ዝተናዕቁን ዝተገለሉን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ዘይድምሰስ መበቆላዊ ቡራኬ እግዚአብሔር ይርኢ ነበረ። እዚ ሰብ እዚ ግሁድ ሓጢኣተኛ ነበረ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ፈጸመ እንተኽዕን ኢየሱስ ነቲ ዘይድምሰስ ቡራኤ ኣቦ ይርኢ እሞ ካብኡ ይርሕራሓሉ። እታ ኣብ ወንጌል ብተደጋጋሚ ‘ራሕረሐ ደንገጸ’ እትብል ናይ ርሕራሔን ምድንጋጽን ቃል ናብ ምሕጋዝ ጽጉማት ብኡ ኣቢሉ ከኣ ናብ ለውጢ ልብን ንስሓን ንክበጽሑ ይረድእ ነበረ። በዚ ከምዚ ከኣ እዚ ርሕራሔ እዚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ እንከብጽሖ ንገዛእ ርእሱ ምስቶም ድኻታትን ጽጉማትን ብምግባር ንኣኦም ዝተገብረ ንኣኡ ዝተገብረ ምዃኑ ብምግላጽ ናይ መወዳእታ ፍርድና ብናይ ርሕራሔን ምሕረትን ሥራሓት ምዃኑ ይገልጸልና (ማቴ 25.31-45)። በዚ ከኣ ‘ኣነ ኣብኡ ነረ እቲ ጥሙይ ኣነ እየ ነረ እቲ ዕሩቅ ኣነ እየ ነረ እቲ እሱር ኣነ እየ ነረ እቲ ሕሙም ኣነ እየ ነረ ኣብኡ ነረ’ እናበለ ከመይ ከም እንፍረድ ይገልጸልና።

ነቲ ዝባርኸና ኣምላኽ ንሕና እውን ብቡራኬ ንምልሰሉ። ከመይ እግዚአብሔር ቡራኬ ምሂሩና ስለዚ ክንባርኽ ኣሎና። ብዛዕባ ናይ ኣምልኾን ስግደትን ምስግናን ጸሎት እንክገልጽ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቊ.2626 ‘ቡራኬ እቲ ቀንዲ ናይ ጸሎተ-ክርስትና ምንቅስቓስ ዚገልጽ፤ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዚግበር ርክብ እዩ። ኣብ’ቲ ዚግበር ጸሎተ-ቡራኬ ብዚፍጸም ምውስሳእ/dialogue (ጸሎት)፤ ቡራኬ-ኣምላኽን ተቐባልነት-ሰብን ይራኸብን ይወሃሃድን። እቲ ጸሎተ ቡራኬ ብወገን ሰብ ንህያባት-ኣምላኽ ዚወሃብ ምላሽ

እዩ። እግዚኣብሔር ንሰብ ይባርኾ፤ ልቢ-ወድሰብ’ውን ተመሊሱ ነቲ ምንጪ-ኩሉቡራኬ ዝኾነ ኣምላኽ ይባርኾ ይምርቖ፤ በኣኡ ጽቡቕ ይዛረብ’ ይብል። ጸሎትከስ ታሕጓስ ዝተገብረልካ ኣለሊኻ ምኽኣልን እዩ። እግዚአብሔር ንከፍቅረና ክንልወጥ ኣይጽበየናን እዩ ከመይ ገና ሓጢኣተኛታት እንከሎና ንሱ ኣቀዲሙ ኣፍቁሩና እዩ።

ነዚ ዝባርኸና ጐይታ ጥራይ ኣይኮናን እንባርኽ እንታደኣ ንኩሉ ብኣኡ ገቢርና ክንባርኽ ኣሎና ንኩሉ ዘመደ ኣዳም ክንባርኽ ኣሎና። ንእግዚአብሔር ምብራኽ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምብራኽ ንዓለም ምሉእ ምብራኽ ሡርመሰረት ለውሃት ክርስትና ኰይኑ ከምዝተባረኽካ ምፍላጥን ንክትባርኽ እትኽለሉ ጸጋን እዩ። ንሕና ኩልና ከምዙይ እንተንገበር ብርግጽ ውግኣት እምበይምሃለውን ነይሮም። እዛ ዓለምና ቡራኬ የድልያ ኣሎ። ንሕና ቡራኬ ክንህብን ክንቅበልን ንኽእል። እግዚአብሔር ኣቦ የፍቅረና እዩ። ካባና እትድለ ታሕጓስ ቡራኬኡን ታሕጓስ ምስጋናኡን ኰይኑ ካብኡ እንመሃሮ ቡራኬ ምሃብ እምበር ምርጋም ኣይኮነ። ኣብዚኣ ነቶም መርገም ዝኣመሎም ሰባት ኣብ ኣፎም ከምኡ እውን ኣብ ልቦም ሕማቅ ቃል መርገም ጥራይ ዘዘውትሩ ሓንቲ ቃል ክብል። ነፍሲወከፍና ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ኣነ እዚ ናይ ምርጋም ልማድ ኣሎኒዶ! ኢልና ነስተንትን እሞ ንጐይታ ነዚ ንክንልውጥ ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ። ከመይ ንሕና ዝተባረኸ ልቢ እዩ ተዓዲሉና ካብ ሓደ ዝተባረኸ ልቢ ከኣ መርገም ክወጽእ የብሉን። ጐይታ ንክንባርኽ እምበር ፈጺምና ንከይርገም ይምሃረና። እግዚአፍብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 December 2020, 18:14