ድለ

ኣብ ጽንኩር ግዜ ምጽላይ ኣየሕፍርካ! እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መለሸ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ኦ እግዚኣብሔር፣ ናባኻ ኤእዊ ኣሎኹ፣ ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፣ ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዚወርዱ ኸይመስልሲ፣ ዎ ኸውሔይ፣ ኣይትጽመመኒ። ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ። . . . እግዚኣብሔር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ስብሓት ይዅኖ። እግዚኣብሔርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፣ ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፣ ኣነውን ተረዲኤ፣ ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፣ ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።’ (መዝ 28, 1-2,6-8)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ እውን ብዛዕባ ጸሎት ዝጀምርናዮ ኣስተንትኖ ክንቅጽል ኢና። ጸሎት ክርስትያን ብምሉኡ ሰብኣዊ እዩ። ንሕና እንክንጽሊ ከምዘሎናዮ ከም ደቂሰባት ኢና እንጽሊ። እዚ እነቅርቦ ጸሎት ከኣ ምስጋናን ልመናን የጠቃልል። ነዚ ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ክምህሮም እንከሎ ኣብ ኣቡነዘበሰማያት ምስ እግዚአብሔር ኣቦና ምሉእ ውሉዳዊ ምትእምማን ዘለዎ ርክብ ብምፍጣር ንኩሉ ሕቶታትና ነቅርብ። ብቀዳምነት ንዝለዓሉ ጉድያት ንልምን ስሙ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ክቅደስ መንግሥቱ ክትመጽእን ሠናይ ፍቃዱ ከምቲ ኣብ ሰማይ ዝኾኖ ኣብ ዙርያ ዓለምና እውን ክፍጸም ንምህለል። ትምህርቲ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ እንክገልጽ ኣብ ቊ.2632 ‘ኣብ ልመናታት ደረጃታት ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ መንግሥቱ ንልምን ስዒቡ ከኣ ንክንቅበሎን ምስ መጸ ንክንተሓባበሮን ዘድሊ ጸጋ ንልምን’ ይብል። እንተኾነ ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ኢልና እንክንጽሊ ቅልል ቅልል ንዝበሉ ህያባት እውን ንልምን ኢና ከም ዕለታዊ እንጌራ እዚ ከኣ ጥዕና ገዛ ሥራሕ ማለት ዕለት ዕለት ዘድልዩና ነገራት እንከምልክት ብዓቢኡ ከኣ ኣብ ክርስቶስ ከመይ ገቢርና ከምእንነብር ንምምልካት ከኣ ንቅዱስ ቊርባን እውን የመልክት። ከምኡ ስለ ሕድገት ሓጢኣት ንልምን። እዚ እውን ዕለት ዕለት ዘጋጥመና ኰይኑ ወትሩ ምሕረት ከምዘድልየና የመልክት ምሳኡ ከኣ ምስ ሰባት ኣብ ዘሎና ርክብ ሰላማውያን መሓርቲ ክንከውን ጸጋኡ ክህበና ድሕሪ ለሚና ኣብ መጨረሽታ ኣብ ግዜ ፈተና ክድግፈናን ካብ ሕማቅ ነገር ክስውረና ንልምን።

ልመናን ምህለላንከስ ጽሩይ ሰብኣዊ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ ክርስቶስ እንታይ ከምዝብለና ንመልከት። ‘ንልመና(ምህለላ) ዚርኢ ናይ ሓዲስ ኪዳን መዝገበ-ቃላት፣ ኣዝዩ ሃብታም ትርጕም ዝሓዘ እዩ፥ ሕተቱ፤ ለምኑ፤ ኣማልዱ፤ ተማህለሉ፤ ተወከሱ፤ ጨርሑ “ኣብ ጸሎት ተጋደሉ” ዚብል ከይተረፈ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ልሙድ ዝኾነ ልመና እዩ፥ ምኽንያቱ ኸኣ ብገርሂ ጐስጕሱ ዚወጽእ እዩ። ምስ እግዚኣብሔር ዘሎና ርክብ እንገልጸሉ በዚ ጸሎተ ልመና እዩ። ንሕና ባእዕና ንባዕልና ዘበገሥና ፍጡራን ኣይኮናን፤ ነቲ ኹሉ ዚመጽኣና ተቓውሞ እንመልኽ ኣይኮናን፤ መወዳእታ ዕላማና’ውን ካባና ኣይኮነን። ንሕና ኃጢኣተይናታት ኢና፥ ክርስትያን ዘበለ ዅሉ ከምዚፈልጦ ከኣ፤ ብኃጢኣትና ካብ እግዚኣብሔር-ኣቦ ዝረሓቕና፤ ልመናና ድማ ናብኡ ከምዝተመለስና ብኡብኡ የረድእ። (ቊ.2629)

