ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገረ ክሮኣሺያን ህዝባን ቅርበትን ጸሎትን

ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ሕዝብን ሃገርን ቅርበተይ እገልጽ፡ ብፍላይ ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዑ እግዚኣብሒኤር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ከጸናንዕን እጽልይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 29 ታሕሳስ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገረ ክሮኣሺያን ሕዝባን እናሓሰቡ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ኣረጋጊጾም፡ ሕጹጽ ሓገዝ ክቐርብ ከምእተላበዉን፡ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ኣብ ክሮኣሺያ ብዝርከብ ጨንፈር ኣቢሉ ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍ ይቀላጠፍ ከምዘሎን ሕብረት ኤውሮጳ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ ምዃኑ ከምዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ክሮኣሽያን ብዝተኸስተ ሓደጋ ርእደ መሬት ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት ተቐቢሮም ዝተረፉ ዜጋታት ብሕይወቶም ንምድሓን ዝካየድ ዘሎ ርብርብ ይቕጽል ከምዘሎን፡ ካብ ዛጋርቢያ ብሸነኽ ደቡብ ምብራቕ ኣስታት ሓምሳ ኪሎ መትር ርሕቐት ኣብ እትርከብ ፐትሪንጃ ናይቲ ርእሰ መሬት ሕምብርቲ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ድሮ ሽዱሽተ ሰባት ብሕይወቶም ከምእተረኸቡን ካብእቶም ብጽኑዕ ዝተሃሰዩ እውን ከምዘለዉን ገና በቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ኣለዉ ዝበሃሉ ድላይ ይቕጽል ከምዘሎን ካብ ክሮኣሺያ ዝወጸ ሓበሬታ የመላኽት። ዛጋብርያ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕክምናን ኣባይትን ናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ሚንስትር ሕንጻታት ናይ ሃይማኖትን ገዳማውያንን ሕንጻታት እውን ከምዘባደመ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ታሕሳስ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነታ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔት ሃገረ ክሮኣሺያ እናሓሰቡ፥

ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ሕዝብን ሃገርን ቅርበተይ እገልጽ፡ ብፍላይ ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዑ እግዚኣብሒኤር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታት ከጸናንዕን እጽልይ፡ ናይታ ሃገር መግንስቲ ብዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ተሓጊዙ ናይቲ ብርእደ መሬት ንዝተጐድአ ህዝቢ ካብ ዘጓነፎ ስቓይ ክላቐቕ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርብ እላበው!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድጋፍ

ነታ ብርእደ መሬት ዝተጐድኤት ሃገርን ሕዝባን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ምንቅስቓስ ይካየድ ከምዘሎን ናይ ክሮኣሺያ መራሔ መንግስቲ ኣንድረይ ፕለንኮቪች ነቲ ዝተጐድአ ዞባን ተቐማጦን ሓገዝ ዝውዕል 16 ሚሊዮን ኤውሮ መንግስቶም ከምዝሰለዔ እንከመላኽቱ፡ ናይ ሕብረት ኤወሮጳ ቤት ምኽሪ ርእሰ ድርገት ኡርሱላ ቮን ደ ለየን ሕብረት ኤውሮጳ ንኮሮኣሽያ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ስንድው ምዃኑ እክሕብራ፡ ኢጣሊያ ብርእሰ ብሔር ማታረላን መራሔ መግንስቲ ኮንተን ኣቢላ ምሉእ ሓገዝን ዘድሊ ኵለ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ስድውቲ ምዃና ከምዝረጋገጸት ኣፍሊጡ።

ናይ ሲሳክ ጳጳስ ጻውዒት

ብካሪስታ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት  ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያ ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዐ ካብቢ ሕዝቢ ዘድሊ ሓገዝ ንምቕራብ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን ኣብ ክሮኣሺያ ናይ ሰበኻ ኪሳክ ጨንፈር ካሪታስ ኣመሓዳሪት ክርስቲና ራዲክ ኣብቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ከባቢ ዘጋጠመ መጉዳእቲ ከቢድ ምዃኑ እንክሕብራ ናይ ሲሳክ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቭላዶ ኮሲች፥ “ስለ እቶም ብርእደ መሬት ዝተጐድኡ ዜጋታትን ከባቢን ብፍላይ ንሰበኻ ሲሳክ ሓደራ” ቢሎም፥ “ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዓት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ውግእን ለብዕን ካልእ ጸገም እውን ንምብዳህ ዝርኣናዮ ሓድነት ሎሚ እውን ነቲ ብርእደ መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ንምግጣም ነጽንዕ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

31 December 2020, 01:41