ድለ

ንበዓለ ልደት ልብና ነሰናዱ፡ ምጉርምራም ሓዲግና ሓደ ረዳኢ ዘይብሉ ጽጉም ንርዳእ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሰንበት ዕለት 20 ታሕሳስ 2020 ዓም ናይ መጨረሽታ ሰንበት ብምዝካር ንበዓለ ልደት ብጸሎት ታስዕቲ ኣብ እትሰናደውሉ ዘላ እዋን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝነበሩ ምእመናን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ዝቀረበ ብሥራት እኖና ድንግል ማርያምን እሽታኣን ዝምልከት ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ካብ እኖና ድንግል ማርያ ንጐይታ እሺ ከምዝበልካዮ ይኹነለይ ቢልና ፍቃዱ ብምቅባል ከምቲ ንሳ ኣደ ኣምላኽ ክትከውን ዝበቅዓቶ ንሕና እውን በቲ ንሳ ዝሃበትና ኢየሱስ ሕይወትና ክትንከፍን ክልወጥን ንጽዓር እንተዘየሎ ክንጽገም ኢና። ስለዚ ኣብዚ በዓለ ልደት እዚ ልብና ካብ ክፍኣት ሓራ ንክገብረና ብጸሎት እናኣተሰናዶና እንተወሓደ ንሓደ ጽጉም ብምርዳእ ነቲ ከድሕነና ዝመጽእ ጐይታ ንቀበል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብነት እኖና ድንግል ማርያም ክንክተል እዚ ከኣ በቲ ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ገብርኤል መልኣኽ ከበሥራ እንከሎ ዘርኣየቶ እምነትን ተኣዝዞን ኰይኑ ኣብዚ ንልደት ኣብ እንሰናደወሉ ግዜ ንዝወሃበና ዕድል ከም ዝግባእ ክንጥቀመሉ ምናዳ ኸኣ እቲ ንከድሕነና ዝመጽእ መድሓኔ ዓለም ኢየሱስ ልብና ክትንክፈና ክንጽልን ክንጋደልን ሓደራ ኢሎም። ብዙሕ ግዜ እንተስ ሸለልትነት ዓብሊሉና እንተስ ካልእ ጒዳያት ዓጢጡና ነቲ ንከድሕነና ዝመጽእ ኢየሱስ ኣይንዝክሮን ኣይንሰምዖን። እዚ ከኣ ዓቢ ክሳራ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ‘ከም እኖና ድንግል ማርያም ብሥራት ምስ ተቀበለ ሽዑ ንሽዑ ከይደንጐየት ከይወዓለት ከይሓደረት እኳ ደኣ ምንም ከይተጠራጠረት ብኡ ንብኡ ኣሜን ሕራይ እሺ ከም ዝበልካለይ ይኹነለይ ዝበለት ንሕና እውን ከይወዓልና ከይሓደርና ቅልጡፍን ትብዓት ዝመልኦን እሽታና ንጐይታ ንሃብ። ብፍቅሪ ሥራሕ እውን ማንም ክሓስቦ ንዘይክእል ሓደ ድኻ ረድኤት ብምግባርን ብዘብለጭልጭን ግዝያውን ነገራት ከይተታለልና ንጐይታ ዝቅበል ካብ ክፍኣት ነጻ ዝኾነ ልቢ ንክንውንን ብሱቊታ ንጸሊ ኢሎም። ከምዚ እንተገበርና ከምቲ ንእኖና ድንግል ማርያም ብሥራት ገብርኤል መልኣኽ ሓጐስ ጥራይ ዘይኮነ እሺ ሕራይ ንምባል ንኩሉ ጠንጢንካ ናይ ምምናን ጸጋ እውን ክንዕደል ንኽእል።

ሓጐስ ጥራይ ዘይኮነ ዓቢ ዋጋ ዝኽፈሎ ብሥራት!