ምናልባት ሓደ ካባና ሕማቅ ነገር ብምግባሩ ሓጢኣተኛ ብምዃኑ እንተጒህዩ እሞ ኣቡነ ዘበሰማያት እንተደጊሙ ድሮ ናብ ጐይታ ይቀርብ ኣሎ። ሓንሳእ ሓንሳእ ምንም ዘድልየና ነገር ከምዘየለ ኰይኑ ክስምዓና ባዕልና ንባዕልና እኹላት ኰይኑ ክረኣየና ይከኣል እዩ። እዚ የጋጥም እዩ። እንተኾነ እዚ ህውተታ እዚ ድሕሪ ወይ ቀዲሙ ይበንን። ስለዚኸስ ወዲሰብ ልመናን ምህለላን እዩ እዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ገዓር ይኸውን ካልእ ሳዕ ከኣ ኣብ ልብና ሒዝና ሱቊ ንብል። ከምቲ መዝሙረ ዳዊት 62 ዝብሎ ነፍስና ንዝጸምኤ ምድረበዳ ትመስል። ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና ኩልና እንፍተነሉ ግዜ ተነጽሎ ወይውን ብሕትውነት ኣሎ። ቅዱስ መጽሓ ናይ ደቂሰባት ኩነታት ንክገልጽ ኣይሓፍርን ብሕማም ንእትሳቀስ ይኹን ፍትሒ ብምስኣን ከምኡ ኣውን ብኣዕሩኽቲ ክሕደት እንከጋጥምን ብጸላእቲ ምፍርራህ እንክቀርብን ይምዝግብ። ሓንሳእ ሓንሳእ ኩሉ ዓነውነው ኢሉ ዝወደቀን ዝነበርካዮ ሕይወት ከንቱ ኰይኑ ዝረኣየካ ግዝያት መሊኡ የጋጥም። ኣብዚ ኩሉ ዓነውነው ዝበለሉን መውጽኢ ዝሰኣነሉን ግዜ እታ እንኮ መውጽኢት ገዓር ኣውያት ‘ኦ ጐይታ ሓግዘኒ’ እትብል ጸሎት እያ። ጸሎት ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ጩራ ብርሃን ትሰድድ። ‘ኦ ጐይታ ሓግዘኒ’ እትብል ጸሎት ከስ መንገዲ ትኸፍት ጒዕዞ ትኸፍት።

