ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን

እቲ ናታትኩም ናይ ቫቲካን ሰራሕተይናታትን ናይ ቅድስቲ መንበር ሕጋውን ትኽክለይናን ድላይ ክራኸብ እዩ ዘለዎ፡ ንሓድ ሕድና ምቅርራብን ኣብ ናይ ሓባር ዕዮና ንቕድሚት

ከምቲ ልሙድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቢ ዓመቱ ቅድሚ በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ ዕለት 21 ታሕሳስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዋይ ኣባይቲ ጽሕፍትን ላዕለዎት ኣካላትን ጉባኤ ብጹዓን ካርዲናላትን ሊቃነ  ጳጳሳትን ጳጳሳትን ላዕለዎት ኣካላት ዓለማውያን ምእመናን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ለጊሶምን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶምን ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ  ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝተፈላለዩ ኣባይት ጽሕፈት ሰራሕተይናታት ተራኺቦም፡ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ክንየው እቲ ዝስማዕን ነቃፊ ርእይቶ ቢልና፡ ብርግጽ እዚ እዋን’ዚ ኣዚዩ ጽንኩርን ኣድካምን እውን ይኹን፡ በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ እቲ ኣብ ምስክርነት ዘሎ ሓሴት ዳግም ንኽንራኸብ ይደግፈና ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በቢ ዓመቱ ንናይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ቅዱስነቶንም ንናይ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ተውቐቢሎም ብኣካል እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክብሉን ኣባታዊ ቅርበቶምን ዝገልጹላ ዕለት ኣብ እምነት ዘጸናንዕን ድጋፍን ተስፋን ዘበራትዕን ክኸውን እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብሓቂ ጽንዓትን ተስፋን ዘዕስል እዩ። ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ብሓባር ክስገርን ሓድነትን ጥምረትን ሓይሊ ምዃኑ እውን ኣብ መልእኽቶም ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

እቲ ክንኸዶ ዝግብኣና መገዲ ብሓባር እቲ ሓደ ኣብ ጐድኒ ሓደ ክኸውን ዝብል እዩ፥

እቲ ናታትኩም ናይ ቫቲካን ሰራሕተይናታትን ናይ ቅድስቲ መንበር ሕጋውን ትኽክለይናን ድላይ ክራኸብ እዩ ዘለዎ፡ ንሓድ ሕድና ምቅርራብን ኣብ ናይ ሓባር ዕዮና ንቕድሚት ምስጓምን . . . ተሓባበርትናን ንስኻትኵምን ኣብ ቅድስቲ መንበር እትዓዩ፡ ንቕድስቲ መንበር ኣገደስቲ ኢኻትኵም፡ ሓደ’ኳ ንድሕሪት ንበይኑ ክሕደግ የብሉን!

ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራን ቅድስቲ መንበርን ሓደ’ኳ ንድሕሪት ከይተርፍ ዝከኣሎም ይገብሩ ከምዘለዉን ካብ ስራሕ ምስንባት ዝብልዎ ውሳኔ ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከቢድ ቅልውላው ኤክንኖሚ ዘስዓበ ይኹን ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ኣረጋጊጾም፡ ነገራት ከይህልዉ ዝገብር ሽሕራዊ በትሪ የሎን፡ ስለዚ እቲ ጻዕሪ ናይ ሓባርን ንሓድ ሕድና ኣብ ምድግጋፍን ንቕድሚ ክንብል ዝሓትት ምዃኑ እንከተሓሳስቡ፥

ንሓድ ሕድና ንኽንደጋገፍን ኣብ ናይ ሓባር ምድግጋፍ ኪደት ክንተሓባበርን ይግብኣና፡ ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ቀሊል ኣይኮነን፥ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ይዅን ኣብ ቅድስቲ መንበርን ጸገማት ብቕጽበት ዝፈትሕ ሽሕራዊ በትሪ የሎን፡ እንታይ ደኣ ብሓባር መፍትሒ ከነናድይን ጽቡቕ ድላይ ክህልወናን እዩ ዝግባእ። ብሓባር ኵላትና ነቲ ጸገም ክንፈትሖ ኢና። ንስኻትኵም ኣብዚ ሓግዙኒ ኣነ እውን ክሕግዘኵም እየ፡ ንሓድ ሕድና ንተሓጋገዝ፡ ኵሉ ብሓባር ከም ሓንቲ ስድራ ንቕድሚት ክብል መታን፡ የቐንየለይ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓድሽ ናይ ልደት ብርሃን

ቅዱስ ኣቦና በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣማእኪሎም፥ በዓለ ልደት ናይ ሓሴት በዓል እዩ፡ ነቶም ንዝተወልደ ሕጻነ ኢየሱስ ንኽርእዩ ናብቲ መብልዒ ማል ዝጐዩ ዝነበሩ ጓሶት እናሓሰቡ፥ ንሕና እውን ነዚ ንኽንፍጽም ዝተወጸዋዕና ምዃንና እንከብርሁ፥

ንሕና እውን ናብ ኢየሱስ ክንኽይድ እዩ ዝግብኣና፡ ካብቲ ምትኻስን ቋሕመም ካብ ምባልን ካብ ምስልካይን ካብቲ ኣልቦ ድላይን ፍርሕን ብፍላይ ካብቲ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ተስፈይና ምዃን ኣድካሚ ኣብ ዘምስል ዘስዕቦ ፍርሒ ገዛእ ርእስና ነኸናግፍ መታን፡