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ብሥራት ምልስ ይብሉ እሞ እቲ መልኣኽ ‘ክትጸንሲ ኢኺ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክትብልዮ ኢኺ’ ቢሉ ከበሥራ እንከሎ እዚ ብሥራት እዚ ነቲ ንሱ ዝህቦ ዓቢ ሓጐስ ጥራይ ኣይኮነን ሒዙ ዘሎ እንታይ ደኣ ነቲ ንኩሉ ሕልምታትካን መደባትካ ጠንጢንካ ብምምናን ንፍቃድ እግዚአብሔር ክትቅበል እሺ ሕራይ ምባል እውን ኣሎ። እዚ ንኩሉ ጠንጢንካ ምምናን ዓቢ ትብዓትን እምነትን ዝሓትት እኳ እንተኾነ ብኣተሓሳስባ ደቂሰባት ግን ዝለዓለ ሓደጋ ዓቢ መሥዋዕትነት ዝሓትት እዩ። እኖና ድንግል ማርያም ከኣ ነዚ እያ ገራ።

ምርጫ እኖና ድንግል ማርያም! ሕራይ ንክትብል ንኩሉ ምምናን!

ርግጽ እዩ ኣብቲ ዘመን እቲ መሲሕ መድሓኒ ክውለድ ምዃኑ እቲ ብነቢያት ዝተነግረሉ ብዙሕ ትጽቢት እውን ዝግበረሉ ዝነበረ ሕጂዶ ይመጽእ ይኸውን ወይስ ጸኒሑ እናበሉ ካብ ዝጽበዩ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ካባይዶ ይውለድ ይኸውን! ኣደ መሲሕ ኣነዶ እኸውን! ዋይ ኣዲኡ እትኸውንሲ ተዓዲላ! እናበለ ዝሓልማ ኣይሰኣናን ነረን ይኾና። እንተኾነ ከምዚ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ብሃንደበት ብሥራት እንተዝመጸን እንታይ ኮን ምመላሽእ እዝጊ ዋናኤን። እቲ ዝለዓለ ወጥሪ ከኣ ከምኣ ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝእዝዞ ሕጽይቲ የሴፍ ኰይናስ ብሓንሳእ ንክነብሩን ሓዳር ንክገብሩን ትጽቢት ንዝግበረላ ከምዚ ምግጣሙ እዩ። በቲ ሕጊ መሠረት ከኣ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ኩነታት ዘላ ጸኒሳ እንክትርከብ ብእምኒ ተወጊርካ ሕይወትካ ናይ ምስኣን ሓደጋ እውን ኣሎ። ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ ወጥሪ ኣሕጽር ኣቢሎም ከምዚ ክብሉ ይገልጽዎ።

“ብርግጽ እቲ መለኮታዊ መልእኽቲ ንልቢ እኖና ድንግል ማርያም ብብርሃንን ብሓይልን መልእዎ ይኸውን እንተኾነ ዝቀረባ ሕቶ ብጣዕሚ ኣዋጣሪ ነበረ እትገብሮ ምርጫ ኸኣ ብጣዕሚ ከቢድ ነበረ። ንኩሉ ጠንጢንካ ብምምናን ንሕይወታ እውን ከይተረፈ መኒና እሺ ሕራይ ምባል ወይውን ኣይፋለይ ኢላ ከምቲ ትመላለሶ ዝንበረት ንቡር ሕይወት ምቅጻል እዩ።”

እኖና ድንግል ማርያምን ትብዓት ዝመልኦ እሽትኣን ከም ፍቅርቲ እግዚአብሔር!

ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ወጥሪ እንከላ እኖና ድንግል ማርያም እንታይ ኮን ገበረት ኢሎም ሕቶ ዘቅረቡ ቅዱስነቶም፣ ብዘይ ነግፈረግ ብትብዓት ሽዑ ንሽዑ ‘ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ’ በለት ኢሎም። እዛ ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ እትብል ቃል ብላቲ ፍያት ማለት ፍቃድካ ይኹን! ንስኻ ዝበልካዮ ይኹን እንክትርጐም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ናይ ብዙሓት ቅዱሳትን ቅዱሳንን መምርሒ ዝኾነት ዓባይ ቃል እያ። በቲ እኖና ድንግል ማርያም ትዛረቦ ዝነበረት ቋንቋን ኣብ ወንጌል ዝተጻሕፈሉ ቋንቋን ግን ይኹን ዝብል ዓንቀጽ ኰይኑ ሓያል ሃረርታን እቲ ጉዳይ ኣባኻ ንክፍጸም ዘሎ ጽኑዕ ፍቃድ ወይ ድላይ የመልክት። ስለዚኸስ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚኸስ እኖና ድንግል ማርያም ንማለቱ ዝወለደት ትውለድ ሓራይ ዝመጸ ይምጻእ ወይውን ከም ሻሙ ዝኾነ ይኹን ሓራይ እስኪ ኣይኮነትን ዝበልት ወይውን ካልእ ምርጫ ስለዘይነበራ ካብ ኮነ እሞ እንታይ ክገብር ካብ ወረደ እንታይ ክገብር ሕራይ ይኹን ኣይኮነትን ዝበለት ምሉእ ብምሉኡ ነቲ ኩነት ተረዲኣ ተሳታፈንታን ተወፋይነታን ሃረርታኣን እንክትገልጽ ንዝኽፈል መሥዋዕቲ ብትብዓት ብምቅባል እያ ፈትያን ረድያን ዝተቀበለቶ ኢሎም።

“ብተጽዕኖ ኣይኮነትን እትቅበሎ ንእግዚአብሔር ትውፈ ትእዘዝ። እዚ ተኣዝዞ እዚ ብፍቅሪ ተደፊእካ ንካልኦት ንምግልጋል ብኡ ኣቢልካ ከኣ ንጐይታ ንምግልጋል ዝግበር እዩ። ምናልባት እስኪ ኪሓስበሉ ግዜ ሃበኒ ወይውን እንታይ እንታይ ክስዕብ እይ ከመይ ከመይ ኢሉ ክኸውን ዝርዝር ዝበለ መግለጺ እስኪ ይወሃበኒ ወይውን ሕራይ እንተኢለ እንታይ ውዕል ትኣትወለይ ወዘተ ክትብል ምኸኣለት። እንተኾነ ብዘይነግፈረግ ኣብኣ ሽዑ ንሽዑ ወድኣቶ ዓቢ እምነት። ንሕና እውን ነታ ነርክበሉ ደሓር እገብሮ ጽባሕ አርበሉ ንዝብል መነባብሮና ክንቅይር የድሊ።”

መነባሮና አርከበሉ! ጽባሕ ክገብሮ እየ!

ቅዱስነቶም ኣብ መንባብሮና ምልስ ይብሉ እሞ ክንደይ ውረድ ደይብ ክሓስበሉ እዩ ግዜ ይወሃበኒ እናበልና ውሳኔ ከይወስድና ጸሓይ ትዓርበና። እኖና ድንግል ማርያም ግን ምንም ግዜ ከይጠፍኤት ንጐይታ ከይጸበየት ብኡ ንብኡ ሓራይ ትብል። ንሕና እውን ግዜ ከየጥፍኣና ንጐይታ ከየጸና ይጽንሓለይ አርክበሉ ከይበሉ ሕጂ መልሲ ክንህብ ንጽዋዕ ኣሎና።

“ክንደይ ግዜ ኮይ ይኸውን ኣብ ሕይወትና ይጽንሓለይ አርክበሉ ዘይበልና። እዚ ከኣ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና እውን ከይተረፈ እዩ። ጸሎት ከምዝሕግዘኒ እፈልጥ እየ እንተኾነ ሎሚ ግዜ የብለይን ደሓር እገብሮ ጽባሕ አርክበሉ ንብል። ከምኡ እውን ንጽጉም ምርዳእ ኣድላዪ እዩ እንተኾነ ሎሚ ኣይክእልን። ጽባሕ እገብሮ ንብል እዚ ከኣ ብካልእ ኣዘራርባ ፈጺምካ ኣይግብረን ማለት እዩ። ሎሚ ኣብ ድሮ በዓለ ልደት እኖና ድንግል ማርያም ከምኣ እሺ ሕራይ ክንብል ትዕድመና ኣላ። ሓደራ አርበክብሉ ኣይትበሉ ትብለና ኣላ።”

እሽታና ንዓና ዘይኮነ ንድኻ እዩ ውህበት ዝኸውን!