ንሕና ዘመደ ኣዳም ነዚ ናይ ረድኤት ጸሎትን ምህለላን ምስ ኩሉ ፍጥረት ንካፈሎ። ኣብዚ ገደብ ኣልቦ ህዋ እንጽሊ ንሕና በይንና ኣይኮናን። ነፍሲወከፍ ፍጡር ኣብ ውሽጡ ነዚ ናይ እግዚአብሔር ሃረርታ ሒዙ እዩ ተፈጢሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብከምዚ ዚስዕብ ይገልጾ። ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸቤና ብውሽጥና ነስቈርቊር ኣሎና’ (ሮሜ 8,22-24)። እዛ ጥቅሲ እዚ ጥዕምቲ እያ። ናይ ኩሉ ፍጥረታት ማለት ኣእዋምን ኣካውሕን እንስሳን ዘስምዕዎ ምስቊርቋር ኣባና እውን የጋውሕ ማለት እዩ። ነፍሲወከፍ ፍጡር ናብ ሓደ ፍጻሜ ገጹ ይህንጠ። ተርቱልያን ዝበሃል ካብ ኣበው ‘ነፍሲወከፍ ፍጡር ይጽሊ። እንስሳትን ኩሉ እኩብ ፍጥረትን ይጽልዩ ብርኮም ከኣ ይዓጽፉ። ነዚ ከኣ ካብ ደምበ እንክወጹን ካብ ባዕታቶ እንክወጹን ርእሶም ንላዕሊ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ይልምኑ። ኣፎም ከፊቶም ከከም ልማዶም ይግዕሩ ይጽልዩ። ጾምም ከኣ ኣይሓድሩን። ኣዕዋፍ ሰማይ እውን ምብራር ኣብ ዝጅምሩሉ ኣኽናፎም ዘርጊሕዕም ከም ዝተማሰቀላ ኣእዳው ብዝመስል ንላዕሊ ንሰማይ ገጾም ይበሩ’ ይብል (ደ ኦራስዮነ 28)። እዛ ሥነ ግጥማዊት መግለጺት እዚኣ ነታ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ኩሉ ፍጥረት የስቈርቊር ይጽሊ’ ንዝበለ ንምብርራህ እያ ቀሪባ። እንተኾነ ብሕልና ክንጽሊ እንኽእል ፍጥረት ንሕና ጥራሕ ኢና። ንእግዚአብሔር ኣቦና ኢልና ክንጽውዕን ምሳኡ ክንዋሳእን እንኽእል ንሕና ደቂሰባት ጥራሕ ኢና።

 ስለዚኸስ ለምን ለምን ዝብል ስምዒት እንክመጸና ክንዕንቀፍ ክንሓፍር የብልናን። ብዘይስኽፍታ ንጸሊ። ምናዳ ኣድላይነት ክስምዓና እንከሎ ንሕተት። ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ዘይቅኑዕ ኣመሓዳሪ ዝሃቦ ምሳሌ ማለት ልመና የሕፍረኒ እዩ ዝበለ ነዚ የዘኻኽረና። ንሕና እውን ብዙሕ ግዜ ሕፍረት ይስመዓና እዩ። ሓገዝ ክንልምንስ ሓደ ጉዳይ ኣድልዩና ንሰባት ክንሓትት ኣብ እንኸደሉ ሕፍረት ይስመዓና።  ዋላ ንእግዚአብሔር ኣብ እንልምነሉ ግዜ እውን ሕፍረት ክስመዓና ይኽእል። እዚ ግን ፈጺሙ ክኸውን ዘይብሉ እዩ። ንክትጽሊ ክትሓፍር የብልካን። ጐይታየ እዚ የድልየኒ ኣሎ። ጐይታየ ጸጊሙኒ ኣሎ ርድኣኒ ሓግዘኒ ንምባል ክንሓፍር የብልናን። ብልብኻ ናብ ኣቦ ዝግበር ገዓር ወይውን ልመና እዩ። ኣብ ግዜ ጸገም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግዜ ራህዋ እውን ምግባሩ የድሊ። ኣብ ሕማቅ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ደስታ ኣብ ዝዓሰሎ ግዜና እውን ክንገብሮ ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ ንእግዚአብሔር ስለ ኩሉ ዝገበረልና ክነመስግንኖ የድሊ ዝግብኣና ኰይኑ ዘይኮነ ብጸጋኡ ስለዝልግሰልና ወትሩ ምምስጋኑ የድሊ። ነዚ ክንመሃሮ ኣሎና። ጐይታ ወትሩ ይዕድለና ነዚ ከኣ ብነጻ ይህበና። ጸጋ እግዚአብሔር ማለት እዩ። እንተ እቲ ዀይኑ እንተ እዚ ነታ ብገርህነት እትስመዓና ልመና ኣይንጽቀጣ። ናይ ልመና ጸሎት ድሩትነትና ምስ ምቅባልን ፍጡራት ምዃና ምስ ምፍላጥን ማዕረ ማዕረ ይጐዓዝ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንእግዚአብሔር ክንጠራጠር እውን ንኽእል እንተኾነ ግን ብጸሎት ዘይምእማን ጽጉም እዩ። ጸሎት ወትሩ ኣሎ። ከም ሓደ ገዓር ወይ ልመና ቅጅል ይብለና። እዛ ውሳጣዊት ድምጺ እዚኣ ኣብ ኩልና ኣላ። ብዙሕ ግዜ ሱቊ እኳ እንተበልናይ ሓደ መዓልቲ ግን ትበራበር እሞ ክትግዕር ክትጽሊ ትጅምር።