ሕያው ኢየሱስ ምርካብ

ቅዱስነቶም እቶም ጓሶት፥ ብቐዳምነት እቲ ናይ ታሪኽ ዓቢይ ክስተት ዝኾነ ውልደት ወልደ እግዚኣብሒር ምርካብን፡ ሎሚ እውን ዋላ’ኳ ዝብደልን ብናይ ብዙሓት ክርስቲያን ሕይወት ግድፈታት ዝጉዳእ እውን እንተመሰለ፡ ብዛዕባኡ ይዝርብ፡ ንሱ ህያው እዩ፡

ዕስራ ዘመን ሓሊፉ እዩ፡ ኢየሱስ ብዙሕ ኣሳዶ ዘጓንፎን ብናይ ብዙሓት ክርስቲያን ጉድለት ምስክርነት ዝረሰሔን ዝተጐድአን እውን እንተመሰለ ካብ ቀደም ሎሚ ኣዚዩ ህያው እዩ፡ እቶም ካብኡ ዝርሕቑን ብተግባራቶምን . . . ብዘይ ንሱ ሰብ ናብ ክፍኣትን ሓጢኣትን ወልፍታትን ንኣይነትን ኣብ ዓመጽን ጽልእን እዩ ዝጸድፍ፡ ቃል ስጋ ኮነ መሕደሪኡ ኣብ ማእከልና ኣንበረ፡ እወ እዚ ኵንነት’ዚ ኢና ክንረኽቦ ዝግብኣና።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ምስትንታን

እቲ ካልኣይ ኣገባብ፥ ኢየሱስ ምስትንታን ዝብል እዩ፡ “ማርያም ኵሉ ኣብ ልባ ትዕቅቦን ተስተንትኖን ነበረት”፡ ምስቲ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ኣብ መንፈስ ቅዱስን ብመንፈስ ቅዱስን ሕይወት ዝህብ በቢ ዕለቱ ዝሕደስ ማይ ሕይወትን ምስ ምሕረትን ምርኻብን ምስትንታን፡ ናይ ሓደ ሕጻን ወጅሂ ዘለዎ ሓልዮትን ርህራሀን ኣብቲ መብልዒ ማል ምስትንታን፡ ምኽንያቱ ንኣኡ ኣብ ምጥማት ምሕርት እግዚኣብሔር ነለልዮን ንራኸቦን።

ኣብ ሕጻን ኢየሱስ እግዚኣብሔርን ኣፍቃርን ምልኣት ሓልዮትን ሕያዋይነትን ምዃኑ ይስትርአይ፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ ሕጻን ሓልዮት ዘይስምዖ መን እዩ? ልክዕ ከምኡ ንእግዚኣብሔር ብምሉእ ልባትና ከንፍቅሮ ዝከኣል እዩ፡ እግዚኣብሔር ንኸድሕናና ሓልዮቱ ገለጸልና፡ ዝደሓነ ምዃን እንታይ ማለት እዩ? ዝደሓኒ ማለት እምበኣር ከስ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ምእታው ማለት እዩ፡ ብጥምቀት ውሉደ እግዚኣብሔር ምዃን ማለት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ዓቢይ ናይ ልደት ትርጉም፥ እግዚኣብሔር ሰብ ኮነ ንሕና መታን ደቂ እግዚኣብሔር ክንከውን።

ሓሴት ዘበስሩ

እቶም ጓሶት፥ “ንእግዚኣብሔር እናወደሱን እና መስገኑን ተመልሱ”፡ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ይልውጥ፡ ስለዚ እዩ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ልደት ዘእግዚእነ” ናብ ናይ ዕዮታትናን ኣባይቲ ስድራናን ተለዊጥካ ንኽትምለስን ናይ ደስታ ብስራት ቃል ንዓለም ንኸተበስርን ዝድርኽ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ ብቓልን ብሕይወትን መሰኻኽር ምዃን፡ ብፍላይ ካብቲ ካብ እምነትን ፍቕርን ብእንቕበሎ ብሓሴትን ቅሳነትን ኣቢልና፡ ዋላ’ኳ ብዙሕ ጸገም ይሃልው ሓሴትን ቅሳነትን፡ ስቓይን ጸገምን ፈጺሙ እቲ ማንምን ሓደ’ኳ ዘይምንዝዖ ዘጸልምቶ ዘይብሉ ናይ ልደት ብርሃን ውሳጣዊ ሓሴት ኣባና ይፈጥር” ንመላእ ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕትይናታት እቲ ንሕይወትን ንዕዮን ሰናይ ዝግበር ሓሴት ንኸመሓላፉ እንክምዕዱ፥

ብዙሓት ካባኻትኵም ንብዙሓት ኣብነት እያቶም፡ ምእንቲ ኣባይትኦምን ብመንፈስ ኣገልግሎት ንቤተ ክርስቲያንን ወትሩ በቲ ኵሉ ግዜ ምስና ካብ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብዝምንጭው ሓሴት ዝዓዩ፡ ሓሴት ተላገብ ምዃኑ ሓደራዅም ኣይትረስዑ፡ ንኣብነት ልክዕ ከምቲ ካብ በለካን ለኻዓካን ሕሜታን ዝምንጭው ጓሂ ክፍኡን ንታሕቲ ዝጸቕጥን፡ ሓሴት እውን ተላገብ እዩ፡ የዕብይ እምበር ኣይጸቕጥን፡ ሕጉሳት ኵኑ ናይ ሓሴት መሰኻኽር ኵኑ፥ ብልበይ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልኵም እብል!

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፡

22 December 2020, 15:16