ርግጽ እዩ ይብሉ ቅዱስነቶም ርግጽ እዩ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣፍና እትወጽእ እሽታ ዋጋ ተኽፍል እያ! እንተኾነ ናይ ኩልና ተደማሚሩ ነታ ድሕነት ዘምጽኣትንልና ተባዕን ሽዑ ንሽዑ ብእኖና ድንግል ማርያም ዝተባህለት እሽታ ኣይኮናን። ሃየስከ ኣብ ገዛእ ርእስና ምልስ ኢልና ንሕናኸ ኣየናይ እሽታ ክንገብር ንኽእል ኢልና ንሕተት ኢሎም።

“ኣብዚ ዘሎና ከቢድ ግዜ እዚ ኣብ ብለበዳ ኮቪድ 19 ዕሚም እናበልና ምሥራሕ ከሊኡና ኢልና ምጉርምራም እስኪ ሓደ ኣብ ኢድና ዘሎ እንኽእሎ ነገር ክንገብር ንበገስ። ናይ ልደት ውህበት መቸም ሕማምና እንድዩ። ክንዲ ንገዛእ ርእስና ወይ እውን ንእንፈተዎም ኣዕሩኽትናን ኣዝማድናን እስኪ ንሓደ ማንም ዘይዝክሮ ድኻ ሓደ ውህበት ንዓድል። ከምዚ ምስ እንገብርን ብሃላኺ ነገራት ዓለምና ካብ ምሕሳብ ሓራ ኰና ምስ እንጽልን ክንዕወት ኢና።”

ንጸሊ! ሃላኺ ነገራት ዓለም ጅሆ ኣይሓዙና!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ዝሃብዋ ዓባይ ምኽሪ ጸገምና ፈሊጥና ካብቲ ቀንዲ ፈተና ክንሃድምን ክንጽልን በዚ ከኣ ልደት ኢየሱስ ልደትና ክኸውን ኢየሱስ ሕጻን ኣብ ልብና ክውለድ ከዝኽእል ከምዚ ክብሉ መኺሮም። ‘ኢየሱስ ኣብ ልብና ክውለድ ንደሊ እንተደኣ ኰና ንጸሊ! ናይ ዓለምና ሃለኽቲ ነገራት ከየዕሽውና ንጠንቀቅ። ከመይ እዚ ሓላፊ ነገራት እዚ ዳርጋ ንልደት ጅሆ ሒዝዎ ኣሎ ክንብል ንኽእል። ካብዚ ሓራ እንተኾይኑ ጥራይ እዩ ልብና ከም ናይ እኖና ድንግል ማርያም ካብ ክፍኣት ሓራ ኰይኑ ንምቅባል ስንድው ኰይኑ ንእግዚአብሔር ከሕድር ዝኽእል’ ኢሎ።

በዓለ ልደት ሕይወትና እንተዘይተንኪፉ ብከንቱ ይሓልፍ!

ቅዱስነቶም ቀቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምድጋሞም እታ ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ዝቀረበት ዕለት ዕለት መልአከ እግዚአብሔር እንደግመላ መራሒ ወትቤ ማርያም ነየ ዓመቱ ለእግዚአብሔር ምስ በለ ተመራሕቲ ዝምልሽዋ ይኩነኒ በከመ ትቤለኒ ሎሚ ቅድሚ ምድጋማ ኣጸቢቅና ነስተንትና ኢሎም። እዛ ሎሚ ኣብ መወዳእታ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ዝሰማዕናያ ናይ መጨረሽታ ቃል እኖና ድንግል ማርያም ‘ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ’ እትብል ንዓና እውን ሓድ ጭቡጥ ስጉምቲ ናብ ልደት ገጽና ክንገብር እትቀበላ ዓባይ ዕድመ እያ። ምኽንያቱ ከኣ ልደት መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልብና እንተዘይተንኪፉ ኩሉ ከንቱ እዩ እሞ ሓደራ’ ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
20 December 2020, 12:03