ኣሕዋትየን ኣሓተይን እግዚአብሔር ከምዝምልሽ ንፈልጥ ኢና። ኣብ መዝሙራት ዳዊት ሰቆቃው ኣቅሪቡ ብዘይመልሲ ዝተረፈ ክፍሊ የለን። ጐይታ ወትሩ ምስ መለሸ እዩ። ሎሚ ጽባሕ እንተ በዚ እንተ በቲ ጐይታ ወትሩ ምስ መለሸ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ደጋጊሙ እግዚአብሔር ንዝጽውዖ ይምልሽ እዩ ይብል። እተን ዘይነጸራ ኣብ ልብና ጸቂጥና ሒዝናየን ዘሎና ሕቶታት ንከይንገልጸን ሕፍረት ዝኸልኣና ኣብ ልብና ዘሎ ልመናታት ኣቦና ይሰምዔን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ክህበና ይደሊ እዚ ከኣ ንጸሎትና ንኩሉ ነገራትናን ይቅልሶ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣብ ጸሎት ወትሩ ጉዳይ ትዕግስቲ ኣሎ። ወትሩ ጸኒዕና ብትዕግስቲ ክንጸበ ኣሎና። ሕጂ ዘሎና ዘመን ዘመነ ምጽኣት እዩ ዘመነ ትጽቢት ንልደት ንጽበ። ኣብ ትጽቢት ኢና ዘሎና። እዚ ግሁድ እዩ። እንተኾነ ሕይወትና ብምሉኡ ትጽቢት እዩ። ጸሎት እውን ከምኡ ወትሩ ኣብ ትጽቢት እዩ ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ንጸሎትና ከምዝምልሽ ንፈልጥ ኢና። ሓደ ክርስትያን ክጽሊ እንከሎ ሞት ከይተረፈት ትርዕድ ከመይ ካብኣ ዝሕይል ከምዘሎ ትፈልት እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሓደ መዓልቲ ከምዝመጽእ እሞ ፍጻሜኣ ከምዝኸውን ሕይወትናን ታሕጓስናን ኣብ ልዕሊኣ ከምዝዕወቱ ስለእትፈልጥ።

ኣብ ትጽቢት ምንባር ንመሃር። ኣብ ትጽቢት ጐይታ ንንበር። ጐይታ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ማለት ልደትን ፋሲካን ጥራይ ዘይኮን ወትሩ ንክበጽሓና ይመጽእ እዩ። ዕለት ዕለት ይበጽሓና። እንተደኣ ንሕና ብልብና ተሰናዲና ንጽበዮ ኣሊና ኣብ ውሽጢ ልብና ክንሰምዖ ንኽእል። ብዙሕ ግዜ ጐይታ ኣብ ጥቃና ምሳና ከምዘሎ ኣይነስተውዕልን። ነቲ ኣብ ልብና ዝኩሕኩሕ ጐይታ ሰኣን ሰሚዕና ምኽፋት ይሓልፈና። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብጥቃይ ናይ ዝሓልፍ እግዚአብሔር ፍርሂ ኣሎኒ። ከመይ ከየስተውዓልኩሉ ከይሓልፍ እፈርህ’ ይብል ነበረ። ጐይታ ብጥቃና ይሓልፍ ኣሎ። ጐይታ ወትሩ ክበጽሓና ይመጽእ። ጐይታ ወትሩ ኣብ ልብና ይኩሕኩሕ። እንተኾነ ኣእዛና ብካልእ ድምጺ መሊኡ እንተሎ ንጻውዒት ጐይታ ክትሰምዖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣሕዋተይን ኣሓተይን ጸሎት ማለት ኣብ ትጽቢት ምንባር እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።   

ብድምጺ ንምክትታል!
09 December 2020, 18:26